
ብኣደላውነት ዩጋንዳ ሸሞንተ ሃገራት ብኽልተ ምድብ ተኸፊሎም ዝተጋጠምሉ ፅዋዕ ማእኸላይን ምስራቕን ኣፍሪካን (ሴካፋ)ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ፍፃመ ተወዳደርት ተፈልየን ‘የን፡፡ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ (ሉሲ) ድሕሪ ሰለስተ ፀወታ ተወዳደርቲ ፍርቂ ፍፀመ ካብ ዝኾኑ ኣርባዕተ ሃገራት እተን ሓደ ኾይነን’የን፡፡ መጀመርታ ዛንዚባር ሓሙሽተ ንዜሮ ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ምሽናፍ ዝኻኣላ ጋንታ ሉሲ ፣ ናይ ምድበን ካልኣይ ፀወታ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ምስ ታንዛንያ ብምግባር ኽልተ ብኽልተ ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ከምዝዛዘማ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ ጋንታ ሉሲ ናብ ምድበን ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ፀወታ ምስ ደቡብ ሱዳን ብምግጣም ኣርባዕተ ንዜሮ ምስዓረን ተኸቲሉ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ምሕላፍ ክኢለን ‘የን፡፡
ጉጅለ ሉሲ ካብ ምድበን ሸውዓተ ነጥብን ትሻዓንተ ጎልን ካልኣይ ብምዃን ፍርቀ ፍፃመ ዝተሓወሳ እንትትኾን፣ ኣብዚ ምድብ እትርከብ ታንዛንያ ንዛንዚባር ዓሰርተ ኽልተ ንዜሮ ስዒራ ብሽቶ በሊፃ ካብዚ ምድብ ቀዳማይ ብምዟን ፍርቂ ፍፃመ ተሓዊሳ ‘ያ፡፡ በዚ ድማ ጉጅለ ሉሲ ብካልእ ምድብ ቀዳመይቲ ኾይና ዝዛዘመት ጠንካራ ጉጅለ ዘለዋ ኣደላዊት ሃገር ዩጋንዳ ፍርቂ ፍፀመ ክጋጠማ ‘የን፡፡ ኣብዚ ምድብ ፀወታ ሙሉእ ብሙልእ ምሽናፍ ዝኻኣለት ዩጋንዳ ብፍላይ ድማ ናይ መወዳእታ ምድብ ፀወታ ንቡሩንዲ ሰለስተ ንሓደ ምስዓራ ዝዝከር እንትኾን ቡርንዲ ድማ ክልተ ፀወታታት ብምስዓር ፍርቂ ፍፃመ ዝሓለፈት ንታንዛንያ ክትገጥም ‘ያ፡፡ ኣብ ሰለስቲኡ ምድብ ፀወታ ሓሙሽተ ሽቶታት ኣብ መረብ ዘዕረፈት ተፃዋቲት ታንዛንያ ኦፓህ ክሌመን ኮኾብ ሽቶ ኣቕፃሪት እናመርሐት ትርከብ፡፡ ምስ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝነበረ ግጥም ሰለስተ ሽቶ ምቑፃር ዝኻኣለት ኣረጋሽ ካልሳ ከምኡ ‘ውን ብሰለስተ ፀወታ ሽቶ ብምቑፃር ዝኻኣለት ናይ ጋንታ ሉሲ ወሳኒት ኣጥቃዒ መስመር ተፃዋቲት ሎዛ ኣበራ ኣርባዕተ ኣርባዕተ ሽቶ ብምቁፃር ናይ ሽቶ ኣቑፃሪት ኮኾብ ፍኽክር እናተኸተላ ይርከባ፡፡ ዩጋንዳ ንመበል ሓምሻይ ግዘ እናዳለወቶ ዘላ ሴካፋ ውድድር ፍፃመ ተወዳደርቲ ክኾኑ ‘ዮም ተባሂሎም ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም ሃገራት እታ ሓንቲ ኢትዮጵያ ‘ያ፡፡ እዚ ንምስኻዕ ግና ካብ ኣዳላዊት ዝኾነት ዩጋንዳ ፍርቂ ፍፃመ ጠንካራ ንሕንሕ ትፅቢት ይግበረላ ‘ዩ፡፡
ሓድሽ ናይ ሉሲ ኣሰልጣኒ ፍሬው ሀይለገብርኤል ቅድሚ ብዙሓት ኣዋርሕ ኣብ ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ተተካቲ ሉሲ እናመርሐ ውድድር ኣዳላዊት ዝነበረት ዩጋንዳ ካብ ፍፃመ ፀወታ ካብ ምምራሕ ተላዒሉ ሰለስተ ንኽልተ ብምስዓር ቻምፒዮን ከምዝኾነ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ ምስ ዋና ብሄራዊ ጉጅለ ብምዃን ዩጋንዳ ናይቲ ውድድር ኣዳላዊት ኾይና ብፍርቂ ፍፀመ ተራኺቦም ‘ዮም፡፡ ኣሰልጣኒ ፍሬው ጋንታ ሉሲ ዘመዝግበኦ ውፅኢት ንዋና ብሄራዊ ጋንታ ተስፋ ንክዋሃበን ገይሩ ‘ዩ ኢሎም፡፡ ትሕቲ 20 ዓመት ተፃወቲ ምስ ልምዲ ዘለዎን ብምጥማር እናተዳለዋ ፀኒሐን ‘የን፡፡ ጉጅለ ሉሲ ምስ ዩጋንዳ ብዝህልዎን ፍርቂ ፍፃመ ፀወታ ኣሸኒፈን ንፍፃመ እንድሕር ምሕላፍ ክኢለን ንኣልጣኒ ኾነ ነቲ ጉጅለ ብሄራዊ ኣብ ታሪኽ ውድድር ዓብይ ስኬት ኾይኑ ክምዝገብ ‘ዩ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ሴካፋ ፀወታ ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ 2016ን 2018 ዩጋንዳን ሩዋንዳን ኣብ ዝተዳለወ ንሕንሕ ሳልሳይ ኾይና ዝዛዘመትሉ ታሪኽ እቲ ዓብይ ውፅኢት ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ፡፡ ኣሰልጣኒ ፍሬውን ጋንታ ሉሲ ድሕሪ ካብ ዩጋንዳ ፍርቂ ፍፃመ ፀወታ ታሪኽ ናይ ምስራሕ ዕደሉ ኣብ ኢደን ‘ዩ ዘሎ፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 2 ሰነ 2014 ዓ.ም