ዘይሕረስ መሬት ክህሉ የብሉን

 ሃገርና ብዕዳጋ ዝምራሕ ልምዓት ሕርሻ ኣጠናኺርካ ንምትግባር ንኽሕግዝ ብዝብል ዕዳጋ ተኮር ኩታ ገጠም ልምዓት ሕርሻ ኣብ 3 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሄክታር ኣብ ኣርባዕተ ክልላት 10 ዓይነታት ኣዝርእቲ እናተኻየደ ትርከብ። ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዓበይቲ ኮምባይነራትን መኹዓቲ ማይ መስኖን ሪግን ካልኦት እታወታት ቀረባት መሳርሒ ሕርሻ ካብ ቀረፅን ታክሲን ናፃ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምፍራይን ንምግጥጣምን ዘድሊ እታወት ብተመሳሳሊ ካብ ታክሲ ናፃ ንኽኸውን ተገይሩ እዩ። እዚ ኹሉ ፃዕሪ ሕርሻ ሃገርና መፍረያይነት ንክዓቢ እዩ። እዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

ሐዚ ዘለናዮ እዋን ንቐፃሊ ዓመት ምህርት ምድላው ዝጅመረሉ እዩ። ኣብ ዘመነ ምህርት 2013/14 ካብ ዓሚን ቅድሚ ዓሚን ዝሓሸ ምህርት ንምሕፋስ ሓረስታይን መንግስትን ብሓ ባር ዝሰርሕሉ እዋን ኢና ዘለ ና። ከም ሃገር መንግስቲ ምሩፅ ዘርእን ማዳበሪያን ብእዋኑ ምቕራቡ እናገለፀ እንትኾን፣ልዕሊ 18 ነጥቢ 1 ሚሊዮን ኩንታል ናይ ሓመድ ማደበሪያ ከምዘድሊ ተፈሊጡ እናተሰርሐ እዩ። እቲ ዝተርፍ ሓረስታይ ሃገርና ብእዋኑ መሬቱ ኣለሳሊሱ ንዘርኢ ድልው ምግባርን ቐፂሉ ድማ ኣብ እዋን ፃህያይን ጎልጓልን በንጥፈት ምስራሕ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና መጠኑ ይፈላለ’ምበር ምስኣን ሰላምን ዘይምርግጋእን ኣሎ። ኣብ ክልል ትግራይ ድማ እቲ ኩነታት ካብቶም ካልኦት ዝኸፍአ እዩ። ኮይኑ ግና ክንዲ ዝኾነ ይኹን ፀገም ይሃሊ ኣብ ትግራይ ለሚ ዘበን ዘይሕረስ መሬት ክህሉ የብሉን። ግድን ክሕረስ ኣለዎ። ተዘይኮይኑ ኣብ ቐፃሊ ዓመትን ድሕሪኡን ዓብይ ፀገም ከጋጥም እዩ። ስለዚ ኩሉ ተረባሪቡ መሬት ትግራይ ብዝግባእ ክሕረስን ምህርቲ ክሕፈስን ኣለዎ።

ከም ፌዴራል መንግስቲ ንመላእ ሃገር ካብ ዘድልይ ናይ ሓመድ ማዳበሪያ ክልል ትግራይ 800 ሽሕ ኩንታል ዘድልየኒ ስለዝበለ ቐዳምነት ተዋሂቢዎ በፍሉይ ኩነታት ቀሪቡሎ ኣሎ። ኣብ 2012 ዓ.ም ኣብቲ ክልል ዝነበረን ኣብ ጥቕሚ ዘይውዓለን 214 ሽሕ 867 ኩንታል ናይ ሓመድ ማዳበሪያ ሓዊሱ ኣብዚ ዓመት ካብ ተገዝአ 225ሽሕ325 ኩንታል ብድምሩ 440 ሽሕ 169 ኩንታል ንቲ ክልል ምቕራቡ ኣብ ሚኒስቴር

 ግብርና ናይ ግብርና እታወታትን ዕዲጊትን ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ኣይተ መንግስቱ ተስፋ ገሊፆም እዮም። ምሩፅ ዘርኢ ብዝምልከት ብሃገር ደረጃ ሓደ ነጥቢ ሸውዓተ ሚሊዮን ኩንታል ንምቅራብ ትልሚ ዝተተሓዘ እንትኾን ንክልል ትግራይ ሚኒስቴር ግብርና ምስ ተፈላለዩ ትካላት ብምዝርራብ 30 ሽሕ ኩንታል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምሩፅ ዘርኢ ከምተዓደጉ’ውን ኣይተ መንግስቱ ገሊፆም እዮም። ኣብ ትግራይ ንምህርቲ ዘመን 2013/14 ዝኸውን እኹል ማዳበሪያን ምሩፅ ዘርእን እናቐረበ እዩ። ስለዚ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይን ሓረስታይ ትግራይን ኽራማት ሎሚ ዘመን ካብ ካሊእ እዋን ንላዕሊ በርቲዖም ክሰርሑ ኣለዎም። ምኽንያት ምድርዳር ኣየድልይን። ፀገም ምግዋሕ ግቡእ ኣይኸውንን። ንዘጋጥም ፀገም መፍትሒ እናቐመጡ ምስራሕ ናይ ብቑዕ ኣመራርሓ መዐቀኒ ክኾውን ይግባእ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መቐለ ኣብ ተኻየደ ገምጋም ስራሕቲ ሽድሽተ ወርሒ ሴክተራትን ቢሮታትን ዋና ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ከምዝበልዎ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ጎና ጎኒ ምርግጋፅ ድሕንነትን ሰላምን ህዝብና ብዘይ ውዓል ሕደር ኣበርቲዕኻ ክስርሐሉ ዝግባእ ዋኒን ሕርሻ ። ስለዚ ኩሉ ኣመራርሓ ትኹረት ኣብ ሕርሻ ትግራይ ገይሩ ክረባረብ ይግባእ። ግብርና ሂወትና እዩ፣ ፈላማይ ቆላሕታና’ውን ንሱ ክኸውን ይግባእ። ስለዝኾነ’ውን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንሃሉ ዘይሕረስ መሬት ክህልው የብሉን። ዝኽእል ገባር ባዕሉ ይሓርስ፤ ዘይኽእል ድማ ሰብ ሞያን ትራክተራትን ብምሓዝ ምሕራስ ግድን እዩ።

ቢሮ ሕርሻ ዘለዎ ድልውነት ኣቕርቦት ምሩፅ ዘርእን ማዳበርያን፣ ኩነታት ማሕረስን ከምኡ’ውን ተበፃሕነቱን ተፈፃምነቱን ብዝምልከት ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክሰርሕ ይግባእ።ስራሕቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ማሕረስ ንምክያድ ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናተገብረ ይርከብ። ንዚ’ውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣሸጎዳ ዝርከብ መገጣጠሚ ፋብሪካ ትራክተር ናይ ባዕሉ እጃም ክፃወት ክኽእል ኣለዎ።

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You