ጋንታ ዋልያ ካብ ልዕልነቶም ከይወርዱ

ካብ ፀግዒ ክሳብ ፀግዒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘነቃቐሐን ዘሐጎሰን ኣጋጣሚ፣ ጋንታ ዋልያ ኣብ ሃገሮም ዓለም ለኸ ፀወታ ንምግባር ዘኽእል ስታድየም ብምስኣኖም ናብ ገለልተኛ ሃገር ማላዊ ተሰዲዶም ዓወት ንህዝቦም ኣምፂኦ’ዮም። ጋንታ ዋልያ ድሕሪ ስልሳ ዓመታት ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ሓያል ሃገር ግብፂ ምሽናፎም ካብ ስፖርት ብዝዘለለ ብዙሕ ትርጉም ከምዘለዎ ተደጋጊሙ ተዘሪቡ ‘ዩ። በዚ ታሪኻዊ ዓወት ዝተመዝገበሉ ፀወታ ዘሸነፍሉ መገዲ ቴክኒካዊ ጉዳያት ንምዝርዛር እንተይኾነስ ብሓፂሩ ጋንታ ዋልያ ካብ ተኸላኻሊ ክሳብ ማእኸላይ ፣ካብ ማእኸል ክሳብ ኣጥቃዒ መስመር ፅቡቕ ነይሮም ኢልካ ምሕላፍ እኹል ‘ዩ። ጋንታ ዋልያ ንዘመናት ትሕት ተገይሮም ካብ ዝረኣይሉ ብርኪ ናብ ልዕልነት ተመሊሶም ‘ዮም። ካብዚ ልዕልነት ከይንሸራተቱ ድማ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ናይ ኹሉ ዕዮ ገዛ ‘ዩ።

ነዚ ‘ውን ብዙሕ ምስትኽኻል ካብ ዘለዎም ምምሕዳራዊ ዝርዝር ነጥብታት ውሽጢ እቶም ዓበይቲ ምዝኽኻር ግቡእ ‘ዩ። እዚ ናይ ኹሉ ኹርዓት ዝኾነ ዓወት ፅባሕ ‘ውን ንኽቅፅል ካብ ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ጀሚሩ ብወገን ፌደሬሽን ካብ ኸዚ ዝርዝር ብምውፃእ ምድላው ፈላማይ ጉዳይ ‘ዩ። ሓደ ኣሰልጣኒ ድሕሪ ዓወት ኾነ ስዕረት ቀፃሊ ትኹረቱ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ውድድር ‘ዩ። ናይ ጋንታ ዋልያን ጋንታ ፈርኦንን ምፍጣጥ ኸዚ ‘ውን ኣይተዛዛመን። ኣብ ቀፃሊ መስከረም መልሲ ፀወታ ኣብ ካይሮ ክግበር ‘ዩ። ሓሙስ ምሸት ዘደንግፅ ስዕረት ዝገጠሞ እዚ ጋንታ ካብ ዝበፅሖም ስዕረት ተመሊሶም ህዝቦም ብዝሓሸ ዓወት ንምክሓስ ንጋንታ ዋልያ ሕነ ንምፍዳይ እቲ ፀወታ ከምዝፅበይዎ ርግፅ ‘ዩ። ነዚ ድማ ጋንታ ዋልያ ካብ ኸዚ ስነልቦናን ብኣካል ብቅዓትን ቴክኒካዊ ጉዳያት ክዳለዉ ከምዘለዎም ክጠፍኦም ‘ዩ ኢልካ ኣይሕሰብን። እዚ ዓወት ሓደ ጊዜ ተመዝጊቡ ‘ዩ፤ታሪኽ ክዝክሮ ‘ዩ። ንዝበለፀ ትርጉም ዘለዎ ዓወት ንክኾን ግና ብዛዕባ ኣብ ካይሮ ዝካየድ ፀወታ ‘ውን ምሕሳብ ኣድላይ ‘ዩ። ጋንታ ዋልያ ካብ ማንም ሃገራት ኣፍሪካ ብሄራዊ ጋንታ ዝናኣሰ ዓቕሚ ከምዘይብሎም ኣሪኦም ‘ዮም። ርግፅ ቅድሚ ኸዚ መፃረይ ኣፍሪካ ፅዋዕ ከም ኮትዲቫር ዝበሉ ዓበይቲ ጉጅለታት ብምስዓር ብልጭ ኢሉ ከየጠዓዓምናዮ ዝጠፍአ ተስፋ ኣሪኦምና ‘ዮም።

ግና ቀፃልነት የብሉን። ንምንታይ ? እዚ ብዝግባእ ተፀኒዑ ጋንታ ዋልያ ግብፂ ብዝሳዓርሉ ፀወታ ዝነበሮም ውፅኢት ዝተዓጀበ ዓቕሚ ከመይ ኣብ ቀፃሊ ፀወታ ምድጋም ይካኣል ዝብል ጉዳይ ኣባላት ጉጅለ ኮሚቴ ቴክኒክ ግዜ ወሲዱ ክምልከቶ ይግባእ። ጎኒ ንጎኒ ‘ውን እቲ ፌደሬሽን ዝሓሹ ካብ ዝባሃሉ ብሄራዊ ጋንታ ሕውነታዊ ፀወታ ብምግባር ቅዋሞም እናፈተሸ ዝጎደለ ዝመልእሉ ፣ ዝጠጠመመ ዘቕንዕሉ ዕድል ምፍጣጥ ንፅባሕ ዝባሃል ዕዮ ገዛ ክኾን የብሉን። እቲ ፌደሬሽን ካብ ሜደኦም ወፃኢ ፀወታ ንምግባር ብምግዳዶም ንሓደ ፀወታ ንሜዳ ክራይ ዝኣመሰሉ ክሳብ ሓምሳ ሽሕ ዶላር ወፃኢ ከምዝግባር ኣብ ዝሓለፈ እቲ መግለፂ ገሊፁ ነይሩ። እዚ ድማ ካብ ዘሎ ዓቕሚ መንፃር ብዙሕ ከምዘየሰጉሞም፤ ፀወታ ካብ ሃገር ወፃኢ ከይድኻ ምፅዋት ድሕሪ ግዘ ምግባር ከም ዝኸብዶ ገሊፁ ነይሩ። እዚ ጋንታ ዋልያን ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝተነቃቅሕሉ እዋን ኣብ ህዝቢ ስምዒት ማይ ምድፋእ ዘኽእል ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ።

ፅባሕ ጋንታ ዋልያ በዚ ምንቅቃሖም ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምኻዶም ዕድል እናሰፍሐ እንትኼድ እዚ ዓይነት ዕንቅፋ ክለዓል ኣይግባእን። መንግስቲ ይኹን ዝምልከቶም ኣካላትን በዓል ሃፍትን ዓወት እንትምዝገብ ካብ ምሕጓስን ሽልማት ምሃብን ብዝዘለለ ብዛዕባ ጋንታ ዋልያ ቀፃሊ መገዲ ምሕሳብ ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ጉዳይ ፋይናንስ ዕንቅፋት ክኾን ካብ ዝገበሩ ምኽንያት እቲ ሓደ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ፀወታ ዘተኣናግድ ሜዳ ስለዘይብላ ‘ዩ። ቅድሚ ኸዚ እዚ ፀገም ስታድየም እንትላዓል ‹‹ነየኑ ኩዕሶ እግሪ ‘ዩ›› ዝብል ምላሽ ካብ ዝተፈላዩ ኣካላት ዝዋሃቡ መልሲ ምርኣይ ዝተለመደ ‘ዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣህመድ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ፓርላማ ዝገበርዎ መደረ ኣብ ዙርያ ስታድየም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ‹‹መጀመርያ ሰሪሕኹም ዝሓሸ ነገር ኣሪኡ ፣ ኣፍሪካ ፅዋዕን ኦሎምፒክ ደጋጊምኩም ብምስታፍ ውፅኢት ኣርእዩና›› ብምባል ከምዝተዛረቡ ዝዝከር ‘ዩ። ርግፅ ‘ዩ መንግስቲ ደረጅኡ ዝሓለወ ስታድየም ንክህልይ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝበልዎ ዝረአ ነገር የድሊ ይኾን ‘ዩ። ጋንታ ዋልያ ኣብ ግብፂ ዘምፅእዎ ዓወት ግና እኹል ‘ዩ ምባል ተዘይተኽኣለ ‘ውን ዝናኣሰ ግና ኣይኸውንን። ስለዚ እዚ ዝተጀመረ ምንቅቃሕ ብምቕፃል ዋልያታት ኣብ ቀፃሊ ፅዋዕ ኣፍሪካ ካልኣይ ንምርኣይ ካልእ እንተተረፈ ሓደ ስታድየም ‘ውን እንተኾነ ርብርብ ተገይርሉ ጋንታ ዋልያ ካብ ስደት ዝድሕንሉ ኣጋጣሚ ምፍጣር ይግባእ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ  9 ሰነ 2014 ዓ.ም

Recommended For You