ውፅኢት ጥንካረን ፅንዓትን ኢትዮጵያዊነት

ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ፈተና እንተገጠማ ‘ውን ብሓድነት ፣ብፍቕሪ ብሕብረት እንትንሰርሕ ከመይ ውፅኢታውያን ከምንኾን ጀጋኑ ኣትሌታትና ድምቐት ኢትዮጵያ ኾይኖም ዓወቶም ኣመስኪሮም ‘ዮም። ብማእኸላይን ነዊሕን ርሕቐትን ኢትዮጵያ ኣብ ጉያ ዘለዋ ተፈጥሮ ዓቕሚ ብምጥቃም ካብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ናይ ዘርኢ ፣ ሃይማኖትን ፖለቲካን ሓፁር ብምፋራስ ኣብ ኦሪገን ባንዴራ ኢትዮጵያ ዓፍ ኣቢሎም ከንበልብሉ ኢሎም ‘ዮም። ኣብ ብዙሕ ፈተና ኣትዮም ዝተኸፍእሉ ነገር ንጎኒ ብምግዳፍ ሃገሮም ቅድሚት ገይሮም ብምሕሳብ ብሄረዊ መዝሙር ዘሚሮም ፤ ክዝመር ‘ውን ገይሮም እዮም።

 ሻለቃ ኣትሌት ሃይሌ ገብረስላሴ ኣብ ሻምፒዮና ዓለምን ውድድር ዝተርኣየ ሕብረት ስራሕ ፣ ኣብቶም ኣትሌት ዝነበረ ሕድ ሕድ ምትሕብባርን ሓድነትን ካብ ማንም ንዕሊ መሐጎሲ ከምዝነበረ ተዛሪቡ ‘ዩ። እዚ ውድድር ሕድ ሕድና እንድሕር ተኸባቢርናን ካልእ ከምዘኽብረና ዘመልከለተ ‘ዩ። መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ካብ ምክፍፋል ብሓባር ድኽነት ተቃሊሱ ንምውዳቕ ናይ መጀመርያ ስርሑ ገይሩ እንድሕር ተላዒሉ ዓባይ ኢትዮጵያ ምህናፅ ከምዝኽእል ገሊፁ ‘ዩ። ኣትሌታትና ብፍቕሪ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው እንተይልና ሃገርና ኣብ መድረኽ ዓለም ምፅዋዕ ከምንኽእል ኣምሂሮምና ‘ዮም። ንሕና ጥራሕ እንተይኾነስ ንፀላኢ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዓወት ብምምፃእ ዓብይ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ‘ዮም። ብዓወትና ፀላኢ ኣሕፊሮም ‘ዮም።

 እዚ ዓብይ ናይ ሕብረት ስራሕ ውፅኢት ‘ዩ። ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማደር ደራርቱ ቱሉ ብወገና ኣብ ኣሜሪካ ኦሪገን እናኻየደ ኣብ ዝርከብ ቻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትጵያውያን ዘርኣይዎ ጥንካረን ዓወትን ዝድነቕ ከምዝኾነ ኣብቲ ስፍራ ንዝርከቡ መራኸብቲ ሓፋሻት ገሊፃ ‘ያ። ባንዴራ ኢትዮጵያ ልዕል ኣቢሎም ዘርኣዩ ጀጋኑ ክብሪ ይግበኦም ፤ ብሓፈሻ ናይ ጉጅለ ስራሕቶም ጠንካራ ‘ዩ ነይሩ ክትብል ገሊፃ። ተዓወቲ ሜዳልያ ወርቂ ማራቶን ታምራት ቶላን ጎተይቶም ገብረስላሴን ፣ ናይ ዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ወናኒት ወርቂ ዘኾነት ለተሰንበት ግደይ፣ ናይ ማራቶን ወናኒት ብሩር ሜዳልያ ሞስነት ገረመው ፣ ናይ ሰለስተ ሸሕ ሜትሮ መሰናኽል ባዓል ዋና ሜዳልያ ብሩር ለሜቻ ግርማ ፣1500 ሜትር ተዓዋቲት ሜዳልያ ብሩር ጉዳፍ ፀጋይ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ዝኽእልዎ ኹሉ ሜዳልያ ምርካብ ዘይኻኣሉ ኣትሌታት ‘ውን ናይዚ ዘመን ታሪኽ ኣካል ኾይኖም ‘ዮም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 14 ሓምለ 2014 ዓ.ም

Recommended For You