‘’ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ረብሕኡ ክረጋገፅ ዝኽእል ብሰላም ‘ምበር ብኹናት ኣይኮነን’’ – ኮሎኔል ፍስሃ ገብረመድህን

ኮሎኔል ፍስሃ ገብረመድህን ብሳጓ ሽሞም (ወዲ- ጣውላ) እናተባህሉ ይፍለጡ። ኮሎኔል ፍስሃ ኣብ ክልል ትግራይ ማእኸላይ ዞባ ወረዳ ዓዲ ኣሕፈሮም ዝተወለዱ እንትኾኑ ዕድሜኦም ንውትድርና ምስ በፅሐ ካብ ገድሊ ህወሓት ጀሚሮም ክሳብ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምዃን ካብ ተራ ወታደር ጀሚሮም ክሳብ ላዕለዋይ ወታደራዊ ሓላፍነት ኮይኖም ሃገሮም ኣገልጊሎም ‘ዮም። ኮሎኔል ፍስሃ ተራ ተጋዳላይ ኣብ ዝነበርሉ ሞርታር 82 ተኳሲን ናይ ሞርታር ኣዛዚ ብምዃን ሰሪሖም ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ኣብ ሎጂስቲክስ፣ ምምሕዳር ፋይናንስን፣ ሓላፊ ኢንዶክትሪኔሽን ኮሙኒኬሽን፣ ኣመራርሓ ሬጅመንት ኮይኖም ሰሪሖም ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ኣብ ከይዲ ብኻልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣካላት ግዕዝይና ይፍፀሙ ስለ ዝነበሩን ንምንታይ ብዝብል ይከራኸሩ ስለ ዝነበሩ ብፍላይ ኣብ 2007 ዓ.ም ንህወሓት ምቅዋም ጀሚሮም ‘ዮም። በዚ ምኽንያት ሽም ትካል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣጥፊኡ ብዝብል ዒባራ ምኽንያት ንኽእሰሩ ተገይሩ ‘ዩ። እንበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኣድሂብና ምስ ነበር ተጋዳላይን ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ከምኡ ‘ውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓላፊ ፀጥታን ድሕንነትን ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኮይኖም እናሰርሑ ዝርከቡ ኮሎኔል ፍስሃ ገብረመድህን (ወዲ[1]ጣውላ) ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዘስዕብ ኣዳሊውናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብሓፂሩ ከመይ ይገልፅዎ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ፍሉጥ ‘ዩ፤ ብዙሕ ፀገም ኣሎ። ባንኪ፣ ቴሌ፣ መብራህትን ካልኦት መሰረታዊ ግልጋሎታት የለዉን። በዚ መሰረት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ‘ዩ ዘሎ። ሰብኣዊ ሓገዝ ዋላ ይእቶ እኹል ኣይኮነን፤ እቲ ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ህወሓት ብትኽክል ነቲ ህዝቢ ኣየባፀሐሉን ዘሎ። ንሰራዊቱን ንዝደልዮም ኣካላትን ‘ዩ ዘካፍሎ ዘሎ። ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝኸደ ሰብኣዊ ሓገዝ ንናይ በዓሉ ረብሓ እናውዐሎ ምዃኑ ግልፂ ‘ዩ። እዚ ሓዱሽ ኣይኮነን ቕድሚ ሕዚ ጀሚሩ ኣብ እዋን ደርጊ ንስድራ ተጋድልትን ሰራዊትን የውዕሎ ነይሩ ‘ዩ። ናይ ሕዚ ‘ውን ተመሳሳሊ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ መኸተ ዘይተሳተፈ ኣካል እናተዋሃበ ከምዘይኮነ ‘ዩ ሓበሬታ ዘለና። ንህወሓት ከለላ ዝኾነ ኣካል ወይ ዝደገፈ ‘ዩ ዝውሃብ ዘሎ። እዚ ብግምት ኣይኮንኩን ዝዛረቦ ዘለኹ ካብ ኣባላትና ንረኽቦ ዘለና ሓበሬታ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት መኸተ ሰለስተ እናበለ ጎስጓስ ኹናት እናገበረ ይርከብ፣ እዚ ናብ ኹናት እንድሕር ኣምሪሑ ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ፅልዋ ከመይ ይገልፅዎ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- መጀመርታ ኣነ ካብ ኹናት ዝርከብ ረብሓ የለን ኢለ ‘የ ዝኣምን። ምኽንያቱ ኹናት ናይ ሰብ ሂወት፣ ኣካል፣ ሃፍቲ ‘ዩ ዝበልዕ፤ ካብቲ ዝትኮስ ጀሚሩ እንተሪእና ሃፍቲ ሃገር ‘ዩ ዝባኽን ዘሎ። ምኽንያቱ ብዶላር ‘ዩ ተገዚኡ ዝመፅእ። ኣብ ልምዓት ክውዕል ዝነበረ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ኹናት ክውዕል ከሎ ከቢድ ክሳራ ‘ዩ። እንደጋና በቲ ሃፍቲ ሃገር ዝተገዝአ ኣፅዋር መሰረተ ልምዓት እታ ሃገር ክዓኑ እንተሎ፤ ሂወት መፍረዪ መንእሰይ ክጠፍእን ኣካል ክጎድልን እንተሎ ክሳርኡ ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ሃገር ‘ያ ትዓኑ ዘላ። መራሕቲ ህወሓት ጎስጓስ ኩናት ይገብሩ ኣለዉ ‘ዮም። ህዝቢ ዝደሊ ብሰላም ክፍታሕ ‘ዩ። መራሕቲ ህወሓት ግና ብኹናት ክፈትህዎ ‘ዮም ዝደልዩ። ብሰላም ክፍታሕ ኣይኽእልን እናበሉ ‘ዮም ዝዛረቡ ዘለዉ። ኩሉ መንእሰይ ክዓጥቕ ወይ ናብ መኸተ ክኣቱ ኣለዎ ዝብል ኣታሓሳስባ ‘ዩ ዘለዎም። ብግልፂ ከምዚ እናበሉ ‘ዮም ዝዛረቡ ዘለዉ። በቢጣብይኡን ወረድኡን ከምዚ ዓይነት ጎስጓሳት እናካየዱ ‘ዮም ዘለዉ። ኣብ መኸተ ዘይሳተፍ እንተኾይኑ ድማ ዝረኽቦ ጥቕማ ጥቕሚ የለን እናበሉ ‘ዮም ዘግድድዎ ዘለዉ። ኣብ መኸተ ዝተሳተፈ ጥቕማ ጥቕሚ ክረክብ ‘ዩ፤ ከምቲ ናይ ቕድሚ ሕዚ ሰራዊት ብዘይ ጥቕማ ጥቕሚ ኣይንብትንን፤ እዚ ክእረም ‘ዩ እናበሉ ‘ዮም ዝዛረቡ። ኩሉ ጥቕማ ጥቕሚ ክሕለወሉ ‘ዩ እናበሉ ‘ዮም ዝዛረቡ። እዚ ኣብ ሕገ መንግስትና እንተይቀረየ ክነስፍሮ ኢና ይብሉ ‘ዮም። እዚ ድማ ካብ ናይ ባዕሎም ጥቕሚ ብምብጋስን ምሕሳብን ‘ዩ። ከምዚ ዝበልሉ ምኽንያት ድማ ቕድሚ ሕዚ ዝተጋደሉ ደርቢኽሞም ኢኹም ስለ ዝበሃሉ ‘ዩ። ዘተሓሳስባ እዚ ንምፍሓቕ ዝገብርዎ ዘለዉ ነገር ‘ዩ። ከምዚ ገይሮም መንእሰይ ብምግዳል ረብሐኦም ንምርግጋፅ ‘ዩ። ከምዚ ወጋሕታ፡- ህወሓት መኸተ ሰለስተ እናበለ ጎስጓስ ኹናት እናገበረ ይርከብ፣ እዚ ናብ ኹናት እንድሕር ኣምሪሑ ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ፅልዋ ከመይ ይገልፅዎ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- መጀመርታ ኣነ ካብ ኹናት ዝርከብ ረብሓ የለን ኢለ ‘የ ዝኣምን። ምኽንያቱ ኹናት ናይ ሰብ ሂወት፣ ኣካል፣ ሃፍቲ ‘ዩ ዝበልዕ፤ ካብቲ ዝትኮስ ጀሚሩ እንተሪእና ሃፍቲ ሃገር ‘ዩ ዝባኽን ዘሎ። ምኽንያቱ ብዶላር ‘ዩ ተገዚኡ ዝመፅእ። ኣብ ልምዓት ክውዕል ዝነበረ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ኹናት ክውዕል ከሎ ከቢድ ክሳራ ‘ዩ። እንደጋና በቲ ሃፍቲ ሃገር ዝተገዝአ ኣፅዋር መሰረተ ልምዓት እታ ሃገር ክዓኑ እንተሎ፤ ሂወት መፍረዪ መንእሰይ ክጠፍእን ኣካል ክጎድልን እንተሎ ክሳርኡ ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ሃገር ‘ያ ትዓኑ ዘላ። መራሕቲ ህወሓት ጎስጓስ ኩናት ይገብሩ ኣለዉ ‘ዮም። ህዝቢ ዝደሊ ብሰላም ክፍታሕ ‘ዩ። መራሕቲ ህወሓት ግና ብኹናት ክፈትህዎ ‘ዮም ዝደልዩ። ብሰላም ክፍታሕ ኣይኽእልን እናበሉ ‘ዮም ዝዛረቡ ዘለዉ። ኩሉ መንእሰይ ክዓጥቕ ወይ ናብ መኸተ ክኣቱ ኣለዎ ዝብል ኣታሓሳስባ ‘ዩ ዘለዎም። ብግልፂ ከምዚ እናበሉ ‘ዮም ዝዛረቡ ዘለዉ። በቢጣብይኡን ወረድኡን ከምዚ ዓይነት ጎስጓሳት እናካየዱ ‘ዮም ዘለዉ። ኣብ መኸተ ዘይሳተፍ እንተኾይኑ ድማ ዝረኽቦ ጥቕማ ጥቕሚ የለን እናበሉ ‘ዮም ዘግድድዎ ዘለዉ። ኣብ መኸተ ዝተሳተፈ ጥቕማ ጥቕሚ ክረክብ ‘ዩ፤ ከምቲ ናይ ቕድሚ ሕዚ ሰራዊት ብዘይ ጥቕማ ጥቕሚ ኣይንብትንን፤ እዚ ክእረም ‘ዩ እናበሉ ‘ዮም ዝዛረቡ። ኩሉ ጥቕማ ጥቕሚ ክሕለወሉ ‘ዩ እናበሉ ‘ዮም ዝዛረቡ። እዚ ኣብ ሕገ መንግስትና እንተይቀረየ ክነስፍሮ ኢና ይብሉ ‘ዮም። እዚ ድማ ካብ ናይ ባዕሎም ጥቕሚ ብምብጋስን ምሕሳብን ‘ዩ። ከምዚ ዝበልሉ ምኽንያት ድማ ቕድሚ ሕዚ ዝተጋደሉ ደርቢኽሞም ኢኹም ስለ ዝበሃሉ ‘ዩ። ዘተሓሳስባ እዚ ንምፍሓቕ ዝገብርዎ ዘለዉ ነገር ‘ዩ። ከምዚ ገይሮም መንእሰይ ብምግዳል ረብሐኦም ንምርግጋፅ ‘ዩ። ከምዚ እናበሉ ናይ በዓልቶም ጥቕሚ ንምኽባር ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ቕድሚ ሐዚ ኣብ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ብዙሕ መንእሰይ ረጊፉ ተሪፉ ‘ዩ። እዚ ከይኣኽል ሕዚ ‘ውን እናለዓዓሉ የዕጥቕዎ ኣለዉ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጎንፂ ብሰላም ንምፍታሕ ድልየት ከምዘለዎ እናገለፀ ‘ዩ ዝርከብ፤ ኣብዚ ዘለዎም ሓሳብ እንታይ ይመስል? ኮሎኔል ፍስሃ፡- መንግስቲ ንሰላም ቕሩብ ብምዃን ዝዛተዩ ኣካላት መዲቡ ‘ዩ። እዚ ዝበራታታዕ ተግባር ‘ዩ። ድሌት መንግስቲ ቕድሚ ሕዚ ጀሚሩ ሰላም ‘ዩ። እዚ ንምስኻዕ ኩሉ ደላዪ ሰላም ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክስለፍ ኣለዎ። ምኽንያቱ ካብ ኩናት ዝርከብ ጥቕሚ የለን። ኩናት ከቢድ ክሳራ ‘ዩ ዝስዕብ። ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኩሉ ነገር ብዓለም ደረጃ ከቢሩ ‘ዩ ዘሎ። ካሊእ ይቕረ ነዳዲ እኳ እንተሪእና ሕዚ ከመይ ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ። እዚ ክብል ዝኸኣልኩሉ ምኽንያት ውግእ ‘ውን ብዘይ ነዳዲ ኣይካየድን። በዚ ናይ ሕዚ ዋጋ ገዚእኻ ንውግእ ምውዓል ተወሳኺ ክሳራ ‘ዩ። ስለዚ መንግስቲ ንሰላም ቕሩብ ምዃኑ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ረብሓ ‘ዩ ዘለዎ። እዚ ብሰላም ተተፈቲሑ ዝጠፍእ ሂወትን ዝጎድል ኣካል ሰብን ይድሕን ኣሎ ማለት ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ንኹናት ዝውዕል ዝነበረ ገንዘብ ንልምዓት ይውዕል። ካሊእ መንግስቲ ንዘተ ሰላም በሩ ክፍቲ ገይሩ እናሃለወ እሞ ድማ እቶም ከም እኒ ህወሓት ዝበሉ ተናሕናሕቲ ኣካላት እምቢ እንተይሎም መንግስቲ ዲፕሎማስያዊ ረብሓ ኣለዎ ‘ዩ። እቲ ፀገም ናይ መን ከምዝኾነ ንዓለም ግልፂ ይኸውን። ንሰላም ቅሩባት ዘይኮኑ ኣካላት ድማ ፖለቲካ ክሳራ ‘ዩ ዝበፅሖም። ካልኦት ዝተዓጠቑ ይኹኑ ዘይተኣጠቑ ፖለቲካዊ ውድባት’ውን ብተመሳሳሊ። እዚ ብሰላም ተዘይተፈቲሑ ክሳርኡ ብዙሕ ‘ዩ። ምኽንያቱ ዓርሲ በዓርስና ኢና ንዋጋእ ዘለና። ብኢኮኖሚ፣ ዲፕሎማሲን ፖለቲካን እንተሪእና ብጣዕሚ ንደሓር ዝጎትት ነገር ‘ዩ። ኣብዚ ብትኹረት ክስረሐሉ ኣለዎ፤ ተናሕናሕቲ ኣካላት ብጥንቓቐ ክርእይዎ ኣለዎም። ኣብዚ ከንርሰዖ ዘይግበአና ደጋዊ ሓይልታት ናይ ውሽጥና ፀገም ተጠቂሞም ዕላመኦም ከሳኽዑ ይኽእሉ ‘ዮም። ክወሩና ዝደልዩ ናይ ደገ ሓይልታት ብዙሓት ‘ዮም። ንኣብነት ሱዳን ምጥቃስ ይከኣል ‘ዩ። በዚ ናይ ውሽጥና ፀገም ተጠቒማ ወሪራትና ‘ያ። ግብፂ ‘ውን ምስ ግድብ ኣባይ ተታሓሒዙ ፀገም ዘለዋ ሃገር ‘ያ። ካልኦት ሃገራት ‘ውን ነዚ ከም ፅቡቕ ኣጋጣም ተጠቒመን ከይወራና ሰላም ከንገብር ኣለና። ኣብዚ ግብፂ ሕጉስቲ ‘ያ። ስለዚ ነኒበዓልትና ሰላም ኣውሪድና ካብ ደገ ዝገጥመና ፀገም ብሓባር እንተንቃለሶ ይሕሽ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- መሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ ዝኽእል ብኸመይ ‘ዩ ይብሉ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣብዚ ብግልፂ ንምዝራብ ህወሓት ጥራሕ ‘ዩ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብኹናት ‘ዩ ክረጋገፅ ዝኽእል ኢሉ ዝኣምን። ይኹን ‘ምበር እዚ ክኸውን ኣይኽእልን። ከምቲ ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ብተደጋጋሚ ኣብ ደርጊን ሻዕብያን ኩናት ኣካይዱ ‘ዩ። ግና ብጣዕሚ ተጎዲኡ ‘ምበር ኣይተጠቐመን። ስለዚ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብኹናት ዝረጋገፀሉ ነገር ኣይህሉን። ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ ዝኽእል ኣብ ሰላም ጥራሕ ‘ዩ። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብሰላም ‘ምበር ብኹናት ክፍታሕ ኣይኽእልን፤ ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ረብሕኡ ክረጋገፅ ዝኽእል ሰላም ክህሉ እንተሎ ጥራሕ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ብኹናት ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣይረጋገፅን። ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘካየዶም ውግኣት ክሳራ ‘ምበር ጥቕሚ ኣይረኸን፤ ናይ ሕዚ ኩናት ‘ውን ተመሳሳሊ ‘ዩ፤ ብኹናት ዝተረብሐ ሃገር ወይ ህዝቢ ስለ ዘየለ ተጓነፅቲ ኣካላት ፀገሞም ኣብዙርያ ጠረጴዛ ብምፍታሕ ንኹናት ዝውዕል ዝነበረ ገንዘብ ናብ ልምዓት ከውዕልዎ ኣለዎም፤ ህወሓት ናይ በዓሉ ረብሓ ንምርግጋፅ ‘ዩ ዝዋጋእ ዘሎ ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ሓሲቡ ኣይኮነን። ኩናት ንህዝቢ ትግራይ ተዝጠቕሞ ነይሩ ቕድሚ ሐዚ ምተጠቐሞ ነይሩ፤ ህወሓት ሕዚ ‘ውን ሳልሳይ መኸተ እናበለ ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስ ኩናት፣ ህዝቢ ትግራይ ብትሪ ክኹንኖ ኣለዎ። ምኽንያቱ እዚ ተወሳኺ ዕንወት ‘ዩ ዘስዕብ። ህዝቢ ትግራይ ናይ ቕድሚ ሕዚ ይኣኽለና ብምባል ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፅዕንቶ ከሕድር ኣለዎ።

ፀገም ህዝቢ ትግራይ ሰላም እንተኾይኑ ‘ዩ ክፍታሕ ዝኽእል። ቕድሚ ሕዚ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ፀገም ብሰላም ተፈቲሑ ተዝኸውን ነይሩ ካብቲ ዘጋጠመ ክሳራ ምደሓነ ነይሩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ብጣዕሚ ተጎዲኡ ‘ዩ። እዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ደርግን ምስ ኤርትራን ዘሕለፎ ኩናት ቐሊል ኣይኮነን። ብዙሕ ክሳራታት ገጢሞሞ ‘ዮም። ሕዚ ሰላም እንተኾይኑ ኣብ ትግራይ ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ ክሃንፆ ይኽእል ‘ዩ። ተመሊሱ ናብ ኩናት እንተኣትዩ ግና እተን ቐሪየን ዝነበራ ውሑዳት ‘ውን መሊአን ክዓንዋ ይኽእላ ‘የን። ኣብዚ ሰላም ክኸውን መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ከምኡ ‘ውን ፍሉጣት ኣካላት ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ፀቕጢ ክፈጥሩ ይግባእ። ሃገርና ካብ ኹናት ክሳራ ‘ምበር ተትርፎ ረብሓ የለን። ስለዚ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ ዝኽእል ክልቲኦም ኣካላት ፀገሞም ብሰላም ክፈትሕዎ እንተለዉ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ቕድሚ ሕዚ ህወሓትን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት ሓደ ‘ዮም እናተባህለ ይዝረብ ነይሩ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ክወቓቐሱ ‘ዮም ዝስምዑ። እዚ ካብ ምንታይ ዝነቐለ ‘ዩ ይብሉ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፖለቲካዊ ውድባት ህወሓት ጠፍጢፉ ዝሰርሖም ‘ዮም። ንምንታይ እንተይልና ንኸግልግልዎ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዙሕ ክወቓቐሱ ንሰምዕ ኢና፤ ኣብ ቐረባ እዋን ዝነበረ ህዝባዊ ዋዕላ ከይሳተፉ ከልኪልዎም ‘ዩ። ኮይኑ ግና እቶም ውድባት ብግልፂ ምስኣቶም ኮይኖም ይቓለሱ ነይሮም ‘ዮም። ሓደ ናይ ባይቶና ኣቦ ወንበር ከምዚ ክብል ሰሚዐዮ ነይረ። ‹‹ንህዝቢ ትግራይ ኣይዞኻ፣ ዝኽእለካ የለን እናበለ ዘውቐዖ ህወሓት ‘ዩ። ውሑድ ሓይሊ ሒዙ ከምዘውቐዖ ተዛሪቡ ‘ዩ። ኣብዚ መንግስቲ እንተይኮነስ መራሕቲ ህወሓት ‘ዮም ተጠየቕቲ›› እናበለ ይዛረብ ነይሩ ‘ዩ። እዞም ፖለቲካዊ ውድባት እዚኦም ቕድሚ ሕዚ ዋላ ምስ ህወሓት ኮይኖም ፀገም እናፈጠሩ ይንበሩ ሕዚ ኣብ ትግራይ ንዝተፈጠረ ፀገም መራሕቲ ህወሓት ከምዝፈጠርዎ ብግልፂ ምዝራቦም ዝነኣድ ‘ዩ።

ቅድሚ ሕዚ ሓደ ነይሮም ሕዚ ግና ናብዚ ናይ ኣፋላላይ ደረጃ እዚ መፂኦም ‘ዮም። ናብዚ ዝመፅሉ ምኽንያት ህወሓት ተጠቒምካ ናይ ምድርባይ ባህሪ ስለ ዘለዎ ‘ዩ። እዚ ባህሪ እዚ ካብ ቐደም ኣትሕዙ ዝነበረ ‘ዩ። ንኣብነት ደርጊ ምስተሸነፈ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ሰራዊት ካብ ሕዚ ኪዱ ሰላም ኮይኑ ‘ዩ፤ ኣንደልየኩምን ብምባል ብዘይምንም መትከሊ እግሪ ደርብይዎም ‘ዩ። መራሕቲ ህወሓት ካብ ኣፍልጦ ቦርዲ መረፃ ሃገር ወፃኢ መረፃ ከካይዱ እንተለዉ ትዴፓን ዓረናን ኣብ ትግራይ እናሃለና ኣይንዋዳደርን ኢልና ኣቢና ኢና።

ከምዚ ምስኾነ ‘ምበኣር ካሊእ ፖለቲካዊ ውድባት ንፍጠር ኢሎም ‘ዮም መረፃ ኣካይዶም። እቲ መረፃ ዋላ ሕጋዊ ኣይንበር ነቶም ፖለቲካዊ ውድባት ተጠቒመምሎም ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር እቶም ፖለቲካዊ ውድባት ሕዚ ሒዞሞ ዘለዉ ቕዋም ዋላ እኹል ኣይኹን ፅቡቕ ‘ዩ። ንተግባር ህወሓት የቓልዕዎ ኣለዉ ‘ዮም። ናብ ኩናት ክኣትዉ እንተለዉ እኹል ምድላው ከምዘይገበሩ ነቒፎሞም ‘ዮም። እቲ ሰራዊት ዘይሻራዊ እንተይኮነስ ናይ ህወሓት ክኸውን ከምዝገበርዎ ብግልፂ ተዛሪቦም ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ናብ ሕብረተሰብ ከይንኣቱ ኣጊዶምና ‘ዮም ኢሎም ተዛሪቦም ‘ዮም። ኣብዚ ከምዘየእተውዎም ህወሓት ‘ውን ኣሚኑ ‘ዩ። ብሓፂሩ ህወሓት ሕዚ ተጠቒሙ ስለ ዝደርበዮም ‘ዮም ዘይምጥዕዓም ፈጢሮም።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዘተ ሰላም ዕዉት ንኽኸውን ግደ ፖለቲካ ውድባት፣ ምሁራት ተጋሩን ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይን እንታይ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ መራሕቲ ሃይማኖት ዓብዪ ግደ ክፃወቱ ኣለዎም። ኣብ ትግራይ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ብናይ በዓልትና ስርዓት ኢና ንመሓደር ክብሉ የብሎምን። ተፈሊና ኢና ዝብል ኣካይዳ ገዲፎም ክሊቲኦም ተጓነፅቲ ኣካላት ሓደ ንምግባር ክሰርሑ ኣለዎም። ንበይንኻ ምፍንጫል ሰላም ዘምፅእ ኣይኮነን። ክልቲኦም ተናሕናሕቲ ኣካላት ናብ ዘተ ሰላም ክመፁ ክሰብኩ ‘ዩ ዘለዎም። ካሊእ ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢን ዝርከቡ ተጋሩ ‘ውን ካብ ኩናት ዝርከብ ጥቕሚ ከምዘየለ ከምህሩን ከርድኡን ኣለዎም። ሓደጋ ኩናት ብዙሕ ‘ዩ፤ ብፍላይ ኣብዚ ኩናት እዚ መፍረዪ ኣካል ‘ዩ ዝመውትን ኣካሉ ዝጎድልን ዘሎ። ኩሉ ፀገም ብሰላም ክፍታሕ ፀዓሪ ክገብሩ ኣለዎም።

 ኩናት መማረፂ ከትስእን እንተለኻ እትኣትዎ ጉዳይ ‘ዩ። እቲ መንእሰይ ብፍላይ ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ክኣምንን ክሰርሕን ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ን17 ዓመታት ኣብዘካየዶ ኩናት ከቢድ ክሳራ በፂሕዎ ‘ዩ። እዚ ንዘይኣንኳሕኾሖ ገዛ ኣይነበረን። በዚ ህዝቢ ትግራይ ዋላ ሓንቲ ኣይተረብሐን። ልምዓት፣ ሰላም፣ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣይረኸበን። ኣብ ትግራይ ልምዓት እንተሪእና ዳርጋ የለን። ንኣብነት ዝስተ ፅሩይ ማይ እንተሪእና ዋላ እተን ዓበይቲ ከተማታት ዝበሃላ ዳርጋ የብለንን። ዋላ ኣብ መንገዲ ክንዲ እቲ ዝድለ ኣይተሰርሐን። ዲያስፖራ ተጋሩ ብሰላም ንኽፍታሕ ፀቕጢ ክገብሩ ኣለዎም። ገንዘብ ምልኣኽ ሰላም ከምፅእ ኣይኽእልን።

ካብ ጎስጓስ ኩናት ወፂኦም ኣብ ሰላም ፀቒጦም ክሰርሑ ኣለዎም። ኩናት ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቐሞን። ንህዝቢ ትግራይ ንሕግዝ ኣለና ኢሎም ዝልእኽዎ ዘለዉ ገንዘብ ናብ ኩናት ‘ዩ ዝውዕል ዘሎ። ብሰላም እንተተፈቲሑ ግና ናብ ልምዓት ክውዕል ይኽእል ‘ዩ ዝብል ኣተሓሳስባን እምነትን ‘ዩ ዘለኒ። እቲ ካሊእ ግደ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ‘ዩ፤ እዚኦም ንህዝቢ ትግራይ ጥቕሚ ኢሎም ጠጠው ዝበሉ ክሳብ ዝኾኑ እሞ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰላም ስለ ዝኾነ ዝጥቀም ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ኣብ ሰላም ፀቒጦም ክሰርሑ ኣለዎም። እዞም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ብፍላይ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ብምውዳብ ናይ ሰላም ምንቕስቓስ ክገብሩ ኣለዎም። ኣታሓባቢሮም ከንቐሳቅስዎ እንተኺኢሎም ህዝቢ ዘይነዓቕ ግደ ክፃወት ይኽእል ‘ዩ። ኣብዚ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ድኽመታት ኣለዉ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ንህዝቢ ኣእሚንካን ኣረዲእኻን ህወሓት ንሰላም ቕሩብ ንኽኸውን ናይ በዓሎም ተራ ክፃወቱ ይግባእ። ይኹን ‘ምበር ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዝግበር ትፅቢት ትሑት ‘ዩ። ብሓፈሻ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ንሓስብ እንተኾይና ኣብ ሰላም ፀቒጥና ከንሰርሕ ኣለና። ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ኣተሓሳስባን እምነትን ክህልወና ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ። ኮሎኔል ፍስሃ፡- ቕድሚ ኩሉ ብዛዕባ ትግራይ ዝምልከቶ ህዝቢ ትግራይ ዩ፤ ኮይኑ ግና በዓል ዋና ከም ምዃኑ መጠን ስልጣን ኣይተወሃቦን። ህወሓት ‘ዩ ከም ድሌቱ ዝገብር ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ንመራሕቲ ህወሓት ንናይ ባዓልኹም ስልጣንን ጥቕምን ከትብሉ ደቕና ብኹናት ኣይተውድኡልና፤ ሰላም ፍጠሩ ክብሎም ኣለዎ። ሂወት ሰብ ይጠፍእ፤ ንብረት ይዓኑ ኣሎ ‘ዩ ክብሎም ኣለዎ። ከምኡ ‘ውን ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይበፅሐናን ዘሎ፤ ብኹሉ ንጉዳእ ስለ ዘለና ሰላም ፍጠሩ ክብሎም ይግባእ። ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ትግራይ ዘሎ ትግራዋይ ነዚ ሓሳብ እዚ ብምድጋፍ ናይ በዓሉ ግደ ክፃወት ‘ዩ ዝግባእ። ብሰንኪ ስእነት ሰላም ዝጉዳእ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ’ምበር ህወሓት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህወሓት ንስልጣኑ ‘ዩ ዝቓለስ ዘሎ።

ህዝቢ ትግራይ ግና ዋጋ ካብ ምኽፋል ሓሊፉ ዝርበሖ ነገር የለን። ምኽንያቱ ካብ ናይ ቕድሚ ሕዚ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ። ህወሓት ስልጣኑ ‘ዩ ዘደላድል ዘሎ። እዚ ህዝቢ ትግራይ ተረዲኡ ህወሓት ንሰላም ቕሩብ ዝኾነሉ ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ። ኹናት ይኣኽለና ክብል ኣለዎ። ኩሉ ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢን ዝነብር ትግራዋይ ህወሓት ናብ ሰላም መኣዲ ንኽመፅእ ዝኸኣሎ ኩሉ ክሰርሕ ይግባእ። ህወሓት ንፌዴራል መንግስቲ ኣይእዘዝን ብምባል ‘ዩ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ፀገም ክኣቱ ገይርዎ። ቕድሚ ሕዚ ጀሚሩ እናጎድኦ መፂኡ ‘ዩ። ኣብ ልምዓት፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራሲ ወዘተ ከንርኢ ንኽእል ኢና። እዚ ህዝቢ ትግራይ ይፈልጦ ‘ዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ተረዲኡ ኣብ ጎኒ ዝጠቅሞ ኣካል ጠጠው ክብል ኣለዎ። ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ድማ ህዝቢ ኣብ ምትሕብባር በርቲዖም ክሰርሑ ኣለዎም ዝብል መልእኽቲ ኣለኒ።

ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና። ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣነ ‘ውን ስለ ዝጋበዝኩምኒ የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 21 ሓምለ 2014 ዓ.ም

Recommended For You