‹‹ጉጅለ ህወሓት ብተፈጥሮኦም ሰላም ሂቦምን ረኺቦምን ኣይፈልጡን›› – ኣይተ ሙዑዝ ገብረህይወት

ጋሻና ኣይተ ሙዑዝ ገብረህይወት ኣምባሳደር ሰላምን ተሟጓቲ ሰብኣዊ መሰልን ‘ዮም፡፡ ኣይተ ሙዑዝ ኣብ ትግራይ ከባቢ ኢሮብ ዓሲምባ ዝበሃል ቦታ ተወሊዶም ዝዓበዩ እንትኾኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ጉዳይ ሰላምን ምግባረ ሰናይን እናሰርሑ ይርከቡ፡፡ ካብ እዋን ቑልዕነቶም ጀሚሮም ኣብ ክፍለ ሰራዊት ዘንዶ እናተቓለሱ ዝፀንሑን ቕድም ክብል ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ትግራይ ከይትግንፀል ብዕሊ ዝተቓለሱን ድሕሪኡ ድማ ብሕቡእ ንዒስራን ሸውዓተን ዓመት ፤ድሕሪ ለውጢ ድማ እስካዕ ሐዚ እናተቓለሱ ዘለዉን ብዙሕ ፅዕንቶታት እናበፅሕዎም ተፃዊሮም ፊትንፊት እናተቓለሱ ዘለዉ ኢትዮጵያዊ ‘ዮም፡፡ምስ ኣይተ ሙዑዝ ዝገበርናዮ ፃንሒት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮለና ሰናይ ፃንሒት፡፡

ወጋሕታ፡- ፈለማ ብሓፂሩ ጉዕዞ ታሪክ ህይወትኩም እንታይ ከም ዝመስልተዝነጉሩና ኣይተ ሙዑዝ፡- ኣምባሳደር ሰላምን ተሟጓቲ ሰብኣዊ መሰልን ‘የ፤ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ምግባረ ሰናይ ፣ኣብ ጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያ እናሰራሕኹ ‘የ፤ኣብ ትግራይ ኢሮብ ዓሲምባ ዝበሃል ከባቢ ‘የ ተወሊደ ።እስካዕ ሻብዓይ ክፍሊ ኣብ ኢሮብ ተማሂረ ቐፂለ እስካዕ ዓስራይ ኣብ ዓዲ ግራት ተማሂረ ድሕሪኡ መቐለ ሽረ እናበልኩ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ምስ ወዳእኹ ምሸት እናተምሃርኩ ዲፕሎማ ሒዘ፤ ኣብ ዝፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ምስራሕ ቐፂለ ድማ ዲግሪ ብማነጅመንት ተመሪቐ። ኣብ እዋን ደርጊ ኣብ ህዝባዊ ሰራዊት ኣዞ ዝበሃል ትግራይ ከይትግንፀል ኣንፃር ህወሓት እናተቓለስኩ ነይረ፤ ኣብ 1983 ዓ/ም ሃረር እናሃለኹ መፂኦም እዚ ምስ ደርጊ ዝነበረ ‘ዩ ኢሎም ልዕሊ ዓመት ኣብ ጉድጓድ ተኣሲረ ፤ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ትግራይ ከይትግንፀል ዒስራን ሸውዓተን ዓመት ብሕቡእ እናተቓለስኩዎም ፀኒሐ’የ።ሐዚ ‘ውን ድሕሪ ለውጢ ብግልፂ እናተቓለስኩ ‘የ፤ብምቕላሰይ ድማ ሓደ ዓይነይ ብሕክምና ፈሊጦም ክጠፍእ ተገይሩ ነይሩ፤ናብ ወፃኢ ኸይደ ‘የ ተሓኪመ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ተወለድቲ ትግራይ ብኻራ፣ብመኪና ክገጭዉኒ ብዙሕ ናይ ሞት ፈተነታት ገይሮምለይ ‘ዮም፤ኣነ ሞት ኣብ ኢደይ ሒዘዮ ‘የ ዝዘውር ምንም ኣይመስለንን ምኽንያቱ ምእንቲ ሓድነትን ፍቕርን ሃገረይ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነ እንተሞትኩ ‘ውን ኣየደንቐንን። ንኣብነት ቕድም ክብል ኣብ ምኽክር ኮምሽን ተመሪፀ ካፍቶም ሽዱሽተ ምኢትን ገለን ነይረ። መብዛሕትኦም ተወለድቲ ትግራይ ኣነ ንኸይምረፅ ገይሮም ‘ዮም።

ወጋሕታ፡- እቲ ዘተ ሰላም ሕገ መንግስተ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ ዝብል መርገፂ መንግስቲ ከመይ ይሪእዎ፤ ህወሓት ድማ እቲ ዘተ ንምግባር ቕድመ ኩነት ኣቐሚጦምን ንሰላም ዘለዎም ቕሩብትነት ከመይ ይገልፅዎ? ኣይተ ሙዑዝ ፡- ኣነ ኣብ ዝተወለድኩሉ ኸባቢ ብቑልዕነተይ ኢህኣፓ፣ህወሓት፣ኢዲዩ ነይሮም።ኣፍቲ እዋን እሱ ‘ውን ህወሓት ሰላም ደልዩ ኣይፈልጥን ፤እቲ ናይ ቑልዕነት ተዘክሮ ድማ ኣይርሳዕን ‘ዩ። ግንባል ገድሊ ሓርነት ትግራይ(ግገሓት) ዝበሃል ቅደሚኦም ዝተፈጠረ ውዳበ ነይሩ፤እሳቶም ከምቲ ዝፍለጥ ደደቢት ‘ዮም ተፈጢሮም፤ ግገሓት ግና ኣብ ምብራቕ ትግራይ ‘ዩ ተፈጢሩ።ንዛተይ ኢሎም ብምፅዋዕ ለይቲ ‘ዩ ቐቲልዎም ዝሓዲሩ። ከምቲ ዝፍለጥ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተገበረ ኲናት ‘ውን ናብ ወፃኢ ኸይዶም ተዓሪቖም ኣይኮኑን መፂኦም፤ዝገደደ ነገር ጎንጒኖም ልዕሊ 20 ዓመታት ተፋጢጦም ኣብ ጉድጓድ ከም ዝፀንሑ ዝፍለጥ ‘ዩ፤ስለዝኾነ ጉጅለ ህወሓት ሰላም ፈጢሩ ኣይፈልጥን ። ጉዳይ ሰላም ተቐቢልናዮ ኢና እንተበሉ ‘ውን መርገፂኦም ግና ገና ኣይተፈልጠን፤ ምኽንያቱ እስካዕ ሐዚ ኮሚቴ ከጣይሹ ነይርዎም፤እቲ ዘጣየሽዎ ኮሚቴ በዓል መን ከም ዝኾኑ ህዝቢ ክፈልጦም ነይርዎ፤ኾይኑ ግና ኣይገበርዎን።እኳድኣስ እቲ ወሃቢ ቓል ከምዝብሎ እንተኾይኑ ናብ ኲናት እናምርሑ ከም ዘለዉ ‘ዩ ዝገልፅ ዘሎ። ከምቲ ኣብ ቐረባ እዋን ዝረአናዮ ድማ ዶክተር ደብረፅዮን ቕድመ ኹነት ኢሉ ዘቐመጦም ጉዳያት ሑመራ ክልቀቕ ኣለዎ፣ መብራህቲ፣ባንኪ መንገዲ ክኽፈት ኣለዎ ኢሉ ‘ዩ ተዛሪቡ። ብመሰረቱ ሓደ ነገር ክነግረኩም ኣብ ዓለም ንፀላኢኻ ቐለብ ኣይወሃብን ፤ሐዚኮ ንህወሓት ‘ዩ ቀለብ እናተውሃበ ዘሎ ስድራና ረድኤት ኣይረኽቡን ዘለዉ ፤ስለዝኾነ እዞም ሰባት እናኣወጁዎ ዘለዉ ሰላም ዘይኮነስ ኲናት ‘ዩ። ንኲናት ድማ ዓቕሚ የብሎምን መልሓስ ‘ዮም ሒዞም ተሪፎም ምኽንያቱ፤እስካዕ ደብረ ብርሃን በፂሖም መዓት መንእሰይ ትግራይን ናይ ኹላትና ቤተ ሰብን ኣሕዋትናን ኢና ስኢና።ብኽልቲኡ ወገን ብዙሕ ሰብ ተጎዲኡ ‘ዩ፤እዞም ሰባት ግና ብደም ዝተጨማቑ ስለ ዝኾኑ ሰላም ኣይደልዩን።ምኽንያቱ ቕድመ ኹነት ምቕማጥ ማለት ሰላም ዘይምድላይ’ዩ። ክኾን ዝግብኦ ሓሳቦም ናፍቲ ድርድር ሒዞም ይቐርቡሞ፤ደሓር ብዝርዝር እቲ ዝደልይዎ ይሓቱ መንግስቲ ፌደራል ድማ ይሓቶም ድሕሪኡ እቶም ዝተብሃሉ ቐድመ ኹነታት ክፍፀሙ ይግበር ‘ምበር ፤ገና ናብ ዘተ ቕድሚ ምምፅኦም ሑመራ ይከፈተልና ገለመለ ዝበሃል ነገር ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። እዞም ሰባት እዚኦም ባህረቶም ስለዘይኮነ ሰላም ፈጢሮም ኣይፈልጡን።ምናልባት ሰላም እንተፈጢሮም ግና ህዝቢ ትግራይ ክሓቶም ‘ዩ።ብዙሓት ኣሕዋትና ሞይቶም ‘ዮም፤ኣነ ንባዕለይ 5 ኣሕዋተይ ሞይቶም ‘ዮም፤በብገዝኡ ብዙሕ ሰብ ሞይቱ ‘ዩ፤እሳቶም ግና ኣብ ግምባር ኣለዉ እናበሉ ‘ዮም ነቲ ህዝቢ ዘታልልዎ፤ካብ መቐለ እስካዕ ደብረሲና ዝበፅሑ ክንደይ መንእሰይ ትግራይ ‘ዩ ዝሃለቐ? ሐዚ ኣብ ትግራይ መድሓኒት የለን፣ቀለብ የለን፣ብዙሓት ሰባት ብዝተፈላለየ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰኣን መድሓኒት እናተወድኡ ‘ዮም። ብዙሕ ከም ዝተፀገሙ ናብ ኣላማጣ እናመፁ ይድዉሉልና ‘ዮም፤ነዞም ጉጅለ ህወሓት መንግስቲ ይቕረ ኢሉ እንተተዓረቖምኳ ህዝቢ ግና ኣይሰዶምን ክሓቶም ‘ዩ፤እቲ ዝገርም ነገር ቑሱል ሕክምና ስኢሉኑ ብጨውን ብዕረን እናሓፀቡ ‘ዮም ዝሕክምዎ፤ፍርቁ ድማ ይቐትልዎ። እቲ ኻሊእ ህዝቢ ትግራይ ናብ ጎራብቱ ኤርትራን ኣምሓራን ከይኸይድ ኣፃሊኦሞ ‘ዮም።እዚ ህዝቢ እናሓተተም ‘ዩ፤ ምሕታት ጀሚሩ ‘ዩ፤እሳቶም ድማ ኣብ ኽልተ ተገሚዖም ‘ዮም።ኣብ ውሽጢ እዚ ወርሒ ልዕሊ 500 ምኢቲ ናታቶም ዕጡቓት ተፈልዮም ሸፊቶም ‘ዮም። ህዝቢ ድማ ኣንፃሮም ተላዒሉ ‘ዩ።ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናይ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት፣ዒስራን ሸውዓተን ዓመት፣ሐዚ ድሕሪ ለውጢ ሓሙሽተ ዓመት ናይዚ ኹሉ ዓመታት በደል ስለ ዝሓቶም ንሳቶም ድማ ቕድመ ድርድር እናበሉ ዘለዉ በዚ ምኽንያት ‘ዩ። ጉጅለ ህወሓት ብተፈጥሮኦም ሰላም ሂቦምን ረኺቦምን ኣይፈልጡን እዚ ናታቶም መለለይ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- እዚ ጎስጓስ ኲናት ናብ ኲናት እንተምሪሑ ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ከስዕቦ ዝኽእል ፅልዋ ከመይ ይገልፅዎ፤ ኣይተ ሙዑዝ፡- ሐዚ ‘ውን ኣብ ትግራይ ጎስጓስ ኲናት እናገበሩ ‘ዮም ዘለዉ፤ እቶም ዝተራረፉ ሙሁራት፣ሓኻይም ሓረስቶት ‘ምበር ሐዚ ብዙሕ ዝተረፈ መንእሰይ የለን፤ጥርሖም ተሪፎም ‘ዮም፤ቐደም ንህቢ ነይርና ይብሉ ሐዚ ግና ናብ ሃመማ ‘ዮም ተለዊጦም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ናታቶም ሓይሊ መልሓስ ጥራሕ ‘ዩ። ህዝቢ ድማ ሐዚ እናተዛረበ ዩ፤ናብ ፀልማት ኣእቲኹምና ፤ሰላም ኢና ንደልይ፤እምብልና እናለበ ካብ ኣኼባታት እናተበተነ ‘ዩ ዘሎ። ድሕሪ ሐዚ መራሕቲ ህወሓት ስዒሮም ሰራዊት ዝመርሑሉ ኹነታት የብሎምን።ምኽንያቱ ልዕሊ ሚሊዮን ዝኾኑ ደቁ ‘ዩ ስኢኑ፤ድሕሪ ሐዚ ንመን ሒዞም ‘ዮም ዝዋግኡ፤ቐዳማይ ህዝቢ ኣብይዎም ‘ዩ፤ብሕሱም ጥምየት ስግኡ ምስ ኣዕፅምቱ ተጣቢቑ ‘ዩ ዘሎ፤ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ዝሓዞ ቕዋም ሰላም ክቕፅል ኣለዎ፤ ተወለድቲ ትግራይ እቶም ሓቀኛ ቕዋም ዘለዎም ምስ ጉጅለ ህወሓት ማዕተቡ በቲኹ ዝተፃልአ ሓይሊ ሒዞም ክወፁ ኣለዎም።ህዝቢ ክነብር ኣለዎ ፓርቲ ግና ጠፋኢ ስለ ዝኾነ ህወሓት ክሕተት ይግበኦ።

ወጋሕታ፡- ዳያስፖራ ትግራይ ጉጅለ ህወሓት ናብ ሰላም ንኽመፅእ እንታይ ክገብር ኣለዎ? ኣይተ ሙዑዝ፡- ከምቲ ዓንተወይ ዝበልክዎ ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ሰባት ኣብ ምቾት ዘለዉ ‘ዮም፤እናተወደአ ዘሎ ግና ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ‘ዩ። ብሰንኪ ጉጅለ ህወሓት ኣሕዋቱን ስድርኡን ስኢኑ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ እናተወደአ ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዝርከብ ትግራዋይ ‘ውን ብሰንኮም እናተፀልአ ‘ዩ ዘሎ፤ብተወሳኺ ድማ ናታቶም ሓሻኽር ኣብ ሚዲያታት ኣለዉ ፤ኣብ ስልጣን መንግስቲ ኣለዉ፤ እዚ ክብል ከለኹ ካብ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ኻልኦት ብሄራት ‘ውን ኣለዉ ብጥቕሞም ዝተዓሸዉን ብመውስቦ ዝተኣሳሰሩን ንዓኣቶም ብሃንቀውታ ዝፅበዩ ኻልኦት ብሄራት ኣለዉ። ኣነ ክብሎ ዝደልይ ብፍላይ ኣብ ወፃኢ ዘለኹም ተጋሩ ተትገድፉ ይሕሸኩም ፤ትግራይ ፈፂማ ሃገር ኣይትኸውንን።ኹሉ ተወላዲ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብኽልተ ካራ ክበልዕ የብሉን።ንሸፋቱ ህወሓት ቦምቢ ከቐብል የብሉን።እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕጡቕ እቲ ጠበንጃ ናብ ህወሓት ክጠውዮ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ሰላም ንኽመፅእ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክግበር ኣለዎ? ኣይተ ሙዑዝ፡- እቲ ዋና ናብ ሰላም ዘምፅአና ነገር ሰላም ዝብል ሰብ እንትህሉ ‘ዩ፤ ኲናት ሰብ ‘ዩ ዝውድእ ፤ኲናት የፈናቕል፤ኲናት ዓዲ የብርስ ፤ህዝቢ የፈላሊ ኣዝዩ ሓደገኛ ‘ዩ። ኲናት እንተሃልዩ ሰብነትና ከይተረፈ ናትና ኣይኮነን፤ብፍላይ ድማ ንኢትዮጵያ ኣይጠቅምን ርኢናዮ ኢና።ኣሽንኳይዶ ንሰብ ንእንስሳ ‘ኳ ኣዝዩ ኽፉእ ‘ዩ።ስለዝኾነ መራሕቲ ህወሓት ናብ ሰላም ንኽመፁ ይመኽሮም። ኣብዚ ኾይኖም ዘራስኑን ዘቃጥሩን ተወለድቲ ትግራይ ድማ ኣደብ ተዝገብሩ ፤ቕድሚ ኲናት ኣሽንኳይዶ ሰብ ሓንቲ ጫቍት ከይትመውት እናበልና ሰቢኽናን ለሚናን ኢና፤ኣብ ትግራይ ኲናት ከይልዓል ኢትዮጵያውያንን ተጋሩን ከይጉድኡ ኢትዮጵያ ሰላም ክትኸውን፤ ግድብና ክዛዘም ልምዓትና ክሳለጥ ኢትዮጵያ ብሰላም ክትቕፅል ዝብል ‘ዩ ነይሩ ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠሩ ኹሎም ጎንፅታን ግብረ ራዕድን ኣብ ኩሉም ህወሓት ተሳቲፎም ዮም ፤ሎምቕነ ኣብ ጋምቤላን ኣብ ወለጋን ዝተገበሩ ራዕድታት ብድሕሪቶም ህወሓት ዘለዎ ‘ዩ።ስለዝኾነ ኹሉ ንሰላም ክሰርሕን ክቕረብን ሰላም ንኢትዮጵያ ይምነይ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያውነቱ ክፍለ ዝደልዩ ሓይልታት ኣለዉ ሞ፤ኣብዚ ዘለዎም ሪኢቶ እንታይ ዩ? ኣይተ ሙዑዝ፡- ሐዚ ንሳቶም ዝደልይዎ ነገር ትግራይ ንበይና ሃገር ክትኸውን ‘ዮም ዝደልዩ፤ኣብዚ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ‘ውን ካብ ኢትዮጵያ ክትግንፀል ‘ዮም ዝደልዩ።እሳቶም ካብ ወሎ መሬት ምቑራስ ካብ ጎንደር ፣ዓፋርን ኤርትራን መሬት ቖራሪሶም ትግራይ ሃገር ክንገብራ ኢና ዝብል ሓሳብ ኣለዎም።እዚ ኣብ 1983 ዓ/ም ክገብርዎ ምኽኣሉ ነይሮም ኾይኑ ግና ኣይተሳኸዐሎምን፤ሐዚ ድማ ሓሳቦም ሑመራ ኸፊቶም ብሱዳን ገይሮም ግብፂ ናብ ኢትዮጵያ ኣትያ ክትሕምስ ‘ዩ ድሌቶም፤ ግድብ ህዳሰ ከይውዳእ ዝግበር ተንኮል ዩ፤ስለዝኾነ እዞም ኢትዮጵያ ኣፍሪሶም ትግራይን በይና ክትኸውን ክትፍለይን ዝግበር ዘሎ ፃእርታት ቐሊል ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ተወላዲ ትግራይ ንኽግለል ዝገብሩ ንሳቶም ‘ዮም፤ቕድም ክብል ብዙሓት ዝተኣሰሩ ተጋሩ ነይሮም መብዛሕትኦም መረዳታ ዝተረኸቦም እንትኾኑ ኣብ መንጎ ግና ኻልኦት ብዘይመረዳእታ ብጌጋ ዝተኣሰሩ ከም ዝነበሩ ይፈልጥ ‘ዩ፤ እዚ ንክኸውን እናጠቆሙ ዝነበሩ ግና ኣብዚ ዘለዉ ኣባላት ህወሓት ‘ዮም፤ጉጅለ ህወሓት ኣዝዩ ነዊሕ ኢድ ‘ዩ ዘለዎ፤ኣብ መንጎ ስድራ ቤት ኣትዮም ሓውን ሓፍትን የባእሱ፤ሰብኣይን ሰበይትን የፃልኡ ፍሉይ ጥቕሚ ሂቦም ንስኻ ከይፈለጥካ ምስ ወለድኻ የባእሱኻ ኹሉ ስርሖም ሰይጣናዊ ‘ዩ።እዞም ህዝቢ ክፈልዩ ለይትን ቐትርን ገንዘብ እናዋፅኡ ንራዕዳውያን ዝልእኹ ተዝዓርፉ ምኽንያቱ ሐዚ ብዙሕ ገንዘብ እናተትሓዘ ዩ፤ብጎንደር፣ብኣላማጣ ፣ብትካላት ረድኤት ተታሒዙ‘ዩ፤እዚ ኹሉ ዝገብሩ ዘለዉ ናታቶም ሓለውትን ሓሻኽርን ‘ዮም።ብሓፈሻ ህወሓት እናሃለወ ተወላዲ ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ሰላም ኣይረክብን፤ምኽንያቱ ካንሰር ‘ዩ፤ ስለዝኾነ ነዚ እትገብሩ ሰባት ተትዓርፉ ኣብ ጎኒ መከላኸሊ ሰራዊትን መንግስቲ ፌደራልን ተሰለፉ ‘የ ዝብሎም።

ወጋሕታ፡- እቲ ዘተ ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ እንታይ ዩ? ኣይተ ሙዑዝ፡- ጉዳይ ዘተ ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተጠናኺሩ እንተቐፂሉን እንተተሳሊጡን ኣዝዩ ጠቓሚ ‘ዩ፤ ፈለማ ንህዝቢ ትግራይ ዕረፍቲ ዝህብ ‘ዩ።ነቲ ዝተጎሳቖለ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ዕረፍቲ ‘ዩ ዝኸውን፤ ኾይኑ ግና ዝሰምዕን ናብ ሰላም ዝቐርብ ሰብ ኣሎዶ? ቕድም ክብል ኽቡር ፕሮፌሰር ኣርኣያ እንትዛረቡ ኣዝዩ ዘሐጎሰኒ ነገር ኣሎ ‹‹ዝኾነ ይኹን ዕጡቕ ዕጥቑ ኣውሪዱ ንሰላም እንተመፂኡ ክንቕበሎ ኢና፤ክንዛትዮ ኢና ›› ኢሎም፤ብሓቂ ደስ ዝብል ዘረባ ‘ዩ። ሰላም እንተሃልዩ ብፍላይ ነቲ ከም ሳንዱች ኣብ ማእኸል ኣትዩ ዝሳቐይ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሓራ ይወፅእ፤ ቐደም ብወለድና ሰላም ዘስፍኑ ፣ደም ዘንቅፁ ዓበይቲ ዓዲ ነይሮም፤ኣብ እንደርታ፣ኣብ ዓፋር፣ኣብ ኢሮብ፣ኣብ ሽረ፣ተምቤንን ኣኽሱምን ፣ኣብ ራያን ኽልተ ኣውላዕሎን ብዙሓት ኣቦታት ነይሮምና ሐዚ ግና የለውን ኣጥፊኦሞም ‘ዮም።ምኽክር ኮምሽን ድማ ከምቶም ናይ ቐደም ኣቦታት ሰላም ዝፈጥር ‘ዩ ኢለ ይኣምን ፤እቲ ረብሓ ግና ቐዳምነት ንህዝቢ ትግራይ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳታ ንህዝቢ ትግራይ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ ዕድል ክህቦም? ኣይተ ሙዑዝ፡- ንህዝቢ ትግራይ ዝብሎ ደቅና ኣይንወድእ፤ሓንቲ ታሪኽ ክነግረኩም ፤ንግስተ ሳባ ኣብ ትግራይ ኣዝያ ፅብቕቲ መራሒት ‘ያ ነይራ ፣በዓል ሃፀይ ዮሃንስ፣በዓል ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ፣ደጃት ስባጋድስን ዝኣመሰሉን ዓበይቲ መራሕቲ ዝነበርዋ ሃገር ‘ያ ትግራይ፤እዚኣቶም ድማ ኣብ 1968 ተመስሪቶም ሰይጣናዊ ኣገዛዝኣ ሒዞም መፂኦም፤እዞም ሰባት እዚኦም ሓንቲ መዓልቲ ሽም ሃፀይ ዮሃንስ ክልዓል ኣይደልዩን ፤ ታሪኽ ዘለዎ ወለዶ ኣይፈትዉን፤ ቕድም ክብል ኣብ መቐለ ዘሎ ሓወልቲ ንኽፈርስ ብመፅሄት ተዛሪበ ነይረ ‘የ፤ ንምንታይ እንተይልኩምኒ ‹‹ኣብ መቐለ ዘሎ ዝተኣከበ እምኒ ‘ምበር ሓወልቲ ስለዘይኮነ›› ብዙሓት ተጋሩ ልዕሊ 85 ሽሕ ዝኾኑ ተጋሩ ትግራይ ከይትግልፀል ሞይቶም ‘ዮም፤ በዓል ሃፀይ ዮውሃንስ ‘ውን ንኢትዮጵያ ሞይቶም ‘ዮም፤ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽካ እናጠፍአ ‘ዩ ዘሎ፤ናታቶም ስብከትን ፕሮፖጋንዳን ሓንቲ ኣይገብረልካን፤ሓወልቲ ክስራሕ ዘለዎ ንዝገንፀሉን ንዘፍረሱን ዘይኮነስ፤ከምኒ በዓል ሃፀይ ዮሃንስ፣ራእሲ ኣሉላን ዝኣመሰሉ ምእንተ ኢትዮጵያ ንዝተሰውኡ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እዞም ኽፉኣት መራሕቲ ዘትረፍካዮ ነገር እንተሃለወ ደቅኻ ኢኻ ስኢንካን ናብራኻ ተበላሽዩን ‘ምበር ሓንቲ ኣይተረባሕኻን፤ስለ ዝኾነ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣገዲድኻ ‘ውን እንተኾነ ናብ ሰላም ክተምፅኦምን ወይ ድማ ናብ ሕጊ ክተቕርቦምን ይግባኣካ እናልኩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዘለና ተጋሩ ድማ ብኢትዮጵያውነትና ክንኾርዕ ‘ምበር ብራዕዳውያን ክንኾርዕ ኣይግበአናን ፤ኣብ ወፃኢ ዘለኹም ተጋሩ ድማ ደቅኹም ስለዘይሞቱ ኢኹም ትፉክሩ ዘለኹምሞ ኣደብ ግበሩ፤ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ህዝቢ ትግራይ ሓራ ኣውፀአዮ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ኢትዮጵያ ማእኸላ ገነት ወሰና ብሓዊ ትተሓሎ !ሓያልን ሃፍታምን ክትኸውን ይምነይ፤ኢትዮጵያ ክትስዕር ‘ያ !

ወጋሕታ ፡- ክብረት ይሃበልና

ሄርሞን ፍቃዱ

5 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You