ዕርቂ እንደርታ-ልዅሉ ዕርያ

ፈለማ ዕርቂ እንታይ እዩ?ንዝብል ሓፂር ሕቶ ክንርኢ ኸለና፤ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊን መንፈሳዊ መፃሕፍቲ ተመሳሳሊ ትርጉም ይህብዎ። ካብኣቶም ድማ ‹‹ዕርቂ ማለት ናብ ፍቕሪ ዘሳግር (ድልድል) እንትኸውን ንህንፃ ቤተ ሰላምና ዋሕስ እዩ›› ስርዓተ ህንፃ ዕርቂ ውሑስን ፅኑዕን ዝኸውን ድማ፤ከም ምትእምማን፣ትሕትና፣ሕድገት፣ምሕረት፣ርህራሀን ትዕግስትን ተስፋን ከም ሕላገት ኣብ ልቦና ይምስረት ይብለና። ሃገርና ኢትዮጵያ ወናኒት ዝተፈላለዩ ባህላዊ ስርዓተ ዕርቅን ሽምግልናን እያ፤ ካብ መንጎ እቶም ስርዓተ ዕርቂ እቲ ሓደ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረን ከም ‘ውን ኣፍቲ ሃገርለኸ ስርዓት ዕርቅን ሽምግልናን ፍትሓውን ዕሩይን ብዝኾነ ኣግባብ ይውሃብ ከምዝነበረን ሐዚ’ውን ዋላ ከም ናይ ቐደም ተዘይኮነ እቲ ስርዓት ከምዘሎ ብፅሑፋትን ብምስላን ተመስኪሩሉ ዝሓደረ እዩ።

ኣብ ዕርቂ እንደርታ ዕሙቕ ዝበለን ሰፊሕን መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዝፀሓፈ ኣይተ መለስ ሰለሙን ብዛዕባ ዕርቂ ከምዝስዕብ ገሊፅዎ ኣሎ።፤‹‹ዕርቂ ልብል ቃል ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት፣ጉጅለ፣ዓሌት ወይ ብሄር ልፍጠር ልኾነ ዓይነት ጎንፂ፣ኣሉታዊ ለይምስምዕማዕ ወይ በደል ጥቕዓት፣ጉድኣት፣ናብ ልበኣሰ ከይዓቢ፣ካብ ስግኣት ናፃ ኾይኑ ሰላማዊ ናብራ ንምንባር ጥቕዓት፣ በደል ልበፅሖም ኣካላት ምስ በደልቲ (በዳሊ) ብምቅርራብ፣ ብምፅራይ፣ ብጥፍኣቱ ልክዕ ክኽሕስ ብምግባር፣ ምሕረት ብምጥያቕ፣ ብልፈፀሞ ጥፍኣት ተናሲሑ (ተፀፂቱ)፣ ’’ኣበስኩ’’ ብምባል ላብቲ ልነበረ ሰላምይ ፍቕርይ ምትሕግጋዝይ

 ልምምላስ ልግበር ባህላዊ መሰማምዒ፣ ምሕረትይ ይቕረ በሃላይነትይ ጥንታዊ ባህላዊ ስርዓት ማሕበረሰብ እዩ። እንደርታ (፸ እንደርታ)፥ ሓደ ጥንታዊ ዓብዪ ግዝኣት፥ ኣካል ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገርና ትግራይ ዀይኑ፤ ክትነብረሉ ማቻ ልዀነ ኣየር ፀባይ ደጉዓ፣ ወይና ደጉዓይ ቖላይ ለለዎ ከባቢ እዩ። መነባብሮኡ፤ እቲ ህዝቢ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ሕርሻ፣ ንግዲን ምርባሕ እንስሳን ዝተመስረተ እዩ።

ኣይተ መለስ ሰለሙን ኣብ መፅናዕታዊ ፅሑፉ፤ ዕርቂ እንደርታ ካፍቶም ሃገር በቀል ስነስርዓት ዕርቂ ተባሂሎም ዝፍለጡ ጥንታዊ ፣ ብሉፅን ባህላዊን ትካል ፍትሒ ማሕበረሰብ ሓደ ኰይኑ፥ ኣብ ሓድግታት ትግራይ ልምደብ ስርዓት፣ መግለፂ ስልጣነ ማሕበረሰብ፣ ከይዲ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ እዩ ይብል። ዕርቂ እንደርታ፡- መሰማመዒ፣ ዓራቂ ጐይቒ (ቕርሕንቲ)፣ ምኽሪ ለባማት፣ ፍትሓዊ፣ ሚዛናዊ ውሳነ፣ ፍርዲ ዕርያነት፣ መሰረት ዘላቒ ሰላም ልዀነ ባህላዊ ስነ- ስርዓት ዕርቂ እዩ። እዚ ሓቀኛ በዳልይ ተበዳልይ ፈልዩ፣ ብጥፍኣቱ ልክዕ መምሀሪ ፍትሓዊ ውሳነ ልህብ ስነ-ስርዓት ዕርቂ እምበይ፣ ልተፈጠረ ፀገም ዅሉ ብዕርያ ለካፍል ማለት የዀነይ።

ዕርቂ እንደርታ፡- ብጣዕሚ ሰፊሕ፣ ዓሚቝ ማሕበረሰባዊ ግልጋሎት ለለዎ፣ ኣብ ሃገርና ኰነ ኣብ ትግራይ ብሰፊሑ ካብ ልፍለጡ ባህላዊ ስነ-ስርዓት ዕርቂ ዀይኑ ዋና ዕላምኡ፣ ለይተሰማምዑ፣ ልተጓነፁ፣ ልተፃልኡ ወይ ልተቐያየሙ ውልቀ ሰባት፣ ጕጅለ ወይ ዓሌት ሰላም ምፍጣር፣ ምትዕራቕ፣ ምስምዕማዕ፣ ምቅርራብ፣ ኣፈላላዮም ኣፅቢብኻ ላብ ሓደ ምምፃእ እዩ። ኣብ ዕርቂ እንደርታ፣ ዕርቂ ካብ ልቢ እዩ። ብተብተብ፣ ብምድፍፋን ኣይፍፀምይ፣ ልዅሉ ዕርያ እዩ። እዚ ዕርቂ፣ በዳሊ በደሉ ኣሚኑ ተፀፂቱ ዕረቝኒ እንትብል፣ተበዳሊ ካብ ልቡ ተተቐቢልዎ ጥራይ ልፍፀም ስርዓት እዩ፡

ኣብ ሃገርና፣ ምናዳ ኣብ መላእ ትግራይ፣ ብሰፊሑ ልፍለጥ፣ ልትግበር፣ ካብ መእለይ ጎንፂ ሓሊፉ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖምያዊ፣ ፖለቲካዊ ግልጋሎታት ልህብ፣ ብፍትሓዊነቱ፣ ሚዛናዊነቱ፣ ዕርያነቱ ልምረፅ፣ ጥንታዊ ኰይኑ፣ ክሻዕ ሐዚ’ውን ኣብ ጥቕሚ እናውዓለ ልግነ፥ መማረፂ ፍትሒ ሃገር በቈል ባህላዊ ስነ ስርዓት ዕርቂለ ፍትሒለ እዩ ይብል-ኣይተ መለስ ሰለሙን። እቲ ፀሓፊ መፅንዕቲ ብዛዕባ ኣጀማምራ ዕርቂ እንደርታ ክገልፅ ከሎ፤‹‹ዕርቂ እንደርታ መዓዝ ተጀሚሩ? ንዝብል ሕቶ፥ ዕርቂ እንደርታ ሃገር በቈል (Indigenous) ባህላዊ ስርዓት ዀይኑ፣ ቕድሚ 14 ክ/ዘበን ልነበረ ኰይኑ

 ግና ኣበየናይ ዘበነ መንግስቲ ሃም ልተጀመረ ብግልፂ ለረድእ፣ ልገልፅ ኣብ ታሪክ ልሰፈረ ሰነድ ፅሑፍ ክሻዕ ሐዚ የተገነየይ። ይኹን እንበይ፣ ጥንታዊይ ነዊሕ ዕድመ ኣገልግሎት ለለዎ ምዃኑን፣ ለረድኡ ብዙሓት ልተፈላለዩ ታሪኻት ብምርኣይ፣ ብመርትዖ ምርግጋፅ ይከአል›› ይብለና። ዕርቂ እንደርታ ፍትሓዊ እዩ፤ ቝልፊ ዘላቒ ሰላም እዩ፤ ድሕሪ ዕርቂ፣ ብኽልቲኡ ወገን፣ ማለት በዳልይ ተበዳልይ ምንም ዓይነት ዂርዃሕ (ቅሬታ) ስምዒት ኣይፍጠርይ፤ ብኹሉ ወገን ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ላብ ንቡር ምትሕውዋስ፣ ምትእምማን ልምልስ ስነ ስርዓት እዩ። ዕርቂ እንደርታ፣ ፍትሓዊ፣ ሚዛናዊ ፍርዲ ልህብ፣ ብስሪት ልምራሕ ኣካል ፍትሒ እዩ።

ዕርቂ እንደርታ፣ ልኽልተ ማለት በደል ልበዳልይ ተበዳልይ ልኽልቲኦም ብዕርያ ምክፋል ለይዀነስ፣ ብዕርያ፣ ሰነያ፣ ሰላም፣ ፍቕሪይ ምስምማዕይ ክህልዎም ምግባር ማለት እዩ። ዕርቂ እንደርታ፣ ሃም ዘመናዊ ሕጊ (ቤት ፍርዲ) ልሓደ ልውስን ወይ ልፈርድ የዀነይ።

ዕርቂ እንደርታ ብሕሾት ምስክርነት፣ ብኽእለት ፅዋ፣ ብኣማኸርቲ ለይታለል ሚዛን ፍትሒ እዩ። ኣብ ዕርቂ እንደርታ፣ በዳሊይ ተበዳሊይ ብሓደ ኣእሚኑ፣ ጥፍኣተኛ ነፂሩ የውፅእ፣ ብበደሉ ልክዕ ተመጣጣኒ ውሳነ ፍርዲ ይህብ፣ ኣብ መወዳእታ፣ ዋና ዕላምኡ ኣሰማሚዑ፣ ዓሪቑ ብኹሉ ወገን ሰላም፣ ዕርቂ ይፈጥር። ዕርቂ እንደርታ ምስ ዘበናዊ ሕጊ ዘለዎ ምትእስሳር ክገልፅ ከሎ፤‹‹ብዙሓት ሓቅታት ሃም ለረድእዎ፣ መልዐሊ ዅሎም ሳይንሳዊ ምህዞታት ሃይማኖታት እዮም። መሰረት ዅሎም ዘመናዊ ሕጊታት ለለ ባህላዊ ዕርቂ፣ ሕገ ልቦና እዩ።

ክሻዕ ኸዚ፥ ጎሊሆም ልወፁ፣ ኣብ ጥቕሚ ልወዓሉ ኽልተ ዓይነት ሕጊ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፦

ሀ. ሕጊ ልቦና (ብቃል፣ ብእምነት) ባህላዊ ሕጊ

ለ. ሕጊ ብፅሑፍ (ተፃሒፉ ብስርዓት ልሰፈረ) እዮም።

ሕገ ልቦና ማለት፣ ባህላዊ፣ ናይ ህሊና ፍርዲ ልምሃብ ለይዝለሉ ሓቅታት ኣብ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ልሰፈሩ፣ ሚዛናውነት እዮም። ቕድሚ ሕጊ ብፅሑፍ ምስፋሩ፣ ማሕበረሰብ፣ ብሕገ ልቦና ላተዳነየ መፂኡ፤ ክሻዕ ኸዚለ ይጥቀመሉ ኣሎ። ብዓይኒ ፍትሓውነት፣ ሓቂ፣ ዘላቒ ሰላም ተተራእዩ፥ ባህላዊ (ሕገ ልቦና) ልሓሸ ውፅኢታዊ እዩ››።

ኣይተ መለስ ዕርቂ ንዘላቒ ሰላም ተመራፂ ከምዝኾነ ኣብ ፅሑፉ እንተብረህረሀልና፤ዓበይቲ ዓዲ እንደርታ፣ ዋና መልዐሊ ፀገም ጐንፂ ብጥልቀት ብምምርማር፥ ብመን ተልዒሉ? መኣዝ ተፈፂሙ? ብምንታይ ምኽንያት ተፈፂሙ? ብቕንዕናይ ብትዕግስትይ ነፂሮም ናይ ምፍላይ ብቕዓትይ ልምድይ ኣለዎም።

ዕርቂ እንደርታ ብምድፍፋን፣ ብተብተብ፣ ብይኹን ይኹን ልፍፀም ስርዓት ተይዀነስ፣ ሰፋሕቲ ዓሞቕቲ ስነ-ስርዓት ዕርቂ ለለዎ፣ ብዝርዝር መፈፀሚ ስሪት መሰረት ዘላቒ መፍትሒ ልክመፅእ ዋና መልዓሊ ፀገም ጐንፂ ወይ ለይምስምማዕ ተተፈሊጡ ጥራሕ እዩ ልብል ጠንካራ መርገፂ አለዎም።

ኣብ ዕርቂ እንደርታ ለይፀረየ ዕርቂ፣ ልተሸፋፈነ ዕርቂ፣ ወገናውነት ዕርቂ ኣይከኣልይ። ’’ሓባኢ ቝስሉ፣ ሓባኢ መድሓኒቱ’’ ሃም ልበሃል፣ ’’እታ ትክክለኛ መልዐሊት ጐንፂ ከም ፀገም ተለይወፂኣ ኣይትደርቕይ፤ ዋላ ትንኣስ፣ ተዃሳሒ ነገር ክሕደግ ሓደገኛ እዩ’’ ኢሎም ይኣምኑ። ምኽንያቱ፣ ግዚኡ ሓልዩ መዓልቲ ቘፂሩ ክምለስ ስለልኽእል ።

ኣብ መወዳእታ ረብሓታት ዕርቂ ክንርኢ ኸለና፤ዕርቂ ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚሩ ክሻዕ መንግስቲ ብዙሓት ጥቕምታት ኣለዉዎ። ካብቶም ጥቕምታት (ረብሓታት) ልምግላፅ፤ ኢኮኖምያዊ (ስነ ቑጠባዊ)፣ግዜኻ ብኣገርባቡ ንምጥቃም፣ስነ ኣእምራዊ ዕረፍቲ፣ውልቃውን ከባብያውን ሰላም፣ማሕበረሰባዊ ምጥንኻር የተኣሳስር፣ፍልፍል ሓድነትን ሰላምን እዩ ይብ ኣይተ መለስ ሰለሞን ኣብ መፅናዕታዊ ፅሑፉ።

እምበኣርኸስ ትኹረትና ናብ ሃገር በቆል ስነ ስርዓት ዕርቂ ብምግባር፤ እዞም ድሕሪ እዋን ዝሰኣናዮም ዓበይቲ ህያባት፣ወሰንትን መሰረታውን ረብሓታትና ናብ ንቡር ክምለሱ ኹላትና ፃዕሪ ንግበር።

ሰላምን ራህዋን ንሃገርናን ህዝብናን!

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You