‹‹ጉጅለ ህወሓት ኣብ እዋን መንእሰይነቱ ዘይሰርሐ ኣብ እዋን እርጋኑ ክሰርሕ ኣይኽእልን ›› – ኣይተ ዓብዳይ ሰዒድ

ተጋዳላይ ዓብዳይ ሰዒድ ይባሃል። ተወሊዱ ዝዓበየሉ ኣብ ትግራይ ዞባ ማእኸል እንትኸውን ክሳብ ዓሰርተ ኽልተ ኣብ ዝተወለደሉ ዞባ ማእኸል ተማሂሩ ‘ዩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ብምእታው ድማ ናይ መጀመርያ ድግሪ ብሕጊ ተመሪቑ ‘ዩ። ካብ ወረዳ ክሳብ ክልል ዓቓቢ ሕጊ ኾይኑ ንሃገሩን ህዝቡን ኣገልጊሉ ‘ዩ። መንእሰይ ዓብዳይ ካብ ስድራ ተጋደልቲ ዝተረኸበ እንትትኸውን ቃልሲ ብኹናትን ጠበንጃን ኣብ ወለድና ይትረፍ ኢሉ ፣መንእሰይ ብትምህርትን ልምዓትን ዓዱ ከልምዕ ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን እንተኾነ ‘ውን እዚ ዕድል ግና ብሰንኪ ህወሓት ክርከብ ኣይካኣልን ይብል ።ብጥይት ዝኣተወ ብጥይት ‘ዩ ዝወፅእ ብምባል ከይኣመነሉ ክላሽ ኣልዒሉ ናብ ምግዳል ከምዝኣተወ ይዛረብ። ምስ ተጋዳላይ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) ዓብዳይ ሰዒድ ዝገበርናዮ ፃንሒት ምሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብና ኣለና።ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ናብ ቃልሲ ዴምህት ዝኣተኻሉ ኣጋጣሚ እንታይ ይመስል ? ኣይተ ዓብዳይ፡- ኣነ ስድራ ተጋደልቲ ‘የ። ቤተሰብና ተጋደልቲ ህወሓት ‘ዮም፤ ናይቲ ቃልሲ ውፅኢት ዘምፀኦ ሳዕቤን ይርኢ ስለዝነበርኩ ብህይወተይ ዝፀልኦ ዝነበርኩ ፖለቲከኛ ምዃንን ክላሽ ምሓዝን ‘ዩ ነይሩ። ዓቃቢ ሕጊ ኾይነ ‘ውን ናብ ምዕራብ ክኸይድ ከለኹ ክላሽ ክዋሀበኒ ጠይቖምኒ ነይሮም ‘ዮም። ግና ኣመፃፃኣይ ፅቡቕ ስለዘይነበረ ክላሽ ክሕዝ ድልየት ኣይነበረንን። እቲ ዘመና ‘ውን ናይ ውግእ ዘመን ኣይኮነን ኢልና ንሓስብ ስለዝነበርና ብፍቕሪ ሰላም ክንነብር ፣ክንማሃር ዓዲ ክንልውጥ ‘ምበር ክላሽ ሒዝካ ንምቕያር ድልየት ስለዘይነበረኒ ‘ዩ፣ እቲ ድልየት ዘይምንባር ካብዚ ዝተልዓለ ‘ዩ። ኣብ ክልል ኣትየ ዓቓቢ ኾይነ እናሰራሕኹ ከለኹ እዚ ለውጢ መፂኡ። ኣነ ናይ ማንም ፖለቲካ ኣባል ኣይኮንኩን ፣ኣይነበርኩን ‘ውን። ተቃዋሚ ‘ውን ኣይነበርኩን፣ እዚ ማለት ግን ፅቡቕ ንዝሰርሐ ፓርቲ ኣይድግፍን ፣ ፅቡቕ ዘይሰርሐ ፓርቲ ድማ ኣይኩንን ማለት ኣይኮነን፣ ሰይጣን ይስራሓዮ ኣምላኽ ሕማቕ እንድሕር ሰሪሑ ይቃወሞ ‘የ፣ ፅቡቕ እንድሕር ሰሪሑ ድማ ይድግፎ ‘የ ነይረ።

ቀፂሉ ለውጢ ምስ መፀ ኣብ ክልል ‘ውን ስለዝነበርኩ ንሓላፍነት ክምረፅ ከለኹ ናይ መጀመር ሕቶ ዘቕረብክዎ ብዝኾነ መለክዒ ግና ኣባል ፓርቲ ክኸውን ኣይኽእልን፣ ኣባል ገዛኢ ፓርቲ ይኹን ግዝያዊ ምምሕዳር ክኾን ኣይይደልን ኢለ ‘የ ዝኣተኹ። ፀኑሑ ግና ነገራት ተቐይሮም ህወሓት ካብ ዝነበረቶ ናብ ከተማ ምስ ኣተወት ኣነ ዝፈፀምኽዎ ብዘረባ ይኹን ብተግባር ኣብ ናይ ማንም ፓርቲ ዝደገፍክዎን ዝተቃወምኩዎን ስለዘይነበረ ህወሓት ኣብ ልዕለይ እትወስዶ ስጉምቲ ይህሉ ‘ዩ ኢለ ኣይገመትኩን። ግና ካብ በረኻ ዝመፁ ዝነበሩ ኣካላት ንዓይ ብቃል ‘ዮም ኣአጊዶምኒ። ካሊእ ኣካል ‘ዮም ኣብ ናተይ ቦታ ኣቐሚጦም፣ እዚ ኣካል ድማ ስርሑ ዝጀመረ ንዓይ ብምእጋድ ‘ዩ ነይሩ። ፀኒሑ ግና እቲ እግድ ክላዓል ‘ዩ ተባሂሉ ኣብ ምፅባይ እናሃለኹ ማሃያ እናተውሃበ ስለዘይነበረ እኽልን ዘይትን ‘ዩ ዝከፋፈል ነይሩ፣ እዚ ድማ ንዓይ ጥራሕ ኣይተውሃበን፣ ንምንታይ ከምዘይተዋሃበኒ እንትሓት ድማ ዙሮ ዙሮ ንስኻ ‹‹ምስ ኣብይ ኣሕመድ ትሰርሕ ስለዝነበርካ ኣይትዎሃብን›› ኢሎምኒ። እቲ ከምኡ ዝበለኒ ከውቀዐኒ ‘ውን ሓሲቡ ስለዝነበረ ኩነታቱ ምስ ረእኹ ገዲፎዮም። ፀኑሑ ዝተፈላለዩ ኣዋጃት ይወፁ ነይሮም ‘ዮም፤ ኣብ መጨረሻ ዝወፀ ኣዋጅ ዝኾነ ሰብ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፖለቲካዊ ኾነ ሲቪል ምምሕዳራዊ ዝሰርሐ ኹሉ ገበነኛ ‘ዩ ኢሉ ኣቐሚጡ ‘ዩ፤ ቅፅዓቱ ድማ ብእርከን ዝተቐመጠ ኾይኑ ክሳብ ሞትን ዕድመ ልክዕን ዘቐመጠ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣነ ‘ውን ተሳታፊ ስለዝነበርኩ እዚ ምስ ራኣኹ ወድያው ካብቲ ቦታ ክወፅእ ኽኢለ። ስለዚ ኣነ ናብ ፖለቲካ ክኣቱ ዝኻኣልኩ ድልየት ነይሩኒ ወይ ድማ ዕጥቃዊ ቃልሲ ድልየት ነይሩኒ እንተይኾነስ ህወሓት ክሳብ ዘላ ንዓኣ ክሳብ ዘይመሰልኻ ብሰላማዊ መገዲ ክተንብረካ ስለዘይትኽእል እዚ ሰላም ንምርካብ ድማ ብቃልሲ ከምዝኾነ ስለዝተረዳኹ ‘ዩ ናብ ቃልሲ ዝወፃኹ። ርግፅ ቅድሚ ኸዚ ደምህት ኣይነበርኩን፤ግና ብሬድዮ ብተደጋጋሚ ይመሓላለፍ ስለዝነበረ ይከታተሎ ነይረ ‘የ፣ ፕግራሞም ብጣዕሚ ደስ ይብለኒ ነይሩ ‘ዩ። እቲ ህወሓት እትፈጥሮ ዝነበረ ስሕተት ኣሪሞም ከመይ ገይሮም ናብ ፅቡቅ ቀይሮም ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሓሳብ ይቕበሎ ነይረ፣ ግና እንታይ ዝነበረ ሕቶ ነይሩኒ ህወሓት ባዕላ እኳ መጀመርያ ህዝቢ ህዝቢ ‘ያ እትብል ዝነበረት ድሓር ‘ያ ህዝባ እናረሰዐት ዝኸደት ፣ ስለዚ እዚኦም ከ ከመይ ‘ዮም ዝብል ኣብ ውሽጠይ ሕቶ የልዓለኒ ነይሩ፣ ግና ካብ ህወሓት ንላዕሊ ኹፍእ ስለዘየለ ናብ ደምህት ክራኸብ ወሲነ። ምስኦም ናብ በረኻ ተፀንቢረ ‘የ።

ወጋሕታ፡- ዕላማ ዴምህት እንታይ ‘ዩ? ኣይተ ዓብዳይ፡- ዴምህት ማለት ካብ ትርጉሙ እንትንጅምር ዴሞክራሲያዊ ምቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ’ዩ። ናትና ዕላማ ዲሞክራያዊ ዝኾነ ስራሕቲ ምስላጥ ‘ዩ። እዚ ካብ ህወሓት ክረኸቦ ዘይኻኣልና ዲሞክራሲ ብቃልስና ምምፃእ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ደቂ ክግበር ከሎ ተስፋ ነይርዎ ፣ ዝነበረ ስርዓት ከውድቆ ከሎ ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእቲ ደቁ ዝመፀ ሰላም ‘ዩ ኢሉ ስለዝሓሰበ ፣ ኣብዚ ሰላም ድማ ልምዓት ምዕባለ ዴሞክራሲ ብዙሕ ነገር ይፅበ ነይሩ ‘ዩ ፤ ግና እዚ ህዝቢ ትግራይ ዝተፀበዮ ዲሞክራሲ ተቐልቢሱ ክርከብ ኣይኻኣለን፤እኳዳኣስ ህዝቡ ትግራይ ተመሊሱ ካብ ሓደ ገዛኢ መደብ ናብ ካልእ ገዛኢ መደብ ምስግጋር ‘ዩ ገጢምዎ፤ ከም ሓድሽ ንጉስ’ምበር መዓዝ ለውጢ መፂኡ ከምዝባሃል ፣ለውጢ ኣይራእናን፣ኣይራእናን ማለት ድፍን ዝበለ ኣይኮነን ለውጢ ኣሎ ‘ዩ፣ ግና ክድዚ ዝተቐመጥዎ ዕድመ ክርኢ ከለና ክምፅኦ ዝነበሮም ለውጢ ክነፃፅር ከለና ለውጢ ኣይመፀን ኢልና ክንድምድም ገይርና ‘ዩ። እቲ ህዝቢ ትግራይ ዝብህጎን ዝምነዮን ዝሓስቦን ፣መላምል ደቁ ዘሰውአሉ ባህጊ ንምስኻዕ ዝብል ዕላማ ሒዝና ኢና ናብ በረኻ ወፂና ዘለና።

ወጋሕታ፡-ኣብዚ ኸዚ እዋን ህወሓት መገዲ ሰላም ብምዕፃው ዳግም ወረራ ንምክያድ እናተዳለወ ይርከብ፣ ኣብዚ ዘለካ ርኢቶ እንታይ ይመስል? እቲ መንእሰይ ኣሚንሉ ድዩ ዝኣትይ ዘሎ? ኣይተ ዓብዳይ፡-ህወሓት ኣመፃፅእኡ ኢና ክንርኢ ዘለና፤ ህወሓት ከምይ ኢሉ ‘ዩ መፂኡ እንተይልና ህወሓት ማንም ሰብ ብካርዲ ኾነ ኢድ ኣውፂኡ ኣይመረፆን፤ ህወሓት ብጥይት ‘ዩ መፂኡ፣ ብጥይት ዝመፀ ሓይሊ ድማ ኹልግዜ ክነብር ዝኽእል ብጥይት ‘ዩ። ብምእሳር ብዓፈና ፣ብምቕታል ፣ብምምዝባል ‘ዩ ክነብር ዝኽእል፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናፈፀሞ ፀኒሑ ‘ዩ። ባንክን ታንክን ኣብ ኢዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢትዮጵያ ኣንቀጥቂጡ ገዚኡ ‘ዩ፣ ብዝመፀ ለውጢ ግና ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ከምለሱ ክኢሎም ‘ዮም። መቐለ ንኣመራርሓ ህወሓት ንእሽተይ ከተማ ‘ያ፣ ከም ገጠር ዓይነታ ‘ያ፣ ካልእ ይትረፍ ንኣኼባ መቐለ መፂኦም ክሓድሩላ ዘይደልዩ ከተማ ‘ያ፤ ኣዲስ ኣበባ ‘ውን እንተኾነት መበገሲቶም’ምበር መንበሪቶም ኣይኮነትን፤ኩሎም ወፃኢ ‘ዮም። ስለዚ እታ ትግራይ ትባሃል ስለዝናኣሰቶም ፣ ንምንቅስቀስ ብጣዕሚ ስለዝፀበበቶም ፣ኹሉ ተሓቢእኻ ዝግበር ነገር ‘ውን እኽልቲ ስለዘይኾነቶም ዘለዎም መማረፂ ኹናት ኸፊትካ እንተቀንዐና ሽዋ ክንምለሱ ‘ዩ ዕላኦም።

ንሳቶም ብተውልዲ ተጋሩ ይኹኑ ‘ምበር ሸዋ ናፋቕቲ ‘ዮም፣ ዶክተር ደብረፅዮን እንተሪእና እኮ ኸዚ ኣብዚ ለውጢ ‘ዩ ናብ መቐለ ኸይዱ ‘ምበር ዝበዝሕ መዋእሉ ዘሕለፈ እኮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ዩ፣ እቶም መራሕቲ ኣብ ትግራይ ናይ ምንባር ባህግን ድልየት የብሎም ፣ ንትግራይ እንድሕር ዝደልዩዋ ነይሮም ድሕሪ ሰማያን ሰላስተን ዘሎ ኣብ ትግራይ ኾይኑም ክሰርሑዋ ነይሮም ‘ዮም፣ ስለዚ ናብ ውግእ ዝኣትዉ ዘለዉ ሓደ ኣመፃፅኦኦም ‘ዩ ፣ ካልኣይ ድማ ኣብ ትግራይ ምንባር ድልየት ስለዘይብሎም ካብ ክልቲኤን ሓዲአን ፣ወይ ተዓዊትና ኣዲስ ኣበባ ንኣቱ ከምድልየትና ንኸውን ወይ ክዓ ህዝብና ሒዝናዮ ንጥፋእ ዝብል’ምበር ድሕሪ ኸዚ ተዋጊኦም ኣራት ኪሎ ክኣትዉ ‘ዮም ዝብል እምነት የብለይን። ኣነ ኣብ ትግራይ እንድየ ነይረ ፣ ብዙሓት ተቓለስቲ ኣዑርኹትና ነይሮም ‘ዮም። መዓዝ ሰልጢንኹም መዓዝ ተቓሊስኩም ኢልና ክንሕቶም ከለና ክነግሩና ከለዉ፣ ገሊገሊኦም መስርዕ ሒዞም እናኸዱ ከለዉ ተጋደልቲ ኣብ መንገዲ ክላሽ ተቐቢልና ከምዚገይርካ ትትኩስ ከመዚ ገይርካ ትዕልም ኢሎምና ኢና ናብ ዉግእ ዝኣተና ‘ዮም ዝበሉና ፣ናብ ውግእ ክኸድ ከሎ ሕፅኖት ኣይኮነን ፣ ናብ ሞት ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ ፣ናብታ ሞት እንኳ ስልጠና ከይወሰደ ‘ዩ ዝላኣኽ ዘሎ፣ መንእሰይ ትግራይ ሃለቀ ኣይሃለቀ ጉዳዮም ኣይኮነን፣ መንእሰይ ትግራይ ናብርኡ ተስተኻኸለ ወይም ጉድጓድ ኣተወ ጉዳዮም ኣይኮነን ፣መንእሰይ ትግራይ ኣብ ሃገሩ ኣልመዐ ናብ ስደት ኸደ ጉዳዮም ኣይኮነን፣ ናታቶም ጉዳይ ንሳቶምን ቤተሰበምን ዝነብሩላ ሃገር ናይ ባዕሎም ዓለም ምፍጣር ‘ዩ። ስለዚ መንእሰይ ትግራይ ክሳብ ኸዚ ክንደይ ሃሊቁ ‘ዩ ኸዚ ‘ውን ንምህላቅ ኣብ ምድላው ይርከብ፣ ንሳቶም ዘንብሮም እንተኾይኑ ዝተኸፈለ ይከፈል ምንባር ‘ዮም ዝደልዩ፣ ኣብዚ ሰዓት መንእሰይ ትግራይ ክልብም ዘለዎ ሰዓት ‘ዩ።

ወጋሕታ፡-መንግስቲ ህወሓት ትንኮስኡ እንድሕር ጠጠው ዘየቢሉ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ከምዝወስድ መንግስቲ ገሊፁ ኣሎ ኣብዚ ዘለኩም ርኢቶ? ኣይተ ዓብዳይ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ክወስድ ‘የ ኢሉ ኣውፂእዎ ዘሎ ፅቡቕ ‘ዩ፤ ርግፅ ገለገለ ሰባት ዘንጊዑ፤ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ዝቐፃዕ ዘሎ ዝብሉ ኣለዉ፣ ኣብዚ ግና ምኽንያታዊ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝሓስብ፣ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ኢሉ ንክሓስብ ግዜ ዝሃበ ‘ዩ ኢለ እየ ዝሓስብ። ቅድም ክብል ህዝቢ ትግራይ ብምፍላጥ ይኹን ብዘይ ምፍላጥ ፣ተገዲዱ ኾነ ብድልየቱ ህወሓት ኣብ በረኻ ተንቤን ሓውዜንን ኣብ እትንቀሳቀሰሉ እዋን ኣብ ጎኑ ብምስላፍ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእትነት ኸፊሉ ‘ዩ። እዚ መስዋእቲ እናኸፈለ ዝራኣየ ፌደራል መንግስቲ ካብ ትግራይ ጠቕሉሉ ወፂኡ ‘ዩ። ርግፅ ፌደራል መንግስቲ ካብ ትግራይ ምውፅኡ ንህወሓት ሕማም ‘ዩ። ምኽንያቱ እንታይ ዝብል ኣዘራርባ ኣለዎም ክኣትውዋ ‘ዮም ‘ምበር ኣይወፁዋን ዝብል ኣተሓሳስባ ነይርዎም ‘ዩ። ኣይወፁዋን ማለት ድሕሪ ኸዚ ንህወሓት ዝደፍር ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይፍጠርን ማለት ‘ዩ። ዝኾነ ኾይኑ ግና ፌደራል መንግስቲ ብምውፃኡ ትግራይ ብዜካ ኢትዮጵያ ህይወት ከምዘይብላ ኣሪእዎም ኣሎ። ናብራ ከመይ ከምዝኸበደ ኣነ ኣብ ቀረባ ስለዝመፃኹ ምስክር ‘የ፤ ዝብላዕ ዝስተ የለን ፣ገንዘብ የለን፣ ገንዘብ ሒዝካ ‘ውን እትሽምቶ የለን ፣ስለዚ እዚ ህዝቢ ክሳብ ኸዚ መን ‘ዩ ዝጠቕሞ ዝፈለየ ይመስለኒ፣ ህወሓት ናይ ዉሑዳት ስብስብ ድዩ ዝጠቕሞም ወይስ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኾይኑ ምስ ኣሕዋቱ መንባር ‘ዩ ዝጠቕሞ ብዝግባእ ዝፈለጠሉ ‘ዩ፤ ካብዚ ንላዕሊ መንግስቲ ፌደራል እንድሕር ዳኣ ስጉምቲ ከይወሰደ ፀኒሑ ክረምቲ ‘ውን ዝኣቱ ምስቲ ምህላው ዝሓርስ ብዕራይ ይኹን መንእሰይ የለን ኹሉ ኣብ ግንባር ‘ዩ ዘሎ። እዚ ድማ ምናልባት ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ህልቂት ክረአ ይኽእል ‘ዩ፤ ንህወሓት ‘ውን ካብዚ ንላዕሊ ዕድመ ምሃብ ካልእ ኩነታት ንክፍጠር ምግባር ስለዝኾነ ፌደራል መንግስቲ ኣትዩ ዘየዳግም ስጉምቲ ግን ድማ ንህወሓት ካብ ህዝቢ ነፂሉ ስጉምቲ ክወስድ ‘የ ምባሉ ትኽክል ‘ዩ።

 ወጋሕታ፡- ህወሓት ብዘይ ኹናት ክነብር ኣይኽእልን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ፣ ኣብዚ ናትኩም ሓሳብ እንታይ ይመስል? ኣይተ ዓብዳይ፡-እዚ ንምግላፅ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምርኣይ ከድልየና ‘ዩ። ደርጊ ብስልሳን ሸውዓተን

መስከረም ክልተ ‘ዩ ስልጣን ዝሓዘ። ህወሓት ድማ ደርጊ ኣብ ዝኣተወ ኣብ ሓሙሸተ ወርሑ ‘ዩ ንብረኻ ወፂኡ ። ኣብ ሓሙሽተ ወርሒ ሓድሽ መንግስቲ እንታይ ክሰርሕ ኢና ትፅቢት እንገብር፣ ኣብዚ ሰዓት ኦፊስ ‘ውን ብኣግባቡ ዘየደራጀወሉ እዋን ‘ዩ። ህወሓት ስርዓት ደርጊ ለውጢ ዝፈጠረ’ምበር ዘይልወጥ ስርዓት ከምዝኾነ ቀዲምና ዝፈለጥና ኢና ‘ዮም ዝብሉ ነባራት ተቓለስቲ ክዛረቡ ትሰምዕ ኢኻ፣ ግና እቲ ሓቂ እዚ ኣይኮነን ፤መንግስቲ ሃይለማርም ስልጣን ምስ ሓዘ ካብ ዝሃቦ ኣዋጅ ናይ መጀመሪያ መሬት ንሓራሲኡ ‘ዩ ዝብል ነይሩ። እዚ ድማ ዋና ሕቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ ነይሩ። ህወሓት ናብ በረኻ ዘወፅኦ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ እንተይልና ህወሓት ብጥይትን ኣፈ ሙዝን ዝኣምን ውድብ ስለዝኾነ ‘ዩ። ብኹናት ገይርና ክንመፅእ ኢና ስለዝብል’ዩ። ምስ ኣተዉ ድሕሪ ዓመታት ድማ ናብ ኢትዮ ኤርትራ ኹናት ኣትዮም፡፤ ድሕሪ ኢትዮ ኤርትራ ድማ ኣብ ውሽጦም ክፍፍል ፈጢሮም። ኣብ ቴስዓን ሸውዓተን ድማ ህወሓት ብመረፃ ዳርጋ ተሳዒራ ‘ያ ነይራ፣ ህወሓት ብኣግአዚ ኣቢላ ናይ ሓይሊ ሚዛን ወሲዳ ዓፊናቶ ‘ያ። ለውጢ ክመፅእ ከሎ ድማ ብልፅግና ፓርቲ እንትኾን ናይ መጀመርያ ሕማም ርእሲ ዝኾኖም እሱ ‘ዩ፣ እዚ ኹሉ ኾይኑ ናብ ትግራይ ኸይዶም ፣ኣብ ትግራይ ኾይኖም እኮ ኮፍ ክብሉ ነይሮም ‘ዮም፣ዝሰርሕዎ ግፍዒ እኮ ሒሳብ ኣይተፀባፀበን፣ ዓዶም ኣትዮም ኣብ ክንዲ ኮፍ ምባል ንሶም ግና ናይ መጀመርያ ስረሖም ፍሉይ ሓይሊ ምጥንኻር ‘ዩ ነይሩ። እዚ ዘርኤና ህወሓት ካብ መጀመሪኡ ናብ ኹናት ‘ዮም ምድላዎም ዝነበረ። እዚ ሰሜን ጥቅዓት ብምፍፃም እቲ ኹናት ሀ ኢላ ጀሚራቶ። እዚ ዘሪአና ኹናት የለን ማለት ህወሓት ክትነብር ኣይትኽእልን። ከምዚ ብርሃን ኣብ ዘለዎ እዋን ፀልማት ክህሉ ኢልና ኣይንፅበይን ፣ ኣብ ፀልመት ‘ውን ፅላሎት ክህሉ ኢልና ኣይንፅበይን ልክዕ ከምዚ ህወሓት ክትህሉ እንድሕር ኾይና ክህሉ ዝግበእ ኹናት ‘ዩ። ስለዚ ህወሓት ኹናት እትፈትዮሉ ምኽንያት ኣመፃፅኣ ብኹናት ስለዝኾነ ‘ዩ፣ተሸኩዓ እትነብር ድማ ኣብ ኹናት ስለዝኾነ መጥፍኢኣ ድማ ኹናት ስለዝኾነ እዩ።

ወጋሕታ፡-ጉጅለ ህወሓት ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሖ ጉድኣት ከምይ ይገልፅዎ? ኣይተ ዓብዳይ፡-ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ፀገም ክንርኢ ከለና ኣብ ዛ እንገብራ ዘለና ሓፃር ቃለ መሕትት ተዘርዚሩ ዝግለፀ ኣይኮነን ፤ ንምባል ዝኣክል ግና እቲ ቀዳማይ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀመቶ ክሕደት ‘ዩ። ገሊገሊኦም ነባራት ተጋደልቲ ዝብልዎ ካብ ኣብ ኹናት ዝሞትና ዝተጎዳእናን ባዕሎም ኣመራርሓ ህወሓት ዝቐተልዎ ይበዝሕ ኢሎም ‘ዮም ዝዛረቡ። ንሕና ብቀጥታ እንፈልጦ ግና ህወሓት ናብ በረኻ እትወፅእ ከላ ካብ ዝኣተወቶም ብዙሓት መፅብዓ ትግራይ ዲሞክራስያዊት ክንገብራ ኢና፤ ልምዕቲ ክንገብራ ኢና ፤ማዕርነት ሃይማኖት ክንፈጥር ኢና ወዘተ ዝብል ነይሩ ፤ ካብዚኣቶም ግና ህወሓት እዚ ዝባሃል ዝፈጠረቶ ነገር የለን። ስለዚ ናይ መጀመርያ ክሕደታ ንህዝቢ ትግራይ ዝኣተወትሉ መፅብዓ ክሕደት ምፍፃም ‘ዩ። ካብዚ ቀፂሉ ዘሎ ድም ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ ‘ዮም እናበለት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክንፀል ገይራቶ። ሓለፋ ከይረኸብና ሓለፋ ከምዝረኸብና ኾይኑ ክንረአ ተገይርና ኢና።

ካልእ ድማ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጠረቶ ነገር ኢትዮጵያውነቱ ንክጠራጠር ገይራቶ ‘ያ ፤ ስለዚ በደላት ህወሓት ብዙሓት እኳ እንተኾኑ እቶም ዋና ዝባሃሉ ግና እዚኦም ‘ዮም ኢለ ‘የ ዝሓስብ። ወጋሕታ፡-ህዝቢ ትግራይ ካብ ኣትዩዎ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ ከም ዴምህት እንታይ ‘ዩ መፍትሒኡ ይብሉ? ኣይተ ዓብዳይ፡-ኸዚ ኣመራርሓ ህወሓት ንሕና እንድሕር ዘይሃሊና ኣይትህልዉን ኢኻ ንሕና ኢና መድህንኻ ንሕና ኢና ዋሐስኻ ‘እዮም ዝብልዎ ዘለዉ። እዚ ጉጅለ ኣብ ኣጋ እርጋኑ እትጥውሮ ተዘይኾኑ ጉጅለ ህወሓት ኣብ እዋን መንእሰይነቱ ዘይሰረሐ ኣብ እዋን እርጋኑ ክሰርሕ ኣይኽእልን። ህወሓት መጀመርያ ክትመፅእ ከላ ንህዝቢ ትግራይ ብዙሕ እትሰርሐሉ ዕድል ነይርዋ ‘ዩ ፤ ግና እቶም ኣመራርሓ ኣብ ናይ ውልቀኦም ስራሕ ተፀሚዶመ ‘ዮም ፀኒሖም።ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዝደልይዎ ጭንቂ እንትመፅ ከሎ ‘ዩ ፤ ኣብ ዩኒቨርስቲ እናሃለና ብቴስዓን ሸውዓተን ኣገዲዶም ኣባል መታወቅያ ሂቦምና ፣ልክዕ እታ መረፃ ክሳብ እትሓልፍ ኣብ ጎኖም ኾይና ክነጨብጭብ ገይሮምና ‘ዮም። ግና እታ መረፃ ሕልፍ ምስ በለት ሃለዋትና ‘ውን ኣይፈለጡናን። ስለዚ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ እትደልዮ ምዕባልን ሰላሙን እንተይኾነስ ኹናት ክመፃ ኸሎ ከም መሕብኢ ‘ዩ ።ኣብ እዋን መንእሰይነታ ዘይሰርሐትሉ ኣብ ኣጋ እርጋናን ኣብ ኣፍ ሞትን ኾይና ንህዝቢ ምንም ኣይትገብረሉን፤ የግዳስ ካብ በደል ናብ በደል ካብ ክፋእ ናብ ክፋእ ‘ያ እተሰጋግሮ ዘላ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ ሓደ ኣካል የድልዮ ‘ዩ። ነዚ ድማ ተሞክሮ ዘለዎ ነዚ እዋን ድማ ክምጥን ዝኽእል ኣተሓሳስባ ዝሓዘ ውድብ እንተሃለወ ዴምህት ‘ዩ።ህዝቢ ትግራይ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ክወፀሉ ዝኽእል ብመገዲ ዴምህት ‘ዩ ፤ ፈታዊ ነፃነት ትግራይ ዝኾነ ኩሉ ንዴምህት ብምሕጋዝ ዕድመ ህወሓት ብምሕፃር ኣብ ጎኒ ጠጠው ክብል ኣለዎ።

ወጋሕታ ፡- ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ብትኽክል ኣብ ኢድ ህዝቢ ትግራይ ይበፅሕ’ዶ ይኸውን ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ?

ኣይተ ዓብዳይ፡- ኣመፃፅኣ ህወሓት ክንርኢ ከለና ሃቡኒ ብምባል ‘ምበር እንኩም ብምባል ኣይትፍለጥን። ኣመፃፅኦም ስለዘይኾነ ዝህቡ ዓይነት ኣይኮኑን። እንተሃቡ ‘ውን ኣወሃህብኦም ቆማጥ ኣወሃህባ ‘ዩ ፤ ካብዚ ዝኸደ ሓገዝ ንህዝቢ ትግራይ ክህብዎ ‘ዮም ማለት ዕሽነት ‘ዩ ፤ ርግፅ ዶክተር ደብረፅዮን ብግልፂ ተዛሪቡ ‘ዩ፤ሰራዊት እንድሕር ዘይበሊዑ ኣይዋግእን ኢሉ ‘ዩ። እዚ ማለት እቲ ዝኸይድ ሓገዘ ንህዝቢ እንተይኾነስ ንሰራዊት ‘ዩ፤ እቲ መልእኽቲ ግልፂ ‘ዩ። ስለዚ ምስቲ ዘሎ በዝሒ ሰራዊት ምስቲ ኣቅርቦት ክረአ ከሎ ንህዝቢ ትግራይ ክዕደል ‘ዩ ኢለ ኣይሓስብን። ኮይኑ ግና ሓደ ሓደ ሰባት ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ እቲ ሓገዝ ስለዘይትህብ ሓገዝ ክኸድ የብሉን ኢሎም ሓሳብ ዘቕርቡ ሰባት ኣለዉ፣ ኣነ በዚ ኣይስማዕማዕን ዋላ ሓንቲ ጣሳ ትኹን ናብ ትግራይ ክኣቱ ኣለዎ ኢለ ‘የ ዝሓስብ። እንተናኣሰ እዚ ሓገዝ እድሕር ኣትዩ ንውልቅኣ እንድሕር ኣውዒላቶ ዕዳጋ ኣይተፃብብን። እቲ ሓደ ካብ ዕዳጋ እንድሕር ዘይሸሚታ ናብራ ኣይኸብርን ፣ ካልኣይ እንድሕር ሓገዝ ዘይተውሃባ ሕድሕድ ሰብ ጓዳ እናኣተወት ዘለኩም እኽሊ ኣውፅኡ ምባላ ኣይተርፋን።

ህወሓት ንሰራዊታ ከምተውዕሎ እንተተፈለጠ ‘ውን ንሰራዊታ ክተውዕሎ ‘ያ ተባሂሉ ንህዝቢ ትግራይ ረድኤት ክኽልከል የብሉን። ክጅመር ከሎ ‘ውን ህወሓት ጨካን ‘ያ፣ ኣብ ህወሓት ፍቕሪ ፣ርህራሀ ዝባሃል የለን። ወይዘሮ እገለ ሽድሽተ ደቀን ዘሰዋኣ ፣ ወይዘሮ እከለ ክንደዚ ደቀን ዘጋደላ እናተብሃ ‘ዩ ዝዝረብ።እዚ ንምዝራብ እኳ ስክፍ ኣይብሉን። እዞም ደቆም ሂቦም ዘሰውኡ ድሕሪ ኹናት ምንም ኣይግበረሎምን። ካልእ ይትረፍ ሓንቲ ኣደ ንክተጋድል ደቃ ንከትምፅእ እትእሰረሉ እዋን ኣሎ። ወጋሕታ፡-ካብ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኣገዛዛኣ ንምልቓቕ እንታይ ትፅቢት ይግበረሉ? ኣይተ ዓብዳይ፡-ህዝቢ ሓያል ‘ዩ፣ ውዳበ ሓይሊ ‘ዩ ፤ ንህወሓት ንምግልባጥ እንታይ ‘ዩ ይኸብዶ? ዘይቃልስ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ። ኣነ በዚ ኣይስማዕማዕን። ንድሕሪት ምልስ ኢልና ክንርኢ ከላና ኢህወዴግ ኣርባዕተ ውድባት ነይረንኦ ፣እቲ ዝለዓለ ብፅሒት እትወስድ ገባሪትን ሓዳጊትን ዝነበረት ውድብ ህወሓት ‘ያ ነይራ። እተን ካልኦት ካብ ምጭብጫብ ሓሊፈን እዚ ዝባሃል ግደ ኣይነበረንን፡ ፡ ህወሓት ንህዝቢ ኢትዮጵያ መውፅኢኡን መእተዊኡን ተቆፃፂራ እትገዝእ ዝነበረት ውድብ ‘ያ።

ሚኢቲ ሚልየን ዝተቖፀፀረት ህወሓት ተደፊኣ ናብ ትግራይ ክትኣቱ ከላ ሓሙሽተ ሚልየን ንምቁፅፃር ንዓኣ ብጣዕሚ ቀሊል ‘ዩ ፤ ሓሙሽተ ንሓደ ብዝብል ኣወዳድባ ብምዝርጋሕ ሕድ ሕድ ምንቅስቓስ ‘ያ እትፈልጥ። ጭካነ ህወሓት ካብ ማንም ንላዕሊ እንፈልጦ ስለዝኾና ንህወሓት ምቅዋም ማለት ናይቲ መንእሰይ ሞት ምፍጣን ማለት ‘ዩ፤ ይትረፍዶ ምቅዋም ዘይምድጋፍ ‘ውን ኣብ ትግራይ ገበን ‘ዩ። እንታይ ዳኣ ‘ዩ መፍቲሕኡ እንተይልና ካልእ ኣማረፂ ናይ ዓሰርተ ሸውዓተ ተምክሮ ዘለዎ ውድብ ዴምህት ኣሎ ‘ዩ። እዚ ውድብ ዲሞክራያዊ ‘ዩ ፣ናይ ምግንፃል ዕላማ ዘለዎ ውድብ ኣይኮነን፤ምስ ብሄር ብሄረሰባት ሓቢሩ ናይ ምንባር ድልየት ዘለዎ ካብ ኣገዛዝኣ ህወሓት ነፃ ንምውፃእ ዝቃለስ ዘሎ ዉድብ ‘ዩ። እቲ መንእሰይ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ብምስጋር ኣብ ጎኒ ዴምህት ተሰሊፉ ዕድመ ህወሓት ምሕፃር ዝኽእል’ምበር ኣብ ውሽጢ ኾይኑ ለውጢ ከምፅእ ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን።

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ እተሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ኣይተ ዓብዳይ፡-ወለድና ብኹናት ‘ዮም ኣብዚ በፂሖም። እዚ ናይ ወለድና ዕጫ ኣባና ክድገም ‘ዩ ዝብል እምነት ኣይነበረናን። ዕድል ሃዲማትና ግና ተመሊስና ናብኡ ኣቲና ኣለና። ንህዝቢ ትግራይ ዘሕልፎ መልእኽቲ ተገዲዱ ኣብ ጎኒ ህወሓት ተሰሊፉ ዘካይዶ ዝነበረ ኹናት ብግላፅ እኳ ምቅዋም ተዘይካኣለ ብግላፅ ዴምህት ናብ ዝርከቦ ቦታ ብምእታው ነፃ ትግራይ ናይ ምውፃእ ሚና ክሳተፍ ኣለዎ። ተገዲዶም እናተቓለሱ ዘለዉ መናእሰያት ኣደዳ ጥምየትን መከራን እናገበርዎ ዘለዉ መገዛ ሓዎምን ወለዶምን ‘ዩ እሞ፣ኣብ ግንባር ተሰሊፍኩም ዕድመ ህወሓት እናንዋሕኹም ፣ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ግና እናነወሐ ስለዝኾነ እንተኽኢሎም እቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ጠመንጃ ኣዚሮም ዕድመ ህወሓት ብምሕፃር ታሪኽ ክሰርሑ እንተዘይኾኢሎም ድማ ናብ ዴምህት ብምፅንባር ክቃለሱ ፃውዒት የቕርብ። ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ንሳቶም ይጭርሑ ኣለዉ ኢሎም ምስኦም ከይጨረሑ፣ ሰብ ጥቕሚ ይፍኩሩ ኣለዉ ኢሉ ምስኦም ከይፎከረ ርግዕ ኢሉ ኸዚ እንታይ ንምርካብ ኢና እንሕግዛ ዘለና ንህወሓት ፣ ቅድሚ ኸዚ እንታይ ስለዘምፀአትና ‘ዩ ፣ ድሕሪ ኸዚ’ኸ እታ ክተምፀአና ኢና እንሕግዛ ዘለና ኢሉ፣ህወሓት ደመኛን ፀላእን ህዝቢ ትግራይ፣ ብመንእሰይ እትቕልድ ናይ ንእሽተይ ጉጅለ ሰብስብ ምዃና ኣሚኖም ኢዶም ከልዕሉን ኣብ ጎኒ ዴምህት ጠጠው ክብሉን ፃውዒት የቕርብ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ዓብዳይ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ  9 ሰነ 2014 ዓ.ም

Recommended For You