
ኣብ ዓለም ኣትሌቲክስ ጠንካራ ተፎኻኻሪ ጋንታ ሒዞም ካብ ዝቐርቡ ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም እታ ሓንቲ ኢትዮጵያ ‘ያ፡፡ በዚ ስፖርት ክብርን ኣፍልጦን ዝረኸበት ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ቻምፒዮና ኾነ መድረኻት ኦሎምፒክ ብዙሓት ሜዳልያታት ዝሰብሰበት ብነዊሕ ርሕቐትን ጉያ ጎዳና ‘ዮም፡፡
ኣብ ማእኸላይ ርሕቐት ጉየይቲ ዘለዋ ውፅኢት ድማ ዉሑድ ‘ዩ፡፡ ኣብ ኦሪገን ኣትሌቲክስ ዓለም ቻምፒዮና ኢትዮጵያ ዝውክል ብሄራዊ ጋንታ ካብ 800 ሜትሮ ጀሚሩ ዝሳተፍ እንትኾን ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተገበረ ሜዳልያ ንምምዝጋብ ዝተኻኣለ እንኾን ኣብዚ እዋን እዚ ውፅኢት ዝደንቕ እንተነበረ ‘ውን ድሕሪኡ ግና ክድገም ኣይካኣለን፡፡ ብ 1500ሜትሮ ቅድሚ ኸዚ ብኽልቲኡ ፆታ ሜዳልያ ዝተመዝገበ እንትኾን ድሕሪ ዉሑዳት መዓልትታት ዝጅመር ናይ ኦሪጎን ዓለም ቻምፒዮና በዚኦም ርሕቐት ውፅኢት ክመዝገብ ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡
በዚኦም ርሕቐት ንነዊሕ እዋን ዝሸፈነ ምድላው ተዛዚሙ እቶም ኣትሌታት ናብቲ ውድድር ቦታ ኸይዶም ‘ዮም፡፡ እቲ ምድላው ናይዚ ዓመት ሰለስተ ዓበይቲ ውድድራት መሰረት ዝገበረ እንትኾን ንሳቶም ድማ ናይ ዓለም ገዛ ውሽጢ ቻምፒዮና ፣ ሊግ ዳይመንድ ከምኡ ‘ውን ቻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ‘ዮም፡፡ እዚ ምድላው ተዛዛሙ ኸዚ ናይቶም ኣትሌታት ስነልቦና ምዕባይ ሰራሕ ከምዝኾን ኣሰልጣኒ ብርሃኑ ተዛሪቦም ‘ዮም፡፡
ከምኡ ‘ውን ፍሉጥ ባዓል ሞያ ሕክምናን ስነልቦናን ምህረት ደበበ እቲ ብሄራዊ ጉጅለ ኣብ ዝዓረፈሉ ስፍራ ብምኻድ ጠቓሚ ስልጠና ከምዝሃቡ እቶም ኣሰልጣኒ ገሊፆም፡፡ እቶም ኣሰልጣኒ ከምዝበልዎ እዚ እዚ ጉጅለ ጠንካራ ካብ ዝባሃል ዝምደብ እንተኾነ’ኳ ተፎኻኸርቲ ቀለልቲ ከምዘይኾኑ ይዛረቡ፡፡ ካብዚ ብምልዓል ብሄራዊ ጉጅለ ኢትዮጵያ እኹል ምድላው እናገበረ ከምዝፀንሐን ዝተፈላለየ ቴክኒካት ከምኡ ‘ውን ዘጋጥሙ ዕድላት ብምጥቃም ውፅኢታዊ ንምዃን ፃዕሪ ከምዝገብሩ እቶም ኣሰልጣኒ ተስፈኦም ገሊፆም ‘ዮም፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 7 ሓምለ 2014 ዓ.ም