
ዳይመንድ ሊግ 2022 ውድድራት መልዓሊኦም ዋና ከተማ ዶሃ ገይሮም ብእንግሊዝ ፣ በርሚንግሃም ፣ ብኣሜሪካ ዩጂን ፣ብሞሮኮ ራባት ፣ ኣብ ጣልያን ሮም ምስተኻየዱ ሻድሻይን ናይ መወዳእታ ናይቲ ውድድር ከተማ ዋና ከተማ ኖርዌይ ኦስሎ ብዝተፈላለየ ርሕቐት ውድድራ ኣካይዶም ‘ዮም። ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብዚ ኦስሎ ዳይመንድ ሊግ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ውድድር ብኽልቲኡ ፆታ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ብርኪ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም ‘ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብማኸላይ ርሕቐት ብፍላይ ብሓደ ሽሕ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሜትሮ ውድድር ዝድነቕ ብቅዓት ብምርኣይ ዓብይ ተስፋ ዝተውሃባ መንእሰይ ኣትሌት ዳዊት ስዩም ፍሉይ ብቅዓት ኣብ ዘርኣየትሉ ርሕቐት ውፅኢታዊነታ ዘርኣየትን ነይራ።
ኣብ ቀረባ እዋን ግና እዛ ብልፅቲ ኣትሌት ብሓድሽ ርሕቀት ውፅኢታዊት ኮይና ቅልቕል ኣላ። ብሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ልምዲ ተዘይሃለዋ ‘ውን ብቅዕቲ እናኾነት እትርከብ ዘላ ኣትሌት ዳዊት ኣብ ኦስሎ ዳይመንድ ሊግ ብርሕቐት ብዙሕ ልምዲ ዘለዎምን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሓዊሱ ብምሽናፍ ዘድነቕ ውፅኢት ኣመዝጊባ ‘ያ። ኣብ ርሕቐት ኣብ ዓለም ዓብይ ሽምን ዝናን ዘለዎም ብዙሓት ኢትጵያውያን ናይ ካልኦት ሃገራት ኣትሌታት ኣብ ዝተሳተፍሉ ኦስሎ ዲያመንድ ሊግ ውድድር ሓደ ሽሕ ሜትር ብጣዕሚ ጠንካራ ብ 2፡53፡83 ምዝዛም ዝኻኣላ እተን ከዋኽብት ኽልተ ሽሕ ሜትሮ ፈጣን ብዝኾነ 5፡52፡33 ሸፊነን ‘የን ፤ ብብዙሓት ከዋኽብት ኣትሌታት ክሳብ መወዳእታ ዙር ዝተሸፈነ እዚ ውድድር መንእሰይ ኣትሌት ዳዊት ንምዝዛም ሓደ ዙር እንትተርፋ ተፈልያ ብምውፃእ ተዓዋቲት ኾይና ‘ያ።
ኣብቲ ርሕቐት ካብ ዓለም ኣትሌቲክስ ቻምፒዮና ክሳብ ኦሎምፒክ መድረኻት ምንጋስ ዝኻኣሉ ከም ለተሰንበት ግደይ ፣ ጉዳፍ ፀጋየን ኣልማዝ ኣያና ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣትሌታት እቲ ውድድር ሓደ ዙር ክሳብ ዝተርፎ ዘርኣየኦ ጠንካራ ፉኹክር ኣብ መወዳታ ግና ኣትሌት ዳዊት ተዓዋቲት ክትኾን ክኢላ ‘ያ። ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ 10 ሽሕን 5ሽሕን ናይ ወርቅን ብሩርንን ሜዳልያ ምስ ሰዓረት ብምኽንያት ምውላድን ብጉድኣትን ንነዊሕ እዋን ካብ ውድድር ርሒቃ ዝተመለሰት ኣትሌት ኣልማዝ ኣብ ምሸት ኦስሎ ጠንካራ ተፎካካሪ ከምዝኾነት ንኻልኣይ እዋን እንተርኣየት ‘ውን ድሕሪኣ እቲ ርሕቐት ዝነገሰኦ ክትኽእለን ኣይካኣለትን። ኣብ መወዳእታ ዙር ካብ ውድድር ሜዳልያ ዝወፀት ኣልማዝ ንድሕሪት ገዲፈን ናይ ሰዓሪነት ክሪ ንምብጣስ ዓብይ ንሕንሕ ዝገበራ ጉድፍን ለተሰንበትን ንዳዊት ስዩም ግና ከሸንፍኣ ኣይካኣላን። ነዚ ድማ ዳዊት 14፡ 25፡84 ብዝኾነ ሰዓት ዓውት ክተመዝግብ ክኢላ ‘ያ።
ዳዊት ተኸነላ ጉዳፍ 14፡26፡69 ብዝኾነ ሰዓተ ካልአይቲ ኾይና እንትዛዛም ለተሰንበት ድማ 14፡26፡ 92ብዝኾነ ሰዓት ሳልሰይቲ ኾይና ዛዚማ ‘ያ። ኣብዚ ውድድር ዝተርኣይ ዘደንቕ ፍኹክር ክብረወሰን ዓለም ንክመሓየሽ እኹል ተዘይኾነ ‘ውን በዚ ርሕቐት ታሪክ ንኻልኣይ እዋን ሸውዓተ ኣትሌታት ትሕቲ 14፡ 35 ምዝዛም ዝኻኣልዎ ኾይኑ ‘ዩ። ብተመሳሳሊ ሸሞንተ ዝኾኑ ኣትሌታት ድማ ትሕቲ 14፡40 በምዝዛም ተዘክሮ ኦስሎ ዳይመንድ ሊግ ገይርዎ ‘ዩ። ኦስሎ ዳይመንድ ሊግ ብተመሳሳሊ ርሕቐት ብደቂ ተባዕትዮ ካብ ሓደ ክሳብ ሰላስተ ብምዝዛም ሓምለዋይ ውሑጅ ታሪኽ ደጊሞም ‘ዮም። ክልተ ግዘ ናይ ዓለም ገዛ ውሽጢ ኣትሌቲክስ ቻምፒዮና ናይ 1500 ሜትሮ ሰዓራይ ሳሙኤል ተፈራ እቲ ፍኽክር እናመርሐ ሰለስተ ሽሕ ሜትር ብ 7፡54፡39 ዛዚሙ ‘ዩ።
ንድሕሪት ተመሊሱ ኣወዳድእኡ ንምስት ኽኻል ዝሓሰበ ሳሙኤል ከይኾነሉ ተሪፉ ብካልእ ኢትጵያዊ ኣትሌት ጥላሁን ሃይሌ ሰዓራይነት ተዛዛሙ ‘ዩ። ካብ ሓሙሽተ ሜትሮ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተስፋ ተዋሂብዎም ዝነበረ ኣትሌታት እቲ ሓደ ዝኾነ ጥላሁን ንብዙሕ እዋን ካብ ሰዓራይነት ርሒቁ ዝፀንሐ እንተነበረ ‘ውን ኦስሎ ብ13፡03፡51 ናብ ሰዓራይነት ዝተመለሰሉ ዓወት ኣመዝጊቡ ‘ዩ። ሳሙኤል ተፈራ ድማ 13፡04፡35 ብምዝዛም ካልኣይ ብርኪ ሒዙ ‘ዩ ፤ ኣትሌት ጌትነት ዋለ 13፡04፡48 ብዝኾነ ሰዓት ሳልሳይ ብርኪ ሒዙ ከዛዝም ክኢሉ ‘ዩ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 16 ሰነ 2014 ዓ.ም