ኮኸባት ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ተሸሊሞም

2014 ዓ.ም ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ናይ መዕፀውን ናይዚ ዓመት ብሉፃት ተፃወቲ ስነ ሰርዓት ሽልማት ተኻይዱ:: ኣብዚ ስነ ስርዓት ናዚ ዓመት ብሉፃት ዝኾኑ ተፈልዮም ተሸሊሞም ‘ዮም:: ኣብ ስነ ስርዓት ናይዚ ዓመት ኮኾብ ዕላዊ ዝገበሩ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጂራ እንትኾኑ ተፃዋታይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኾነ ጋቶች ፓኖም ናይዚ ዓመት ውድድር ኮኾብ ተፃዋቲ ኾይኑ ተመሪፁ ‘ዩ:: ቅዱስ ጊዮርጊስ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ቻምፒዮናነት ተመሊሶም ንመበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ግዘ ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ ተዓወቲ ዝኾንሉ ናይዚ ዓመት ውድድር ዝገረም ብቅዓት ብምርኣይ ኣብ ውፅኢት ክለብ ዓብይ ግደ ዝነበሮ ጋቶች ካብ ክቡር ጋሻ ኢድ 210ሽሕ ብር ከምኡ ‘ውን ናይ መዘከርታ ፅዋዕ ሽልማት ተዋሂብዎ ‘ዩ::

ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣሰልጣኒ ዘሪሁን ሸንገታ እዚ ዓመት ሙሉእ ብሙሉእ ብዝባሃል ብርኪ እናርሐ ናብ ክብሪ ቻምፒዮን ዘብፀሐ ብምዃኑ ብብሉፅ ኮኾብ ኣስልጣኒ ተባሂሉ ተሸሊሙ ‘ዩ:: በዚ ድማ ካብ ኹቡር ጋሻ ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኣዲስ ኣበባ ኣስራት ሃይሌ ናይ 200ሽሕ ብር ከምኡ ‘ውን ናይ ኽብሪ ፅዋዕ ተቀቢሎም ‘ዮም:: ናይ 2014 ዓ.ም ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኮኾብ ሓላዊ በሪ ተሸላሚ ሚኢቲ ሓምሳ ሽሕ ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቻርለስ ሉክዋጎ ኾይኑ ‘ዩ:: ዩጋንዳዊ ሓላዊ ማዕፆ ብተዋካሊኡ ካብ ኢድ ነባር ሓላዊ በሪ በለጠ ወዳጆ ተቐቢሉ ‘ዩ:: ናይቲ ውድድር ብዙሕ ጎል ዘቑፀረ ተፃዋታይ ሲዳማ ቡና ይገዙ ቦጋለ ናይ ፅዋዕን ናይ 200ሽሕ ብር ተሸላሚ ኾይኑ ‘ዩ:: ይገዙ ቦጋለ ኣብዚ ውድድር ዓመት ንክለቡ ፅቡቕ ቅዋም ብምርኣይ ዓሰርተ ሽድሽተ ሽቶታት ከቑፃር ብምኻኣሉ ኮኾብ ሽቶ ኣቑፃሪ ኾይኑ ተሓርዩ ‘ዩ::

 ናይዚ ዓመት ብሉፅ ዋና ዳኛ ሃይለየሱስ ባዘዘው (ዶ/ር) እንትምረፅ 105ሽሕ ብርን ፅዋዕ ሽልማትን ተበርኪትሉ ‘ዩ:: ብተመሳሳሊ ናይዚ ዓመት ብሉፅ ሓጋዚ ዳኛ ብምዃን ትግል ግዛው ናይ 105 ሽሕ ብርን ሽልማት ፅዋዕ ካብ ነባር ዳኛ ይግዛው ብዙኣየሁ ተቐቢሉ ‘ዩ:: ናይዚ ዓመት ውድድር ብሉፅ መንእሰይ ተፀዋቲ ኾይኑ ዝተመረፀ ኣላዛር ማርቆስ ካብ ኽቡር ጋሻ ነባር ፕሪሚየር ሊግ ተፃዋታይ ኣንዋር ያሲን ኢድ 105ሽሕ ብርን ሽልማት ፅዋዕ ተበረኪትሉ ‘ዩ:: ኣብ 2014ዓ.ም ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ክለባት ሕድሕዶም ሽልማት ተበርኪትሎም ‘ዩ:: ብተወሳኺ ድማ ውድድራት ኣብ ምትእንጋድ ዝነበሩ ሓሙሽተ ስታድየም ሕድ ሕዶም ክልተ ክልተ ሚልየን ብር ተበርኪትሎም ‘ዩ:: ፌዴሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ ንፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ማሕበር ኣክሲዮን ዓመት ሙሉእ ብደሚቕ ብምዝዛሙ ከምኡ’ውን ብኮኾብነት ንዝተሸለሙ ኹሉ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ‘ዩ::

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 7 ሓምለ 2014 ዓ.ም

Recommended For You