“ስፖርት ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዜጋታት መፍጠሪና ‘ዩ”

ንትሽዓተ ዓመታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ንመበል ሻድሻይ ግዜ ቕድሚ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ ጅማ ብዕሊ ተጀሚሩ። ኣብ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ እቲ ውድድር ተረኺቦም ዘጀመሩ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ “ስፖርት ዜጋታት እታ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ መፍጠሪናን ንቑሕን ብቑዕን ወለዶ ነፍርየሉን ዓውድና ‘ዩ” ብምባል ገሊፆም።

ነቲ “ስፖርት ንሓርበኝነት ሕብረ ኢትዮጵያ” ዝብል መልእኽቲ እቲ ውድድር ብትኽክል ኣብ ትገልፆን ንዘመናት መነሃርያ ሕብረብሄራዊነት ኣብ ዝኾነትን ዓዲ ኣባ ጅፋር ጅማ ንተኸታተልቲ ዓሰርተ መዓልትታት ዝካየድ ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ፤ መናእሰይ ስፖርተኛታት ኣድላዪ ናይ ህይወት ኽእለታት፣ ሓቛፋይነት፣ ፍትሓውነት፣ ጉጅላዊ ስራሕን ሓላፍነትን ንኸማዕብሉ ዕድል ዝፈጥር መድረኽ ምዃኑ ‘ውን እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።

“ሃገር በቆል ፀወታታት ስፖርት፤ ህዝብታት ናይ ምትእስሳር ዓቕሚ ዘለዎም፤ ናይ ፅባሕ ሃገር ዘወርቲ መናእሰይ ሃገሮምን ባህሎምን ዝፈልጥሉ ዕድል ዝፍጠረሉ መድረኽ ‘ዩ” ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ነዚ ‘ውን መንግስቲ በቢኸባቢኡ መዘውተሪታት ስፖርት ብንእሽተይ፣ ማእኸላይን ልዑልን ደረጃ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንትሽዓተ ዓመታት ተቛሪፁ ዝነበረን ቕድሚ ትማሊ ዳግማይ ዝጀመረን ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ነዚ ዓብዪ መርኣያ ምዃኑ ‘ውን ሓቢሮም።

ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ወይዘሮ ሸዊት ሻንካ ብወገነን፤ መንግስቲ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ስራሕቲ ሪፎርም እናሰርሐሎም ካብ ዝርከቡ ዘፈራት እቲ ሓደ ስፖርት ምዃኑ ብምግላፅ፤ ማሕበረሰብ ካብቲ ዘፈር ብዝበለፀ ተጠቃማይ ንምግባር ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ስትራቴጂ ተሓንፂፁ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪበን።

ከም ገለፃ እተን ሚኒስትር፤ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ልምዓት ስፖርት ቑልፊ ንጥፈት ብምግባር ንሕብረተሰብ ተበፃሕቲ ዝኾኑ ካብ ኣናእሽቲ ክሳብ ዓበይቲ ስፖርት መዘውተሪ ቦታታት እናተሰርሑ ‘ዮም። በዚ ‘ውን ተጀሚሮም ዘይተወድኡ ኸምኡ ‘ውን ህንፀት ሓደሽቲ ስታድየማት ሓዊሱ ልዕሊ 14 ሽሕ መዘውተሪታት ተሰሪሖም።ብስፖርት ውድድር እንተዘይሃልዩ ዕዉት ምዃን ስለዘይከኣል ካብ ህንፀት መሰረተ ልምዓታት ብተወሳኺ ዝተቛረፁ ሃገርለኻዊ ውድድራት ዳግማይ ንኽጅመሩ ተገይሩ። ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ትማሊ ዝተጀመረ መበል 6ይ ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ‘ውን ነዚ ዘርእይ ‘ዩ።

ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ብመትከልን ፅንሰ ሓሳብን ኦሎምፒክ ዝካየድ ዓብዪ ሃገር ለኸ መድረኽ ውድድር ከም ምዃኑ ጅማሮኡ ንምባሳር ችቦ ኦሎምፒክ በቶም ጀጋኑ ኣትሌታት ጌጤ ዋሚን ኢብራሂም ጀላን ቐሪቡ ብናይ ኽብሪ ጋሻ እቲ ዕለት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴራል ተመስገን ጥሩነህ ተለኵሱ።

ምክትል ፕሬዝዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣወሉ ኣብዲ፣ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ኢቭጄኒ ቴሬክሂን፣ ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ቦክስ ኢትዮጵያ ከምኡ ‘ውን ፕሬዝዳንት ኮንፌዴሬሽን ቦክስ ኣፍሪካ ኣይተ እያሱ ወሰንን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን ክልልን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም። እቲ ተፈታዋይ ሙዚቀኛ ንዋይ ደበበ ከምኡ ‘ውን ብርክት ዝበሉ ሰብሞያ ኪነጥበብ ተረኺቦም።

ተሳተፍቲ እቲ ኣብ ስታድየም ዩኒቨርሲቲ ጅማ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ዝተጀመረ ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ካብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 4500 ልኡኻን ስፖርት ‘ዮም። ካብ ሎማዓንቲ ጀሚሩ ‘ውን ባህልን ስፖርትታትን ሓዊሱ ብ26 ዓይነታት ስፖርት ዝተፈላለዩ ውድድራት ክሳብ 19 ሰነ 2017 ዓ.ም ክካየድ ‘ዩ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You