‹‹መንግስቲ ነቲ ጎንፂ ሕገ መንግስታዊ መሰረት ብምግባር ንምፍታሕ ቑሩብ ምዃኑ ዝነኣድ ሓሳብ ‘ዩ›› -ኣይተ ሃይለማርያም ሕሉፍ

ኣይተ ሃይለማርያም ሕሉፍ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣብ ወረዳ ተምቤን ኮይኑ ካብ ቐዳማይ ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ኣብ ተምቤን ‘ዩ ተማሂሮም፤ ብማናጅመንት ቐዳማይ ዲግሪ ሙሩቕ እንትኾኑ ሕዚ ናይ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ማእኸላይ ኮሚቴ ናይ ትግራይ ቤት ፅሕፈት ሐላፊ’ዩም። ከምኡ ‘ውን አብ ግዚያዊይ ምምሕዳር ክልል ትግራይ አጄንሲይ ገዛውቲ ምኽትል ሓላፊ ኮይኖም ዝሰርሑ’ዮም፡፡ ኣይተ ሃይለማርያም ናብ ፖለቲካ ዝኣተወሉ ምኽንያት ኣብ ዝተወለደሉ ወረዳ ተምቤንን ከባቢኣን ብሰንኪ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር ኣብቲ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ወፅዓታት ይበፅሑ ስለ ዝነበሩ ‘ዩ፡፡ ንኣብነት ጉድለት ፍትሒ፣ ዲሞክራሲ፣ ሕፅረት መሰረተ ልምዓት፣ ፍትሓዊ ተጠቓምነት ሃፍትን ካልኦት ፀገማትን ብምንባሮም ክፍትሑ ኣለዎም ብምባል ካብ 1996 ዓ.ም ጀሚሩ ብውልቐን ብጉጅለ ተጠርኒፉ ኣንፃር ስርዓት ህወሓት እናተንቐሳቐሱ ነይሮም ‘ዮም፡፡ ኣብቲ እዋን ህወሓት ዘይምዑሩይ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ይኽተል ስለ ዝነበረ ከም ድሌቶም ንምንቕስቓስ እናተፀገሙ ነይሮም፤ ይኹን ‘ምበር በቶም ዝገጥምዎ ዝነበሩ ዕንቕፋታት ከይተበድሁ ኣብ ፖለቲካ እናነጠፉ ዝነበሩ’ዮም፡ ፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ እቲ ለውጢ ምስመፀ ድማ ኣባል ፓርቲ ትዴፓ ኮይኖም ብዝበለፀ ኣንፃር ስርዓት ህወሓት እናተቓለሱ ይርከቡ፡፡ እምበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ምስ ኣይተ ሃይለማርያም ሕሉፍ ኣብ ዙርያ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂብና ዝገበርናዮ ሙሉእ ቃለ መሕትት ከምዝስዕብ ኣቕሪብልኩም ኣሎ። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከመይ ይገልፅዎ? ኣይተ ሃይለማርያም፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንምግላፁ ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ‘ዩ ወዲቑ ዘሎ:: ከምዝፍለጥ ብኢኮኖሚ ተጎዲኡ ‘ዩ:: በቲ ኩናት ብዙሕ ንብረት በሪሱ ዩ፤ ህዝቢ ብሰንኪ እቲ ኩናት ግዳያት ሞት፣ መቑሰልትን ኣካል ምጉዳልን ኮይኑ ‘ዩ:: ህዝባዊ ግልጋሎት የለን፤ ንኣብነት ሕክምና፣ ትምህርቲ፣ ባንኪ ወዘተ የለን፤ በዚ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ሰኣን ሕክምና ብዝተፈላለዩ ሕማማት ይመውትን ይጓሳቖልን ኣሎ ‘ዩ:: ብሓፂሩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ብምዃኑ ብዙሕ ፀገም እናበፅሖ ‘ዩ ዝርከብ:: መንግስቲ ፌዴራል ብቕልጡፍ እንተዘይበፂሕሉ ብጣዕሚ እናከበደ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ::

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ጉድኣት ከመይ ይገልፅዎ? ኣይተ ሃይለማርያም፡- ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዝበፅሖ ክሳራ ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ:: መራሕቲ ህወሓት ዝቓለሱ ዘለዉ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ዘለዎም ሓልዮት ‘ዩ ዝብል ሓሳብ የብለይን። እኳዳኣስ ስልጣኖምን ጥቕሞሙን ንምሕላው ‘ዮም:: ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ጉጅለ ህወሓት ተጠቒሙ ኣይፈልጥን:: ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምንፃል ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ክወድቕ ‘ዮም ገይሮሞ፤ ይገብሩ ‘ውን ኣለዉ:: ህዝቢ ትግራይ ካብ ጉጅለ ህወሓት ነፃ ዘውፅኦ ሓይሊ ይደሊ ‘ዩ። ኮይኑ ግና መንግስቲ ንጉጅለ ህወሓት ኣሕሊፉ ሂብዎ ‘ዩ:: በዚ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅንተት ‘ዩ ዝርከብ። ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ ይኸይድ መንግስቲ ይመፅእ ኢሉ ነቲ ለውጢ ደጊፉ ብሰላም ተቐቢልዎ ‘ዩ:: ይኹን ‘ምበር ብሰንኪ ህወሓት ካብቲ ለውጢ ተጠቓሚ ኣይኮነን፤ ኣብ ፀገም ወዲቑ ‘ዩ ዝርከብ:: ህዝቢ ትግራይ ካብ ኣምባገነን ህወሓት ናፃ ንምውፃእ ከምዚ ኸማይ ዝበሉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብምሕጋዝን ናይ ህወሓት ኣባላት ካብ ሓላፍነት ብምእጋድን ብዙሕ ስራሕ ክስራሕ እናተኽኣለ ብኣንፃሩ ‘ዩ ተሰሪሑ። ህወሓት ካብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ክእለ ብዘይምኽኣሉ ከቢድ ክሳራ ኣብፂሑ ‘ዩ፤ ሕዚ ‘ውን እናብፀሐ ይርከብ::

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ብምፍቓዱ ምኽንያት እናኣተወ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ብትኽክል ንህዝቢ እናበፅሖ ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ይለዓል ‘ዩ፤ ኣብዚ ዘለኩም ርኢቶ እንታይ ‘ዩ? ኣይተ ሃይለማርያም፡- ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ጉጅለ ህወሓት ብኩናት፣ ጥምየትን ስእነት መድሓኒትን ይረግፍ ምህላው ኩሉ ዝርደኦ ነገር ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብሚድያታት ክንድትዝድለ ኣይተነግረን፤ ማለት ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ብዘንፀባርቕ መልክዕ ኣይስረሐሉን ዘሎ:: ብሽም ህዝቢ ትግራይ ናይ መድሓኒትን ካልኦት ሰብኣዊ ረዲኤትት ዝኣተዉ፣ ጉጅለ ህወሓት ንበዓሉ ‘ዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ:: ኣብዚ ዝምልከቶም ኣካላት ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ይሽቅጠሉ ምህላው እናፈለጡ ነዙይ ከቃልዑ ኣይረአዩን። እዚ ብጣዕሚ ዘሕዝን ‘ዩ። እቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ ኣካላት በዓሎም ኣትዮም ከካፋፍሉ ኣለዎም:: መንግስቲ ኣብዚ ኣወንታዊ ተራ ዋላ እንተተፃወተ እኹል ኣይኮነን:: ንህወሓት ኣከፋፍል ኢልካ ምሃብ ትኽክል ኣይኮነን:: ህወሓት ንባዕሉን ሰራዊቱን ‘ዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ተረዲኡ ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ንመሰሉ ክቓለስ ኣለዎ:: በርግፅ ህዝቢ ትግራይ ሓጋዚ እንተዘይረኺቡ በይኑ ንምቕላስ ክፅገም ይኽእል ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ነቲ ጎንፂ ሕገ መንግስቲ መሰረት ብምግባር ብሰላም ንምፍታሕ ድሌት ከምዘለዎ ኣብ ፓርላማ ተዛሪቡ ‘ዩ፤ ኣብዚ ዘለኩም ርኢቶ እንታይ ‘ዩ? ኣይተ ሃይለማርያም፡- መንግስቲ ዋላ ደላዪ ሰላም ይኹን ሰላም ብሓደ ወገን ኣይሰፍንን። ኣነ ጉጅለ ህወሓት ክውገድ ‘ዩ ዘለዎ ዝብል መርገፂ ‘ዩ ዘለኒ። ፍፁም ምስ ራዕዳዊ ሓይሊ ዘተ ሰላም ክገብር የብሉን፤ መንግስቲ ቕድሚ ሕዚ ዘተ ሰላም ኣይገብርን እናበለ ፀኒሑ ሕዚ እንታይ ስለ ዝተረኽበ ‘ዩ መንግስቲ ክዛተ ‘የ ዝብል? ብስሩኸ እቲ መዛተዪ ነጥቢ እንታይ ‘ዩ? እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ደርጊ እናተታኾሰ ‘ውን ዘተ ሰላም ይገብር ነይሩ ‘ዩ፤ ፀገም የብሉን ኢሎም ‘ዮም:: ደርጊ ምስ ሻዕብያን ህወሓትን ምይይጥ ሰላም ይገብር እንተነይሩ ብዛዕባ እንታይ ከምዝነበረ ግና ኣይገለፁን ‘ዮም። ብዛዕባ ተላዚብካ ስልጣን ምክፍፋል ድዩ ነይሩ ወይስ ካሊእ:: ኣነ ኣብ ግዜ ደርጊ ዝነበሩ ሻዕብያን ህወሓትን ምስ ናይ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ዝተፈለየ ‘ዩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ። ሕዚ ክለዓል ዘለዎ ነጥቢ መንግስቲ ምስ ራዕዳዊ ህወሓት ከመይ ገይሩ ዘተ ሰላም ይገብር? ንራዕዳዊ ሓይሊ ክተጥፈኦ ‘ዩ ዘለካ ‘ምበር ናብ ዘተ ሰላም ከትዕድሞ የብልካን፤ ህወሓት ብዘተ ሰላም ናብ ስልጣን ክዕደም የብሉን:: እዚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ኣይኮነን::

ህወሓት ሙሉእ ብሙሉእ ክውገድ ‘ምበር ናብ ስልጣን ክምለስ ኣይግባእን። ከም ከማይ እዚ ኹሉ ጥፍኣት ገይሩ ምሕረት ክግበረሉ የብሉን በሃላይ ‘የ። ካሊእ ክፍለጥ ዝግበኦ ነጥቢ፣ ህወሓት ብሕግን ብልዝብን ዝኣምን ሓይሊ ኣይኮነን። ብምቕታልን ብምቕንፃልን ዝፍለጥ ‘ምበር ብዘተ ፀገም ዝፈትሕ ፍፁም ኣይኮነን። ስለዚ መንግስቲ ‘ውን ነዚ ይፈልጥ ‘ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ንኣብነት ንግንባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ (ግገሓት) ዝብሃል ውድብ ሕራይ ንዛተ ኢሉ ብድቅሶም ብኻራ ዝሓረዶም ጉጅለ ህወሓት ‘ዩ። መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ክብል ንጉጅለ ህወሓት ብምውጋድ ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ከውፀኦ ኣለዎ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ:: ምኽንያቱ ምስ ህወሓት ብሰላም ዝፍታሕ ፀገም ዘሎ ኣይመስለንን፤ ሰላም ስለ ዘይደሊ ‘ዩ ዓንቐፍቲ ነጥቢታት ኣቕሚጡ ዘሎ:: ህወሓት ቕድሚ ሕዚ ንሰላም ተለሚኑ ዘቕበፀ ሓይሊ ‘ዩ:: እናጭበርበረን ውልቐመላኺን ኮይኑ ክነብር ‘ዩ ዝደሊ:: ይኹን ‘ምበር መንግስቲ ነቲ ጎንፂ ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ ምባሉ ዝድገፍን ዝነኣድን ሓሳብ ‘ዩ፤ እቲ ፀገም ሕገ መንግስቲ መሰረት ብምግባር ንምፍታሕ ድሌት ምርኣዩ ኣወንታዊ ሓሳብ ‘ዩ:: ዝድገፍ ሓሳብ ‘ውን ዩ:: መንግስቲ ብሰላም ክውዳእ ድሌት ከምዘለዎ ይፍለጥ ‘ዩ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ፓርላማ ንኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ዘይተሓቱ ኢሎም ምዝራቦም ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ተቖርቛሪነትን ሓልዮትን ኣርእዮም ‘ዮም:: መንግስቲ ምስ ህወሓት ምልምማፅን ምዝታይን ዘይኮነ ዘድለዮ ሓይሊ ብምጥቓም ምውጋድ ‘ዩ:: ብፍላይ መንግስቲ ምስ ደለይቲ ለውጢ ተጋሩ ክሰርሕ ይግባእ፤ ተዘይኮይኑ መንግስቲ ንጉጅለ ህወሓት ኣብ ሕቑፍኡ ሒዙ ሰላም ከስፍን ኣይኽእሉን ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ:: ምኽንያቱ ህወሓት ናይ ሰላም መንፈስ የብሉን::

ወጋሕታ፡- ህወሓት ብዘይ ኩናት ክነብር ኣይኽእልን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ፤ ኣብዚ ዘለኩም ርኢቶ እንታይ ‘ዩ? ኣይተ ሃይለማርያም፡- ሓቒ ‘ዩ፤ ህወሓት ብዘይ ኩናት ዘይነብር ሓይሊ ‘ዩ:: ኣብ ሰላም ክነብር ዘይኽእል ሓይሊ ‘ዩ። ብዙሓት ገበናት ዝፈፀመ ተሓታቲ ጉጅለ ‘ዩ። ሰላም እንድሕር ሰፊኑ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ብሃገር ክሕደትን ካልኦት ዓበይቲ ገበናትን ክሓቶ ምዃኑ ይፈልጥ ‘ዩ። መራሕቲ ህወሓት ተሓታትነት ከይበፅሖም ኲናት ክውልዑ ግድን ‘ዩ። ነዙይ ‘ዩ ህወሓት ከይጠፍአ ሰላም ክርከብ ኣይኽእልን ንብል ዘለና:: ህወሓት ብዘይካ ኲናትን ምሽባርን ብሕግን ስርዓትን ክነብር ዝኽእል ሓይሊ ኣይኮነን፤ ስብእና ዝተላበሰ ሞራል የብሉን። ራዕዳዊ ሓይሊ ‘ዩ፤ ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ድማ ሰላም ፀላኢኡ ‘ዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ሰላም ስለ ዘይደሊ ምስ ብልፅግና ነይርኩም ኢኹም ብምባል እኮ ብዙሓት ሰባት ቐቲሉ ‘ዩ:: ንገሊኦም ‘ውን ኣሲሩ እናሳቐዮም ይርከብ:: ስለዚ ሕዚ መንግስቲ ክገብሮ ዘለዎ ንህወሓት ዝፃረሩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ብምውዳብ ህወሓት ዝጠፍአሉ ኩነታት ክሰርሕ ኣለዎ:: ምኽንያቱ ህወሓት ስቓይ ህዝቢ ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ንህዝብን ሃገርን ዝጠቕም ኣይኮነን:: ብህዝቢ ንዝተመረፀ መንግስቲ ምቕዋም ማለት ጥዕና ዘለዎ ኣካይዳ ኣይኮነን:: ስለዚ ህወሓት ካብ ተለኣኣኽነት ሓሊፉ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቕም ኣይኮነን::

ኣይኮነን፤ ስብእና ዝተላበሰ ሞራል የብሉን። ራዕዳዊ ሓይሊ ‘ዩ፤ ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ድማ ሰላም ፀላኢኡ ‘ዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ሰላም ስለ ዘይደሊ ምስ ብልፅግና ነይርኩም ኢኹም ብምባል እኮ ብዙሓት ሰባት ቐቲሉ ‘ዩ:: ንገሊኦም ‘ውን ኣሲሩ እናሳቐዮም ይርከብ:: ስለዚ ሕዚ መንግስቲ ክገብሮ ዘለዎ ንህወሓት ዝፃረሩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ብምውዳብ ህወሓት ዝጠፍአሉ ኩነታት ክሰርሕ ኣለዎ:: ምኽንያቱ ህወሓት ስቓይ ህዝቢ ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ንህዝብን ሃገርን ዝጠቕም ኣይኮነን:: ብህዝቢ ንዝተመረፀ መንግስቲ ምቕዋም ማለት ጥዕና ዘለዎ ኣካይዳ ኣይኮነን:: ስለዚ ህወሓት ካብ ተለኣኣኽነት ሓሊፉ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቕም ኣይኮነን:: ሃገሮም እንተይኮነ ዘጭንቖም ናይ ውልቐ ጥቕሞም ‘ዩ:: ብድሕሪኦም እንበዓል ግብፂ ኣለዉ ‘ዮም:: ናይዚኦም ዕላማ ‘ውን ‘ዮም ዘፈፅሙ ዘለዉ:: ስለዚ በይኑ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ኣገዲዱ ናብ ሰላም ከምፀኦ ስለ ዘይኽእል ሓገዝ ዝተፈላለዩ ሓልታት የድልዎ ‘ዩ:: ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ‘ውን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ክስለፉ ኣለዎም:: እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ትግራይ በይኑ ንህወሓት ኣገዲዱ ናብ ሰላም ናይ ምምፃእ ዓቕሚ የብሉን:: ኣብዚ ብቐንዱ መንግስቲ ፌዴራል ዝለዓለ ግደ ክፃወት ኣለዎ:: እንተዘይኮይሉ ብሓይሊ ኣወጊዱ ሰላም ከስፍን ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ክቐሪ የብሉን እትብሎ ሓሳብ እንተዘይሃልዩ ንህዝቢ ትግራይ እተሕልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህበካ:: ኣይተ ሃይለማርያም፡- ጉጅለ ህወሓት ብዙሓት ፀላእቲ ንህዝቢ ትግራይ ፈጢርሉ ‘ዩ:: ነዚ ህዝቢ ትግራይ ክርደኦ ኣለዎ፤ ደው ኢሉ ክሓስበሉ ይግባእ፤ ፀላእየ መን ‘ዩ ክብል ኣለዎ:: መን ‘ዩ ኣብዚ ኩሉ ፀገም እዚ ኣእትዩኒ ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ:: ህወሓት ንስልጣኑ ክብል ምስ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣምሓራ፣ ኣፋርን ካልኦት ህዝቢታትን ኣፃሊእዎ ‘ዩ:: ዝኹሉ ብርሰት ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ህወሓት ዝመፀ ‘ዩ:: ንሕና ኣቐዲምና ህወሓት ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾ እናነገርናዮ መፂእና ኢና:: ህወሓት ንስልጣኑ ጥራሕ ሓሲቡ ዝቓለስ ዘሎ ብፍላይ ናይ ሓደ ከባቢ ስርወ መንግስትነት ዝኽተል ስርዓትን ሓይልን ‘ዩ:: እዚ ሓይሊ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ኣይኮነን፤ ምስ ዝተፈላለዩ ሓልታት እናጓነፆ ስለ ዘሎ ከም ዘይጠቕሞ ብምፍላጥ ምስ ካልኦት ሓይልታት ብሓባር ብምስላፍ ካብ ስልጣን ከውርዶ ኣለዎ:: እቲ ዝተዓጠቐ ኣካል ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ብምዃን ኣንፃር ህወሓት ክለዓል ኣለዎ:: ኣፈሙዙ ናብ ህወሓት ከዝሮ ኣለዎ::

ብኸምዚ ‘ዩ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጨቛኒ ስርዓት ህወሓት ክላቐቕ ዝኸእል:: እቲ ተዓጢቑ ዘሎ ኣካል ንህዝቢ ትግራይ ከገልግል ኣለዎ፤ ተዓጢቕዎ ዘሎ ዕጥቒ ናይ ህወሓት እንተይኮነስ ናይ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ብምርዳእ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክብል ኣለዎ:: ምኽንያቱ ኣካል ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ንመራሕቲ ህወሓት ብሽምና ክሳብ መዓዘ ከትነግዱ ይኣኽለኩም ክብሎም ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ንማንም ጨቛኒ ሓይሊ ክግዛእ የብሉን:: በዓሉ ዝመርፆን ዘውርዶን ሓይሊ ክህልዎ ኣለዎ:: ንህዝቢ ትግራይ ትኽክለኛ ስርዓትን ዲሞክራሲን ዘስፍን ሓይሊ ‘ዩ ዘድልዮ፤ እቲ ሕዚ ዝኒሀ ናይ ሓደ ከባቢ እኽብካብ ሓይልን ደላዪ ስልጣንን ‘ዩ:: ፍትሕን ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ዘየስፍነሉ ሓይሊ ክቕበል የብሉን:: ህወሓት ህዝባዊ ኩናት ብምኽፋት ንህዝቢ ትግራይ ክፀንት ገይርዎ ‘ዩ:: እዚ ዘሪአካ ንህዝቢ ትግራይ ዘይጭነቕ ሓይሊ ምዃኑ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ይወዳእ ኣይወዳእ ዘጨንቖ ኣይኮነን:: እዚ ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ክፈልጦን ክርደኦን ኣለዎ:: ከም ዜጋ ከይረአ ገይርዎ ‘ዩ:: ብፍላይ ካልኦት መማረፅቲ ፖለቲካዊ ውድባት ከይረክብ እናገበረ መፂኡ ‘ዩ:: ከምዚ ብምግባር ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ኩነታት ክወድቕ ዝፈረደሉ ሓይሊ ‘ዩ:: እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ህዝቢ ትግራይ ካብ ወለዱ ብውረድ ተዋረድ ዓቒቡ ዘፅነሖ ክቡር ባህሉን መንነቱን ክጠፍእን ክሽርሸርን ዝገበረ ገበነኛ ሓይሊ ‘ዩ:: ንኣብነት ግቡእ ትኹረት ካብዘይረኸበ ባህሊ ኣብ ተምቤንን ዝርከብ ባህላዊ ፀወታ ‹‹ኣውርስ›› ዝበሃል ‘ዩ:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ጉጅለ ህወሓት ከምዘይጠቕሞ ተረዲኡ ኣብ ጎኒ መንግስትን ካልኦት ከም ትዴፓ ዝበሉ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ጠጠው ብምባል ኣንፃር እቲ ጉጅለ ብምቕላስ መሰሉ ከኽበር ከምዘለዎ ‘የ መልእኽተይ ከሕልፍ ዝደሊ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት የቕንየልና::

 ኣይተ ሃይለማርያም፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ::

መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 7 ሓምለ 2014 ዓ.ም

Recommended For You