
ዓለም ለኸ ትሕቲ 20 ዓመት ቻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣብ ካሊ ምክያድ እንትጅምር ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ልክዕ ኣብ ኦሪገን ከምዝደመቖ ኣብ ካሊ ‘ውን ካብ መጀመርያ መዓልቲ ጀሚሩ ክደምቁ ጀሚሮም ‘ዮም።
ኣትሌታት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሪገን ዓለም ቻምፒዮና ብደቂ ተባዕትዮ 5ሽሕ ሜትሮ ዝገጠሞም ዘደንግፅ ውፅአት ኣብ ካሊ ኣይተደገመን። ፅባሕ ናይቲ ርሕቐት ተተካእቲ ዝኾኑ መናእሰይ ኮኾባት በዚ ርሕቐት ዝሳኣነቶ ሜዳልያ ወርቂ ብምውሳድ ጉዕዞ እቲ ቻምፒዮና ብዓወት ተጀሚሩ ‘ዩ።
ዓብይ ፉኽክር ዝተርኣዮ በዚ ወድድር ኢትጵያውያን መናእሰይ ኣትሌታት ምስ ዓለም ለኸ ኣትሌታት ብህልኽ ብፉኽክር ብምግባር ንዓወት በፂሖም ‘ዮም።
ብዙሓት ሃገራት በዚ ርሕቐት ጠንካራ ተፎካካሪ ኾይኖም ኣብ ዝመፅሉ ኣብዚ ውድድር መናእሰይ ኢትዮጰያውያን ኣዲሱ ይሁኔን ገበየሁ በላይ ብስራሕ ጉጅለ ከምኡ ‘ውን ብዓርሰ እምነት ዘርኣይዎ ጀግንነት ዝድነቕ ‘ዩ ነይሩ። ኽልቲኦም ኣትሌታት ምስ ኬንያ ፣ ዩጋንዳን ኤርትራን ጠንካራ ፉኽክር ዝገጠሞም እንተኾነ ‘ውን እቲ ውድድር ብናታቶም መገዲ ተቖፃፂሮም ንሃገሮም ዓወት ኣምፂኦም ‘ዮም።
ኽልቲኦም ኣትሌታት ተኸታቲሎም ንምእታው ዝገበርዎ ፃዕሪ ተዘይተሳኸዐ ‘ውን ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ዓርሰ እምነት ዝራኣዮ ዝነበረ ኣትሌት ኣዲሱ ይሁኔ ብ14፡03፡05 ብዝኾነ ሰዓት ወርቂ ክረክብ ክኢሉ ‘ዩ። ወርቂ ንምውሳድ ጠንካራ ፉኽክር ዝገበሩ ኤርትራውያን ናይ ኢትዮጵያውያን ዝድነቕ ኣወዳድኣ ምስዓር ተዘይካኣሉ ‘ውን ብርን ንሓስን ግና ክረኽቡ ክኢሎም ‘ዮም። በዚ ድማ መርሃዊ መብራህቱ ብ14፡ 03፡33 ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይ እንትወፅእ ብ14፡03፡67 ሰዓት ድማ ሃብቶም ሳሙኤል ሳልሳይ ብርኪ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ ‘ዩ።
ኣብ ሜዳልያ ብርኪ ንምእታው ዓብት ፃዕሪ ዝገበሩ ኣትሌት ገበየሁ በላይ ብ14፡04፡55 ሰዓት ራብዓይ ብምኳን ዲፕሎማ ክረክብ ክኢሉ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ትሕቲ 20ዓመት ዓለም ቻምፒዮና ኣዲሱ ይሁኔ ራብዓይ ኾይኑ እንትዛዛመ ኤርትራውያ ኣትሌታት ሓምሻይን ሻድሻይን ብርኪ ሒዞም ከምዝዛዘሙ ዝዝከር ‘ዩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ 3ሽሕ ሜትሮ ፍፃመ ኢትዮጵያ ናይ ብሩር ሜዳልያ ዝረኸበትሉ ውፅኢት ኣመዝጊባ ‘ያ። ኣብ ውድድር ኣብ ፍርቂ ጀሚሩ ኬንያዊ ኣትሌታት ካልኦት ተፎኻኸር ካብ ውድድር ወፃኢ ንምግባር ዝገበርዎ ፃዕሪ ካብ ትልሚ ወፃኢ ንምግባር ዝተቃለሰት ፅዮን ኣበበ ዝገበረቶ ጠንካራ ፉኽክር ኣብ መወዳእታ ሜዳልያ ብሩር ሰዓሪት ክትኾን ክኢላ ‘ያ። ኬንያዊት ቤቲ ቼላንጋት 9፡01፡03 ብዝኾነ ሰዓት ሰዓሪት ወርቂ ሜዳልያ ኾይና እያ። ፅዮን ኣበበ ሜዳልያ ብሩር ብ9፡ 03፡85 ብዝኾነ ሰዓት ወሲዳ ‘ያ። ኢትዮጵያዊት ብርትኳን ወልዴ ብ9፡18፡20ሰዓት ራብዓይ ብርኪ ሒዛ ዛዚማ ‘ያ።
800 ሜትሮ ኣብ ዝተገበረ መፃረይ ድማ ካብ ምድብ ሰለስተ ቅሳነት ኣለም 2፡03፡44 ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይ ብምውፃእ ናብ ፍፃመ ክትሓልፍ ክኢላ ‘ያ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 28 ሓምለ 2014 ዓ.ም