ዓወት ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ

እግሪ ኩዕሶ ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ 2014 ቤትኪንግ ፕርሜሪ ሊግ ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣብ ስታድየም ባህርዳር ንመበል 15 ግዜ ተዓዋታይ ኾይኑ ‘ዩ።ብሓደ ነጥቢ ምስ ተፎኻኻሪኦም ፋሲል ከነማ ክለብ መወዳእታ ናይቲ ሊግ መርሃ ግብሪ ፀወታ ፅቡቕ ተፎካካር ነይሮም ‘ዮም። መበል 30 ሰሙን መርሃ ግብር ቻምፒዮን ንምፍላይ ዝተገበሩ ወሰንቲ ፀወታታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ንዘይምውራድ ዝገበርዎ ፃዕሪ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኢስማኤል ኦሮ ኣጋሮን ኣማንኤል ገብረሚካኤልን ክልተ ክልተ ሽቶ ብምቑፃር 4ን0 ብምሽናፍ ፋሲል ከነማ ውፅኢት ከይተፀበዩ ክዕወቱ ክኢሎም ‘ዮም።

ብተመሳሳሊ ሰዓት ዩኒቨርስቲ ባህርዳር ኣብ ስታድየም ንዘይምውራድ ዝተጋጠመ ከተማ ድሬዳዋ ዝገጠሙ ከነማ ፋሲል ካብቲ ፀወታ ምሉእ ነጥቢ ረኺቦም ቻምፒዮን ንምዃን ስዕረት ቅዱስ ጊዮርጊስ እናተፀበዩ ነይሮም ‘ዮም።ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ ባዕሎም ዕደል ባዕሎም ዝወሰንሉ ውፅኢት እንተመዝግቡ ፋሲል ከነማ ድማ ክልተ ንዜሮ ምምራሕ እንተኻኣሉ ‘ውን ከተማ ድሬዳዋ እቲ ውፅኢት ገልቢጡ ሰለስተ ንኽልተ ብምስዓር ካብ ምውራድ ዝተረፈሉ ውፅኢት ምምዝጋብ ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ብርክት ዝበሉ ፅዋዕ ብምልዓል ዝውዳደሮ ዘይብሉ ቅዱስ ጊዮርጊስ ነባር ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ሃገር ውሽጢ ኩዕሶ እግሪ ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ንኹሉ ዘስማዕምዕ ‘ዩ፡፡

ኣብ ሓደ ውድድር ዓመት ፅዋዕ ንምልዓል እንተዘይተሳኸዐሎም ‘ውን ብካልእ ዓመት ውድድር ናብ ቻምፒዮንነት ናይ ምምላስ ባህሊ ዘለዎም ‘ዮም።ብፍላይ ድማ ቅዱስ ጊዮርጊስ ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ካብ 1990ዓ.ም ጀሚሩ ከም ሓዱሽ ምክያድ ካብ ዝጀመረ ጀሚሩ ተኸታታሊ ዓወት ቻምፒዮና ምስኻዕ ዝካኣሉ እንትገኾኑ ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ ካብ ክልተ ዓመት ብዝበለፀ ዘየለዕልሉ ዝተረፉ ኣጋጣሚ የለን።ኾይኑ ግና ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ቅዱስ ጊዮርጊስ ብዘይተለመደ መልክዑ ካብ ቻምፒዮንነት ርሒቆም ፀኒሖም ‘ዮም።

በዚኦም ዓመታት ዝተፈላለየ ናይ ወፃኢ ኣሰልጠንቲ ቆፂሮም ‘ውን ፅዋዕ ከልዕሉ ኣይከኣሉን። ቅዱስ ጊዮርጊስ ብ 1990ዓ.ም ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ንምጀመርያ እዋን እንትካየድ ምስታፍ ኣይካኣለን ነይሩ።ምኽንያቱ ኣብ እዋን ብሄራዊ ሊግ ተሳታፊ ስለዝነበረ።ኣብ ቀፃሊ ዓመት ግና ናብቲ ሊግ እንትኣቱ ቻምፒዮን ክኾን ክኢሉ ‘ዩ።ኣብ ቀፃሊ ዓመት ‘ውን ቀፂሉ።ብ1993 ሓይሊ መብራህቲ ቻምፒዮን ብምዃኑ ንሳልሳይ እዋን ፅዋዕ ናይ ምውሳድ ሕልሙ ከይተሳኸዐ ተሪፉ ‘ዩ።ኣብ ዝቀፀሉ ክልተ ዓመታት ‘ውን ብተኸታታሊ ባዓል ዋና ፅዋዕ ኾይኑ ‘ዩ።ሃዋሳ ከነማ ናይ 1996ዓ.ም ቻምፒዮን ናይ ምዃን ሕልሙ ከይተሰኸዐ ተሪፉ ‘ዩ።እዚ ክሳብ 2002ዓ.ም ካብ ዝተዳለዉ ጀሚሩ 13ፕሪሚየር ሊግ ፅዋዕ እቶም ትሻዓንተ ብምውሳድ ልዕልነቱ ኣሪኡ ‘ዩ።

ሎሚ ዓመት ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ብብሪኪ ሰንጠረዥ ካብ ካልኦት ክለባት ካብ ዓሰርተ ነጥቢ ፍልልይ ምምራሕ ዝኻኣሉ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓደ ጊዜ ጥራሕ ብፋሲል ከነማ ስዕረት ገጢምዎም ‘ዩ።ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ሓሙሽተ ሰሙናት ፀወታታት ካብ ኣዳማ ናብ ባህርዳር ድሕሪ ምዃዶም ብፋሲል ከነማ ዝበፅሖም ስዕረት ሓዊሱ ብተደጋጋሚ ዘይሓሰብዎ ነጥቢ ዘይምርካቦም ከም ቅዱስ ግዮርጊስ ቻምፒዮን ካብ ምዃን ዕድል ካብ ኢዶም ክወፅእ ክኢሉ ‘ዩ።እዚ ውድድር ቅዱስ ጊዮርጊስን ፋሲል ከነማን ብሓደ ነጥቢ ምፍልላይ ብምንታይ መልክዑ ከምዝዛዘም ናይ መወዳእታ ፀወታ ናይ ብዙሓት ትኹረት ሂቦም ንክከታተልዎ ክገብር ክኢሉ ‘ዩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 30 ሰነ 2014 ዓ.ም

Recommended For You