ፈተናታት ንምስጋር-ውሽጣዊ ሓድነትና ምጥንኻር

ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ከም ሃገር ጠጠው ክትብል ጀጋኑ ደቃ መስዋእቲ ዝኸፈሉላ፣ ኣብተፈላለየ ዘበናት ብብዙሕ ውፃእ ውረድ ውሽጢ እናሓለፈት ኣብዚ ዝበፅሐት ሃገር እያ። በዚ ውፃእ ውረድ ውሽጢ ዝረኣናዮ ወለዶ ዝለዓለ ናይ ሂወት መስዋእቲ ከፊሎም ንባዕዳውያን ገዛእቲ ዘይተምበርከኸት ናፃ ሃገር ነዚ ትውልዲ እዚ ኣረኪቦም እዮም። ኢትዮጵያውን ኣብዞም ዘመናት ውሽጢ ናይ ሓባር ሃፍቶም ሓልዮም ብክብሪ ሃገር እንተይተዋላወሉ ንናፅነቶም ተጋድሎ ገይሮም እዮም። ብሓደ ተሰሊፎም ነታ ሃገር ካብ ናይ ደገ ወረርቲ ሓይልታት ኣድሒኖማ እዮም። ዘመናዊ መሳርሒ ኣፅዋር ክሳብ ኣፍንጭኡ ተዓጢቑ ሃገር ንምውራር ዝመፀ ፋሽስት ጣልያን ወለዲ ብሓደ ዝመከትዎ ከምኡ’ውን ከሸንፍዎ ዝኸኣሉ ብናይ ንጉስ ፃውዒት ጥራሕ እዩ ነይሩ። እዚ ኩነታት እዚ ናይ ኢትዮጵያውያን ናይ ምድማርን ምክብባርን እሴት ኣጉሊሁ ዘርአየን ብብርኪ ዓለምለኸ ‘ውን ዝንገረሉ ሓቂ እዩ።

ኢትዮጵያውያን ናይ ሃይማኖት፣ መንነት፣ ቋንቋ፣ ባህሊ ወዘተ ፍልልይ ዋላ ይሃልዎም ዝፍለጥሉ ግና ነንባዕሎም ብምጉናፅ እንተይኮነስ ተሓጋጊዞም ብምንባር እዩ። እቲ ህዝቢ ብመንነትን ባህልን እንተይተፋላለየ ብመውስቦ ተዛሚዱ ቤተሰብ ኮይኑ እዩ፤ ብባህሊ ተኣሳሲሩ እዩ ጥራሕ እንተይኮነስ ክፋላለ ብዘይኽእል ብርኪ ተዋሃሂዱ እዩ ማለት ይካኣል። እዚ ንዘመናት ዝፀንሐ ሰናይ ተግባር ኢትዮጵያውያን ድሕሪ ኣብ ቐረባ ግዜ ፍሉይ ናይ ፖለቲካ ድሌት ብዘለዎም ኣካላት እናተሸርሸረ ዝመፀ ይመስል። ንዓመታት ብተዘርአ ኣብ ዘርኣውነት ትኹረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ምኽንያት ብዘይተለመደ መልክዑ ዜጋታት ካብዝነብርሉ መረበት ይመዛበሉ፤ ንብረቶም ይዓኑ፤ ቕትለትን ዝርፍያን ይበፅሖም። ከምዚ ዓይነት ዜና በብመዓልቱ ምስማዕ ዝተለመደ ኮይኑ እዩ። ዜጋታት ኣብ ዝኾነ ከባቢ ብነፃነት ምንባር፣ ሃፍቲ ምጥራይ ከምኡ ‘ውን ሰሪሕኻ ናይ ምልዋጥ ብስግኣት ዝተዓጀበሉ ግዜ እንርከብ።

ኣብተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝረአዩ ዘለዉ ጎንፂታትን ኣብ ርእሲ ንፁሃን ዝበፅሑ ዘለዉ ጥቕዓታትን ሓቢሩ ዝነበረ ህዝቢ ብሕማቕ ዓይኒ ክተሓላሎ እናገበሩ ይርከቡ። እዚ ብዓይኒ ፅልኢ ምጥምማት ሓቢርካ ናይ ምንባር ባህሊ ክሽርሸር ካብ ምግባር ሓሊፉ ሰላምን ህልውናን እታ ሃገር ናብ ምፍትታን ኣብፂሕዋ እዩ። ኣብዚ ከይዲ እዚ ዕቤት ኢትዮጵያውያን ዘይደልዩ ሓይልታት ወፃኢ ብደሓር ኮይኖም ዝሰርሕዎ ተንኮል ቐሊል ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ክልተ ወሰንቲ ነገራት ንምስኻዕ ብጥብቒ እናሰርሐት እትርከብ። እቲ ናይ መጀመርያን ቐንዲን ሃገርለኸ መረፃ እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ብናይ ሕድ ሕድ ኢትዮጵያዊ ዝተዋፀአ ገንዘብ እናተሃነፀ ዝርከብ ግድብ ህዳሰ ካልኣይ ዙር ማይ ምምላእ እዩ። እዞም ክልተ ነገራት ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ትኹረት ዘድልዮም ካብ ምዃን ንላዕሊ ምስ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ተደሚሩ ኩነታት ምዕራባውያንን ታሕተዎት ናይ ኣባይ መፋስስ ሃገራት ዓይኖም ኣብ ኢትዮጵያ ክተኽሉ ገይርዎም እዩ።

ኣብዛ ሃገር ድሕሪ ዐረያ(ሪፎርም) ናይ ለብዘበን መረፃ ናይ መጀመርያ እንትኸውን ካብ ዝሓለፉ መረፃታት ብዝተፈለየ መልክዕ ንህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት መሰረት ዘትሕዝ እዩ ተባሂሉ ይግመት። መብዛሕትኦም ከምዝገልፅዎ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ካብ ዝፀድቐሉ ጀሚሩ በብሓሙሽተ ዓመት መረፃ እናተኻየደ ዝመፀ ዋላ ይኹን ሓቓዊ ናይ ህዝቢ ድምፂ ዝንፃባረቐሉ መረፃ ግና ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት እዚ ብዙሕ ግዜ ስልጣን ንምሓዝ ዝደልዩ ኣካላት ካብ መረፃ ወፃኢ ካሊእ ኣማረፅቲ ይመኽሩ ነይሮም እዮም። ቕድሚ ሰለስተ ዓመት ናይታ ሃገር ዕረያ ክካየድ ካብ ዘገደዱ ምኽንያታት ውሽጢ እቲ ሓደ ዲሞክራስያዊ መረፃ ኣድላይ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። ስለ ዝኾነ ናይ ለብዘበን መረፃ ቕድሚ ሕዚ ካብ ዝተለመደ ኣካይዳ ብዝተፈለየ መልክዑ ክካየድን ኣብ ህዝቢ ተኣማንነት ክህልዎን ትፅቢት ይግበር።

ነዚ ሓዱሽ መገዲ ዝጀመረቶ ዝፋታተኑ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ሓይልታት መረፃ ብለበዳ ኮሮና ምኽንያት ንለብዘበን ክሰጋገር እንትግበር ተናሕናሕቲ ውድባት ናይ ተቓውሞ ድምፂታት የስምዑ ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ሕዚ ድማ ናይ መረፃ ግዜ እናተቓረበ እንትመፅእ ብዝተኻእሎም መጠን መረፃ ዕውት ከይኸውን ዝተፋላለዩ ፃእሪታት ምግባር ጀሚሮም እዮም። መረፃ ምኽንያት ብምግባር ዝደለይዎ ዕላማ ንምስኻዕ ናይ ደገ ይኹኑ ናይ ውሽጢ ሓይልታት ካብ ሕዚ ጀሚሮም እቲ መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ከይፍፀም ኣብ መግለፂኦም ግልፂ እናገበሩ እዮም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምድላው መረፃ ኣመልኪቶም ምስ ፕሬዚዳንትታት ክልላት ኣብዝገበርዎ ዝርርብ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኩነታት እንትገልፁ እዞም ሓይልታት እዚኦም ብዝተኻእለ መጠን መረፃ ዕውት ከይኸውን ብምግባር፤ኢትዮጵያውያን ነንባዕሎም ከይስማዕምዑ ብምግባር ከምኡ ‘ውን እቲ ጉዳይ ብልዝብ ክፍታሕን ናይ ስግግር መንግስቲ ንክህሉ ይስራሕ ኣሎ እዩ። ካሊእ ደካማን ተኣዛዝን መንግስቲ ክምስረት ክንገብር ኢና ኢሎም ዶክመንት ኣዳልዮም ምብታን ካብ ዝጅምሩ ውዒሎም ሓዲሮም እዮም ብምባል እዩ ነይሩ ዘብራህርሁ።

 ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ካልኣይ ናይ ትኹረት ኣጀንዳ ማይ ምምላእ ካልኣይ ዙር ግድብ ህዳሰ እንትኸውን ኣብ መፃኢ ወርሒ ክራማት 13.5 ቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ንምሓዝ ምድላው እናተገብረ ምዃኑ ይዝከር። ግብፂ ንዘመናት ዝኣክል ‹‹ሩባ ኣባይ ንግብፂ ካብ ፈጣሪ ዝተዋሃበ ውህብቶ እዩ›› ብዝብል ኢትዮጵያ ተጠቓሚት ከይትኸውን ብተፈላለዩ መገዲታት ፅዕንቶ ኣሕዲራ ፀኒሓ እያ። ሕዚ ኩነታት እዚ ተቐይሩ ኢትዮጵያውያን ብሕራነ ብምልዕዓል ካብ ጅብኦም በዘዋፅእዎ ገንዘብ ሩባ ኣባይ ተገዲቡ ካልኣይ ዙር ማይ ምምላእ ንኽካየድ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ወርሓት ጥራሕ እዩ ቐርዩ።

ምዕራባውያን ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ እናተኻየደ ዘሎ ክርክርን ኣብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ዝተኻየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ መበገሲ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምሕዳር እናሰርሑ ይርከቡ። ኣባላት ትካል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስትታት ኣብዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጥራሕ ሓሙሽተ ግዜ ዝኣክል ኣኼባ ኣካይዶም እዮም። ኣብ ዝተኣከብሎም ንኢትዮጵያ ማዕቐብ ንምግባር ዝተገብሩ ክርክራት ሩስያን ቻይናን ብዘይምስምዕመዖም ምኽንያት እንተይተሳኽዑ ዝቐረዩ እንትኾኑ ኣብ ሻድሻይ ኣኼባ ዝወፀአ መግለፂ ድማ ብዝተወሰነ መልክዑ መንግስቲ ንዝገበሮ ፃዕሪ ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ ነይሩ። እዚ መግለፂ ሓደ ሓደ ኣካላት ዘሐጎሰ ኣይመስልን ነይሩ። ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት የተሓሳስበኒ እዩ ብዝብል ነቲ ከባቢ መፍትሒ እዩ ዝበለቶ ሓደ ዲፕሎማት ዝመደበት ሻቡ ንሻቡ እዩ ነይሩ። ሕብረት ኣውሮፓ ‘ውን መግለፂታት እናውፀአ ይርከብ።

መብዛሕትኦም ከምዝግምትዎ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክንድዚ ዝኣክል ትኹረት ዝገበረትሉ ዋና ምኽንያት ስትራተጂያዊ ጥቕሚ ማእኸል ብምግባር ግብፂ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ዘለዋ ፅዕንቶ ፈጣሪነት ምኽንያት ኣብ ግድብ ህዳሰ ጥቕሚ ግብፂ ንምሕላው እንትኸውን በዚ ኣቢላ ካልኣይ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከይካየድ ፅዕንቶ ንምፍጣር እዩ። ብኻሊእ ወገን ምምላእ እቲ ግድብ ብዓወት እንተተፈፂሙ ኢትዮጵያ ኣብቲ ከባቢ ዝህልዋ ፅዕንቶ ልዕል ስለዝብል በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ግብፂ ተሰማዕነት ስለ ዝቕንስ ስትራተጂያዊ ጥቕሚ ክጎድኣ ዝኽእል ምዃኑ ብዙሓት ይገልፁ። ታሕተዎት ናይ ኣባይ ተፋሰስ ሃገራት ብፍላይ ግብፂ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ዝከናወን እንተኾይኑ ዝኾነ ዓይነት ኣማረፅቲ ከምትጥቀም ብተደጋጋሚ ክትገልፅ ፀኒሓ እያ።

ኣብ ቐረባ ግዜ ምስ ግዜኢ ፃኒሕት ዝነበሮም ሙሁራን ከምዝገለፅዎ ግብፅን ሱዳንን ብውሽጥን ወፃኢን እናፈጠርዎ ዝርከቡ መሰናኽላት ከምዝሓሰብዎ ስለዘይከደሎምን ኢትዮጵያ ካልኣይ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ምድላዋ ዘይተፀበይዎ ስለ ዝኾነን ሕዚ ዝተፋላለዩ መማረፅቲ ኣብ ምጥቓም ምዃኖም ኣብሪሆም። ኣብ ኣካዳሚ ስራሕ ኣመራርሓ ኢትዮጵያ ናይ ኢኮኖሚክስ ተሓባበሪ ፕሮፌሰር ዶክተር ወንዳፈራሁ ሙሉጌታ ከምዝብልዎ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንምትዕንቓፍ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋዕን ከይህሉ ተሊሞም እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም እዮም። እዘን ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብሄር ተኮር ዝኾነ ፖለቲካዊ ፀገም ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረሎም እምነት ሙሁራን እዩ።

ኢትዮጵያ ናይ ተፈጥሮ ሃፍታ ተጠቒማ ናይ ምልማዕ መሰላ ከይተረጋግፅ ካብ ውሽጥን ደገን ተፃረርቲ ሓይልታት ብርክት ዝበለ ፅዕንቶ እናሕደሩ ብምዃኑ ብሓባር ጠጠው ምባል ዘድልየሉ ግዜ እንርከብ። ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብኣግባቡ ተረዲኡ ናይ ውሽጣዊ ፍልልይ ብምፅባብን ብልዝብ ብምፍታሕን ንሉኣላዊነት ሃገርን ህዝብን ድህንነት ጠጠው ክብል ይግበኦ። ህዝቢ ናይ ህንፍሽፍሽ ተንኮል ዝፍሕሱ ሓይልታት ብዝቐደድዎ ትቦ ካብ ምውሓዝ ናይ ውሸጢ ሓድነቱ ብምጥንኻር ፅዕንቶታት ተፃዊርካ ምሕላፍ ዘኽእል ዓቕሚ ምፍጣር የድሊ። ምኽንያቱ ሰላም ሃገር ክረጋገፅ ዝኽእል ኩሉ ሰብ ንሰላም ግዲኡ ከበርክት እንተሎ እዩ። እዚ ንሃገር ሰላም ምስፋን ንእሽተይ ሓላፍነት ዜጋታት እዩ።

ሰላምን ድሕንነትን ሃገር መንግስቲ ብዘካይዶ ፃዕሪ ጥራሕ ዝረጋገፅ ኣይኮነን። ሓቢርካ ናይ ምንባር ባህልን ምሕላው ናይ ሕድሕድ ዜጋ ሓላፍነት እዩ። ሕዚ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ኣብ መንጎ ሃገር ንምፍራስን ሓድነት ንምጥንኻር ዝንቐሳቐሱ ሓይልታት ብምዃኑ ኣብዚ ወሳኒ ግዜ እዚ ፖለቲከኛታት ኣብ ናይ ሓባር ኣታሓሳስባ ትኹረት ክገብሩ ይግበኦም። ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመኖም ብምምሃር ንነዊሕ ዘመናት ዝፀንሐ ሓቢርካን ተፋቒርካን ናይ ምንባር ባህሊ ክሕልዉ ብምግባር ንሃገርን ንሰላምን ድሕንነት ናይ ባዕሎም ግደ ክፃወቱ ይግበኦም።

ፍልፍል ጥንካረ ኢትዮጵያውያን ናይ ማንም እንተይኮነስ ናይቲ ኩሩዕ ዝኾነ ህዝባ እዩ። ነዚ እዩ ኣብ ውሽጢ ድኽነት ኮይኑ ምርድዳእ፣ ምቕርራብ፣ ብሓፈሻ ሓድነቱ ሓልዩ ንነዊሕ ዘመናት እናተጓዓዘ ዝመፀ። እዛ ሃገር እዚኣ ዝተፃዕና ውሽጣዊን ደጋዊን ፈተናታት ተፃዊራ ምሕላፍ እትኽእል ካብ ማንም ንላዕሊ ውሽጣዊ ሓድነታ ብምጥንኻር ጥራይ እዩ።(ፍልፍል፣ ግዜኢ)

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You