‹‹ ህወሓት ናብ ሰላም ንኽመፅእ ህዝቢ ትግራይ ፅልዋ ከሕድረሉ ይግባእ››- ወይዘሪት ሓዳስ ኪዱ

ወይዘሪት ሓዳስ ኪዱ ሰዓረ ትበሃል፤ ኣብ ወለጋ ተወሊዳ ኣብ መቐለ ‘ያ ዓብያ። ብቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽን ካልኣይ ዲግሪ ዝተመረቐት እንትኾን ሕዚ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣማኻሪት ፅንዓትን ምርምርን ከንቲባን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይን ኮይና እናሰርሐት ትርከብ። ወይዘሪት ሓዳስ ናብ ፖለቲካ ዝኣተወትሉ ምኽንያት ኣብ ትግራይ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ስለ ዝነበሩን ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ ክማለአሉ ዝግበኦ ነገር ዘይተማለአሉ ብምንባሩ ምስ እዚ ተተሓሒዙ እቲ መንእሰይ ዘልዕሎ ዝነበረ ሕቶ ዘይተመለሰ ብምንባሩን ከምኡ ‘ውን ርኡይ ለውጢ ክመፅእ ኣለዎ ብምባል ካብ ዝንቐሳቐሱ ዝነበሩ ኣካላት ሓንቲ ‘ያ። ገና ካብ ዩኒቨርስቲ ጀሚራ ብውልቐ ይኹን ብጉጅለ ተወዲባ ምንቕስቓስ ትገብር ነይራ ‘ያ።

 መንእሰይ ትግራይ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ነይሮሞ ‘ዮም። ንኣብነት ከም ስራሕ ስእነት፣ መሬት፣ ከምኡ ‘ውን ፓርቲታት ብናፃናት ክንቐሳቐሱ ዘይምኽኣልን ዲሞክራስያዊ መረፃ ዘይምህላውን ወዘተ ስለ ዝነበሩ ኣብ ከምዚኦም ዝመሳሰሉ ፀገማት ኣድሂባ ትንቐሳቀስ ነይራ ‘ያ። ይኹን ‘ምበር እቲ ኩነታት ብናፃነት ፖለቲካዊ ምንቕስቓስ ንምክያድን ሕቶ ንምልዓልን ዝምችው ብዘይምንባሩ ከም ድሌታ ኣይትንቐሳቐስን ነይራ፤ ኣብ ከይዲ እቲ ለውጢ ምስ መፀ ፖለቲካዊ ድሌት ስለ ዝነበራን ከምኡ ‘ውን ደጋፊት ናይቲ ለውጢ ብምንባራ ኣባል ፓርቲ ብልፅግና ኮይና ድሕሪ ምግልጋል ሕዚ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ኮይና እናነጠፈት ትርከብ። ምስ ወይዘሪት ሓዳስ ኪዱ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ምስ ህወሓት ይኹን ካሊእ ሰላም ዝደሊ ሓይሊ ንሰላም ቕሩብ ከምዝኾነ ገሊፁ ‘ዩ። ኣብዚ ዘለኪ ርኢቶ ተትገልፅልና።

ወይዘሪት ሓዳስ፡- መንግስቲ ፌዴራል ቕድሚ ሕዚ ጀሚሩ ንሰላም ዘለዎ ድልውነት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት እናገለፀ መፂኡ ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ቕድሚ ኩናት ምጅማሩ ኣትሒዙ እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ናብ ኩናት ከየምርሕ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ተሰማዕነት ዘለዎም ኣካላት ናብ መቐለ ብምልኣኽ ብሰላም ንኽፍታሕ ብዙሓት ፃዕሪታት ይገብር ነይሩ ‘ዩ። ብወገን መንግስቲ ቕርቡነት ሰላም ሕዚ ኣይኮነን ተጀሚሩ፤ ኣብቲ እዋን ኩናት ‘ውን እንተኾነ መንግስቲ ብዛዕባ ሰላም ደጋጊሙ ይዛረብ ነይሩ ‘ዩ። መንግስቲ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ክወፅእ እንተሎ ንሰላም ቕርቡነት ምዃኑ ‘ዩ ዘሪአካ። ከምኡ’ውን ንህዝቢ ትግራይ ኣኽብሮት ዘለዎ ምዃኑ ‘ዩ ዘመላኽት። ኩናት መወዳእታ የብሉን፤ መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ዝሓስበሉ ግዘ የድልዮ ‘ዩ ኢሉ ካብ ትግራይ ክወፅእ እንተሎ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ውሳነ ‘ዩ።

 መንግስቲ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምእንቲ ክረክብ ኢሉ ኩናት ጠጠው ክብል ገይሩ ‘ዩ። እዚ ድማ መንግስቲ ክገብሮ ዝግበኦን ሃገራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅን ዝኸዶ ክያዶ ‘ዩ። ብፍላይ ከም ምግቢ መሰረታዊ ዝኾኑ ነገራት ክኣትዉ መንግስቲ ተኹሲ ጠጠው ክብል ብምግባር ዓብዪ ውሳነ ወሲኑ ‘ዩ። እዚ ንሰላም ዘለዎ ድልውነት ዘርኢ ስለ ዝኾነ ዝነኣድ ተግባር ‘ዩ። እዚ ብተደጋጋሚ እናሰርሐሉ ዝመፀ ‘ዩ፤ ሕዚ ‘ውን ዝሰርሐሉ ዘሎ ‘ዩ። እዚ ድማ ንዕቤትን ሰላምን ዓዲ ወሳኒ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምዃኑ ክጉዳእ የብሉን ብምባል መንግስቲ ክገብሮ ዝግባእ ኩሉ እናገበረ ‘ዩ። ስለዚ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ክነኣድ ዝግበኦ ‘ዩ። ከም ዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ኣፍሪካ ተደጋገምቲ ጎንፅታት ‘ዮም ዘጋጥሙ። እዚ ድማ ንህዝብን መንግስትን ብምድኻም ኣደዳ ስደትን ድኽነትን ዝገብር ‘ዩ። ኩናት ከበድቲ ሳዕቤናት ዘኽትል ከም ምዃኑ መጠን ሰላም ብሕታዊ መማረፂ ‘ዩ። ኩናት ሂወት ሰብ ይበልዕ፤ ኢኮኖሚ ይጎድእ፤ ስደትን፣ ድንቑርናን ካልኦትን ዘኽትል ‘ዩ። ብፍላይ ንሕና ኢትዮጵያውያን ንብዙሕ ዘመናት ሓቢርናን ተኸኣኢልናን ዝነበርና ህዝቢታት ሓድነትና ከይብተኽ ብምሕሳብ መንግስቲ ኩሉ ኣድላይ ዝበሃል ስጉምቲ ክወስድ ስለ ዝግበኦ እናወሰደ መፂኡ ‘ዩ። መንግስቲ ዕቤትን ብልፅግናን ሃገርና ንምርግጋፅ ኩሉ ህዝቢ ገፁ ናብ ልምዓትን ሰላምን ከዝር እናፀዓረ ‘ዩ ዘሎ፤ ዓብዪ ተስፋ ዝህብ ‘ውን’ዩ፤ እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።

 ወጋሕታ- ህወሓት ብመግለፂ ንሰላም ቕሩብ ‘የ ክብል ዝኸኣለሉ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ ትብሊ?

ወይዘሪት ሓዳስ፡- ህዝቢ ትግራይ ሰላም ደላዪ ህዝቢ ‘ዩ፤ ተደጋጋሚ ኩናት ዘሕለፈ ብምዃኑ ኩናት ዝፅየፍ ህዝቢ ‘ዩ። ምኽንያቱ ብኹናት ዝመፁ ሳዕቤናት ኣፀቢቑ ስለ ዝፈልጥ። ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ግዘ ንሰላም ኢዱ ዝዝርግሕን ተምሳሌት ሰላምን ‘ዩ። ንሰላም ኢዱ ዓፂፉ ኣይፈልጥን። ኮይኑ ግና ህወሓት ስልጣነይ ተነኺአ ብምባል ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምጥቓዕ ከምኡ ‘ውን ንመንእሰይ ትግራይ ብምትላል ናብ ዘየድሊ ኩናት ከኣቱ ገይርዎ ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንህዝቢ ትግራይ ሓላዊኡን ሓብሓቢኡን ‘ዩ ነይሩ። ይኹን ‘ምበር ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝወሰዶ መጥቓዕቲ ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ደላዪ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ማዕርነት፣ ሓድነትን ፍትሕን’ዩ። ነዚ ኢሉ ‘ውን ‘ዩ እቲ ህዝቢ ደቑ ገቢሩ። ህዝቢ ትግራይ ባእሲ ይኣኽለና፤ ሰላም ይሕሸና ስለ ዝበለ ይመስለኒ ህወሓት ንዘተ ሰላም ቕሩብ ‘የ ዝብል ዘሎ። ከምዝመስለኒ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት እናሓደረ ‘ዩ። እንተይፈተወ ‘ዩ ሕዚ ንሰላም ቕሩብ ‘የ ዝብል ዘሎ። ቐንዲ መበገሲ ፅዕንቶ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ‘ምበር ካብ ድሌት ህወሓት ኣይኮነን ዝብገስ።

ወጋሕታ፡- ይኹን ‘ምበር ሓሙሽተ ናብ ዘተ ሰላም ክቐርቡ ዘይኽእሉ ነጥቢታት ኣቐሚጡ ‘ዩ። እዚ ንሰላም ዕንቕፋት ክህልዎ ይኽእል ዶ ይኾን? ከመይ ትምልከትዮ?

ወይዘሪት ሓዳስ፡- መንግስቲ ንሰለም ዘለዎ ቕቡልነት ማሕበረሰብ ዓለም ብዝግባእ ይፈልጥ ‘ዩ። መንግስቲ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ንዘተ ሰላም ቕሩብ ምዃኑ ብዕሊ ምስገለፀ ነዚ ስዒቡ ብወገን ህወሓት ‘ውን ተመሳሳሊ ቕዋም ተንፃባሪቑ ‘ዩ። እዚ ከም ኣወንታ ክውሰድ ዝኽእል ‘ዩ። እዚ ድማ ህወሓት በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዝተምሃረ ይመስል። በቲ ኩናት ስዒቡ ዝተፈጥረ ቚልውላው ህዝቢ ኣብ ርእሲ እቲ ጉጅለ ብዘስዕቦ ዘሎ ፅዕንቶ ዝተፈጥረ ኣወንታዊ መልሲ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ካብቲ ዝነበረ ትዕቢት ወፂኻ ኣወንታዊ መልሲ ምሃብ ማለት ከም ፅቡቕ ዝሕሰብ ከምኡ ‘ውን እዚ ነቲ ብመንግስቲ ኩሉ ግዘ ዝግለፅ ቕርቡነት ሰላም ዘጣናኽርን ዝድግፍን ‘ዩ ኢልካ ምውሳድ ይከኣል ‘ዩ።

እዚ ብናይ ሓደ ወገን ቕርቡነትን ድሌት ሰላምን ዝመፅእ ለውጢ ስለ ዘየለ ናይ ግድን ክልቲኦም ወገናት ንሰላም ድልዋት ክኾኑ ኣለዎም። እቶም ዝዛተዩ ኣካላት ዘቕርብዎም መዛተዪ ነጥቢታት ድሌት ህዝቢ መሰረት ዝገበሩ ክኾኑ ኣለዎም፤ ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ሰላም፣ ልምዓት፣ ለውጢ ‘ዩ ዝደሊ፤ ብወገን ህወሓት ዝቐርቡ ዘለዉ ነጥቢታት ማለት ንዘተ ዘይቐርቡ ነጥቢታት ድሌትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይመስለንን፤ ህዝቢ ኸ እንታይ ዓይነት ድሌት ኣለዎ ዝብል እንተይኮነስ ካብ ናይ ውልቐ ድሌት ህወሓት ዝወፀ ሓሳብ ይመስለኒ። መራሕቲ ህወሓት ንዘተ ድልዋት ኢና ክብሉ እንተለዉ ካሊእ መማረፂ ዘይብሎም ምዃኑ ዘመላኽት ይመስለኒ። ህዝቢ ደቕና ኣበይ ኣለዉ ብምባል ፅዕንቶ ምሕዳር ጀሚሩ ‘ዩ፤ ከምኡ ‘ውን ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፅዕንቶ ብምፍጣር ናይ ባዕሎም ግደ እናተፃወቱ ‘ዮም ዝርከቡ።

ብኸምዚ ኩነታት ትግራይ ንኽልተ ሰለስተ ዓመት እንተቐፂሉ እቶም ሕቶታት ክንደየናይ እናደፍኡ ከምዝመፁ ምግማት ዝኸብድ ኣይኮነን። እዚ ንህልውና ህወሓት ኣዝዩ ዘንፃላሉ ስለ ዝኾነ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታውን ከምኡ ‘ውን ደገፍ እናሰኣነ ዝመፀሉ ኩነታት ስለ ዘሎ ‘ዩ። ቕድሚ ሕዚ ህወሓት ልዝብ ዝበሃል ነገር የለን እናበለ ነይሩ ‘ዩ። ሰላም ዝበሃል ብሓይልናን ስረናን ተዘይኮይኑ ካሊእ መማረፂ የለን ይብል ነይሩ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ኩሉ መንእሰይ ናብ ገድሊ ክፅመር ብምግባር ናይ መወዳእታ ዕድሉ ፈቲኑ ቐቢፁ ‘ዩ። ዝሓሰቦ ክሳኸዐሉ ከም ዘይከኣለ ርኢናዮ ኢና። ህወሓት ቕድሚ ሕዚ ‘ውን ንሰላም ቕሩብ ‘የ እናበለ ንማሕበረሰብ ዓለም ደብዳቤታት እናበተነ ከምዝነበረ ይፍለጥ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብተግባር ካሊእ ‘ዩ ነይሩ። ዝተፈላለዩ መጥቓዕቲታት እናፈፀመ ነይሩ ‘ዩ። እታ ዓባይ ንሰላም መዛተዪ ከትኸውን ዝነበራ መንግስቲ ኩናት ጠጠው ንምባል ክውስን እንተሎ ህወሓት ‘ውን ነዚ ውሳነ እዚ ተቐቢሉ ክትግብራ ነይርዎ፤ ብዘይ ምንም ቕድመ ኩነታት ክቕበላ ነይሩዎ። ይኹን ‘ምበር ሕዚ ‘ውን ነቲ መንእሰይ የደናግሮ ‘ዩ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ከቢድ መስዋእትን መቑሰልትን ከፊሉ ‘ዩ፤ ብዙሓት ክሳራታት በፂሖሞ ‘ዮም። ንኢትዮጵያ ‘ውን ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ።

 ህወሓት ድሌት ህዝቢ ኣብ ግምት ብዘይ ምእታው እንትደሊ ትግራይ ንምግንፃል እንተዘይደልዩ ሓቢራ ከትቕፅል ‘ዩ ዝገብር ዘሎ። እዚ ሓሳብ እዚ ድማ ብወገን መንግስቲ ቕቡልነት ዘለዎ ኣይመስለንን። መሰል ዓርሰ ውሳነ ብሚድያታት እናገለፆ ፀኒሑ ‘ዩ። ብሓደ ወገን ንሰላም ቕሩብ ‘የ ይብል፤ ብኻሊእ ወገን ድማ ንሰለም ዘየቀራርቡ፣ ንዘተ ዘይቐርቡ ሓሙሽተ ነጥቢታት የቕምጥ፤ እዚ ሓቢሩ ዝኸይድ ኣይኮነን፤ ንሰላም ዓንቃፋይ ‘ዩ። እዚ ሰላም ዘምፅእ እንተይኮነስ ካሊእ ኩናት ዘምፅእ ‘ዩ። ኩናት ድማ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ጎዲእዎ ‘ዩ፤ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ጠበንጃ ካብ ምሽካም ሓሊፉ ዝረኸቦ ረብሓ የለን። ህወሓት ንመንእሰይ ትግራይ ኣዝዩ ጎዲእዎ ‘ዩ። ህወሓት መንእሰይ ትግራይ ክመሃርን ክማራመርን ‘ዩ ክሰርሕ ነይርዎ ‘ምበር ናብ ኩናት ከእትዎ ኣይግባእን ነይሩ። ከምዚ ክኸውን የብሉን። ተዓጠቕ፣ ተዋጋእ እናበልካ ኣብ ሓንቲ ሃገር ሰላም፣ ልምዓት፣ ለውጢ ክመፅእ ኣይኽእልን። ሕዚ ‘ውን ህወሓት 5 ንዘተ ዘይቐርቡ ኢሉ ዘቐመጦም ነጥቢታት ንሰላም ቕርቡነት ከምዘይብሉ ዘማላኽት ‘ዩ።

 መንግስቲ ዋጋ ሰላም ብዝግባእ ስለተረደአ ብዙሕ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ፤ ቕድሚ ሕዚ ምስ ኤርትራ ‹‹ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም›› ኮይኑ ዝፀንሐ ኣብ ሓፂር ኩነታት ክፍታሕ ገይሩ ‘ዩ። እዚ መንግስቲ ንሰለም ዘለዎ ተበግሶ ልዑል ምዃኑ ‘ዩ ዘሪአካ። ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ኤርትራ ዝነበረ ሓሪሱ ክበልዐሉ ኣብ ዘይኽእለሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። እዚ ቐሊል ኣይኮነን። እዚ ክፍታሕ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ክልቲኦም ወገን ድሌት ሰላም ስለ ዝነበረ ‘ዩ። ብሓደ ወገን ጥራሕ ፈፂሙ ሰላም ክመፅእ ከምዘይኽእል ይፍለጥ ‘ዩ። ህወሓት ኩናት እናለዓዓለ መንእሰይ ተዓጢቑ ንኽነብር ክገብር የብሉን። እዚ ነዊሕ ርሕቀት ዘኽይድ ኣይኮነን። ብፍላይ ህወሓት ኣውፂእዎም ዘለዉ ነጥቢታት ነቲ ‹‹ዘተ ሰላም›› ዓንቐፍቲ ከይኾኑ ስኽፍታታት ኣለኒ። ኣብ ኩነታት ወታደር ኣይንዛተይን ምባል ዘኽይድ ኮይኑ ኣይስመዐንን። እዚ ነቲ ዘተ ሰላም ዕንቕፋት ‘ዩ።

 በቲ ክዛተ ‘የ እናበለ በቲ ድማ ንዘተ ዘይኸውን ነጥቢታት የቐምጥ። ህወሓት እቶም ዘቐመጦም ነጥቢታት ካብ ድሌት ህዝቢ ዝነቐሉ ኣይመስለንን፤ ብምዃኑ እዞም ነጥቢታት እዚኦም ንሰላም ዓንቐፍቲ ‘ዮም። ብሓፂሩ ህወሓት ንዘተ ቕሩብ ‘የ ዋላ ይበል ዝዛረቦን ተግባሩን ዝተፈላለዩ ‘ዮም። ንሰላም ድልዊ ‘የ እናበልካ ዓንቐፍቲ ነጥቢታት ምቕማጥ ኣግባብነት የብሉን። ነዚ ‘የ ህወሓት ዘረብኡን ተግባሩን ዝተፈላለዩ ‘ዮም ዝብል ዘለኹ። ኢትዮጵያውያን ናይ ባዕሎም ዕድል በዓሎም ክውስኑ ኣለዎም ዝብል ወይ መሰል ዓርሰ ውሳነ ንብሎ ብሕገ መንግስቲ ዋላ ዝድገፍ ይኹን ናይ በዓሉ ኣካይዳ ኣለዎ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ንኽግንፀል ኢሉ ኣይኮነን ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ። ህዝቢ ትግራይ ሃገርና ከም ሃገር ከትቕፅል ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ገይሩ ‘ዩ። እዚ ብቐሊሉ ዝኸውን ኣይመስለንን። ብሓፈሻ ህወሓት ናብ ዘተ ክቐርቡ ዘይግበኦም ኢሉ ዘቐመጦም ሓሙሽተ ነጥቢታት ድሌትን ረብሓን ህወሓት እንተዘይኮይኑ ድሌትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን።

 ወጋሕታ፡- እቲ መገዲ ሰላም መንግስቲ ዕዉት ንክኸውን ካብ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር ትብሊ? ወይዘሪት ሓዳስ፡- ህወሓት ናይ ሰላም ሓይሊ ከም ዘይኮነ ይፍለጥ ‘ዩ። ከምቲ ቕድም ኢለ ዝገለፅክዎ ህወሓት ንሰላም ቕሩብ ‘የ ዝበለሉ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈላለዩ ፅዕንቶ ስለ ዘሕደረሉ ይመስለኒ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ተረዲእዎ ኣሎ ይመስለኒ። ህወሓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ናይ ቅድሚ ሕዚ ደጋፊ የብሉን። ህዝቢ ሰለም ‘ምበር ኩናት ኣይደልን። ዝተፈላላዩ ውድባት ትግራይ እንተይቐረዩ ፅዕንቶ እናሕደርሉ ‘ዮም። ኣብዚ ክፍለ ዘመን እዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕማቕ ኩነታት እዚ ክወድቕ ኣይነበሮን። በዚ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ድፍኢታት እናሕደረሉ ‘ዩ። ክገብሮ ዝግበኦ ‘ውን እዚ ‘ዩ። እዚ ኣጣናኺሩ ክቕፅለሉ ‘ዩ ዘለዎ። ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሓቢሩን ተሳንዩ ክነብር ‘ዩ ድሌቱ። ስለዚ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ክገብሮ ዝግባእ ህወሓት ናብ ሰላም ክመፅእ ፅዕንቶ ከሕድረሉ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ብፃዕሪ መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ እናእተወ ‘ዩ ዘሎ። ይኹን ‘ምበር ህወሓት ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ከካፋፍሎ ኣይከኣልኩን ክብል ‘ዩ ዝስማዕ። ከምኡ ‘ውን ናብ ህዝቢ ኣብ ምክፍፋል ዘሎ ኩነታት እንታይ ርኢቶ ኣለኪ? ወይዘሪት ሓዳስ፡- መጀመርታ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ብወገን ህወሓት ዕንቕፋታት ነይሮም ‘ዮም። እዚ ድማ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምፍፃም ‘ዩ። መንግስቲ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰማይን ምድርን ንኽኣቲ ዋላ ፃዕሪ እንተገበረ ህወሓት ነዚ ንምትዕንቓፍ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እናካየደ ነይሩ ‘ዩ።

ከምዚ ዝገብረሉ ቐንዲ ምኽንያት ድማ ንፖለቲካዊ ከስቢ ‘ዩ። መንግስቲ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ብምግባር ዋላ ክኣቱ ይግበር ኮይኑ ግና ህዝቢ እንተይኮነስ በዓሉ ህወሓት ‘ዩ ዝጥቐመሉ። ከምኡ ‘ውን ካድረታት ህወሓት ንዝደለይዎ ሰብን ንፍሉይ ሓይልን ‘ዮም ዝዕድልዎ። ብዘለና ኢንፎርሜሽን ናብቲ ዝተፀገመ ህዝቢ ብኣግባቡ እናበፅሐ ኣይኮነን። ንፕሮፖጋንዳ ካብ ምጥቃም ሓሊፉ ንህዝቢ ብኣግባቡ እናከፋፈለ ኣይኮነን። ዝተወሰነ እንተከፋፈለ ‘ውን ተመሊሱ ነቲ ህዝቢ ንሰራዊት ኣዋፅእ እናበለ ‘ዩ ዝወስዶ ዘሎ። መራሕቲ ህወሓት እቲ ነዳዲ ንሰበ ስልጣንን ደገፍቶም እናዓደልዎ ከምዝኾነ ዋላ ካብ ደገፍቶም እናሰማዕና ኢና ዘለና፤ እዚ ድማ ባህሪ ህወሓት ዘንፀባርቕ ‘ዩ። ነቲ ዝነበረ ግምታት በቶም ደገፍቶም ተወሳኺ መብርሂ ተረኺቡ ‘ዩ፤ እቲ ንሰምዖን ንግንዘቦን ተግባራት ህወሓት ብደገፍቶም ተወሳኺ መረጋገፂ እናረኽብናሉ ኢና ዘለና። ካብዚ ንላዕሊ ምስክርነት ዝህብ የለን። እዚ ድማ ህወሓት ቕድሚ ሕዚ ጀሚሩ ዝገብሮ ዝነበረ ተግባር ‘ዩ። ሓዱሽ ኣይኮነን።

 ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ምስ ሰላም ተተሓሒዙ እተሕልፍዮ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ።

ወይዘሪት ሓዳስ፡- ንህዝቢ ትግራይ ከመሓላልፎ ዝደሊ ነቲ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ብመንግስቲ ዝቐረበ ፃውዒት ሰላም ኣሎ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ህወሓት ብዙሕ ፀገም በፂሕዎ ‘ዩ፤ ሕዚ ግና እቲ ፀገም ከብቕዕ ኣለዎ፤ ህወሓት ንሰላም ድልዊ ክኸውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ዝኽእሎ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ፤ ብፍላይ ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ ብምባል ፅልዋ ከሕድረሉ ይግባእ። ደቕና ኣበይ ኣለዉ ኢሉ ክጥይቕ ይግበኦ። መንእሰይ ትግራይ ንሰበ ስልጣን ህወሓት ኢሉ ትርጉም ኣልባ መስዋእቲ ክኸፍል የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ደላዪ ሰላም ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ብሰንኪ ህወሓት ሰላም ስኢኑ ፀኒሑ ዩ፤ ይኹን ‘ምበር ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ንመራሕቲ ህወሓት ኣትሪሩ ብምሓዝ ናብ ሰላም ክመፁ ፅዕንቶ ክገብረሎም ኣለዎ ኢለ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ ከቕርብ ይደሊ።

 ብተወሳኺ ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ‘ውን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሰላምን ልምዓትን ስራሕቲ ኣጣናኺሩ ምስ ምቕፃል ጎኒ ንጎኒ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን በበይኖም ምዃኖም ብምግንዛብ ኣብ ኣተሓሕዛ ህዝቢ ትግራይ ጉድለታት ከይፍጠሩ ክሰርሕ ኣለዎ። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ኣካልን ሓውን ህዝቢታት ኢትዮጵያ ‘ዩ። መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ዝተፈላለዩ ድጋፋት ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ፤ ከምኡ ‘ውን ተፈናቒሉ ዝመፅእ ዘሎ ህዝቢ ፅቡቕ ድጋፍ ክግበረሉ ኣለዎ። በርግፅ ቕድሚ ሕዚ ተፈናቒሉ ዝመፀ ፅቡቕ ድጋፋት ይግበረሉ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ እናበልኩ በዚ ኣጋጣሚ ደጊመ መልእኽተይ ከሕልፍ እደሊ።

 ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት ኣዝየ ኣመስግን።

ወይዘሪት ሓዳስ፡- ኣነ ‘ውን ስለ ዝጋበዝኩምኒ ኣመስግን።

መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 16 ሰነ 2014 .

Recommended For You