“ተጋሩ ፈለማ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ፀላኢ ንቃለስ” -ኣይተ ናትናኤል ኣስመላሽ

ኣብ ሓደ ማህበረሰብ ዝግበር ፅዕንቶ ትኽከል ኣይኮነን ብምባል ብዋናነት ክቃወም ዝኽእል ናይቲ ማህበረሰብ ኣካል ዝኾነ ‘ዩ። እንተተኻኢሉ ብሰላማዊ መገዲ ተዘይኾይኑ ብሓይሊ መሰል ህዝቢ ክኽበር ምግባር ግቡእ ‘ዩ።ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ንክመፅእ ድማ ዝዓበየ ብፅሒት ዘለዎ እቲ መንእሰይ ‘ዩ። ለውጢ ንምምፃእ ኣብዚ ዘመን ኹናት ምርጫ ተዘይኾነ ‘ውን ብዲፕሎማሲ መገዲ ዝቃለሱ መናእሰይ ትግራይ ‘ውን ዉሑዳት ኣይኮኑን። ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ ሚድያታት ስርዓት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ በደል የብፅሕ ኣሎ ብምባል ብሓሳብ ኣብ ምቅላስ ካብ ዝርከቡ መንእሰይ ሓደ ኣይተ ናትናኤል ኣስመላሽ ‘ዩ።

ትውልዱን ዕብየቱን ኣብ ኣስመራ እንትኸውን ብሓሳብ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ኹናት ኢትዮ-ኤርትራ ክብሪ ሃገሩ ንምክልኻል ዝተዋገአ ‘ውን ‘ዩ። ድሕሪ እቲ ኹናት ድማ ናብ ትምህርቲ ዓለም ብምምላስ ናብ ኮሌጅ ብምእታው ትምህርቱ ዛዚሙ ‘ዩ። ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ድማ ኣብ ስራሕ ዓለም ይርከብ።

ናይ ፖለቲካ ተሳትፎ መልዓሊኡ ገና ካብ ሃይስኩል ተምሃራይ እናሀለወ ‘ዩ። ቅድሚ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ንጥፈት ብምስታፍ ኣብ ትግራይ ዝራኣዩ ፀገማት ክእለዩ ኣለዎም፣ ህወሓት ንስልጣኑ ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ማእገሩ ክኸውን ኣይኽእልን ብምባል ክሳብ ሐዚ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ብምባል እናተቃለሰ ይርከብ። ምስ ኣይተ ናትናኤል ኣስመላሽ(ኣክቲቪስት) ዝገበርናዮ ፃንሒት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና ። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብኸመይ ትገልፆ?

ኣይተ ናትናኤል፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ፣ ሕማቕ እናሰማዕና ሕማቕ እናራእና ኢና ዘለና ፤ ብናተይ ርኢቶ እዚ ሎሚ በፂሕናዮ ዘለና ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብዚ ብርኪ ከምንበፅሕ ኣነ ብውልቀይ ይራኣየኒ ነይሩ ‘ዩ። ናብዚ ንከይንበፅሕ ‘ውን ይቃለስ ነይረ፤ኹሉ ኢትዮጵያዊ ‘ውን ንክቃለስ ይገብር ነይረ። ግና መብዛሕትኡ ህወሓት ኣብ ስልጣን ስለ ዘላ ኣበቲ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ተጋሩ ስለዝኾኑ ክወድቅ ‘ዩ ዝብል ኣተሓሳሽባ ኣይነበሮምን። እዚ ብምዃኑ ድማ ትግራይ ኸዚ ናብ ዘላቶ ኩነታት በፂሕና ኣለና ማለት ‘ዩ። ንዓና ንተጋሩ ናብዚ ዘብፀሐና እቲ ዋና ምኽንያት ድማ እቲ ፖለቲካዊ ጌጋ መራሕቲ ህወሓት ካብ ትምክሕትን ዝተልዓለ መከላከያን ድሕንነትን ትካላትን ንሕና ኢና ዓዲ ክንመርሕ እንኽእል ዝብል ዝፀለመ ኣካይዳ ፖለቲካ ንዓና ንተጋሩ ዋጋ እናኽፈለና ይርከብ። ስለዚ ትግራይ ኣብዚ ሰዓት እዚ ደቃ ክተምህር ዘይትኽእል ፣ ሕክምና ንህዝባ ኣብ ዘይትረኽበሉ ፣ ካብ ሰላምን ልምዓትን ወፂእና ኣብ ስርናይ ረኸብናዶ ኣይረኸበናን ዝዓይነቱ ፖለቲካ ዘለናሉ እዋን ‘ዩ ዘለና። ትግራይ ኣብዚ ሰዓት እዚ ብጣዕሚ ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ትርከብ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ኸዚ ህወሓት ሳልሳይ መኸተ እናበለ ጎስጓስ ኹናት እናካየደ ‘ዩ ዝርከብ፣ እዚ ጎስጓስ ናብ ኹናት እንድሕር ደኣ ኣምሪሑ ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሕድሮ ፅልዋ ከመይ ትገልፆ?

ኣይተ ናትናኤል፡- እቲ ኸዚ ዝብልዎ ዘለዉ መኸተ ሰለስተ እናበሉ እንድሕር ደኣ ናብ ኹናት ኣትዮም ትግራይ ካብቲ ዝሓለፈ ኹናት ከም ህዝቢ ከም ዓዲ ዕንወት ከጋጥመና ‘ዩ። ኹናት እንድሕር ደኣ ተጀሚሩ ህዝብታት ክመዛበሉ ‘ዮም ፣ ህዝቢ ትግራይ ግና ምስ ኹሉ ስለዘባኣሰዎ ናበይ ከምዝመዛበል ‘ውን እንድዒ። ስለዚ እዚ ኹናት እንድሕር ተጀሚሩ ብቐዳምነት ተጎዳኣይ ዝኸውን ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። እዚ ኹናት እንድሕር ተጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ተሓቢኦም ነቲ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ነቲ መንእሰይ ኣደዳ እቲ ኹናት ገይሮም ንባዕሎም ንምድሓን ‘ዩ። ምዃን እንድሕር ኣብይዎም ድማ እቲ ኹናት ጠጠው ኣቢሎም ንሶምን ቤተሰቦምን ዘድሕንሉ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ከም ህዝቢን እቲ መንእሰይን ከንቱ መስዋእቲ ንክኸፍ ክገብርዎ ‘ዮም። ስለዚ እዚ መኸተ እናበልካ ንመውዳእታ እዋን ክንፍንፀሖ ኣለና እናበሉ ዝሓስብዎ ዘለዉ ዉግእ እንድሕር ድኣ ተላዒሉ ትግራይ ኣብ ዘመና ገጢምዋ ዘይፈልጥ ማሕበራውን ፖለቲካውን ውድቀት ከጋጥማ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ብዘይ ኹናት ክነብር ኣይኽእልን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ ኣብዚ ዘለካ ሓሳብ እንታይ’ዩ?

ኣይተ ናትናኤል፡-እዚ ትኽከል ‘ዩ። ህወሓት ብዘይ ኹናት ክነብር ኣይኽእልን ። ህወሓት እንድሕር ደኣ ክነብር ኾይኑ ንህዝቢ ትግራይ ፀላኢ ክፈጥረሉ ኣለዎ። ፀላኢ እንድሕር ደኣ ንህዝቢ ፀላኢ ተዘይፈጢርሉ ክነብር ኣይኽእልን። ህወሓት ብተፈጥርኡ ኣብ ኹናት ወይ ድማ ኣነ ጥራሕ ‘የ ዝገዝእ ብዝብል ኣተሓሳስባ ስለ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ዝተፈለየ ሓሳብ ሒዙ ዝመፀ ትግራዋይ ይኹን ኣምሓራይ ኦሮሞ ብዘየገድስ ካብ ህወሓት ኣተሓሳስባ ውፅእ ዝበለ ኹሉ ከም ፀላኢ ‘ዩ ዝፍርጆ ። ስለዚ ንህዝቢ ትግራይ እንድሕር ደኣ ዝገዝእ ኾይኑ ወይ ድማ ኣብ ስልጣን እንድሕር ዝፀንሕ ኾይኑ ንህዝቢ ትግራይ ፀላኢ ክፈጥረሉ ኣለዎ ። እዚ ምንም ዝሕባእ ታሪኽ ‘ውን ኣይኮነን ። መራሕቲ ህወሓት ገና ናብ ቃልሲ ክኣትዉ ከለዉ ኣብ መሬት ዝቃለሱ ዝነበሩ ተጋሩ ከምኒ ኢዲዩ፣ ኢህኣፓ ዝኣመሰሉ ከም ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ቆፂሩ ንህዝቢ ትግራይ እዚኦም ፀላእትኹ ‘ዮም ኢሉ ንበይኑ ነቲ ፖለቲካ ትግራይ ተቖፃፂርዎ ‘ዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ መረፃ 97 በቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፉ ኹሎም ከም ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ቆፂሩ ምስ ህዝቢ ትግራይ ንክቀያየሙ ገይሩ ምስ ካልኦት ጎረባብቱ ‘ውን ብሰላም ንከይነብር ገይርዎ ‘ዩ። ስለዚ ህወሓት ብተፈጥርኡ ንህዝቢ ትግራይ ፀላኢ እናቐመጠ ፣ ኣነ ጥራሕ እየ መድሕንካ እናበለ ዝመፀ ዉድብ ‘ዩ ኣብዚ ሰዓት እናራእናዮ ዘለና ኩነታት ‘ውን እዚ ‘ዩ። ኸዚ እቲ ዝኸፍአ ነገር ኹሎም ምስ ትግራይ ዘዋስንዋ ህዝብታት ከም ፀላኢ ተቖፂሮም እቲ ተረፍ መረፍ ህወሓት ኣብ ስልጣን ንክፅንሕ ሓገዚዎ ‘ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ፀላኢ፣ህዝቢ ዓፋር ከም ፀላኢ ፣ ብፍላይ ኣምሓራይ እቲ ቀንዲ ፀላኢ ተገይሩ ተቖፂሩ እዚ ኹሉ ገይሩ ‘ዩ ኣብ ስልጣን ንክፀንሕ ምኽንያት ዝኾኖ፣ ስለዚ ህወሓት ብዘይ ኹናት ክነብር ዘይኽእል ዉድብ ‘ዩ።

ወጋሕታ ፡- መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ፈቒዱ እናኣተወ ይርከብ፣ ግና ኣብ ኢድ ህዝቢ ትግራይ እናበፅሐ ኣይኮነን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ፣ ብሓቂ ናብ ህዝቢ ትግራይ ኣይበፅሕን ? ዘይበፅሓሉ ምኽንያትስ እንታይ ‘ዩ ትብል?

ኣይተ ናትናኤል ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላት ዝልእኽዎ ዘለዉ ሓገዛት ኣነ ብውልቀይ ናብ ህዝቢ ትግራይ ኣይበፅሕን ኢለ ‘የ ዝኣምን። ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ዉድብ ህወሓት ‘ውን ክንርኢ ንኽእል ኢና ። ኣብ እዋን 1977ዓ.ም ንህዝቢ ተባሂሉ ዝመፀ ኹሉ እናሸጡ ኣብ ወፃኢ ንብረት ዘፍርዩ ‘ዮም። ኢፈርት ዝብል ካምፓኒ መሰረቱ ናይዚ እዋን ድርቂ ‘ዩ። እዚ ካምፓኒ ዝተጣየሸሉ ዋና ናይ ገንዘብ ምንጩ እዚ ናይ ሰብዓን ሸውዓተን ድርቂ ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝተልኣኸ ረድኤት ብምሻጥ ኣብ ወፃኢ ንሶም ዝደልይዎ ቢዝነስ ብምኽፋት ‘ዮም ኣሕሊፈምዎ። ሎሚ ኣብ ዘለናሉ እዋን ድማ ዝኸፍአ ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝመፀ ሓገዝ ኣብ ማእኸል መቐለ እንትሽየጥ ይራኣይ ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ ንህዝቢ ትግራይ ኢሉ ዝመፀ እኽሊ ጥራሕ እንተይኾነስ መድሓኒት ‘ውን ሆስፒታል መቐለ መድሓኒት የለን ተባሂሉ ክዕፀዋ ከለዋ ፡ ብኣንፃሩ ግና ኣብ መቐለ እዚ ኹናት ካብ ዝጅመር ሓደሽቲ ፋርማሲ ብምኽፋት ንህዝቢ ተባሂሉ ዝመፁ ኣፋውስን ናውቲ ሕክምናን መራሕቲ ህወሓትን ሰዓብቶም፣ ቤተሰቦምን ኣብ ማእኸል ከተማ መቐለ ልዕሊ ዓሰርተ ኽልተ ፋርማስታት ኸፊቶም ነቲ ህዝቢ ብሰለስተ ኣርባዕተ ዕፅፊ ዝሸጥሉ ኩነታት ኢና ንርኢ ዘለና። ስለዚ ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ‘ዩ ኢለ ኣይሓስብን ።

ካልኣይ መሪሕነት ህወሓት ንነብሱ መሐለዊ ‘ዮም ኢሉ ዝሓስቦም ሰራዊት ትግራይ ኹሉ ግድን ከቕልቦ ስለዘለዎ ቐዳምነት ነቲ ሰራዊት ኢሉ ‘ዩ ነቲ ህዝቢ ኣብ ጥምየትን ዕፀዋን ዘንብሮ ዘሎ። ስለዚ እዚ ረድኤት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ህዝቢ ኣይበፅሕን ዝብል ‘ዩ ናተይ ሓሳብ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ቅድመ ኹነት ዘተ ሰላም ንምክያድ ድልው ከምዝኸነ ኣብ ቀረባ እዋን ገሊፁ ‘ዩ። ብኣንፃሩ ህወሓት ንዘተ ሰላም ዘይቐርቡ ነጥብታት ኣለዉኒ ይብል ኣሎ፤ ኣብዚ ዘለካ ርኢቶ እንታይ ይመስል ?

ኣይተ ናትናኤል፡- ናይ ውልቀይ ሪኢቶ እዚ ዘተ ሰላም ክሳኻዕ ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ምኽንያቱ እቲ ሓደ መርሒነት ህወሓት እንታይ ‘ዩ ዝሓስብ ዘሎ ክንብል ኣለና። መርሒነት ህወሓት ሓደ ሚልየን ህዝቢ ተፀገመ ተፈናቐለ ፣ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሺሕ መንእሰይ ትግራይ ጠፍአ ኣይጠፍአ ዝግድሶ ኣይኮነን።

መርሒነት ህወሓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣራት ኪሎ ስልጣን ይሕዝ ዶ ? ኣይሕዝን? ‘ዩ ሓሳቡ። እዚ ስልጣን ንምሓዝ ሓደ ምርጫ ኣለዎም ንሱ ድማ ብኹናት ነቲ ዘሎ ነገራት ምፍታሕ ‘ዩ።

እቲ ካልኣይ ብመሰረት ሕገ መንግሰቲ ትግራይ ክልል ‘ያ፤መራሕቲ ህወሓት ድማ በቲ ሕገ መንግስቲ ከምዝምርሑ ይዛረቡ ነይሮም ፤ ብሕገ መንግስቲ መሰረት ናይ ክልል መንግስታት ሰራዊት ክህልዎም ፣ ከበድቲ መሳርሕታት ኣይፍቀዶምን ፀረ ሕገመንግስቲ ስለዝኾን። ስለዚ ፀረ ሕገመንግስቲ ዝኾነ ናይ ክልል ትግራይ መንግስቲ ምስ ፌደራል መንግስቲ ክደራደር ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን። ነዚ ‘ውን ‘ዩ መራሕቲ ህወሓት ዘይትንከፉ ተባሂሎም ከም ቅድመ ኹነት ዝተቐመጠ እቲ ሓደ ‹‹ሰራዊት ትግራይ›› ዕጥቅኻ ፍታሕ ኣይትፍሕ ዝብል ‘ዩ። ስለዚ ንህዝቢ ትግራይ ኢሎም እንተይኾኑስ ንባዕሎም ድሕንነት ንባዕሎም ህይወቶም ከይስእኑ ንምግባር ‹‹ሰራዊት ትግራይ›› ዕጥቁ ኣይፈትሕን ኢሎም ኣብ ድርድር ክቐርቡ ‘ዮም ።እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይቕበሎን። ስለዚ ብናተይ ኣተሓሳስባ እቲ ዘተ ሰላም ዝባሃል ንፖለቲካ ክባሃል ዝግበር ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ዘምፀአሉ ፍታሕ የለን።

ወጋሕታ፡- መኸተ ሰለስተ ብዝብል ፌስቲቫል ተጋሩ ኣብ ወፃኢ ተኻይዱ ነይሩ፣ እዚ ፌስቲቫል ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘምፅኦ ረብሓ እንታይ ‘ዩ? ኣብቲ ፌስቲቫል ዝተልኣዓለ ሓሳብ ዘለካ ርኢቶ እንታይ ይመስል ?

ኣይተ ናትናኤል፡- ብተደጋጋሚ ከምዝብሎ ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ተጋሩ ገንዘብ ናይ ምርካብ ዓቕሚ ስለዘለዎ ፣ ብሓቂ ንህዝቢ ትግራይ ዝሓልዩ እንድሕር ኾይኖም ብገንዘቡ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ከውፅኦ ይግባእ። ግና

 ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ነቲ ውድብ ‘ምበር ንህዝቢ ዝድግፉ ኣይኮኑን ዘሎ። ዘሕዝን ነገር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጥምየት እናሃለወ ቅድሚ እቲ ፌስቲቫል ኣብ ክልል ዓፋር ሽኽት ከባቢኡን ዝተመዛበሉ ልዕሊ 12ሽሕ ዝኾኑ ተጋሩ ኣብ ጥምየት፣ ኣብ ሃሩር ኣብ መድሓኒት ሕፅረት እናሃለዉ ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ተጋሩ ግና ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ዶላር ኸፊሎም ኣዳራሽ ተኻርዮም እቲ ፌስቲቫል ከካይድዎ ቀንዮም ‘ዮም።

ካልእ ኣብ ወፃኢ ዝነብር ዘሎ ትግራዋይ ፌስቲቫል ክገብር ከሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን መፍሕታት ኣብ ክልል ትግራይ ዘምፀእ ‘ዩ ኢሉ ዝሓስብ ትግራዋይ ወይም ውልቀሰብ እንድሕር ሃልዩ እዚ ዘይሕሰብ ነገር ‘ዩ። ፌስቲቫል ከካይድ ከሎ ኩልሻዕ ካብ ምስዕሳዕን ምጥቃዕን ሓሊፉ ካልእ ንህዝቢ ትግራይ ዘምፃኣሉ ነገር የለን።

ኣብ ፌስቲቫል ኣኼባ ተገይሩ እቶም ሓደ ሓደ ሕቶታት ዘለዎም ተጋሩ እቲ ዝስመዖም ሕቶ ከቕርቡ ከለዉ ‘ውን እቲ ዘቕርብዎ ዘለዎ ሕቶታት ከም መፍረሲ ሓድነት ተጋሩ ተባሂሉ ነቲ ሕቶታት ንከይቕበል ቀፂሉ ‘ውን እቲ ተዳልዩ ዝነበረ ኣኼባ ኣብ ዘይሳዓቱን እቲ ህዝቢ ከቕርቦ ዝደሊ ሓሳባትን ሕቶታን ሙሉእ ብሙሉእ ከየቕረበን መልሲ ከይረኸበን ነቲ ዝነበረ መድረኽ ዓፅየምዎ ማለት ‘ዩ። ስለዚ ህወሓት ብተፈጥርኡ’ውን ዲሞክራያዊ ኣይኮነን እንብሎ ‘ውን ነዚ ‘ዩ ። ስለዚ ኣብ ወፃኢ ዝነብር ዘሎ ትግራዋይ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ‘ውን ዘሎ ትግራዋይ ክፈልጦ ዘለዎ ነገር ፣ እቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ነቲ ውድብ ዝድግፍ ወይ ከዓ ንመራሕቶም ዝድግፍ ‘ምበር ንህዝቡ ዝሓስብን ዝሓልይን ከምዘይኾነ በዚ ኣጋጣሚ ከፍልጥ የደሊ።

ወጋሕታ፡- ኩነታት ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ግደ ፖለቲካ ዉድባትን ትግራይን እንታይ ክኸውን ይግባእ?

ኣይተ ናትናኤል፡- ኣብ ትግራይ ምናልባት እቶም ተስፋ ዝግበረሎም እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኾይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ተቃወምቲ ውድባት ብፍላይ ድማ ውናት ኣብዚ ሰዓት ዝወሰዶ ዘሎ ውሳነ ዝድነቅ ‘ዩ፣ ስለዚ ኣብ ትግራይ ለውጢ እንድሕር ደኣ ክመፅእ እንተኾኑ እተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ ዉድባት ሓደ ዓይነት ቅዋም ወሲደን ንህዝቢ ትግራይ መፍትሒ ከምፃኣ ክኽእላ ኣለወን።

እቲ ካልኣይ ኣብ ዘመን ህወሓት ትግራይ ናብ ዝነበረቶ ናይ ቐደም ሰላማን ልምዓታን ክትምለስ ‘ያ ማለት ሕልሚ ‘ዩ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ውድባት ኣንፃር ህወሓት ተቓሊሰን እቲ ህዝብን መንእሰይን ኣቃሊሰን ለውጢ ኣብ ትግራይ ከምፅኣ ክኽእላ ኣለዎን ።

እቲ ናይ መጀመርያ ቀንዲ ግና እቲ ኣብ ህወሓት ዘሎ ‹‹ሰራዊት ትግራይ›› ኣንፃር መርሒነት ህወሓት ተቃሊሱ እታ ትመፅእ ዘላ ትግራይ ብሓዱሽ ወለዶ ንክትምራሕ እንድሕር ዘይተቓሊሱ ኣብ ትግራይ ኸዚ ‘ውን ለውጢ ክመፅእ ‘ዩ ኢለ ኣይሓስብን።

መርሒነት ህወሓት እናሃለወ ብፍላይ ድማ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ምስ ፖለቲካ ዓለምና ክኸዱ ዘይኽእሉ መራሕቲ ህወሓት እቲ ምስኦም ዘሎ ሰራዊት እንድሕር ዘየወጊድዎም ወይ ድማ ካብ ስልጣኖም ተዘየውሪድዎም ወይ ድማ መፃኢ ትግራይ ብሓዱሽ ወለዶ ንክትመራሕ እንድር ዘይገይሩ ናብ ዝነበረቶ ናይ ቀደም ሰላማ ክትምለስ ‘ያ ኢለ ኣይሓስብ። ስለዚ እቲ ፍታሕ ክልተ ‘ዩ ፤ እቲ ሓደ እቲ ሰራዊት ኣንፃር መርሒነት ህወሓት ክቃለስ ኣለዎ፤ ካልኣይ ውዳባት ትግራይ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓዱሽ ወለዶ ወዲበን ኣንፃር መርሒነት ህወሓት ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ሓሳባቶም ተጠቂሞም ስዒሮም ንትግራይ ክመርሕዋ ኣለዎም ። ተዘይኾኑ ግና ፀላእትና ብልፅግና ‘ዮም ፣ ፀላእትና ሻዕብያ ‘ዩ ፣ ዓፋር እዩ እናበልካ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ካብ ፀላእትኻ ንላዕሊ ፀላኢ ኾይኑ ዲሞክራሲ ዝኸልኣካ ፣ ሚድያ ዝኽልክለካ ውድብ እንድሕር ዘይተቓሊስካ ኣብ ትግራይ ለዉጢ ኣይመፅእን። ስለዚ ውሽጥና ባዕልና ክንፍትሽ ኣለና። ተጋሩ ፈለማ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ፀላኢ ንቃለስ።

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ እተሕልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ?

ኣይተ ናትናኤል ፡- ትግራይ ኣብዚ ክልተን ሰለስተን ዓመት ዝነበረቶ ኩነታትና ኹላትና ንሪኦ ኣለና እናገደደ ዝኸድ ፀገም’ምበር ዝመሓየሽ ነገር ኣይራአናን ፤ ስለዚ ተጋሩ ከም ተጋሩ ውሽጥና ክንፍትሽ ኣለና። ሎሚ ሩባ እናሳገርና ብዛዕባ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ወይም ፖለቲካ ኤርትራ ዓፋርን እናበልና ካብ እንዛረብ ናይ ባዕልና ፖለቲካ ክንዛረብ ኣለና።

ሰራዊት ምክልኻል ካብ ትግራይ ካብ ዝወፅእ ጀሚሩ ኣሽንኳይዶ ገጠራት ትግራይስ እታ ዋና ከተማ መቐለ ‘ውን ብሰላም ክትነብር ኣይካኣለትን። ኣደታትና ኣብ ዝደለየኦ ሰዓት ወፂአን ክኣትዋ ኣይካኣላን። ፀገም ፀጥታ ኣሎ። እዚ ዝመፀ እቲ መርሒነት ህወሓት ድኽመት ስለዘለዎ ‘ዩ። ትግራዋይ ንውሽጡ ክርኢ ኣለዎ። ኣብ ዓዱ ዘሎ ሰላም ናይ ምዝራብ መሰሉ ናይ ምእካብ መሰሉ ሚድያ ናይ ምርካብ መሰሉ ከረጋግፅ ክኽእል ኣለዎ። እዚ እንድሕር ዘይኮይኑ ኣብ ትግራይ ለውጢ ኣይመፅእን።

እቲ ካሊእ ኣብ ወፀኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ትግራዋይ ምንም ዓይነት ለውጢ ክፅበ የብሉን። ኣብ ወፃኢ ዝነብር ዘሎ ትግራዋይ ኣብ ምቾት እናነበረ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብሩ ዘለዉ ተጋሩ ኣመራርሓ ፖለቲካ መሰሎም እናኸልከለ ንህወሓት’ምበር ንህዝቢ ዘይድግፍ ትግራዋ ምዃኑ ኣሚኒ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ትግራዋይ ካብ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ምንም ዓይነት ተስፋ ክፅበ የብሉን ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ናትናኤል ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 28 ሓምለ 2014 ዓ.ም

Recommended For You