ብውድድር ሜዳልያ ዝደመቐ ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ

ኣብ ጅማ እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ መበል 6ይ ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ እቲ ሓፈሻዊ ውፅኢት ሎማዓልቲ ዝፍለጥ እንትኾነ’ውን ዛጊድ ብዝተዛዘመ ብውድድራት ኣትሌቲክስ ትግራይ በክልቲኡ ፆታን ብሓፈሻዊ ውፅኢትን ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚማ ኣላ፡፡

ብደቂ ኣነስትዮ ሓደ ወርቂ፣ ሰለስተ ብሩርን ሰለስተ ነሓስን ብምርካብ፤ ብተመሳሳሊ ብደቂ ተባዕትዮ ኽልተ ወርቂ፣ሓደ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብምርካብ ፤ብሓፈሻ ድማ ሰለስተ ወርቂ፣ኣርባዕተ ብሩርን ሓሙሽተ ነሓስን ብድመሩ 12 ሜዳልያ ብምርካብ ንክልል ኦሮሚያን ንከተማ ኣዲስ አበባን ተኸቲላ ሳልሰይቲ ኮይና ውድድር ኣትሌትክስ ዛዚማ ኣላ፡፡

ቅድሚ ትማሊ ኣብ መበል ሻድሻይ መዓልቲ መርሃ ግብሪ እቲ ውድድር ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ስፖርት ብዝተኻየዱ ውድድራት ፍፃመ ቕድም ኢሎም ኣብ ዝነበሩ መዓልትታት ኣብ ውሽጢ ሰንጠረዥ ሜዳልያ ክኣትዉ ዘይኸኣሉ ክልላት’ውን ብውፅኢት ዝተንበሽበሹሉ ኾይኑ።

ፍፃመ ብዝረኸበ ውድድር ስፔሻል ኦሊምፒክ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓፈሻ ተዓዋቲ ብምዃን ዛዚሙ። ኣዲስ ኣበባ ላዕለዋይ ብምዃን ኣብ ዝዛዘመሉ ኣብዚ ስፖርት 8 ወርቂ፣ 10 ብሪን 7 ነሓስን ሜዳልያታት ብምእካብ ሻምፒዮን እንትኸውን፤ ክልል ኦሮሚያ 2ይ፣ ክልል ሲዳማ 3ይ፣ ከተማ ድሬዳዋ ድማ 4ይ ብምዃን ዛዚሞም።

ብስፖርት ውሹ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተኻየደ ውድድር “ቻንኳን” ሱማሌ፣ ኦሮሚያን ድሬዳዋን ወርቂ፣ ብርን ነሓስን ኣመዝጊበን። ብተመሳሳሊ ብናይ ደቂ ተባዕትዮ ስፖርት ውሹ ውድድር “ታይቺ” ኣዲስ ኣበባ ወርቂ፣ ድሬዳዋ ብሪ፣ ኦሮሚያ ነሓስ ሜዳሊያ እንተመዝግቡ ብውድድር “ናንዳኦ” ኣዲስ ኣበባ ኦሮሚያን ሱማሌን ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ንዘሎ ደረጃ ሒዞም።

ብናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር “ቻንኳን” ኦሮሚያ፣ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ናይ ሜዳልያ ደረጃ ሒዞም እንትዛዝሙ፤ ብውድድር “ናንገን” ኣዲስ ኣበባ፣ ኦሮሚያን ሱማሌን ብተመሳሳሊ ላዕለዎት ኾይኖም ውድድሮም ዛዚሞም። ብውድድር “ናንኳን” ደቂ ኣንስትዮ ሱማሌ፣ ኣዲስ ኣበባን ኦሮሚያን ውፅኢት እንተመዝግቡ ብ“ታይቺዲያን” ኣዲስ ኣበባ፣ ሱማሌን ኦሮሚያን ተሸለምቲ ሜዳልያ ኾይኖም። ብናይ ደቂ ኣንስትዮ “ብሮድስ ዋርድ” ኦሮሚያ፣ ኣዲስ ኣበባን ደቡብ ኢትዮጵያን ኸምኡ ‘ውን ብ“ሎንግስ ዋርድ” ኣዲስ ኣበባ፣ ኦሮሚያን ሱማሌን ሜዳልያ ረኺቦም።

ብናይ ደቂ ኣንስትዮ ሓመሳ ማይ 400 ሜትር ናፃ ቐዘፋ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣምሓራን ኦሮሚያን፤ ብደቂ ተባዕትዮ 100 ሜትር ነፃ ቕብብል ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ድሬዳዋን ወርቂ ብርን ነሓስን ብቕደም ሰዓብ ተሸለምቲ ኾይኖም። ብደቂ ተባዕትዮ 200 ሜትር ደረት ቐዘፋ ኣምሓራ ወርቅን ነሓስን እንተመዝግብ ኦሮሚያ ብሪ ሜዳልያ ረኺቡ።

ብደቂ ኣንስትዮ 200 ሜትር ነፃ ቐዘፋ ኦሮሚያ ወርቂ፣ ኣዲስ ኣበባ ብርን ነሓስን ኸምኡ ‘ውን ብ200 ሜትር ነፃ ቐዘፋ ኣምሓራ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ንዘሎ ደረጃ ብምሓዝ ተሸላሚ ኾይኑ። ብደቂ ኣንስትዮ 200 ሜትር ውልቃዊ ሕውስዋስ ኣዲስ ኣበባ ካብ 1-3 ንዘሎ ደረጃ እንተመዝግብ ብደቂ ተባዕትዮ 200 ሜትር ውልቃዊ ሕውስዋስ ኣምሓራ ወርቅን ነሓስን፣ ኦሮሚያ ብሪ ሜዳልያ ኣመዝጊቦም። ብደቂ ኣንስትዮ 800 ሜትር ነፃ ቐዘፋ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ኣዲስ ኣበባ ወርቂ፣ ብሪን ነሓስን ሜዳልያታት፤ ብደቂ ተባዕትዮ 800 ሜትር ነፃ ቐዘፋ ኣምሓራ ወርቅን ነሓስን ኸምኡ ‘ውን ኦሮሚያ ብሪ ሜዳልያ ኣመዝጊቦም።

ኻልእ ትማሊ ፍፃመ ዝረኸበ ውድድር ኢትዮ ዩናይትድ ኢንተርናሽናል ቴኳንዶ ኣሶሴሽን ኢትዮጵያ እንትኸውን፤ በዚ መሰረት ‘ውን ብደቂ ተባዕትዮ ውድድር ጉጅለ ፀሊም ቀበቶ ክልል ኦሮሚያ ወርቂ፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብርን ድሬዳዋ ነሓስብ ሜዳልያታት ረኺቦም። ብደቂ ኣንስትዮ ውድድር ነፀላ ፀሊም ቀበቶ ድማ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወርቂ፣ ኦሮሚያ ብሪን ኣምሓራ ነሓስን ሜዳልያታት ተሸለምቲ ‘ዮም።

ብደቂ ተባዕትዮ ነፀላ ፀሊም ቀበቶ ኣዲስ ኣበባ ወርቂ፣ ኦሮሚያ ብሪን ድሬዳዋ ነሓስን ሜዳልያታት ረኺቦም። ብደቂ ኣንስትዮ ነፀላ ቀይሕ ቀበቶ ኣምሓራ ወርቂ፣ ኦሮሚያ ብርን ኣዲስ ኣበባ ነሓስን ሜዳልያታት ተሸለምቲ ኾይኖም። ብውድድር ደቂ ኣንስትዮ ነፀላ ሰማያዊ ቀበቶ ኦሮሚያ ወርቂ፣ ድሬዳዋ ብሪን ኣምሓራ ነሓስን ሜዳልያታት ዝረኸቡ ክልላት ‘ዮም።

ብናይ ደቂ ተባዕትዮ ፀሊም ቀበቶ ካብ 60-65 ኪሎግራም ውድድር ድሬዳዋ ወርቂ፣ ኦሮሚያ ብርን ኣዲስ ኣበባ ነሓስ ሜዳልያን ዝረኸቡ እንትኸውን፤ ብደቂ ኣንስትዮ ፀሊም ቀበቶ ካብ 50-55 ኪሎ ግራም ክልል ኣምሓራ ወርቂ፣ ኣዲስ ኣበባ ብርን ኦሮሚያ ነሓስን ሜዳልያታት ረኺቦም።

ብተመሳሳሊ ስፖርት ብዝተፈላለዩ መደባት ብርክት ዝበሉ ውድድራት ፍፃመ ዝተኻየዱ እንትኸውን፤ ብሓፈሻ በዝሒ ሜዳልያን ደረጃን እንትረኣይ ክልል ኦሮሚያ ብ14 ሜዳልያታት (ብ5 ወርቂ፣ 6 ብሪን 3 ነሓስን) ቐዳማይ ኮይኑ። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ11 ሜዳልያታት (4 ወርቂ፣ 5 ብሪን 32 ነሓስን) ኻልኣይ ‘ዩ። ክልል ኣምሓራ ብ9 ሜዳልያታት (ብ4 ወርቂ፣ ብ2 ብሪን 3 ነሓስን) ዝቕፅል ደረጃ እንትሕዝ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ብ8 ሜዳልያታት (1ወርቂ፣ 1 ብሪን 6 ነሓስን) ብምእካብ ራብዓይ ኾይኑ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 19 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You