‹‹ስርዓት ህወሓት ብዛዕባ መንእሰይ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ዝሓስብ ኣይኮነን›› – ኣይተ ሓዱሽ ዓፈራ

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ፀገም ኣይንቕበልን ወይ ከዓ ኣከያይድኡ ትኽክል ኣይኮነን ብምባል ዝተፈላለዩ ዉድባት ብምፍጣር ቃልሲ እናካየዱ ዘለዉ መናእሰይ ትግራይ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ዝሓሰብዎ ዕላማ ኣብ ሽትኡ ይውዓል ኣይውዓል ብዘየግድስ ግና ካብ ምቅላሰ ንድሕሪት ኣይበሉን። ካብዞም ዉድባት እቲ ሓደ ዉድብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት)’ዩ። ውድብ ዴምህት ንልዕሊ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ በረኻ እናተቃለሰ ዘሎ ዉድብ ‘ዩ። ኣብዚ ዉድብ ዝርከቡ መናእሰይ ካብ ሓሳብ ክሳብ ክላሽ ብምልዓል ነፃነት ህዝቢ ትግራይ ክነኽብር ኢና ይብሉ ኣለዉ። እዚ ንክኸውን ድማ ብፍላይ ካብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ እዚ ዕላማ ብምኽታል ናብ ቃልሲ ዴምህት ክፅንበሩ ፃውዒት እናገበሩ ይርከቡ። ተጋዳላይ ዴምህት ዝኾነ ሓዱሽ ዓፈራ ብዛዕባ ዴምህትን ካልኦት ሓሳባትን ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና ። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ዕላማ ዴምህት እንታይ ‘ዩ? ኣይተ ሓዱሽ፡- ኣብዚ ኸዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ቃልሲ ኢና ጀሚርና ዘለና። ኣብዚ ቃልሲ ቅድም ኢሉ ዝነበሩ ነባር ኣባላት ተቃለስቲ ዴምህት ኣለው ፤ ኸዚ ዝተቓላቐሉ ሓደሽቲ ተቃላስቲ ዴምህት ካብ ዝተፈላዩ ዩኒቨርስቲታ ፣ ካብ ቢሮታት ትግራይ ከምኡ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላላዩ ስራሕ ዝነበሩ ተጋሩ ህዝቢ ትግራይ ናፃ ክወፅእ ኣለዎ ኢሎም ዝትዓሉ ግዱሳት ተጋሩ ዝመስረትዎ ውድብ’ዩ። ነዚ ዋና ክምስርት ዝገበረና ድማ ቅድም ክብል ኣብ መግለፂና ‘ውን ገሊፅናዮ ኢና፤ዴምህት ብመትከል ደረጃ ኢትጵያዊ ትግራዋይ ውድብ ‘ዩ። ምንም እኳ ናይ ኸዚ መበገሲኡ ኣብ ወፅዓ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ናፃ ንምውፃእ እኳ እንተኾነ ኣባና ዘለው ተቃለስቲ ግና ካብ መላእ ብሄርን ብሄርትን ኢትዮጵያ ዝመፁ ‘ዮም። ናይ ኣምሓራ ተወለድቲ ኣለዉና ናይ ኦሮሞን ደቡብን ተወለድቲ ኣለውና ‘ዮም። ብባህሪኡ ዴምህት ከም ዉድብ ዘርኢ ዘለዎ ዉድብ ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ ብሄር ዘሎ ኣንፃር ህወሓት ክቃለስ ‘የ ዝብል ኹሉ ምሳና ክሕወስ ይኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብኸመይ ትገልፆ? ኣይተ ሓዱሽ፡- ከምዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ መከራ ‘ዩ ዝርከብ። ኣሽኳይዶ ናይ ባዕልኻ ዝኾነ ዝተወለድኻሉ ዝዓበኻሉ እትሰርሐሉ ዝነበርካ ህዝብን ክልል፤ ኣብ ዘይትነብረሉ ፀላእየይ እትብሎ ህዝቢ ‘ውን ክበፅሕ ‘ዩ ኢልካ ዘይትግምቶ ኣብ ሰፊሕ ዝኾነ ፀገም ‘ዩ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ። ንምንታይ ‘ዩ ህዝቢ ትግራይ ናብዚ ኸዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ክበፅሕ ዝኻኣለ እንይልና ከምዝፍለጥ ኣብ ክልል ውሽጢ ዘሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ወይ ከዓ ስልጣን ብዘለዎ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ግብረ ራዕዳዊ ተባሂሉ ዝተሰየመ ስርዓት ህወሓት ንሱ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሎ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢትጵያውያን ብሄር ብሄረሰባትን ብዝተፈላለየ መልክዑ ብሃይማኖት ኾነ ብኸባቢ እናከፋፈለ እናሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ። ኣብዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ዘይተጠቐመ ተጠቒሙ እናተብሃለ፣ ዘይበልዐ በሊዑ እናተብሃለ ብዙሕ ነገር እናሰርሐ ስለዝፀንሐ እዚ ስርዓት ህወሓት ብዝፈጠሮ ፀገም ኸዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናተርኣየ ይርከብ። መበገሲኡ መን ‘ዩ እንተይልና ባዕሉ ካብቲ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለደ ህወሓት ዝባሃል ስርዓት ኢትዮጵያ ብኣግባቡም ብዘይምምርሑ ስዒቡ ዝመፀ ፀበባን መከራን ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝገልፆ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት መኸተ ሰላስተ እናበለ ጎስጓስ ኹናት እናገበረ ይርከብ ፣ እዚ ናብ ኹናት እንድሕር ኣምሪሑ ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ፅልዋ ከመይ ትገልፆ ? ኣይተ ሓዱሽ፡- ግልፂ ‘ዩ። እዚ ጉጅለ ቅድሚ ኸዚ ሓላዊኡ ዝነበረ ሰሜን እዚ ደቂሱ እናሃለወ ‘ዩ ወቂዕዎ። እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከብፅሕ ከሎ እኮ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኸፍአ ፀገም ከምዝፍጠር ምግማት ተሳኢንዎ ኣይኮነን። ንምንታይ ‘ዩ እንተይልና ስርዓት ህወሓት ብዛዕባ መንእሰይ ይኹን ህዝቢ ትግራ ዝሓስብ ኣይኮነን። ኸዚ ኣነ ኣብ በረኻታት ትግራይ ስለዘለኹ ብዝተፈላለየ መገዲ ንሰምዖ ኢና፤ ኸዚ እውን ሳልሳይ መኸተ እዚ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ተጋሩ ኹሉ ክቃወምዎ ‘ዩ ዝግባእ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ነዚ ስርዓት እዚ ንክቃዎም ሓይሊ ይኹን ቦታ የብሉን። ውፅኢቱ ግልፂ ‘ዩ ። ንህወሓት ኣብ ትግራይ ኾይንካ ምቅዋም ማለት ባዕልኻ ናብ ኽሳድኻ ገመድ ምእታው ማለት ‘ዩ። ከም ፍታሕ ዝኾን ግና ኣብ ወፃኢ ዝርከብ ትግራዋት ከምኡ ‘ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ትግራዋይ መንእሰይ ትግራይ እናሃለቀ ምስ ህወሓት እናደገፈ ዝሰርሕ ዘሎ ትግራዋይ ‘ውን ተኣርኒቡ ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይጠቕም እዚ ኣካይዳ ኣደታት ተጋሩ ‘ውን መኻን ዝገብር ኣካይዳ ስለዝኾነ ኹሉ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ክቃወምን ክረባረብን ኣለዎ ። እንትጅመር ድማ ራዕዳዊ ተባሂሉ ዝተሰየመ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ስለዝኾነ፣ ንሕና ‘ውን ናብ በረኻ ወፂና እንቃለሶ ዘለና ዘይሕጋዊ ስለዝኾነ ‘ዩ ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ብዘይ ኹናት ክነብር ኣይኽእልን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ፤ ኣብዚ ዘለካ ሓሳብ እንታይ ይመስል ? ኣይተ ሓዱሽ፡- ትኽክል ‘ዩ። እዚ መበገሲኡ እንታይ ‘ዩ እንተይልና ህወሓት ንዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት እኮ ይፍለጥ ‘ዩ፤ብዛዕባ ትግራይ ምልዓል ኣይካኣልን ነይሩ። ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዛዕባ ተጋሩ ኣይምልከቶን ነይሩ። ኸዚ ኣብ መቐለ ‘ዩ ተሓቢኡ ዘሉ እዚ ድማ ፀቢብ ‘ዩ እቲ ከተማ ከምዝለመድዎ ክኾኑ ኣይኽኣሉን። ካብ መበገሲኡ እዚ ጉጅለ እንተሪእና ብሓሳብ ልዕልነት ኣይኣምንን። ብሓሳብ ዝኣምኑ ዝተፈላለዩ ውድባት ‘ውን እናጥፈኦም ስለዝመፀ ፣ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ብዙሕ ሕቶ ስለዝሓቶ ፣ እንድሕር ህወሓት ሰላም ተቐቢሉ እኮ ብሄር ብሄረሰባትን ጥራሕ እንተይኾነስ ዝሕተት እቲ ዝላዓሎ ቀንዲ ሕቶ ዘሎ ኣብ ትግራይ ‘ዩ። ልዕሊ ኹሉ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ብሰንኪ እዚ ጉጅለ ዝተጎድአ። ስለዚ ንምንታይ እዩ ኹናት ዝመርፅ ዘሎ?እቲ መልሱ ንከይሕተት ‘ዩ። ህወሓት ክነብር እንተኾይኑ ህዝቢ ትግራይ ክፅገም ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ንክፅገም ድማ ኹናት የምፀአሉ ማለት ‘ዩ። ንምንታይ ‘ዩ በቢእዋኑ ኹናት ዝኸፍት እንተይልና ዝመፀሉ መንገዲ እዚ ስለዝኾነ ‘ዩ ፤ ብኹናትን ብኹናትን ጥራሕ ክነብር ዝኽእል። ወያነ ኣብ ህወሓት የኾነን ተጀሚሩ ፤ ቅድሚኡ ወየንቲ ነይሮም ‘ዮም። ግና ህወሓት ወያነ ኣነ ‘የ እናበለ ንሱ ጥራሕ ከምዝምልከቶ ገይሩ ‘ዩ ፕሮፖጋንዳ ዝነዝሕ። እዚ ጉጅለ ክፍጠር ከሎ ንስልጣን ዘይገበሮ ነገር የብሉን። ስልጣን ናይ መጀመርታን መወዳእታን መንበሪኡ ገይሩ ስለዝሓሰበ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ መከራ ኸዚ ‘ውን የእትዎ ኣሎ ማለት ‘ዩ – ሳልሳይ መኸተ እናበለ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ፈቒዱ እናኣተወ ይርከብ፤ ንህዝቢ ግና ኣይበፅሕን ዝብል ሓሳብ ኣሎ፤ ኣብዚ ዘለካ ርኢቶ እንታይ ይመስል? ኣይተ ሓዱሽ፡- ኣነ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ‘የ ነይረ ፤ ረድኤት ክላኣኽ ከሎ እኹል ንከይኾን ይኽእል ግና ናብ ትግራይ ይኣቱ ነይሩ ‘ዩ ፤ እቲ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ግና ናብ ህዝቢ ኣብ ማዓልኡ ኣይኮነን ዝውዕል ። እዚ ክፍለጥ ዘለዎ ሓቂ ‘ዩ ፤ እቲ ሓደ ካብ ኣቕሚ ንላዕሊ ንመንእሰይ ናብ ምሽግ ኣእቲይዎም ስለ ዘሎ ናብ ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ዝላኣኽ ዝተሓሰበ ረድኤት ንሰራዊት ቀለብ ‘ዩ ዘውዕሎ ። ካልኣይ እተን ናብ ከተማታት ይኣትዋ ዝባሃላ ዉሑዳት ረድኤት ‘ውን ንካድረታትን ንናይባዕሎም ተለኣኣኽትን ከምኡ ‘ውን እናፈለዩ ስድራ ተጋደልቲ ኢኽን፤ስደራ ስውኣት ኢኽን እናበለ ፍልልይል ‘ዮም ዘብልዎም። ህዝቢ ትግራይ እተን ማሕበረሰብ ዓለም ዝላአኸለን ሓገዛት ብኣግባቡ ተጠቒሙ ናብርኡ ከይመርሓሉ ኣብተን ዉሑዳት ‘ውን ክንደይ ፀገም ኣሎ ። ብሓፈሻ ግና እቲ ዝኣቱ ረድኤት ኣብ ማዓልኡ ኣይኮነን ዝውዕል። እዚ ኣነ ‘ውን ምስክር ‘የ ኣብ ትግራይ ስለዝነበርኩ ማለት ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ጎንፂ ብሰላም ንምፍታሕ ድልየት ከምዘለዎ ኣብ ፓርላማ ተዛሪቡ ‘ዩ ኣብዚ ዘለካ ሓሳብ እንታይ ይመስል ? ኣይተ ሓዱሽ፡- ዝኾነ ይኹን ሰብ ንሰላም ዝፀልእ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ኣሽኳይዶ ህዝቢ ትግራይ። ግና እቲ ሓደ ምስ ጉጅለ ህወሓት ሰላም ክፍጠር ይኽእል ዶ? ዝብል ሕቶ ይፍጠር ‘ዩ፤ ምኽንያቱ ካብ መጀመሪያ ‘ውን ግደፍ ‹‹ኣብ ኢትዮጵያ ህውከት ኣይትፍጠር ናብ ኹናት እንድሕር ኣቲና ኣደታት ትግራይ ክነብዓ ‘የን ›› እናብሃለ እኮ ብዝተፈላለየ መገዲ እኮ መአረምታ ይዋሃቦ ነይሩ ‘ዩ። እዚ ጉጅለ ግና ካብ ዘለዎ ድልየት ኹናት ፣ ብዘይኹናት ክነብር ስለዘይኽእል ፣ ህዝቢ ትግራይ ከይፀገሞ ክነብር ስለዘይኽእል፤ ባዕሉ ‘ዩ ናብ ኹናት ኣትዩ ። ስለዚ ዋላ እኳ እዚ ኸዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ካብ ሰላም ወፃኢ ካልእ መማረፂ ዘይብሉ እንተኾነ መጀመሪኡ ‘ውን ናይቲ ለውጢ መንግስቲ እንትመፅእ ከሎ ምኽሪ ተዋሂብዎ ‘ዩ። ካብ መጀመርኡ ንሰላም ቅሩብ ኣብዘይኾነሉ እዋን ኸዚ ንኹናት ኣብ ዝደላዎሉ ዘሎ ሰዓት ንሰላም ክቕበል ‘ዩ ማለት ብወገነይ ኣይመስለን። ምኽንያቱ ምስ ባህሪኡ ‘ውን ስለዘይኸይድ ‘ዩ። እቲ ጉጅለ ባህሪኡ ተቐያያሪ ‘ዩ፤ ትማሊ ዝበሎ ሎማዓንቲ ኣይደግሞን ፣ ሎሞዓንቲ ዝበሎ ፅባሕ ኣይደግሞን። ምናልባት መማረፂ ስለዝሰኣነ ወይከዓ ከምልማዱ ንማህበረሰብ ንምሽዋድ ተዘይኾይኑ እዚ ጉጅለ እዚ ንሰላም ቁርብ ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን ። ስለዚ ፍታሕ ክኾን ዘለዎ እዚ ጉጅለ ክውገድ ‘ዩ ዘለዎ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ዘተ ሰላም ንክሳኻዕ ወይድማ ህወሓት ይኣኽለካ ንምባል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህወሓት እንታይ ዓይነት ፅዕንቶ ከሕድር ኣለዎ? ኣይተ ሓዱሽ፡- ህዝቢ ትግራይ እኮ እንበርከ ካባና ህዝቢ ድዩ እዚ ውድብ ተፈጡሩ ናብ ምባል ‘ዩ ። ግና እቲ ስርዓት ዓፋኒ ስለዝኾነ ዝደልኻዮ ክትዛረብ ስለዘይትኽእል ፣ እተን ዘለዋ ፖለቲካ ዉድባት ‘ውን ምስ ጎኑ ኾይነን ካብ ምቕባል ወፃኢ ካልእ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ስራሕ ክሰርሓ ስለዘይኽእላ ዓቕሚ ‘ውን ስለዘይብለን ‘ዩ ‘ምበር ህዝቢ ትግራይ እኮ ብተዘዋዋራ መገዲ እኮ ይቃዎም ኣሎ ‘ዩ። ንሕና ምስክር ኢና ። እቲ ስርዓት ኣብ ትግራይ ብጣዕሚ ተፀሊኡ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ስርዓት ንከይጠፍእ ዕንቅፋት ዝኾን ሰብ የለን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ውልቀ ሰባት ኣለዉ። እቲ ጉጅለ እንድሕር ጠፊኡ ክንነብር ኣይንኽእልን ዝብሉ ውልቀ ሰባት ይኹኑ ጉጅለታት ክሳብ ንሱ ዝቕበር ክቕበሩ ‘ዮም ኢለ ‘የ ዝኣምን ፣መማረፂ ‘ውን ስለዘይብሎም። ግና ኣብ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ግና ንምንታይ ‘ዩ ንህወሓት ዘይቃወም ‘ዩ እቲ ሕቶ ክኾን ዘለዎ ፤ ህወሓት እትገብሮ ዘላ ብቕርበት ዝፈልጥ እቲ ተወላዳይ ትግራይ ዝኾነ ‘ዩ ፤ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ተሪሩ ‘ዩ ክቃለስ ዘለዎ። ተሪሩ እንደሕር ደኣ ዘይተቃሊሱ ህዝቢ ትግራይ ካብ ፀገም ክወፅእ ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን። ምኽንያቱ ህወሓት ብኹናት እንድሕር ዘይተቓሊስካ ነፃነት ኣይህበካን። ብሓይሊ ስለዝኣምን ብሓይሊ ‘ዩ ክወድቕ ዘለዎ። በታ ንሱ ዝደልያ ማለት ‘ዩ። ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢ ብሓባር ብምዃን ኣንፃር እዚ ስርዓት ብምቅላስ ይኣኽለካ ክብልዎ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ።

 ተወለድቲ ትግራይን እንታይ ክኸውን ኣለዎ? ኣይተ ሓዱሽ፡- ንሕና ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተኣኻኺብና ኢና ናብ በረኻ መፂና ዘለና፤እዚ ንሳቶም ከም ተሞክሮ ክወስድዎ ኣለዎም። ንሕና ሱፍ ተኸዲንካ ኣብ ሚድያ ምቕራብ ፀሊእና ኣይኮናን ናብ በረኻ መፂእና ዘለና። ህወሓት ብልዕልና ሓሳብ ዘይኣምንን ኹናት ከም ቀንዲ መሳርሒ ገይሩ ስለዝጥቀም ናብ ገዛኢ ስርዓት ዝተቐየረ ስለዝኾነ ኩላትና ተጋሩ ይኣክል ኣብ ዝብል ዛዕባ ክንፈላለ የብልናን ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ኣብ መንጎ ተጋሩ ካልእ ዘፈላልየና ጉዳት ክህሉ ይኽእል ‘ዩ፤ግና ህዝቢ ትግራይ ክቀስን ኣለዎ። ህወሓት ክጠፍእ ኣለዎ፣ ፖለቲካ ትግራይ ፈሪሱ ከም ሓድሽ ትውልዲ ክትካእ ኣለዎ ኣብ ዝብል ግና ሓደ ክንኾን ኣለና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ውድባት ‘ውን ናትና ተሞክሮ ወሲዶም ናብ በረኻ ዋላ ኣይምፅኡ ግና ኣብ ከተማ ኾይኖም ምሳና ተዋሃሂዶም እቲ ስርዓት ቀሊጢፉ ክጠፍኣሉ ዝኽእል ኣካይዳ ክፈጥሩ ኣለዎም ኢለ ይኣምን። እቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ እቲ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋዳ ክሰምዕ የብሉን። ምኽንያቱ ሓሶት ሓሶት ‘ዩ፤ድሕሪ ግዜ እቲ ሓቂ ምውፅኡ ኣይተርፍን። ህወሓት ዝሰርሖ ዘሎ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ብዝተፈላለየ መገዲ እናተረዳእና ኢና። ‹‹ትግራይ ትስዕር›› እናበለ ኣብ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሚድይኡ እናጋወሐ ‘ዩ ዝውዕል ፤ ትግራይ ትስዕር ኣላ ድያ ? ትግራይ እኮ ኣብ ጥምየት ኣብ መከራ ‘ያ ዘላ፤ ከመይ ገይርካ ትግራይ ትስዕር ይባሃል ? ስለዚ

ወጋሕታ፡- ኣብ ከይዲ ዘተ ሰላም ግደ ፖለቲካ ውድባት፣ ምሁራት ተጋሩን ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ እኮ በፂሑ  እቲ ሓቂ ቀስ ብቀስ እቲ ማህበረሰብ ዓለምን ኣብ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ እናራኣየ ‘ዩ። ስለዚ ካብዚ ናይ ህወሓት ፕሮፖጋንዳ በለካ ለኽዐካ ወፂኡ ብሓቂ ንህዝቢ ትግራይ እንድሕር ዝግደስ ኾይኑ ወፂኡ ክቃለስ ኣለዎ። ናብ በረኻ ወፃኡ ክቃለስ ዘይደሊ ድማ ብዘለዎ ተኽእሎ ክቃለስ ኣለዎ። ብሞራል ‘ውን ቃልሲ ‘ዩ። ስለዚ ብምትሕብባር እቲ ስርዓት ሙሉእ ብሙሉእ ዝጠፍኣሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ።

 ወጋሕታ ፡- ኣብ መወዳእታ እተሕልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ኣይተ ሓዱሽ፡-ኣብቲ ሓደገኛ ስርዓት ውሽጢ ኾይኑ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ብዝኻኣሎ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ይቃለስ ኣሎ ‘ዩ። ነቲ መንእሰይ እነሕልፎ መልእኽቲ ግና መንእሰይ ትግራይ ክነቅሕ ክኽእል ኣለዎ። ክሳብ ማዓዝ ‘ዩ በዚ ጉጅለ እናተሸወደ ዝነብር። እዚ ጉጅለ ኣዶ ትግራይ መኻን ንክገብራ ‘ዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ። ኣብዚ ጉጅለ ኣትዩ እናሰርሐ ዘሎ ሰራዊት’ውን ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ። ንምንታይ ‘የ ህይወተይ ዝህብ ዘለኹ ኢሉ ክሓስብ ክኽእል ኣለዎ። ትመዉት እንድሕር ኾይንካ እኳ ዕላማ ዘለዎ ሞት ክኸውን ኣለዎ። ስልሳን ሓሙሽተን ዝኾኑ ሰባት ብሕጊ ከይሕተቱ ተባሂሉ መንእሰይ ትግራይ ኣሽንኳይዶ ህይወቱ እታ ኣብ ዝኾነ ቦታ እትድብረ ፅፍሪ ‘ውን ክህብ የብሉን ባሀላይ ‘የ። እዚ ስርዓት ተዘይንቃለሶ ‘ውን ዝወደቐ ስርዓት ‘ዩ። ብኣተሓሳስባ ዝወደቐ ‘ዩ ፣ ህዝቡ ምስ ጎረባብቱ ኣባኢሱ ንከይወፅእ ዝዓፃፀወ ስርትዓ ‘ዩ።

እዚ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ከም ኣምላኽ ከምልኾ እዩ ኣብ ትግራይ እናሰርሐ። መንእሰይ ትግራይ ግና ከምቶም ቀዲሞም ዝነቕሑ ካብዚ ስርዓት ዝወፁ ክወፅእ ኣለዎ። ብቆቦ እንተወፂኡ ኣለና ፣ ብኤርትራ እንተወፂኡ ኣለና ፤ ብኣምሓራ ‘ውን ንንቀሳቐስ ኣለና ኢና ፤ ብዓፋር ‘ውን ኣለና ፤ ስለዚ እዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ኣእትዩ ህይወቱ ብምድሓን ወይ ምሳና ኾይኑ ኣንፃር እቲ ስርዓት ክቃላስ ኣለዎ ፣ወይ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ዝተፈላለየ ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኾይኑ ስርዓት ህወሓት ብምድጋፍ ዘተዓናቕፈና ዘሎ ተወላዲ ትግራይ ጠጠው ኢሎም ክሓስቡ ኣለዎም። ህዝቢ ትግራይ ይነብዕ ‘ዩ ዘሎ ፣ ስለዚ ኣብዚ ሐዚ ንህወሓት ምድጋፍ ማለት ህዝብ ትግራይ ኣትይዎ ዘሎ መከራ ምንዋሕ ማለት ‘ዩ። እንድሕር ህዝቢ ትግራይ ቀልጢፉ ካብ ፀገም ክወፅእ እንድሕር ደልዩ እቲ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ክቃወም እንበር ንህወሓት ክድግፍ የብሉን ። ብህወሓት ፕሮፖጋንዳ ክሰብ መዓዝ ኢና ክንታለል ብምባል ናብ ልቦም ብምምላስ ብሓቂ ኣንፃር እዚ ጉጅለ ጠጠው ኢሎም ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቀረባ ጠጠው ዝብለሉ ኩነታት ንክመቻቾ ከምኡ ‘ውን ንዴምህትን ካልኦት ከም ዴምህት ዝበሉ ውድባት እናሓገዙ እዚ ስርዓት ክወድቕ ክሕግዙ ኣለዎም ዝብል ርኢቶ ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን። ኣይተ ሓዱሽ፡- ኣነ እውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 14 ሓምለ 2014 ዓ.ም

Recommended For You