ምስያም‹‹ግብረ ራዕዳዊያን››

ኢትዮጵያ ደካማን መንግስቲ ዘይብላን ሃገር ንኽትኸውን ፀላእትና ካብ ካልእ ግዘ ንላዕሊ ጠንኪሮም እናሰርሑ ከምዝርከቡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህርን ተማራማርን ሰላምን ድሕንነትን ዶክተር ዮናስ ኣደይ ይገልፁ፡፡ ዶክተር ዮናስ ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ ፤ኢትዮጵያ ደካማን መንግስቲ ዘይብላን ሃገር ንኽትኸውን ፀላእትና ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ጠንኪሮም እናሰርሑ እዮም፤ህዝቢ ግና እዚ ካብዘይምርዳእ ተሓባባሪ እናኾነ ይርከብ፡፡

ኢትዮጵያ ንምድኻም በሃይማኖትን ብዘርእን ምክፍፋል ሓድሽ ኣጀንዳ ኣይኮነን፡፡ ጠንካራ መንግስቲ ንከይህሉ ዝተተለመ ተንኮል ሸርሒ እዩ፡፡ ሃገር እንተፈረሰ ግዝያዊ ጥቕሚ ክርከብ ይኽእል ይኸውን’ምበር ብታሪኽ ካብ ዝፈረሱ ሃገራት ዝተረኸበ መሰረታዊ ዝኾነ ጥቕሚ ምግንዛብ ይግባእ፡፡ ንኣብነት ናይ ሊቢያ ፣ሶርያ፣የመንን ሶማሊያን ፀገም ኣሜሪካ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት ዋጋ እናኽፈለ እዩ፡፡

ህዝቢ ጎንፂ ይኹን ካልኦት ኣጀንዳታት ክመፅኡ ኸለዉ ፍልፍሎም ካበይ ከምዝኾነ ፣ዕላማኦም እውን እንታይ ከምዝኾነ ብዝሰኸነ መንፈስ ክምርምር ከምዘለዎ ፣መንግስቲ’ውን መልክዖም ብምቅይያር ሃገር ንምፍራስ ዝፍጠሩ ፀገማት ህዝቢ ንክፈልጦ ብምግባር ክስራሕ ከምዝግባእ ዶክተር ዮናስ የመልክቱ፡፡ ብኣቋራፂ ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ጎንፂ ፖለቲካ ፀዋታ ሃገር ካብ ምትርማስ ወፃኢ ዘምፅኦ ዝተፈለየ ነገር ከምዘይህሉ ይገልፁ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ብትኹረት ክሰርሕ ይምዕዱ፡፡

መንግስቲ’ውን ኣብዛ ሃገር ዝፍጠሩ ዘለዎ ፀገማት ሰላምን ምርግጋእን መሰረታዊ ብዝኾነ መገዲ ንምፍታሕ ዘኽእሉ ስጉምትታት ክወሰድ ይግባእ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ንህወሓትን ሸኔን ብግብረ ራዕዳዊነት ዝሰየሞም እንትኾን ሓይሊ ዕማም ደሕንነትን ፀጥታን ድማ ሻድሻይ መረፃ ንምትዕንቓፍን ግበረ ራዕዲ ንምፍፃምን ኣብ ዝተዳለዎ ሓይልታት ስጉምቲ ምውሳዱ ይፍለጥ፡፡

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ህወሓትን ሸኔን ብራዕዳዊነት ንክስየሙ ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ሓምሻይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሻድሻይ ዓመት ስራሕ ዘመን መበል 13 ስሩዕ ኣኼባ ብሓደ ድምፂ ተዓቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂ ዘፅደቆ እንትኾን፣ ኣብቲ ውሳነ ኣፈፃፅማ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ንፁሃት ዜጋታት ጥንቃቐ ከምዝግበር ድማ ጠቕላይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣፍሊጡ እዩ፡፡

ህወሓት ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ንምሓዝ ሰብ ምቕታል ፣ምፍራስ መሰረተ ልምዓት ፣ ተግባራት ዓፈናን ኣብ ሓይሊ መከላኸሊ መጥቃዕቲ ምብፅሑ፣ዝተዓጠቑ ሓይሊ ብምውዳብ ብዓፋር ፣ኣምሓራ ፣ጋምቤላን ዝተፈላለዩ ክልላትን ኣፅዋር ብምቕራብ ከምኡ’ውን ድጋፍ ገንዘብ ብምግባር ኣብ ድሕንነት ህዝቢ ሓደጋ ንምብፃሕ ብተደጋገሚ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኣብቲ ውሳነ ሓሳብ ተገሊፁ እዩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ዜጋታት ዝፍፀሙ መጥቃዕቲ ትልሚ ብምውፃእ ብገንዘብ ፣ብሓሳብን ብሰብ ሓይልን ብምስልጣን ከምኡ’ውን ሽፋን ሚድያ ብምሃብ ግደ መሪሕነት እናተፃወተ ከምዝፀንሐ ተገሊፁ እዩ፡፡ ምክትል ጠቕላሊ ዐቃቤ ሕጊ ፍቃዱ ፀጋ ብወገኖም ክልቲኦም ውድባት ራዕደኛ ዘበሎም ምኽንያትን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እንትዛረቡ “ክልቲኦም ውድባት ራዕደኛ ዘበሎም ምኽንያት ሰላማዊ ህዝቢ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻል፣ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ንምጥንኻርን ተሓባበርቲ ንምቁፅፃርን ንክሕግዝ ኢዩ” ኢሉ።

እቶም ውድባት ብመሠረት ሕጊ ፀረ ራዕዲ፣ ራዕዲ ዕላማ ብምግባር ዝንቀሳቀሱ ብምዃኖም፣ ተግባሮም መግለፂ ራዕዲ ብምዃኑን ዉሳነ ወሃብቲ ኣካላት እቶም ውድባት ራዕደኛ ምዃኖም ብምቕባሎም ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራት (ህወሓት) ኣብ ማዕኸላዊ መንግስቲ ዝነበሮ ስልጣን ድሕሪ ምስኣኑ ናብ ትግራይ ብምኻድ ካብ 2011 ዓ ም ጀሚሩ ” መምርሒ ሓይሊ ፀጥታ” ዝብል ዘፈር ወዲቡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝወፅኡ መኮንናት ክምራሕ ብምግባር ንግብረ ራዕዲ እንትንቀሳቐስ ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም ፡፡

እዚ ንምግባር ካብ ምሊሻ ጀሚሩ ንኩሎም ኣካላት ፀጥታ ስልጠናታት ብስፍሓት እናሃበ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም፣ንኣብነት ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ከ37 ሽሕ ንላዕሊ ሚሊሻ ምስልጣኑ ይገልፁ፡፡

ኣብ ዝቕድም ዓመታት ካብ 500 ንላዕሊ ፍሉይ ሓይሊ ዘየሰልጥን እንተነበረ’ውን ካብ ሒደት ዓመታት ናብዚ ግና በቢዓመቱ ልዕሊ 5 ሽሕ ፍሉይ ሓይሊ የሰልጥን ከምዝነበረ የመልክቱ፡፡

ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ኲናት ንምስታፍ’ውን ካብ ሓረስታይ ስጋብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ስልጠናታት ብስፍሓት ይህብ ከምዝነበረ ዝተዛረቡ ምክትል ጠቕላሊ ዐቃቤ ሕጊ ፍቃዱ ጸጋ፣ካብዚ ብተወሳኺ ህወሓት ዘይሕጋዊ መረፃ ብምግባር፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንመንግስቲ ፌደራል ምቑፅፃር ዘኽእል ትልሚ ብምውፃእን ጎንፅታት ብገንዘብ ይምውል ከምዝነበረ ከምተረጋገፀ ይገልፁ፡፡

‹‹ኣብ ክልል ዓፋር፣ኣምሓራ፣ጋምቤላን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ጎንፅታት ንኽካየዱ ምግባርን ካልኦት ናይ ውድብ ተግባራት ብግብረ ራዕዲ ዘሰይሙ እዮም››ኢሎም፡፡

እዚ ጥራይ ዘይኮነስ 19 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ‹‹ቐዲሚካ ምጥቓዕ›› ብዝብል ምድላው ብምግባር 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ጥቕዓት ብምፍፃም ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምውራዱ’ውን ካሊእ ግብረ ራዕዲ ዘበሎ ተግባር ምዃኑ የረድኡ፡፡

ሸኔ ድማ ኣብ ከባቢ ኦሮምያ ኣብ ንፁሃን ዜጋታት ዘስካሕክሕ ቕትለት ብምፍፃም ፣ብምዕጋት ፣ደገፍቲ መንግስቲ ዝበሎም ውልቀ ሰባት ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝፈፀመ ኣብቲ ውሳነ ሓሳብ ተብራህሪሁ እዩ፡፡ ሸኔ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ብምውዳብ ፣ብዙሕ ንብረት ሃገር ብምቅፃልን ብምዕናውን ህዝቢ እናርዓደ ከምዝኾነ ተመልኪቱ እዩ፡፡

ሸኔ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከቡ ከተማታት ኣባ ቶርቤ ዝብሃል ኣብ ከተማ ቕንፀላ ዝወስድ ሓይሊ ንኽዕጠቑ ብምግባር ብፍላይ ኣብ ዞባታት ምዕራብ ወለጋ ፣ቄለም ወለጋን ሆሮ ጉድሩ ኣዋፊሩ እዩ፡፡እዚ ጉጅለ ትካላት መንግስትን ትካላት ህዝብን ከምኡ’ውን ትካላት ፋይናንስ ብምዝማት፣ብምዕናውን ብምቅፃል ተግባር ራዕዲ ስራሕቲ ሰሪሖም እዮም፡፡ ካብ ደንቢዶሎ ዩኒቨርሲቲ ናብ ስድሮኦም ዝኸዱ ዝነበሩ ተምሃሮ ብምውሳድን በምዕፋንን ዘስካሕክሕ ቕትለት ከምዝፈፀሙ ኣብቲ ውሳነ ሃሳብ ተገሊፁ እዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ምክትል ጠቕላሊ ዐቃቤ ሕጊ ፍቃዱ ፀጋ ፣‹‹ሸኔ›› ዝተብሃለ ውድብ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያን ደቡብ ኦሮሚያን ‹‹ኣባ ቶርቤ›› ዝተብሃለ ጉጅለ ብምውዳብ ኣብ ኣካላት ፀጥታን ኣመራርሓን ይቕንፅል ከምዝነበረን፣ንፁሃን ዜጋታት ካብ ምቕታል ብተወሳኺ መሓውር መንግስቲ ናይ ምፍራስ ስራሕ ይሰርሕ ከምዝነበረ ይገልፁ፡፡ እቲ ጉጅለ ኣብ 2013 ዓ.ም ጥራሕ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ 463 ሰባት ጉድኣት ዘብፅሐ እንትኾን፣ካብዚኦም 112 ፖሊስ፣57 ሚሊሻ፣18 ዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዎም ኣመራርሓታት ቐቲሉ እዩ፡፡

ህወሓትን ሸኔን ብራዕዳዊነት ንምስያም ኣብ ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ መግለፂ ዝቐረቡ ብዙሓት ገበናት ምህላዎም ከም መረዳእታ ዝውሰዱ ከምዝኾኑ ፤እዞም ጉጅለታት ግና ካብዚ ንላዕሊ ሞት ፣ምምዝባልን ኣብ ድሕንነት ሃገር ፀገም ዝፈጠሩ ብምዃኖም ብስፍሓት ክብራህራህ ከምዘለዎ ገሊፆም እዮም፡፡ ብፍላይ ሸኔ ኣብ ደቡብ ብሄር ብሄረሰባት ወረዳ ኣማሮ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ዘስካሕክሕ መቕተልቲ ብመረዳእታነት ብምሓዝን እዞም ጉጅለ ራዕዲ ዘካይድዎ ምንቅስቓስ ምዕጋት ሓይሊ ፀጥታ ውዳበ ከምዘድሊ ገሊፆም እዮም፡፡

ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዮስ ከምዘፍለጥዎ፤ህወሓትን ሸኔን ራዕደኛታት ምስተብሃሉ ኣብ ዝስርሑ ሕግን ፀጥታን ስራሕቲ ንፁሃን ዜጋታት ሰብኣዊ መሰል ከይጣሓስ ዓብይ ቑፅፅር ክግበር እዩ፡፡ ምስ ዞም ጉጅለታት ርክብ ዘለዎም ትካላትን ውልቀሰባትን ናይ ምክትታልን ምትሓዝን ስራሕቲ ምስራሕ ግቡእ እንተኾነ’ውን ምስዚ ተተሓሒዙ ግና ኣብ ሰላማዊ ሰባት ፀገም ከይፍጠር ክትትልን ጥንቃቐን ክግበር እዩ፡፡

ከም ዶክተር ጌድዮን ገለፃ፤ናይዚ ውሳነ ኣፈፃፅማ ተግባር ሕጊ፣ፖሊስን ካልኦት ፀጥታ ኣካላት ብምንታይ መልክዑ ክሰርሑ ኣለዎም ዝብል ዓቕሚ ህንፀት እናተውሃበ ይርከብ፡፡ ኣብ ቐፃሊ’ውን ብተኸታታሊ ክውሃብ እዩ፡፡ ውሳነ ተግባራዊ ንምግባር ዝስርሑ ናይ ሕግን ፍትሕን ትካላት ንፁሃን ዜጋታት ድሕንነትን ሰብኣዊ መሰልን ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ቁፅፅር ክግበር እዩ፡፡

ምኽትል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ ፍቃዱ ፀጋ ድማ ፤ህወሓትን ሸኔን ክሳብ ኸዚ ራዕደኛ ተባሂሎም ከይተሰየሙ ዝፀንሑሉ ምኽንያት ሰባት ብፖለቲካ ኣተሓሳስበኦምን ብኣርዓድነት ሽም ጉድኣት ንከይበፅሖም ብምሕሳብ ከምዝነበረ ብምዝካር ፣በዞም ጉጅለታት ምኽንያት እናበፅሑ ዘለዉ ጉድኣት ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናገደዱ ብምምፅኦም ውሳነ ምትሕልላፍ ግድን ኣድላይን ኾይኑ ከምዝተረኸበ ገሊፆም እዮም፡፡ እዚ ንኸይፍጠር ድሕንነት ዜጋታትን ሰብኣዊ መሰል ንምሕላው ፍሉይ ትኹረት ክግበር እዩ፡፡

መሰረት ገ/ዮሓንስ

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You