ሽልማት ኣባላት ጋንታ ዋልያ

ሓገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ (ዋልያ) ንመበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ ካሜሮን ምሕላፍም ተኸቲሉ ብኮምሽን ስፖርትን ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ሃዋሳ ሌዊ ሪዞርት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ኣፍልጦን መበራታትዒ ሽልማት ተዋሂቦም እዮም። ኮምሽን ስፖርት ነዚ ሽልማት ዓሰርተ ሚልየን ብር ዘውፀአ እንትኸውን ናይቲ ጋንታ ዋና ኣሰልጣኒ ዉበቱ ኣባተ ልዑል ዝኾነ ብር 350ሽሕ ሽልማት ረኺቦም እዮም። ምኽትሎም ኣስራት ኣባተ ፣ኣንዋር ያሲን ከምኡ’ውን ሓላዊ ማዕፆ ኣሰልጣኒ ደሳለኝ ገብረጊዮርጊስ ብር ኽልተ ሚኢቲ ሽሕ ሽልማት ተሸለምቲ ኾይኖም እዮም። ስሩዕ ተሰለፍቲ ተፃወቲ ብር 250ሽሕ እንትሽለሙ ፣ተቐየርቲ ተፃወቲ ብር 150 ሽሕ ተሸለምቲ ኾይኖም እዮም። ዝተፈላለዩ ባዓል ሞያታት ካብ ብር ሚኢቲ ሽሕ ክሳብ ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ተሸለምቲ ኾይኖም እዮም። ናይቲ ፌደሬሽን ፕሬዝዳንት ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ብር ሚኢቲ ሽሕ ሽልማት እንትሽለም ናይቲ ፌደሬሽን ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ባህሩ ጥላሁን ብር 150ሽሕ ተሸሊሞም እዮም።

እቲ ፌደሬሽን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ቃል ብዝኣተዎ መሰረት ናይ ብር ሽዱሽተ ሚልየን ሽልማት ነቲ ጉጅል ዘረከበ እንትኸውን ሕድሕድ ተፃወቲ ሚኢቲ ኣርባዓ ሽሕ ተሸለምቲ ኾይኖም እዮም። ናይ ጋንታ ዋልያ ዋና ኣሰልጣኒ ውበቱ ብር ሰለስተ ሚኢቲ ሽሕ ምኽትሎም ኣስራት ኣባተ ፣ኣንዋር ያሲን ከምኡ ‘ውን ሓላዊ ማዕፆ ኣሰልጣኒ ደሳለኝ ገብረጊዮርጊስ ሕድ ሕዶም ብር ሚኢቲ ሓምሳን ሽሕ ተሸለምቲ ኾይኖም እዮም።ምስቲ ጋንታ እናሰርሑ ዝፀንሑ ካብ ብር ሰብዓ ሽሕ ክሳብ ዒስራ ሽሕ ተሸለሞም እዮም።

ጋንታ ዋልያ ድሕሪ ሰላሳን ሓደ ዓመት ን 2013 ኣ.ፈ ንፅዋዕ ኣፍሪካ እንትሓልፉ ናይቲ ጋንታ ኣባል ዝነበሩን ኸዚ’ውን ብዋልያ ስብስብ ወሰንቲ ተፃወቲ ዝኾኑ ኣጥቃዒ ጌታነህ ከበደ፣ማእኸላይ ተፃወቲ ሽመልስ በቀለ ከምኡ’ውን ሓላዊ ማዕፆ ጀማል ጣሰው በቲ ፌደሬሽን ፍሉይ ሽልማት ተበርኪትሎም እዩ። በዚ እውን ጌታነህ ከበደ ንብሄራዊ ጋንታ ዘቑፀሮም 30 ሽቶታት ንምርኣይ ኣብ ፍሬም ውሽጢ ዝተቐመጠ ብወርቂ ቀለም ዝተፅሓፈ ቑፅሪ 30 ናይቲ ብሄራዊ ጋንታ ማልያ እንትሽለም ብተመሳሳሊ ሽመልስ በቀለ ቑፅሪ 18 ፣ ጀማል ጣሰው ቑፅሪ ሓደ ማልያታት ተበርኪትሎም እዩ።

ጋንታ ዋልያ ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ እንትሓልፉ ናይ ምድቦም ጠንካራ ተነሓናሒ ኮትዲቫር ኣብ ባህርዳር 2ን1 ብምስዓር ወሳኒ ግደ ዝተፃወቱ ኣሰልጣኒ ጋንታ ዋልያ ዝነበሩ ኣብርሃም መብራህቱ ንኻልኣይ እዋን ኣብ ሽልማት ከይተሳተፉ ተሪፎም እዮም። ጋንታ ዋልያ ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምሕላፎም ኣረጋጊፆም ናብ ሃገሮም ኣብ ዝተመለስሉ እዋን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምኽትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ንጋንታ ዋልያ ብር ሓሙሽተ ሚልየን እንትሽልማ ኣሰልጣኒ ኣብርሃም ዘይምስታፎም ቕሬታ ፈጢሩ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።

ኮምሽነር ኮምሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ኣይተ ኤልያስ ሽኩር ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝገበርዎ ዘረባ ፤መንግስት ካብ ዝህቦ ኣፍልጦን ሽልማትን ህዝቢ ንጋንታ ዋልያ ዘለዎ ዕሙቕ ስምዒትን ጋንታ ዋልያ ዓብይ ሓላፍነት ከምዘለዎም መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም። ዝተበርከተሎም ሽልማት ድማ ንቐፃሊ ጉዕዘኦም ምልዕዓል ንክፈጥር ተሓሲቡ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ገሊፆም፣ ኣብ ቐፃሊ’ውን ብዘመዝግብዎ ውፅኢት መሰረት ከምዝቕፅል ቃል ኣትዮም እዮም። ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው ብወገነን፣ ጋንታ ዋልያ ንኢትዮጵያ ህዝብን መንግስትን ሓደራ ተቐቢሎም ንፅዋዕ ኣፍሪካ ንተሳትፎ እንተይኾነስ ዝሓሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ፃዕሪ ክገብሩ ከምዘለዎም ኣታሓሳሲቦም እዮም።

ኣብቲ ፕሮግራም ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳውን ኮምሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ኮምሽነር ኣይተ ኤልያስ ሽኩር ሓዊሱ፣ ምኽትል ኮምሽነር ኣይተ ዱቤ ጅሎ፣ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ወሃቢ ቃል ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ፣ኡስታዝ ኣቡበከር ኣህመድ ፣ ምምሕዳር ክልልን ከተማን ስፖርት ኮምሽን ኮምሽነራት ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም እዮም። ኣርቲስት ንዋይ ደበበ ፣ ፀሃየ ዮሃንስ ፣ ኣረጋኸኝ ወራሽ፣ ጌታቸው ሃይለማርያምን ካልኦትን እቲ መርሃ ግብሪ ብዜመኦም ኣድሚቐምዎ ኣምሽዮም እዮም። ብብዙሕ ደርፊ ዝፍለጥ ኣርቲስት ንዋይ ደበበ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ንዋልያ ብሓደራ ኣረኪቡ እዩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You