
ኣብ መድረኽ ዓለም እንትግለፅ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መላእ ኢትጵያውያን ታሕጓስ ኣይራሓቆምን። እዚ ናይ ሓጎሶም መልዓሊ ድማ ግልፂ ‘ዩ፤ ብወለዶ ምቕብባል ዝደመቑ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ዓለምለኸ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮም ድሙቕ ዓወት ኣመዚጊቦም።ዓወትን ኢትዮጵያውነትን ሓደ ምዃኖም ኣመሲኪሮም። ንዓሰርተ ሓደ መዓልትታት ኣብ ኣሜሪካ ኦሪገን እናተኻየደ ዝነበረ መበል 18 ቻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም የለውን ተዳኺሞም ‘ዮም ንዝብሉ እቲ ሓቂ ብጋህዲ ዘውፀአ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ክፋል ሰሜን ዝገጠማ ኹናት ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝፍጠር ጎንፅታት ናይ ንፁሃን ሰባት መቕተልቲ ስዒቡ እንኳዕ ኣብ መድረኸ ዓለም ስፖርት ጎሊሃ ክትርአ ምስታፋ ‘ውን ዘደነቖም ቡዙሓት ‘ዮም።
ወርቅታት ኣትሌታት ምፍራይ ጠጠው ዘየብል ማህፀን ኢትዮጵያ ግና ኸዚ ‘ውን ብብዙሕ ፀገማት ተሓሊፉ ‘ውን ሽማ ዘፀውዑ ኣትሌታት ካብ ምውላድ ንድሕሪት ኣይበለን። ኢትዮጵያ ክትብተን ኣብ ጫፍ በፂሓ ‘ያ ፣ ኢትዮጵያውነት ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ ደመና ዝብተነሉ መዓልቲ ርሑቕ ኣይኮነን እንትባሃል ኣብ ኦሪገን ብዝበለፀ ጎሊሁ ተራእዩ ‘ዩ። ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት የለዉን እንትባሃል ብዝበለፀ ደሚቖም መፂኦም ‘ዮም። ኢትዮጵያ ብኣርባዕቲኡ ማእዘን ኣብ ውጥረት ኣብ ዘላቶ እዋን ቅድሚ ኸዚ ኣብ ኣትሌቲክስ ተሳትፎኣ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ዓወት ብዘይሳዓሩ ኣትሌታታ ክትጎናፀፍ ክኢላ ‘ያ። ኣብ ታሪኻ ብዙሕ ሜዳልያ ብምርካብ ‘ውን ካብ ሓያል ሃገር ኣሜሪካ ቀፂላ ካብ ዓለም ካልኣይ ካብ ኣፍሪካ ድማ ቀዳማይቲ ብርኪ ሒዛ ዛዚማ ‘ያ።
ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማራቶን ከምኡ ‘ውን ብ5ሽሕን 10ሽሕን ሜትሮ ብደቂ ኣንስትዮ 4ወርቂ ፣ ብ3ሽሕ ሜትሮ መሰናኽል ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ ‘ውን ብደቂ ተባዕትዮ ማራቶን ፣ብ1500 ሜትሮ ብደቂ ኣንስትዮ ናይ ብሩር ሜዳያ ተረኺቡ ‘ዩ። እቶም ኣትሌታት ካብ ስፖርት ብዝሓለፈ ብዙሕ ሜዳልያ ብምምፃእ ጥራሕ እንተይኾነስ ካብቲ ውድድር ድሕሪት ኢትዮጵያውያን ኣይንሽነፍን ባሃልነት ሎሚ ‘ውን ከም ቀደሙ ከምዘይተፈለዮም ኣመስኪሮም ‘ዮም። ኢትዮጵያውያን ተፈላልዮም እንትባሃል ሓደ ብምዃን ሃገሮም ከመዘፀውዑ ኣመስኪሮም ‘ዮም። ኢትዮጵያውያን ድማ ካብ ሜዳልያ ንላዕሊ ሓደ ናይ ምዃን መንፈሶም ኣሐጉስዎም ‘ዩ። ንውልቀኻ ግድፍ ብምባል ኽሳድ ሃገር ቅንዕ ብምባል ዘሎዎ ስምዒት ንሃገር ‘ውን ኣምሂሮም ‘ዮም። ኢትዮጵያውነት ማለት እንታይ ማለት ከምዝኾነ ንዓለም ኣብ ኣደባባይ ኣውፂኦም ‘ዮም።
ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ደራርቱ ቱሉ ኣብ ኦሪገን ዝተርኣየ ኢትዮጵያውነት ዝገለፀትሉ ሕድ ሕድ ዓወት ኣብ ጎኖም ብምዃን ምፍልላይ እንተይኾነስ ሓድነት ብጋህዲ ኣውፂኣ ሎሚ ‘ውን ምልክት ሃገር ከምዝኾነት ኣመስኪራ ‘ያ። ድሕሪ እቲ ዓወት ኣብ ዝገበረቶ መደረ ‹‹ኢትዮጵያ ኹሉ ግዜ ብደቃ ትኽበር ፣ ትስሓቕ ፣ ትታሓጎስ ። ብዝተረኸበ ዓወት እንኳዕ ደስ በለና። ኢትዮጵያ ደጊማ ደጋጊማ ልዕል ትበል። እዚ ዓወት ገፀ በረኸት ሓዱሽ ዓመት ‘ዩ።
መፃኢ ዓመት በቢ ቦትኡ ዝስማዕ ሕማቕ ነገር ተወጊዱ ተሓባቢርና ሃገርና ንቕድሚት እንገብረሉ ዘመን ይኹን›› ክትብል መልእኽታ ኣመሓላሊፋ’ያ። ደራርቱ ቱሉ ብናታ ኣመራርሓ ዘመን ብዝመፀ ዓብይ ውፅኢት ኾሪዓ ኣይትቕመጥን፤ ፅባሕ ‘ውን ሃገራ ንምኹራዕ ድልውቲ ‘ያ። ‹‹ዝሓሸ ውፅኢት ብምምፅኡ ተዛናጊዕና ኮፍ ክንብል የብልናን፣ ምኽንያቱ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ቡዳፔስት ናይ ዓለም ሻምፒዮና ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ኣሎ። ኹሉግዜ ብሓድነት ፣ብምድግጋፍ ብምስምዕማዕ እንድሕር ፅዒርና ውፅኢትና ከምዚ ‘ዩ ዝኾን›› ክትብል ካብ ኦሪገን መልእኽታ ኣመሓላሊፋ ‘ያ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 21 ሓምለ 2014 ዓ.ም