‹‹ኣብ ትግራይ ዓፈና ስለዘሎ’ምበር ኹናት ንኽቅፅል ዝደሊ ኣካል የለን›› – ኣይተ ኣስመሮም ብርሃነ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቢሮ ስራሕ፣ ኢንተርፕራይዝን ልምዓትን ኢንዱስትሪን ብቢሮ ሓላፊ ብርኪ ዘፈር ምምሕዳርን ልምዓትን ናይ መስርሒ ቦታታት ዝኾኑ ኣይተ ኣስመሮም ብርሃነ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ‹‹ዘላቂ ሰላም ንክመፅእ ኣነ ዝበልክዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ንጎኒ ብምግዳፍ ምእንተ ህዝቢ ክባሃል ኣብ ግልፂ ሓሳባት ጥራሕ ትኹረት ክግበር አለዎ››ክብሉ ይገልፁ። እዚ ጉዳይ ዘተ ሰላም ናብ ተግባር ተዘይመፂኡ ትግራይ ክልል ጥራሕ እንተይኾነስ ጉድኣቱ ከም ሃገር ‘ዩ ›› ይብሉ እዝን ካልኦት ሓሳባትን ዝሓዘ ምስ ኣይተ ኣስመሮም ብርሃነ ዝገበርናዮ ፃንሒትን ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

 ወጋሕታ፡- ኸዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብኸመይ ትገልፅዎ?

ኣይተ ኣስመሮም፡- ኸዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣፀጋሚ ተባሂሉ ክውሰድ ዝኽእል ኩነታት ‘ዩ ዘሎ፤ እንታይ ‘ዩ እቲ ኣፀጋሚ ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንፂ ንህዝቢ ትግራይ ሰፊሕ ዋጋ ‘ዩ ኣኽፊልዎ። ኸዚ እኹል ዝኾነ ግልጋሎትት የብሉን ፤ ህዝቢ መሰረታዊ ዝባሃል ግልጋሎት ‘ውን እናረኸበ ኣይኮነን ። ስለዚ በዚ መሰረት ኸዚ ኣብ ኣፀገማይ ኩነታት ‘ዩ ዝርከብ ኢልካ ክውሰድ ዝካኣል ‘ዩ። እዚ ድማ ኩሉ ዝፈልጦ ስለዝኾነ ማለት ‘ዩ። ወጋሕታ፡- ጎስጓስ ኹናት ጉጅለ ህወሓት ዳግማይ ናብ ኹናት እንተምሪሑ ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ፅልዋ ብኸመይ ይገልፅዎ ? ኣይተ ኣስመሮም፡- ኣነ ዝኣመን ጎንፂ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክፍጠር ይኽእል ‘ዩ። ጎንፂ ዝእለየሉ መገዲ ድማ ሰላማዊ መገዲ ብዝኾነ ምርኣይ ብጣዕሚ ፅቡቕ ‘ዩ ዝኾን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ በዚ መገዲ እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ንክውዳእ ብምግባር ቀዳምነት ሂቡ ኣሎ። ብሰላማዊ መገዲ ንክወዳኣዮ ዝብል ብተደጋጋሚ ዘረባ ተገይሩ ‘ዩ፤ብተደጋጋሚ ‘ውን ተበግሶ (ኮሚትመንት) ተወሲዱ ‘ዩ።

ስለዚ ብወገን መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክበፅሕ ኮሪደር ብምኽፋት ሓገዝ ንህዝቢ ትግራይ ንክበፅሕ ዝሓሸ መገዲ ንክኣቱ ዝግበር ኩነታት እናሞከረ ‘ዩ ዘሎ። ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ኣብ ዝሓለፈ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ተገይሩ ህወሓት ግና ናብ ኹናት ብምእታው ሕማቕ ዝባሃል ኩነታት ተፈጢሩ ‘ዩ፤ ትግራይ ‘ውን ከም ትግራይ ፀገማት ንክፍጠር ፣ ዘይኣግባብ ዝኾኑ ሞትን ምፍንቓልን ንክፍጠሩ ገይሩ ‘ዩ። ኸዚ ዘሎ መማረፂ እቲ ኩነታት ብሰላማዊ መገዲ ንክዛዘም ምግባር ‘ዩ። ዳግም ናብ ጎንፂ ፣ ኹናት እንድሕር እንኣቱ ኾይና ግን ብጣዕሚ መፀገሚ ‘ዩ ዝኾን ። ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ኣፀጋሚ ኩነታት ‘ዩ ዝፍጠር። ትግራይ ጥራሕ እንተይኾነስ ከም ሃገር ‘ውን ኣፀጋሚ ኩነታት ‘ዩ ዝፍጠር። ኸዚ ክንርኢ ከለና ህድእ ናይ ምባል ፣ጠጠው ኢልካ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ዘሎ ‘ዩ ዝመስል፤ብወገን ህወሓት ከምዝጀመርዎ ብሰላማዊ መገዲ ንምውዳእ ‘ዩ እቲ ዝሓሸ፤ናብ ኹናት እንድሕር ኣትዮም ግና ንህዝቢ ትግራይ ዳግም ንከይልዓል ገይሮም ‘ዮም ናብ ፀገም ዘእትውዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ብዘይ ኹናት ክነብር ኣይኽእልን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ ኣብዚ ናቶም ርኢቶ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ኣስመሮም፡- እዚ ትኽክል ‘ዩ። ብዘይ ኹናት ክነብር ስለዘይኽእል ‘ዩ መጀመርኡ ‘ውን ኹናት ክጅመረ ዝገበሮ። ብዘይ ኹናት ክነብር ኣይኽእልን ፣ መጀመርያ ‘ውን ናብ ጎንፂ ከይኣቱ ብተደጋጋሚ ተለሚኑ እንድዩ ነይሩ ። ህዝቢ ትግራይ ረኺብዎ ዝነበረ ሰላም ከይስእን ተባሂሉ ብዙሕ ፃዕሪ ‘ዩ ተገይሩ። ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ህወሓት ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ነይሩ ‘ዩ። ኣነ ቅድሚ ኸዚ ኣመራርሓ ህወሓት ‘የ ነይረ ፤ ከመዚ ክባሃል ከሎ እዚ ነገር ናብ ዘይኾን መገዲ ከይንወስዶ ፣ ንህዝቢ ትግራይ መሊስና ናብ ኹናት ከይነእትዎ ዝብል ፃዕርታት ነይሩ ‘ዩ፤ ግና ኣብቲ ሰዓት ተቐባልነት ኣይነበረን። ኸዚ ‘ውን ምእንተህዝቢ ትግራይ ኢሉ፤ንህዝቢ ትግራይ ዝሓስበሉ እንድሕር ዳኣ ኾይኑ እዚ ኩነታት ብሰለማዊ መገዲ ንክዛዛም ‘ዩ ፃዕሪ ክገብር ዘለዎ ፤ ግና ከም ህወሓት እንድሕር ወሲድናዮ ኹናት እንድሕር ዘይሃልዩ ናይ ምንባር ዕድሉ ትሑት ‘ዩ ዝኸውን።

ስለዚ ምስ ህልውና ኣመራርሓ ህወሓት ኣደሓሒዞም ‘ዮም ዝሪእዎ’ምበር ምስ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ራህዋ ኣደሓሒዞም ኣይርኢዎን። ብናታቶም ድርቅናን ንሕና ዝበልናዮ ተዘይኾይኑ ብዝብል ‘ዩ ህዝቢ ትግራይ እዚ ኹሉ መስእዋትነት ዝኸፍል ዘሎ። እዚ መስዋትነት ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ብናታቶም ፀገም ኣብ ማእኸል ዓዲ ዘሎ ‘ውን እኮ መስዋእትነት ኸፊሉ ‘ዩ ። ንሳቶም በቃ ብዘይ ኹናት ክነበሩ ኣይኽእሉን።ኸዚ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ይኣኽለኩም ክብል ዘለዎ፤ ክሳብ ኸዚ ዝኸፈልናዮ ይኣክል ድሕሪ ገዲም ናብ ሰለማዊ መገዲ ኣቲና ሰለማዊ መገዲ ክንነብር ኢና ንደሊ ኢሉ ፅዕንቶ ክፈጥር ዘሎዎ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ። ህወሓት ብዘይ ኹናት ክነብር ኣይንኽእልን ዘብሎ እቲ ሓደ ኣመፃፅእኡ ‘ዩ ፣ እቲ ኻልኣይ ድማ እንድሕር ምስ ካልኦት ክትነበር እንተኾንካ ሂብካ ምቕባል ዝብል መርሕ ‘ዩ ነይሩ። በዚ መገዲ ‘ዩ ክኾን ዘለዎ ‘ምበር ኣነ ዝበልክዎ እንተይዘይኾይኑ ኣነ ዝበልክዎ ጥራሕ ‘ዩ እቲ ትኽክለኛ ዝብል ኣመለካክታ ዘለዎ ንሰላም ቅሩብ ክኾን ኣይኽእልን።

 ስለዚ እሱ ትኽክል ‘ዩ ዝብሎ ሓሳብ ኣብ ካልኦት ንምፅዓን ዋላ ብጉልበት ‘ዩ ዝጥቀም። እዚ ‘ውን ‘ዩ ዝተፈጠረ ። ንሕና ኢና ትኽከል እናበሉ ፀኒሖም ብኣተሓሳስባ ተሳዒሮም ካብ ማእኸል ዓዲ ኸይዶም ፤ ኣብኡ ኸይዶም ድማ ንሕና ዘይበልናዮ መንግስቲ ንሕና ዘይመራሕናዮ ኢትዮጵያ ናብ ምባል መፂኦም ጎንፂ ፈጢሮም፤ከምዝፍለጥ ሰሜን እዚ ኣጥቂዖም እዚ ቕልውላው ኣብ ትግራይ ይኹን ከም ሃገር ‘ውን ክመሳቐል ገይሮም ‘ዮም። ስለዚ ጎንፂ መሰረታዊ መንበሪኦም ‘ዩ ንዓኣቶም ንህዝቢ ትግራይ ከም መድሐዚ ገይሮም ‘ዮም እናተፃወትሉ ዘለዉ ፣ ብባህሪ እንድሕር ሂብካ ምቕባል እንድሕር ዘይኾይኑ ዘለካ ሓሳብ ብሓይሊ ኢኻ ምፅዓን’ዩ ዘሎ መገዲ። ከምዚ ዓይነት ውድብ ስለዝኾነ ‘ዩ ከምዚ ዝበለ ፀገም እናተፈጠረ ዘሎ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ፈቂዱ እናኣተወ ይርከብ፤ ኾይኑ ግና ንህዝቢ እናበፅሐ ኣይኮነን ዝብል ሪኢቶ ይላዓል ‘ዩ ኣብዚ ሪኢቶኦም እንታይ ይመስል ?

ኣይተ ኣስመሮም፡- እዚ ትኽከል ‘ዩ ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝኣቱ ዘሎ ንርኢ ኣለና።ኣብ ሚድያታ ከምዝፅብፀብ ፤ ግና እኹል ‘ዩ ኢልካ ምውሳድ ኣይካኣልን ፣ምስቲ ዘሎ ፀገም እኹል ንከይኾን ይኽእል ። ካብቲ ዝኣቱ ዘሎ ረድኤት ግና ብግቡእ እናበፅሐ ኣይኮነን። እዚ ሰብኣዊ ረድኤት ንመሳለጢ ኹናት ‘ዮም እናገበርዎ ዘለዉ። እዚ ድማ ልምዲ ስለዝነበሮም ‘ዩ ፤ ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ሰብኣዊ ረድኤት ንኹናት ናይ ምጥቃም ንሰራዊቶም ናይ ምጥቃም ዝንባለታት ነይርዎም ‘ዩ። ኸዚ ‘ውን ከምኡ ‘ዩ እናኾነ ዘሎ። ንህፃውንቲ ዝተብሃለ ብስኩቲ ኣብ ኢድ ሰራዊቶም ሒዞምዎ ሪእና ኢና። ስለዚ ንባዕሎም ሰራዊት ‘ዩ እናተጠቐምሉ ዘለዉ። እቲ ህዝቢ ብግቡእ ሓገዝ ረድኤት እናበፅሐ ከምዘይኾነ ካብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ንሰምዕ ኢና። ነቲ ህዝቢ እንተተውሃበ ‘ውን እኹል ኣይኮነን ዝዋሀብ ። እዚ ንባዕሉ ‘ውን ሓደ ፀገም ‘ዩ።

 ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ድልየት ከምዘለዎ ኣብ ፓርላማ ገሊፁ ‘ዩ፤ ኣብዚ ዘለካ ሓሳብ ?

ኣይተ ኣስመሮም፡- መጀመሪያ ‘ውን ከመኡ ‘ዩ ክኾን ዝግበኦ ፣መጀመርያ ኣብ ማእኸል ዓዲ ዝነበረ ናይ ፖለቲካ ኣረዳድኣ ጎንፂ ኣይድልን ዝብል ኣተሓሳስባ ነጊሱ ነይሩ ‘ዩ። ኣብ ዝኾነ ሰዓት ጎንፂ ክፍጠር ይኽእል ‘ዩ። ትዋጋእ ትደረደር ፣ ከምዚ ‘ዩ ዝኾን ፣ ኸዚ እኳ ይ ዩክሬንን ሩስያን ጎንፂ እንተሪእና እቲ ኹናት ምስ ተጀመረ ብኻልኣይ መዓልቲ ናብ ድርደር ‘ዮም ኣትዮም። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትኽክለኛ ቅዋም ‘ዩ ሒዙ ዘሎ ማለት ‘ዩ። ኩሉ ነገር ብሰላማዊ መገዲ ንምውዳእ ፣ እዚ ቅዋም ብምሓዙ ዋጋ እናኸፈለ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ኩነታት ብሰላማዊ መገዲ ንክውዳእ ዘይደልዩ ኣካላት ኣለዉ ‘ዮም። ንህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝደልዩ ኣካላት ‘ውን ኣለዉ። እዚኦም እቶም ዝተለምዎን ዝደለይዎን ኣይሳኸዐሎምን ማለት ‘ዩ። እዚ ብሰላማዊ መገዲ ክውድእ ኣለኒ ኢሉ ሓሳብ ምሃቡ ብጣዕሚ ትኽክለኛ ካብ ሓደ ህዝቢ ዝመርሕ መንግስቲ ትፅቢት ዝግብር ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ንዘተ ዘይቐረቡ ነጥብታት ኣለውኒ ኢሉ ቅድመ ኩነት ከምዘቕምጠ ኣፍሊጡ ‘ዩ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል ?

ኣይተ ኣስመሮም ፡- እዚ ትኽክል ኣይኮነን ።ቅድመ ኹነት ብምቕማጥ ዘተ ዝባሃል ነገር የለን። ዘተ አእምሮኻ ክፉት ኮይንካ ኢኻ ትቐርብ ፣ እተን እትዛተየለን ነጥብታ ተቐምጥ ማለት ‘ዩ። ትኽክል ድዩ ኣይኮነን ዝባሃል ህይብካ ብምቕባል ‘ዩ ክኾን ዘለዎ። ባህሪ ህወሓት ግና ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅኽዎ ንሕና ተዘይልናዮ ተዘይኾይኑ ዝብል ባህሪኡ ስለዝኾነ ‘ዩ ቅድመ ኹነት ገለመለ ዝብል ዘሎ። ስለዚ እዙይ ተዘይኾይኑ ሰላም ኣይቕበልን ማለት ነቲ ህዝቢ ዳግማይ ናብ ኹናትን ፀገምን ምእታው ‘ዩ ዝኸውን። እንድሕር ትዛተይ ኾይንካ ግልፂ ኮይንካ እተን ዘለዋ ኣጀንዳ ናብ ጠረጴዛ ብምምፃእ ኣብ ጠረጴዛ ‘ዩ ክውዳእ ዘለዎ ‘ምበር ቀዲምካ እዚ ኣይላዓልን እዚ ኣይኾንን ዝብሉ ነጥብታት ጎንፂ ናይ ምቕፃሎም ዝንባለታት ተገይሩ ‘ዩ ክውሰድ ዘለዎ።

ወጋሕታ ፡- እዚ ዘተ ሰላም እንተተኻይዱ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ እንታይ ‘ዩ ?

ኣይተ ኣስመሮም፡- ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ ፤ ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ንዓዲ ሰላምን ክብል ብረታዊ ቃልሲ ዋጋ ኸፊሉ ኣሽሓት ተሰዊኦም ‘ዮም፤ እዚ ዝተኸፈለ መስዋትነት ኸዚ ብዝተፈጠረ ኩነታት ከንቱ ንክተርፍ ገይሮምዎ ‘ዮም። ሰኣን ትኽክለኛ ኣመራርሓ ሰኣን ኩሉ ህዝቢ ማዕረ ሪእኻ ክርባሕ ኣብ ምግባር ዝነበረ ክፍተት ኣብ ፀገም ንክኣቱ ገይሮምዎ ‘ዮም። ኣብዚ ዘተ ሰላም እቲ ቀዳማይ ተረባሓይ ዝኾን ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ነዚ ‘ዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ህወሓት ፅዕንቶ ከሕድር ኣለዎ እንብል ዘለና። ይኣኽሎ ፣ ክሳብ ኸዚ ብጣዕሚ ሰፊሕ ዝኾነ መስዋትነት ኸፊሉ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ናይዚ ኸዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጎንፂ ድማ ዘየድልይ ዝኾነ መስዋትነት ‘ዩ ኸፊሉ ዘሎ።

 ስለዚ ካብ ዘተ ሰላም ተረባሒ ዝኾን ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ኸዚ ቅድመ ኸዚ ከም ዝነበረ ኣይኮነን ፣ ንኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ትግራዋይ እንተወሲድና ቅድሚ ኸዚ ኣብቲ ጎንፂ ዝድግፍ ዝነበረ ኸዚ ግና ንህወሓት ዝድግፍ የለን። እዚ ጎንፂ ትኽክል ኣይኮነን ናብ ዘይኾነ መገዲ ‘ዮም ዘእትውና ዘለዉ ዝብል ሓሳባት ይስማዕ ኣሎ-ካብ ተጋሩ። ኣብ ትግራይ ዓፈና ስለዘሎ’ምበር ኹናት ንኽቅፅል ዝደሊ ኣካል የለን። ብሰላማዊ መገዲ ናይ ምውዳእ ድልየት ብጣዕሚ ሰፊሕ ‘ዩ ዘሎ። ኣደታት ኣብ መሬት እናተፍሓቋ እናተማህለላ ንፈጣሪ ይልምና ኣለዋ፤ ሰላም ንክመፅእ ማለት ‘ዩ። እዚ እንታይ ማለት ‘ዮ በቃ ፅዕንቶ ምፍጣር ‘ዩ። እዚ ናብ ዝተወደበ ሓይሊ ክልወጥ ኣለዎ። ኸዚ ኣብ ዘለዎ ኩነታት ኣብ ትግራይ ከምዚ ዓይነት ውድበ ምፍጣር ከቢድ ‘ዩ ፣ ኣብ ከይዲ ግና ብሰላማዊ መገዲ ንክውዳእ ብሰላም ወድእዎ ዝብል ፅዕንቶ ግና ከም ህዝቢ ክካይድ ይኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ጉጅለ ህወሓት ናብ ሰለም ንክመፅእን እንታይ ክገብር ኣለዎ ? ብሓፈሻ ነቲ መንእሰይን ህዝቢ ትግራይን ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንሃልዩ?

ኣይተ ኣስመሮም፡¬- እዚ መንእሰይ ኸዚ ኣብዚ ክርከብ ኣይነበሮን። ቅድሚ ኸዚ ዝነበሩ መንእሰያት መስዋእቲ ኸፊሎም ‘ዮም። ልዕሊ ስልሳ ሽሕ መንእሰይ ዲሞክራሲን ሰላምን ንክመፅእ መስዋእቲ ኾይኑ ‘ዩ። ኸዚ እዚ መንእሰይ መርከቢኡ ዝነበር ኣብ ልምዓት .ሰላምን ምዕባለን ምእታው ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተመሊሶም ‘ዮም ናብ ኹናት ኣእትይምዎ ዘለዉ። ስለዚ ንምንታይ ‘የ ዝዋጋእ ዘለኹ? ንምንታይ ‘የ ዋጋ ዝኸፍል ዘለኹ? ዝብል ሕቶ እቲ መንእሰይ ክሓትት ኣለዎ። ግልፂ ዝኾነ ሕቶ ንምባዕሉ ከቕርብ ኣለዎ። ብዘይተጨበጠንሓቂ ብዘይኾነ ንምንታይ ‘የ ናይ ህወሓት መጥቀሚ ዝኾን ዘለኹ? ኢሉ ክሓትት ኣለዎ። ንቀፃሊ ህይወቱ ብሩህ ንምግባርን ኣይኾንን ክብል ኣለዎ።እንድሕር እዚ ኹናት እናቐፀለ ዝኸይድ እንተኾይኑ ንቀፃላይ ዘርኢ ዝትክእ መፍራያይ ሓይሊ’ዩ መስዋእቲ ዝኸፍል ዘሎ።

እንተዘይኾይኑ ብፀገም ህወሓት ትግራይ ዘርኢ ኣልባ ክገብርዋ ‘ዮም ። ስለዚ እቲ ሓደ እዚ ነገር እዚ ብሰላማዊ መገዲ ንክውዳ ሂብካ ብምቕባል ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ኣመራርሓ ህወሓት ፅዕንቶ ክፈጥር ኣለዎ። እቲ ካልኣይ ድማ ጎንፂ ክፍጠር ይኽእል ‘ዩ ፣ኾይኑ ግና ጎንፂ ብጎንፂ ኣይውዳን ፣ኹናት እንድሕር ተጀሚሩ ብኹናት ኣይወዳእን። ኣብ ማእኸል ዓዲ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ድማ ጥዕና ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓሳብ ከራምዱ ኣለዎም። ህዝቢ ትግራይ ስለዝደለየ ጥራሕ ኣይኮነን፣ ኣብ ማእኸል ዓዲ ‘ውን ዘሎ ፣መንግስቲ ‘ውን ከም መንግስቲ ቅኑዕ ዝኾነ ብሰላም ናይ ምውዳእ ድልየት ክፈጥር ኣለዎ ። እዚ እንድሕር ደኣ ኾይኑ ንትግራይ ይኹን ንኢትዮጵያ ትኽክል ‘ዩ ዝኸውን ፤ እዚ እንድሕር ዘይኾኑ ግና ናይ ትግራይ ክልል ኹናት ናይ ሓደ ክልል ኹናት ኣይኮነን ፣ንመላእ ዓዲ ‘ዩ ዝጎድእ። ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ‘ያ፤ስለዚ ሰላም ወሪዱ እቲ ዝተጎዳእናሉ ምክሓስ እንኽእለሉ ኩነታት ዝፍጠር ሰላም እንተወሪዱ’ዩ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን ።

 ኣይተ ኣስመሮም ፡-ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 23 ሰነ 2014 ዓ.ም

Recommended For You