‹‹ኩናት ከብቕዕ እንተኾይኑ ንሰላም ዘቀራርቡ ሐሳባት ሒዝካ ምቕራብ ኣድላይ ‘ዩ››-ኢንጅነር ግደይ ዘርኣፅዮን

ኢንጅነር ግደይ ዘርኣፅዮን ካብቶም መስረቲ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሓደ ‘ዮም። ካብ 1967 ክሳብ 1977 ዓ.ም ምስ ህወሓት ኮይኖም ዕጥቓዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ መሪሖም ‘ዮም።ኮይኑ ግና ኣብ ከይዲ ናይ ሓሳብ ኣፋላላይ ስለ ዘጋጠሞም ካብቲ ውድብ ወፂኦም ኣብ ወፃኢ ሃገር ናብርኦም ገይሮም ኣንፃር ስርዓት ህወሓት እናተቓለሱ መፂኦም ‘ዮም።እቲ ለውጢ ምስ መፀ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ብምምስራት ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ እናነጠፉ ይርከቡ። ኢንጅነር ግደይ ምስ ዘለዎም ዕድመ ፀገብ ፖለቲካዊ ተሞክሮ ኣብ ሃገርና ዘሎ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብፍላይ ምስ ናይ ትግራይ ተተሓሒዙ ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ፃኒሕት ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ንምንባቡ ብዝጥዕም ከምዝስዕብ ኣደሊናልኩም ኣለና።ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ከመይ ይገልፅዎ?

ኢንጅነር ግደይ፡- ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ንምግለፁ ብጣዕሚ ሰፊሕ ‘ዩ።ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚካልን ከጣቓልል ይኽእል ‘ዩ።ኣብዚ ዝተወሰነ ወቕታዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ከንርኢ እንተለና ግና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣብዪ ፀገም ‘ዩ ዝርከብ።በፍላይ ብኢኮኖሚ ተጎዲኡ ‘ዩ፤ ብዙሕ ሰብ ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ከቢድ ኩነታት ‘ዩ ዝርከብ።መድሓኒት ብዘይምህላዉ ብርክት ዝበለ ሰብ ብዝተፈላለየ ሕማማት ይመውት ኣሎ ‘ዩ፤ እቲ ኩናት ጠጠው እንተበለ ‘ውን ህዝቢ ካብ ፀገም ወፂኡ ከትብል ኣይትኽእልን፤ ብዙሓት ፀገማት ‘ዮም ዝኒሀዉዎ።ገንዘብ ሃልዩካ ‘ውን ዝብላዕን ዝስተይን ስለ ዘይትረክብ ከቢድ ‘ዩ።ገንዘብ ኣብ ባንኪ ሃልዩካ ‘ውን ግልጋሎት ባንኪ ብዘይ ምህላዉ ትርጉም የብሉን።ንእሽተይ ዝሓሸ ከትብሎ እትኽእል እቲ ዘይተፋናቐለ ሓረስታይ ‘ዩ፤ ዝተወሰነ እኽሊ እንተልይዎ ክጥቐም ይኽእል ‘ዩ።ካሊእ ካብ ሕርሻ ወፃኢ ዘሎ ወይ እቲ ኣብ ከተማ ዘሎ ኣብ ዓብዪ ፀገም ‘ዩ ዘሎ።

ብጥሜት ሰብ ዝረግፈሉ ኩነታት ኢና ንርኢ ዘለና።ብኸምዚ ኩነታት ህዝቢ እናተፋናቀለ ምስዳድ ጀሚሩ ኣሎ ‘ዩ። ህወሓት ብወታደራዊ ኩነታት ክረአ እንተሎ ክሳብ ሽዋ በፂሑ እኳ እንተነበረ ድሓረ ተሳዒሩ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ‘ዩ።ኣብዚ ዓብዪ ወታደራዊ ክሳራን ሞራላዊ ውድቐትን በፂሕዎ ‘ዩ።ሕዚ ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ክደፍአሉ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ኣይኮነን ዘሎ።በርግፅ ብዙሕ ፈኸራታት ንሰምዒ ኢና።ብዓቕሚ ደረጃ እንተሪእና ግና እዚ ‘ዩ ዝበሃል ዓቕሚ የብሉን።ብዓፋር ‘ውን ፈቲኑ ኣይከኣለን።ኣብ ቐረባ እዋን ናብ ኤርትራ ‘ውን ጀሚሩ ኣይከኣለን ከሲሩ ተመሊሱ ‘ዩ፡፡ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ናብ ክልል ኣምሓራ ንምድፋእ ዝሕሰብ ኣይኮነን።ምኽንያቱ ኩሉ ተዓጢቑ ‘ዩ።ከም ናይ መጀመርታ ሰተት ኢልካ ዝእተወሉ ነገር የለን፡፡ ስለዚ ብወታደራዊ ዓይኒ እንተሪእና ብዙሕ ዘኽይዶ ኣይኮነን።ከቢድ ክሳራታት በፂሕዎም ‘ዩ።ሕዚ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ‘ዩ።ግዘ ብዝወሰደ ቑፅሪ እቲ ፅዕንቶ ናብ ሕወሓት ‘ዩ ዝፀዓን ዘሎ።ምኽንያቱ ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ እናገደደ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ።ሕዚ ህወሓት ብሓይሊ እንተፈተነ ‘ውን ዘዋፀኦ ኣይኮነን፤ ትርጉም የብሉን።

 ወጋሕታ፡- ህወሓት ሓሙሽተ ናብ ዘተ ሰላም ክቐርቡ ኣይኽእሉን ኢሉ ኣብ ዘቐመጦም ነጥቢታት ዘለዎም ርኢቶ ተዝገልፁልና?

ኢንጅነር ግደይ፡- ቐይሕ መስመር እናስመርካ ሰላም ክመፅእ ኣይኽእልን፤ ህወሓት ዘቐመጦም ነጥቢታት ንሰላም ዘቐራርቡ ኣይኮኑን።እቲ ፀገም ክፍታሕ እንተኾይኑ ዘተ ሰላም ኣድላይ ‘ዩ፤ ብዘተ እቲ ፀገም ክፍታሕ ይኽእል’ዩ፡፡ይኹን’ምበር ህወሓት ዘቐመጦም ነጥቢታት ንሰላም ዓንቐፍቲ ‘ዮም።ዘተ ቐንዲ መፍትሒ ፀገም ዋላ እንተኾነ ህወሓት ግና ንዘተ ዘዐንቕፉ ነጥቢታት ‘ዩ ኣቐሚጡ።እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ኣካይዳ ኣይኮነን፤ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንበዓሉ ንህወሓት ዝጠቕም ኣይኮነን።ዘቐመጦም ነጥቢታት ኣብ ዘተ ከኣትዉ ይኽእሉ ‘ዮም ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ።ቐይሕ መስመር ‘ዮም ከትብል ኣይትኽእልን።እዚ ዘሪአካ ንዘተ ድልዊ ዘይምዃን ‘ዩ።

ኩናት ከብቕዕ እንተኾይኑ ንሰላም ዘቐራርቡ ሐሳባት ሒዝካ ምቕራብ ‘ዩ ዘድሊ።ቐይሕ መስመር እናቐመጥካ ክዛተ ‘የ ማለት ዘኽይድ ኣይኮነን።እዚ ነቲ ኩነታት ብሰላም ንምፍታሕ ካብ ዘይምድላይ ‘ዩ ዘመላኽት።እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቕምን። ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ኩናት ይኣኽለና ክብል ኣለዎ፤ ህወሓት ዘቐመጦም ቕድመ ኩነት ንሰላም ዘዐንቕፉ ‘ዮም፤ ንህዝቢ ዘቓራርብ ሓሳብ ሒዙ ‘ዩ ክቐርብ ዘለዎ።ድሌት ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረቤት ህዝቢታት ብሰላም ሓቢሩ ምንባር ‘ዩ።ህወሓት ሕማቕ ኣራኣእያ ኣብ ሕብረተሰብ እናተፈጠረ መፂኡ ዩ፤ እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ‘ምበር ዝጠቕም ኣይኮነን።ብሰላም ‘ምበር ብኹናት ዘሽነፍ ህዝቢ የለን።ህወሓት ብኹናት ከሽንፍ ‘የ ኢሉ ብምሕሳብ ንህዝቢ ትግራይ ጎዲእዎ ‘ዩ ‘ምብር ኣይጠቐሞን። ኩናት ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቕም ኣይኮነን።ምስ ጎረባብትኻ ብሰላም ተኸባቢርካ ምንባር ‘ዩ ዘድሊ።ህወሓት ንሰላም ዘየቓራርብ ነጥቢታት ብምቕማጥ ንህዝቢ እንደጋና ናብ ዘይኮነ ኩናት ከእትዎ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።ቐይሕ መስመር እንዳቐመትካ ሰላም የለን፤ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ፅልኢ ዝበሃል የለን፤ ህዝቢ ትግራይ ብናይ ሓሶት ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ከይተታለለ ንሰላም ቕሩብ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ህወሓት ካብ ፖለቲካዊ ህልኽ ወፂኡ ህዝቢ ትግራይ ዝጥቐመሉ መንገዲ ክኽተል ኣለዎ፡፡ህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት ዝተጠቐሞ ነገር የለን፤ ቕድሚ ሕዚ ብዙሕ ኩናት ኣሕሊፉ ዩ፤ ነገር ግና ተጎዲኡ ‘ምበር ዝተጠቐሞ ነገር የለን።ህዝቢ ትግራይ ብወገን ህወሓት ንሰላም ዘተዓናቕፉ ነገራት ከይህልዉ ፅዕንቶ ከሕድር ኣለዎ።ናብ ሰላም ዘቓራርብ ሓሳብ ሒዙ ክቕረብ ኣብ ልዕሊኡ ፅዕንቶ ከሐድር ኣለዎ።ንኹልኻ ዝጠቕም ሐሳብ ሒዝካ ምቕራብ ‘ዩ ዘድሊ።

 ወጋሕታ፡- መንግስቲ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ሰላም መርገፂ ብወገን ህወሓት ‘ውን ተመሳሳሊ ቕዋም ክህሉ ብዋናነት ካብ ህዝቢ ትግራይን ዳያስፖራ ተጋሩን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

 ኢንጅነር ግደይ፡- ቕድም ዝበልክዎ ከምዘለዎ ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ካብ ናይ ሓሶት ፖለተካዊ ፕሮፖጋንዳ ምትላል ወፂኡ ኣብ ሰላም ቖላሕታ ክገብር ኣለዎ።ብፍላይ ኣብ ወፃኢ ዝርከብ ትግራዋይ ቕድሚ ሕዚ ካብ ዝኽተሎ ዝነበረ ኣካይዳ ወፂኡ ኣብ ሰላም ‘ዩ ክሰርሕ ዘለዎ።ባእሲ ንማንም ኣይጠቕምን፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰላም ‘ምበር ካብ ኩናትን ፅልእን ዝጥቐሞ ነገር የብሉን።ህዝቢ ኣምሓራ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን፤ እኳደኣስ ብዙሕ ህዝቢ ትግራይ ናብ ኣምሓራ ተፋናቒሉ መፂኡ ብሰላም ምስ ኣሓቱ ይነብር ኣሎ ‘ዩ።

ህዝቢ ኣምሓራ ፈታዊ ህዝቢ ትግራይ ዩ፤ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ምንም ፅልኢ የለን። ህወሓት ኢትዮጵያ ዋላ ትፍረስ እናበለ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኢትዮጵያ እንተፈሪሳ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ተጎዳኢ ‘ዩ።ኣብዚ ዘለናሉ ዘበን ኩናት መፍትሒ ኣይኮነን፤ ዘድሊ ሰላም ጥራሕ ‘ዩ፤ ብኹናት ተተሓሒዝካ ኢኻ ትጠፍእ ‘ምበር ክትዓቢ ኣይትኽእልን።ህወሓት ካብ ናይ ኩናት መንፈስ ክወፅእ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ዲያስፖራ ትግራይ ፀቕጢ ክገብር ኣለዎ።ህዝቢ ንህዝቢ ዘየቐራርብ ሓሳብ ክህሉ ከም ዘይብሉ ክሰርሕ ኣለዎ።ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይጠቕም ሓሳብ ምልዓል ኣድላይ ኣይኮነን።ብፍላይ ህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ብባህሊ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት ዝተኣሳሰረ ‘ዩ።ንዘመናት ሓቢሩ ዝነበረ ህዝቢ’ዩ፡፡ሕዚ’ውን ንቐፃሊ ሓቢሩ ዝነብር ህዝቢ ‘ዩ።ተደጋጊፉ ዝመፀ ህዝቢ ተነፃፂሉ ዝነብር ህዝቢ ኣይኮነን። ቕድሚ ሕዚ ኣብ መንጎ መሳፍንቲ ኩናት ነይሩ ‘ዩ፤ ኣብ መንጎ ህዝቢ ግና ኩናት ይኹን ፅልኢ ተፈጢሩ ኣይፈልጥን።ዋላ እቶም መሳፍንቲ ክበኣሱ እንተለዉ ነዚ ንምጥፋእ ብመውስቦ ‘ዮም የከሓሓስዎ ነይሮም።ሕዚ ግና ንሕብረተሰብ ንምብታን ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ።ባእሲ ንማንም ሕብረተሰብ ዘዋፅእ ኣይኮነን፤ ህወሓት ይኹን ሕብረተሰብ ካብ ናይ ኩናት መንፈስ ክወፅእ ኣለዎ። ብፍላይ ዲያስፖራ ትግራይ ምስ ጎረባብትና ብሰላም ተኻባቢርና ንነብረሉ መገዲ ይሕሽ ዝብል መማረፂ ሒዙ ክሰርሕ ኣለዎ።ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ከምኡ።

 ወጋሕታ፡-ህወሓት ናብ ዘተ ሰላም ክመፅእ ግደ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ከ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ?

ኢንጅነር ግደይ፡- ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ብኽልተ መገዲ ክረአ ይኽእል ‘ዩ፤ ሓደ መስመር ውድብ ህወሓት ነፂጎም ከም እኒ ት.ዴ.ፓ ጠጠው ዝበሉ እኒሀቡ ‘ዮም።ምስ ጎረባብቲ ዝግበር ዘሎ ኩናት ኣግባብ ዘይብሉ ብምዃቡ ዝነፅግን ‘ዩ።ንኣብነት ቕዋም ት.ዴ.ፓ ዝኾነ ይኹን ፀገም እንተልዩ ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ‘ዩ ዝኣምን፡፡ ኣብ ትግራይ ምስ ህወሓት ዘለዉ ውድባት ከንርኢ እንተለና ካብ ህወሓት ዝገደዱ ‘ምበር ዝሓሹ ኣይኮኑን።ዘቕርብዎ ጭርሖታት ከትሰምዖ እንተለኻ ንበዓሉ ዘሰክፍ ‘ዩ።ሓደ ግዘ ግዝኣት ትግራይ ክሳብ ቐይሕ ባሕሪ ‘ዩ ይብሉ፤ ካሊእ ግዘ ‘ውን ዓባይ ትግራይ ክብሉ ኢኻ ትሰምዖም።ሕልሞም ክርደአካ ኣይኽእልን።ሓሳባቶም ኣብ ሕልሚ ዝተንጠልጠለ ‘ዩ።ናይዚኦም ዕላማ ካብ ህወሓት ዝገደደ ‘ምበር ዝሓሸ ኣይኮነን።

 ህዝቢ ትግራይ ዝሓሸ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ተዝህልዎ ‘ውን በይኑ ተዓፅዩ ብሰላም ክነብር ኣይኽእልን።ምስ ጎረባብቱ ሰላም የድልዮ ‘ዩ፤ መጀመርያ ምስ ጎረባብትኻ ፅቡቕ ርክብ ክህልካ ኣለዎ።እዚ ኣገዳሲ ‘ዩ።ኣብዚ ኩናት እዚ እንተሪእና ብዙሕ ንብረት ዓንዩ ‘ዩ፤ ብዙሕ ሰብ ሞይቱ፣ ኣካለ ጎደሎ ኮይኑ ‘ዩ።ትምህርቲ ጠጠው ኢሉ ‘ዩ ዘሎ።ነዚ ንምምላስ ብዙሕ ፃዕሪ ‘ዩ ዘድሊ።ንህዝቢ ዘይኮነ ተስፋን ሕልምን እናሃብካ ክተቓልሶ ምፍታን ጌጋ’ዩ።ዓቕሚ ‘ውን ኣብ ግምት ምእታው ኣድላይ ‘ዩ።ስለዚ ምዕባለ ክመፅእ እንተኾይኑ መጀመርታ ምስ ጎረባብትኻ ሰላም ከትኸውን ኣለካ፡፡እዚ ከይገበርካ ናብ ካሊእ ነገር ክትሓልፍ ኣይትኽእልን ኢኻ።እዚ ቐልጢፉ ብሰላም ተፈቲሑ ሕብረሰብ ክንቐሳቐሰሉ ዝኽል ኩነታት ምፍጣር ኣድላይ ‘ዩ።ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ኣብዚ ኣብ ሰላም ‘ዮም ጠንኪሮም ክሰርሑ ዘለዎም።

ካሊእ ህወሓት ኣብ ትግራይ ከንሪኦ እንተለና ብጣዕሚ ጨቛኒ ውድብ ‘ዩ፤ ኣካይድኡ ነዓይ እንተዘይመሲልካ ፀላኢየ ኢኻ ብዝብል ‘ዩ ዘቐምጠካ፤ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንምቕያር ክሰርሑ ኣለዎም፤ ዋላ ነቶም ከምናቱ ሓሳብ ዘለዎም ውድባት ‘ውን ‘ዩ ዘይቕበሎም።በይኑ ዓብላሊ ኮይኑ ክነብር ‘ዩ ድሌቱ።ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሕዚ ንምዕባለን ዲሞክራስን ኢሉ ዝተቓለሶ ቓልሲ ትርጉም ከይህልዎ ገይሩ ‘ዩ። ኣብ ካልኦት ክልላትን ትግራይን ዘሎ ኩነታት ዲሞክራሲ እንተሪእና ዓብዪ ኣፋላላይ ‘ዩ ዘሎ።ከም እኒ ት.ዴ.ፓ ዝበሉ ፓርቲታት ናብ ትግራይ ኣትዮም ሓሳቦም ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ኣይኽእሉን፤ ኣብ ካሊእ ክልል ግና ከምዚ ዓይነት ፀገም የለን፡፡

ህወሓት ኣብቲ ሕብረተሰብ ‘ውን ዘይቕኑዕ ኣራኣእያ ‘ዩ ፈጢሩ።ምሳይ እንድሕር ዘይከይዳ ፀላኢየ ኢኻ ዝብል ኣራኣእያ ፈጢሩ ‘ዩ። በርግፅ ሕዚ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝተወሰና ለውጥታት ኣሎ፤ ህወሓት ብቑዕ መራሒ ኣይኮነን ዝብል ተርእዮታት ኣሎ ‘ዩ።እዚ ብምንቕስቓስ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ዝመፅእ ዘሎ ኩነታት ‘ዩ፡፡ናብዚ ንኽመፅእ ብዙሕ ፃዕሪ ተገይርዎ ‘ዩ፤ ኣብዚ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ነቲ መገዲ ኣብ ምሕባር ንድሕሪት ክብላ የብለንን።ከም ትግራይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ‘ውን ከምዚ ዓይነት እምነት ‘ዩ ዘለዎ። ብሓፈሻ ግና ግደ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ክኸውን ዘለዎ ነቲ ህዝቢ ዘዋፀኦ ነገር ብትኽክል ምሕባር ‘ዩ።ፖለተካዊ ፓርቲታት ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝተፈላለዩ ኣመላኻኽታን ነፀብራቕን ንኽህሉ ተፅዕኖ ክገብሩ ኣለዎም፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተፈላለዩ ሓሳባት የንፃባርቑ ኣለዉ’ዮም።በርግፅ እቲ ምንቕስቓስ እኹል’ዩ ኢልካ ምውሳድ ኣይከኣልን።ብሓፈሻ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ክገብርዎ ዝግባእ እቲ ትኽክለኛን ንህዝቢ ክጠቕም ዝኽእል ብምሕባር ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፅዕንቶ ብምሕዳር ናብ ሰላም ንኽመፅእ ክንቐሳቐሱ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይን ህወሓትን ዘሎ ፖለቲካዊ ርክብ ከመይ ይገልፅዎ? ኢንጅነር ግደይ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንጎ ህወሓትን ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፖለቲካዊ ውድባትን ዘሎ ርክብ ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ኣይኮነን።ህወሓት ክመርሕ ኣይኽእልን ዝብል መግለፂ ‘ውን ኣውፂኦም ነይሮም ‘ዮም።ከምኡ ‘ውን ኣብዚ ናይ ሕዚ ‹‹ዘተ ሰላም›› ህወሓት ጥራሕ ክዛተ የብሉን ይብሉ ኣለዉ ‘ዮም።ኣብቲ ዘተ ንዓና ክትሓውሱና ኣለኩም እናበሉ ‘ዮም።ከምዚ ብምምባል ምፍትታኖም ፅቡቕ ‘ዩ። ግን ብኸምዚ ዝቕፅሉ ኣይመስለንን።

ምኽንያቱ ከዳኽምዎም ይፍትኑ ኣለዉ ‘ዮም።ህወሓት ኣነ ብህዝቢ ተመሪፀ ‘የ ብምባል ናብ ስልጣን ዘፅገዖም ኣይመስለንን፤ ብሓፂሩ ግና ዝተወሰነ ፍሕፍሕ ኣለዎም ‘ዩ፡፡ ወጋሕታ፡- እቲ ‹‹ዘተ ሰላም›› ዕዉት ክኸውን ብዋናነት እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ? ኢንጅነር ግደይ፡- ሰላም ናይ መንግስቲ ፅኑዕ ቅዋም ‘ዩ፤ ሰላም ንሓንቲ ዕቤት ሃገር ወሳኒ ‘ዩ፡፡ሰላም ከንብል እንተለና ብትኽክል መፍትሒ ክመፅእ እንተኾኑ እቲ ከይዲ ዘተ ሰላም ብዘይ ዕንቕፋት ክኸይድ ኣለዎ።ሰላም ክመፅእ እንተኾይኑ ኣብዚ ኩናት እዚ ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብቲ ዘተ ሰላም ክካተቱ ኣለዎም።መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ጥራይ ብምዝታይ ሰላም ዘይክመፅእ ይኽእል’ዩ፤ ህዝቢ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ከምኡ ‘ውን ኤርትራ ዝውከልሉ ኩነታት ክህሉ ኣለዎ፤ ።እዚኦም ኩሎም ናብቲ ናይ ሰላም መድረኽ ክመፁ ኣለዎም ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።እዚ ኣብ ግምት እንተይኣእተኻ ትርጉም ዘለዎ ኣይመስለንን።

ንህዝቢ ትግራይ ‘ውን ክጠቕሞ ዝኽእል እዚ ‘ዩ።እቲ በኣሲ ምስ መንግስቲ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ህዝቢ ተኣማሚንሉ ዝኸይድ ዘተ ክኸውን ኣለዎ።መንግስቲ ነዚ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ኣብ ዘተ ሰላም ብዙሓት ነገራት ክመፁ ይኽእሉ ‘ዮም፤ ኣብዚ ቕድመ ኩነት ምቕማጥ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ኣይመስለንን።ኣብቲ ዘተ መፂኻ ግና ዝሕተቱ ብዙሓት ነገራት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም።መንግስቲ ዝሓቶም ነገራት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም፤ ብወገን ህወሓት ‘ውን ዝሕተቱ ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም።ዝተታሕዘ መሬትና ይለቐቐልና ክብሉ ይኽእሉ ‘ዮም፤ እዚ ሓደ ከም መዛተዪ ኮይኑ ክቐርብ ይኽእል ‘ዩ።ከምኡ ‘ውን ናፃ ኮይና ከንንቐሳቐስ ዝብል ነገር ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ። ብደረጃ መንግስቲ ‘ውን ህወሓት ከም ማንም ክልል ሕገ-መንግስቲ ከኽብር ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከቕርብ ይኽእል ‘ዩ።

ዕጥቕኹም ፍትሑ ዝብል ሓሳብ ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ።ምስ መንግስቲ ይኹን ምስ ጎረባብቲ ክልላት ብሕገ መንግስቲ መሰረት ዝፍተሐሉ ኩነታት ‘ዩ ከቐምጥ ዝኽእል።ኣብዚ ዝተኻረረ ኩነታት ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ።ግና ኣብዚ ሰላም ክተምፅእ እንድሕር ኮይንካ ፍልልይ ሓሳባት ብምፅባብን ንሰላም ኣብዪ ዋጋ እናሃብካ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡መንግስቲ እንድሕር ሰላም ደሊኹም ሕገ[1]መንግስቲ ብምኽባር ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኩኑ ክብሎም ይኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ መንግስቲ ኤርትራ ‘ውን ኣብቲ ዘተ ሰላም ክሳተፍ ኣለዎ ክብሉ እንተለዉ ሉኣላዊት ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብኸመይ ክምልከቶ ይኽእል? ከምኡ ‘ውን ፀገም እኳ እንተሃለወ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዶ ኣይኮነን ‘ዩ ክዛተ ዝኽእል?

ኢንጅነር ግደይ፡- መንግስቲ ኤርትራ ምስ ህወሓት ቕርሕንቲ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ‘ዩ።በዚ ምኽንያት ‘ውን ኣብቲ ኩናት ካብ ዝተሳተፉ ኣካላት ሓደ ‘ዩ። ኤርትራ ዋላ ሉኣላዊት ሃገር ትኹን ኩነታት ኤርትራ ንትግራይ ዝትንክፍ ስለ ዝኾነ ክሳተፍ ኣለዎ።ምስ ትግራይ ፀገም ዘለዎም ኣካላት ኩሎም ክሳተፉ ኣለዎም።በርግፅ ምስ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዝኸብድ ኣይኸውንን፤ ምኽንያቱ ቕድሚ ሕዚ ኣብ ውዕል ኣልጀርስ ዝተፈራረምሉ ፊርማ ስለ ዘሎ በዚ ክውዳእ ይኽእል ‘ዩ፡፡ግና እቲ ቕርሕንቲ ኣብቲ ዘተ ሰላም ክሳተፍ ኣለዎ ክብሉ እንተለዉ ሉኣላዊት ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብኸመይ ክምልከቶ ይኽእል? ከምኡ ‘ውን ፀገም እኳ እንተሃለወ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዶ ኣይኮነን ‘ዩ ክዛተ ዝኽእል?

ኢንጅነር ግደይ፡- መንግስቲ ኤርትራ ምስ ህወሓት ቕርሕንቲ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ‘ዩ።በዚ ምኽንያት ‘ውን ኣብቲ ኩናት ካብ ዝተሳተፉ ኣካላት ሓደ ‘ዩ። ኤርትራ ዋላ ሉኣላዊት ሃገር ትኹን ኩነታት ኤርትራ ንትግራይ ዝትንክፍ ስለ ዝኾነ ክሳተፍ ኣለዎ።ምስ ትግራይ ፀገም ዘለዎም ኣካላት ኩሎም ክሳተፉ ኣለዎም።በርግፅ ምስ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዝኸብድ ኣይኸውንን፤ ምኽንያቱ ቕድሚ ሕዚ ኣብ ውዕል ኣልጀርስ ዝተፈራረምሉ ፊርማ ስለ ዘሎ በዚ ክውዳእ ይኽእል ‘ዩ፡፡ግና እቲ ቕርሕንቲ ኣዋፅእ እናበለ ‘ዩ ዝምንጥሎ ዘሎ። ብሓፂሩ በዓል ዕጥቒ እናሃለወ ሲቪል ክበልዕ ‘ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ‘ዩ።ህወሓት ንሰራዊቱ ከምዘቕድም ከንፈልጥ ኣለና፤ እዚ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቒ ‘ዩ።

 ናብቲ ፅጉም ህብረተሰብ ብትኽክል ኣይበፅሕን ዘሎ።ካብዚ ሓሊፉ ስርቒ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ።እናሰረቕካ ናብ ዕዳጋ ዝወርደሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። እዚ ድማ ንህወሓት ‘ውን ንግዚኡ እንተዘይኮኑ ዝጠቕሞ ኣይኮነን።ህዝቢ ናዕቢ ከልዕል ይኽእል ‘ዩ።እናጠመየ ክዕገስ ኣይኽእልን።ብፍላይ ድማ ግዘ እናነውሐ ክኸድ እንተሎ ካሊእ ፀገም ከምፅእ ይኽእል ‘ዩ። መድሓኒት ‘ውን ገና ናብ ትካላት ህዝቢ እንተይበፅሐ ንውልቀ ሰባት ‘ዩ ዝሽየጥ ዘሎ።ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዘይርከብ መድሓኒት ኣብ ካልኦት ውልቐ ትካላት ፋርማሲ ‘ዩ ይርከብ። እዚ ህዝቢ ይኹን ለገስቲ ኣካላት ክቖፃፀርዎ ኣይኸኣሉን፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ምስ ዘተ ሰላም ተተሓሒዙ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ኢንጅነር ግደይ፡- ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ተኸባቢሩ ክነብር ኣለዎ፤ ኣብዚ ብዝግባእ ቖላሕታ ክግበረሉ ኣለዎ።‹‹ብቕልፅምና›› ዝብል ኣራኣእያ ክውገድ ኣለዎ።ብቕልፅምና እናበልካ ማእለያ ዘይብሉ ዋጋ ክኽፈል የብሉን።እዚ ‘ውን ዘዋፀእ ከምዘይኮነ ሪኢናዮ ኢና።ህዝቢ ኣብዚ ክታለል የብሉን።

ከምዚ ዓይነት ኣራኣእያ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ኣይኮነን።ሰላም ኢና ንደሊ ክብል ኣለዎ፤ ህወሓት ናብ ሰላም ክመፅእ ህዝቢ ትግራይ ፅልዋ ከሕድረሉ ኣለዎ። ኣብ ደገ ዝርከቡ ተጋሩ ‘ውን ‹‹በሎ በሎ›› ካብ ዝብል መንፈስ ብምውፃእ ብዛዕባ ሰላም ክሓስቡን ክሰብኩን ኣለዎም፤ ሓዊ ምእጓድ ትርጉም የብሉን፤ እንታይ እንተገብረካ ይሕሽ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህሉ ኣለዎ።ንህዝቢ ናብ ኹናት ምእጓድ ክኸውን የብሉን።ብኹናት ዝፍታሕ ነገር የለን።ኣብዚ እዋን እዚ ብቐሊሉ ብኹናት ዝፍታሕ ፀገም የለን።ብኹናት ንምፍታሕ ዝጠፍአ ግዘን ገንዘብን ከትሪኦ እንተለኻ ብቐሊሉ ዝትካእ ኣይኮነን።ዝጠፍአ ሂወት ሰብ ‘ውን ዝትካእ ኣይኮነን።

ብሰላም ተፈቲሑ ተዝኸውን ነይሩ ብዙሕ ክሳራ ኣይመጋጠመን ነይሩ።ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብትና ብሰላም ኢና ንነብር ክብል ኣለዎ፤ ምስ ጎረቤት ህዝቢታት ኣይንዋጋእን፤ሰላም ኢና ንደሊ ክብል ኣለዎ።ክሳብ ሕዚ ብዙሓት ደቕና ገቢርና ኢና ካብ ሕዚ ንደሓር ኣይንግብርን ክብል ኣለዎ።ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ በዚ ኹናት እዚ ብዙሕ ክሳራ በፂሕዎ ‘ምበር ኣይተጠቕመን።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት የቕንየልና።

ኢንጅነር ግደይ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 30 ሰነ 2014 ዓ.ም

Recommended For You