‹‹ምእንተ ውሱናት ሰባት ተባሂሉ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክጠፍእ ኣይግበኦን››- መንእሰይ ቴድሮስ ሲሳይ

ዕዱም ጋሻና መንእሰይ ቴድሮስ ሲሳይ ይበሃል፤ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ጊዚያዊ ምምሕዳር ብምዃን ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዘገልገለን ቕድሚኡ ድማ ሲቪል ሰርቫንት ኾይኑ ህዝቡ እናገልገለ ዝፀንሐ መንእሰይ እንትኸውን ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ድሕሪ ምውፅኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ምስ መሓዙቱን መሰላቱን ብምዃን ሓሳቡ እናገለፀ ዝሐሸ ለውጢ ንኽመፅእ እናተቓለሰ ይርከብ፤ ዝስዕብ ፃንሒት ገይርና ኣለና ሰናይ ፃንሒት ።

ወጋሕታ፡-ዝተወለድካሉ ከባቢ ከምኡ ‘ውን ኹነታት ትምህርትኻን ተትነግረና?

መንእሰይ ቴድሮስ፡-ተወሊደ ዝዓበኹሉ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ መቐለ ክፍለ ከተማ ኲሓ ‘ዩ፤ ኹነታት ትምህርተይ መጀመሪያ ዲግሪ ብኢኮኖሚክስ ካብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ቐፂለ ድማ ናይ ማስተርስ ተምሃራይ ‘የ ነይረ፤ ኹነታት ስራሕ ድማ ኣብ ክፍለ ከተማ ኲሓ ንኽልተ ዓመት ብሲቪል ሰርቫንት ኣብ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ፅንዓት ዕዳጋ ብምዃን ንኽልተ ዓመት ሰሪሐ ‘የ፤ ኣብ እዋን ምጥያሽ ጊዚያዊ ምምሕዳር ድማ ኣብ ክፍለ ከተማ ኲሓ ናይ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ንተጠቃምንት ሕብረተሰብ ኣፍቲ ከባቢ ሸሞንተ ወርሒ ሰሪሐ ‘የ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹነታት ከመይ ትገልፆ?

መንእሰይ ቴድሮስ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ወድዓዊ ኹነታት ኣፀጋሚ ኹነታት ‘ዩ ዘሎ፤ ብዙሓት ፀገማት ‘ዮም ዘለዉ፤ ቑጠባዊ ማሕበራውን ፖለቲካውን ብፍላይ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ዝበልዖን ዝሰትዮን የብሉን፤ ስራሕ ውልቃዊ ይኹን ትካላዊ ስራሕ የለን፤ ብምዃኑ ድማ ኢኮኖሚካሊ ከም ዝተዳቐቐ ንርዳእ ኢና፤ ፋይናንሻል ክራይስስ ‘ውን ኣሎ። ኣብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ግልጋሎት ባንኪ የለን ፤ብሙልአን እተን ወሃብቲ ግልጋሎት ማይክሮ ፋይናንስ የለዋን፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝሰርሑ ዝነበሩ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰራሕተኛታት ምንም ዓይነት ደመወዝ የብሎምን ፤ስለ ዝኾነ ፋይናንሻል ክራይስስ ኣሎ ማለት ናይ ናብራ ቕልውላው ኣሎ ማለት ‘ዩ። እቲ ዘሎ ቕልውላው ድማ ካብ ኢኮኖምን ፋይናንስን ዝተበገሰ እንተኾነ ‘ውን ልዕሊ ኹሉ ዝዛይድ ግና ፖለቲካዊ ቕልውላው ‘ዩ፤ ኣብ ትግራይ ንኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመታት ዝኣክል ሓደ ውዳበ ጥራሕ ‘ዩ ነይሩ።

እዚ ውዳበ ድማ ብወከልቲ ህዝቢ ራዕዳዊ ተባሂሉ ዝተፈረጀ ጉጅለ ህወሓት ‘ዩ፤ እዚ ውዳበ ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ንህዝቢ ትግራይ ብፖለቲካ ጥራሕ ዘይኮነስ ትግራይ ንኽትበርስ፤ ትግራዋይ ንኽጠፍእ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጥፍኣት ‘ዩ ፈፂሙ። እቲ ቕድም ክብል ምስ ደርጊ ይኹን ምስ ሻዕብያ ዝተገበረ ኲናት ከም ዘሎ ኾይኑ ኣብ ቐረባ እዋን ባዕሎም ብዝወልዕዎ ኲናት ልዕሊ 300 ሽሕ መንእሰይ ትግራይ ከም ዝሞቱ ካብ ኣንደበት መራሕቲ ህወሓት ተሰሚዑ ‘ዩ። ብሓፈሻ ኣብዚ ኲናት ሃገር ክሃንፅ ዝኽእል ትግራዋይ መንእሰይ ትርጉም ብዘይብሉ ሞይቱ ‘ዩ። ምስዚ ተተሓሒዙ ብዙሓት ኣካሎም ከም ዝስኣኑን መንእሰያት ህፃውንቲ ከም ዘለዉ ርኢና ኢና። ብተወሳኺ ድማ ኹለን ከተማታት ትግራይ ካብ ሽረ ጀሚርና ኣኽሱም፣ ዓዲግራት ፣ውቕሮ፣ መቐለ ፣ማይጨው፤እተን ሓውሲ ከተማታት እንብለን ከም ዓዲጉደም፣ ዓዲቐይሕን ኣጉላዕን ቑስለኛታት ማለት ‘ውን ኣካሎም ዝሰኣኑ፣ ዓይኖም ዝሰኣኑ፣ ሰብነቶም ብድሮን ዝተቓፀሉ፣ እዚኣቶም ኹሎም መሐከሚ ስኢኖምን መድሓኒት ድማ ዘይብሎምን ‘ዮም፤ እዚ ድማ እቲ ኲናት ዘስዐቦ ኹነታት ‘ዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ትግራይ ብኹለመዳይ ኣብ ኸቢድ ፀገም ‘ያ ትርከብ። ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህወሓት ፅዕንቶ ከሕድረሉ እንታይ ክግበር ይግባእ? መንእሰይ ቴድሮስ፡- እቲ ኸቢድ ዝበሃል ኹነታት እዚ ‘ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ን45 ዓመታት ብዘይካ ሓደ ውዳበ ዝፈልጦ ነገር የብሉን ፤ህወሓት ነዚ ክገብር ከሎ ሰለስተ ነገራት ተጠቒሙ ‘ዩ፤ ፈለማ እቲ ዝነቕሐ ማሕበረሰብ ፣ዝተምሃረን ይፈልጥ ‘ዩ ዝበሃልን ብኢኮኖሚ ምድኻምን ካብ ማሕበረሰብ ክግለል ብምግባርን ፤ባንዳ ፣ተለኣኣኺ እናበሉ ካፍቲ ማሕበረሰብ ብፍሉይ መገዲ ክግለል ምግባርን ስራሕ ከይረክብ እንተረኺቡ ‘ውን ብዝተፈላለየ ተንኮላት ስርሑ ክስእን ምግባርን ካብዚ ሓሊፎም ድማ ምእሳር፣ ምዕፋንን ምቕታል ‘ዩ።ስለዝኾነ ድማ ዝቃለስን ነዚ ናታቶም ፖለቲካ ልክዕ ኣይኮነን ዝብል እንተሃልዩ እቶም ዝፀራሕኽዎም ኣብ ልዕሊኡ ይፍፀሙ። ብኻልእ ወገን ድማ እቶም ዝተምሃሩ ፖለቲካ ዝፈልዩ ነባራት ተጋደልቲ ካብ ሃገር ክወፁን ክስደዱን ብምግባርን ‘ዩ ነይሩ፤ብሓፈሻ እቲ ኲናት ብኸምዚ ኣይነት ሱር መሰረት ሒዙ ዝመፀ ‘ዩ፤ ሐዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ከይውደብ ከምቲ ቕድሚ ሐዚ ንፈልጦ ሓደ ንሓሙሽተ ሐዚ‘ውን ብተመሳሳሊ ሓደ ንሰለስተ ብዝብል ኔትወርክ ‘ዮም ኣሲሮሞ ዘለዉ። ስለዝኾነ እዚ እንታይ ማለት‘ ዩ እተይልና ነገራት ንምዕፋን ክጥዕሞም ዝገበርዎን ኣፍቲ ማሕበረሰብ እዚ ኲናት ልክዕ ኣይኮነን ከጥፈአና ‘ዩ፤ኣይጠቕመናን ደቅና ንስእን ኣለና፣ንብረትናን ሃፍትናን ንስእን ኣለና ዝብሉን ዝሓቱን እናአሰርዎምን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሃለዋቶም ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ይወስድዎም። ኻሊእ ድማ ጉጅለ ኣዶ ሰላሳ ዝበሃላ ኔትወርካት ኣለዋ፤ ኣብ ሓደ ጉጅለ ዝተጠርነፋ ‘የን፤ በዘን ውዳበታት ኣቢሎም እቲ ማሕበረሰብ ዝገብሮ ኹሉ ምንቅስቓስ ዝዛረቦ ከይተረፈ ይስልልዎ።ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክገብር ኣለዎ እንተይልና፤እቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣፈ ሙዝ እዚ ኹሉ መከራ ናብ ዘብፀሐሉ ዘሎ ጉጅለ ህወሓት ኣዚሩ ክትኩስ ‘ዩ ዘለዎ። ምእንተ ውሱና ሰባት ተባሂሉ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክጠፍእ ኣይግበኦን።ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ንኽውደብ መፈናተቲ የብሉን ። ህወሓት ድማ ራዕዳዊ ‘ዩ ሓላፍነት የብሉን፤ሓላፍነት ስለዘይስምዖ ከባቢ ሓደ ሚሊየን መንእሰይ ዘህለቐ፤ ንኽውደብ ዝተመቻቸወ ባይታ እንተዘይተፈጢሩሉ ኣፈ ሙዝ ጠውዩ ክወቅዕ እንተዘይኽኢሉ መንግስቲ ፌደራል ዝኾነ ኣማራፂ ክወስድ ይግባእ። ወጋሕታ፡-እዚ ጎስጓስ ናብ ኲናት እንተምሪሑ ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ፅልዋ ከመይ ትገልፆ? መንእሰይ ቴድሮስ፡- ህወሓት ዝዳለወሉ ዘሎ ኲናት ኽልተ ዓይነት‘ዩ።እቲ ሓደ ናይ ውክልና ኲናት እንትኸውን እቲ ኻልኣይ ድማ ቀጥታዊ ኲናት ‘ዩ። እዚ ብተደጋጋሚ ክንሪኦ ኸለና ህወሓት ምስ ባህሪኡ ዝተወሃሃደን፤ ህዝቢ ዘደናግረሉን ብፕሮፖጋንዳን ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ብምሕባርን ምስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ሲቪክ ማሕበራትን ኣቢሉ እሱ ፃድቕ ከምዝኾነ ገይሩ ዝገልፀሉ እንትኸውን ፤እቲ ኻሊእ ድማ ብተፃራሪ ናይ ሰላም ፃውዒት ዝመስል ብሚዲይኦም ኣቢሎም ሓፈሻዊ ምኽክር ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ እናበሉ ንሰምዖም ።እቶም ቕድሚ ሐዚ ኢትዮጵያ ሃገርና ኣይኮነትን እናበሉ ዝነበሩ ሐዚ ተመሊሶም ሃገራዊ ምኽክር ናብ ዝብል ሓሳብ እናተመለሱ ‘ዮም። እቲ ኻልኣይ ቀጥታዊ ኲናት ብተደጋጋሚ እናተገበረ ዝረአናዮ ‘ዩ፤እዚ ማለት ካብ 24 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝነበረ ኲናት ‘ዩ፤ህወሓት ኹሉ ግዘ ናይ ኲናት ሓይሉ ኽልተ ‘ዩ፤እቲ ናይ መጀመሪያ ናይ ፕሮፖጋንዳ ጦርነት እንትኸውን ህወሓት ብፕሮፖጋንዳ ከም ዝስዕር ፍሉጥ‘ዩ፤እዚ ማለት ንማሕበረሰብ ዓለም ዘደናግር ፣ንወገኑ ዘይርህርህ ፣ከምዝድምስስ ፣ከምዝማርኽ፣ደላይ ሰላም ምዃኑ ፣ማሕበረሰብ ዓለም ከምዝተቐበሎ ፣ትግራዋይ ብዓለም ጅግና ተባሂሉ እናበሉ ብፕሮፖጋንዳ ‘ዮም ዝዋግኡ። እቲ ኻሊእ ድማ ኻልኦት ንምፍርራሕ ዝጥቀመሉ ማለት ‘ውን ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ እንትኸውን ፅልእና ምስ ናይ ኣምሓራ ኢሊት ‘ምበር ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ኣይኮነን እናበለ ብተመሳሳሊ ምስ ህዝቢ ዓፋር ‘ውን ፅልኢ ከምዘይብሉ እኳድኣስ ምስ በዓል ኣወል ኣርባ ከምዝኾነ ተመሳሳሊ ነፍሒ እናነፍሐን እናደናገረን ብተግባር ግና ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝዓነዉ ቤት ትምህርታትን ትካላት ጥዕናን ኢንዱስትሪታትን ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብርክት ዝበሉ ትካላት ከም ዝዓነዉ ርኢና ኢና፤ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ዓፋር 130 ዝፅግዑ ትካላት ዓንዮም ‘ዮም ስለዝኾነ እቲ ኲናት ናይ ውክልና ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ህዝቢ ንብረት ምዕናው ፤ህዝቢ ሓውና ‘ዩ እናበልካ ኾይኑ ግና እቲ ህዝቢ ዝጥቀመሎም መሰረታዊ ነገራት ሕክምና፣ቤት ትምህርታት፣ንብረታት እናዘረፍኻን ብፍላይ ህዝቢ ዓፋር ኣብ መዋሰኒ ትግራይ ዘሎ ብተግባር ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ። ወጋሕታ፡- ጉጅለ ህወሓት ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዘስዐቦ ጉድኣ ከመይ ትገልፆ? መንእሰይ ቴድሮስ፡- ከም ሃገር ቑጠባዊ ፣ፋይናሻሊ ከምዘኡ ‘ውን ማሕበረሰብ ዓለም ምሳና ከይውግን ፅዕንቶ ዘለዎ እንትኾን ከም ትግራይ ግና ብኣውራ ወላዲ ብዘይ ውላድ ዘትርፍ ኹነታት ‘ዩ ፤እዚ ማለት ኣልቦ ወለዶ ምዃን ማለት ‘ዩ።ህፃውንቲ ቖልዑ ድማ ወለዶም ብኲናት እናስኣኑ ‘ዮም ፤ምኽንያቱ ክሳዕ 50 ዓመት ናብ ኲናት ስለ ዘእትውዎም ብዘይ ወላዲ ንኽተርፉ ይግደዱ።ብምዃኑ ድማ እቲ ኲናት ሃገር ዘጥፍእ‘ዩ። ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ዝነበራ ናይ እቶት ትካላት ከም በዓል ኢፈርት ኹለን ዓኒወን ‘የን፤እተን ዓበይቲ ኢንዳስትሪታት በዓል መሰቦን ጨርቃጨርቂ ኢንዳስትሪታት ‘ውን ጠጠው ኢለን ‘የን፤መንግስቲ ሰራሕተኛታት ናብ ኲናት ክኣትዉ ተገዲዶም‘ዮም ካብ ስርሖም ተሰጒጎም ‘ዮም፤ፖሊሳትን ጋዜጠኛታን ንህዝቢ ስለ ዝወገኑ ጥራሕ ምስ ፀላኢ ወጊንኹም ተባሂሎም ኣብ ፀበባ ‘ዮም ዝርከቡ።ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ መቐለ ዘለዋ ዓበይቲ መኻዚኖታት ቤት ማእሰርቲ ኾይነን ፤ኻሊእ ይትረፍ ቕድሚ ሐዚ ዝቖሰሉ ከይተረፉ እናእተውዎም ‘ዮም ዘለዉ። ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ከምቲ ዝብልዎ ዕፅዋን ኸበባን ፈንፂሕኻ ንምውፃእ ብዝብል ብኽልተ ወገን ከምዝጅምሩን ብምዕራብ ትግራይን ብኤርትራን ምድላዋቶም ከምዝወገኑን ነዚ ድማ ኣዝዮም ብዙሓት መናእሰይ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅሮም ብምግባር ናብ ዘይኣመኑሉ ኲናት ንኽስለፉ ብምግባር ‘ዩ።ብምዃኑ ድማ እቲ ኲናት ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ኸቢድ መከራ ሒዝሉ ዝመፅእ ብምዃኑ መንግስቲ፤ ህዝቢ ካብዚ ንኽድሕን ብማሕበራዊ ሚዲያታት ኣቢሉ ክሰርሕ ይግበኦ።

ወጋሕታ፡-ጉጅለ ህወሓት ኣገዲዱ ምዕጣቅን ከምኡ’ውን ወለዲ ውላድኹም ኣምፅኡ እናበለ ይኣስር ኣሎ፤ ኣብዚ ዘለካ ርኢቶ እንታይ’ዩ?

መንእሰይ ቴድሮስ፡-ህወሓት መብዛሕትኡ እዋን ኲናት እንትገብር ህዝቢ መሰረት ገይሩ ‘ዩ፤እዚ ማለት ብድሕሪት ህዝቢ እናተሓብአ ‘ዩ ዝዋጋእ፤ ስለዝኾነ እቲ ኲናት ህዝባዊ ዝገብሮ እንተኾይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ወገን ስለዝኾነ ፤ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ተጋሩ ሲቪክ ማሕበራት፣ ሙሁራት፣ፖለቲከኛታት ኣለዉ ነዚኣቶም ብምድርጃው ሓደ ማሕበር ክፈጥር ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት ናፃ ውፃእ ክንብሎ እንተኾይንና ወፂኡ ናበይ ከምዝኸይድ ክንምልስ ኣለና።ስለዝኾነ ካብ ናይ ሓሳብ ባርነት ናፃ ዝወፁ ዝቃወሙ ስርዓት ህወሓት ህዝቢ ዘጥፍእ ስለዝኾነ ፤ካብዚ ንኽገላገሉን ንኽውደቡን ክፈቕድ ኣለዎ፤ንኣብነት ከባቢ 200 ጊዚያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ ኣብዚ ኣለዉ፤ፓርትታት ኣለዉ ከም በዓል ራእይ፣ትዲፓ ፣ትግራይ ብልፅግናን ዝተፈላለዩ ሲቪክ ማሕበራትን ኣለዉ ‘ዮም፤ምሁራት፣ኣክቲቪስታት፣ጋዜጠኛታት ነዚኣቶም ማእኸል ገይሩ መንግስቲ ንሓንቲ መዓልቲ ‘ውን ኣዛትይዎም ኣይፈልጥን። ብምዃኑ ድማ ነዚኣቶም ብምውዳብ ነቲ ህዝቢ ብዝርድኦ ቋንቋ ብማሕበራዊ ድህረ ገፅ ብምስርጫው ነቲ ኣብዚ ዘሎ ትግራዋይን ኣብ ትግራይ ንዘሎ ትግራዋይን ሓራ ንኽወፅእ ክስራሕ ኣለዎ። እዚ ድማ በቶም ደቂ ህዝቢ ዝኾኑን ዕላማ ዘለዎምን ‘ምበር ንኽጠፍእ ብዝደልዩ ውልቀ ሰባት ኣይኮነን ዝሰምር፤ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ንኹሉ ህዝቢ ሓቍፉ ነቶም ዘፀግሙ ብምፍላይ ህዝባውነቱ ከርእይ ይግበኦ።መንግስቲ ኣብዚ ዘሎ ኹሉ ንኽውደብን ህዝቢ ከምዝፎቱ ብተግባር ከርእይ ይግበኦ። ወጋሕታ፡- ህወሓት ብዘይ ኲናት ክነብር ኣይኽእልን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ። ኣብዚ ናትካ ሪኢቶ እንታይ ‘ዩ? መንእሰይ ቴድሮስ፡- ኣነ ‘ውን ተመሳሳሊ ሪኢቶ ‘ዩ ዘለኒ፤ኣሽንኳይዶ ሐዚ ናይ ኲናት ሃዋህው ኣብ ዘለሉ

ወጋሕታ፡- ህወሓት ብዘይ ኲናት ክነብር ኣይኽእልን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ። ኣብዚ ናትካ ሪኢቶ እንታይ ‘ዩ?

መንእሰይ ቴድሮስ፡- ኣነ ‘ውን ተመሳሳሊ ሪኢቶ ‘ዩ ዘለኒ፤ኣሽንኳይዶ ሐዚ ናይ ኲናት ሃዋህው ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ዘየለሉ ኣነ መቐለ እናሃለኹ ለይቲ ሸውዓተ ሰዓት ሰብ ኣብ ዝደቀሰሉ ብኣምቡላንስ ድምፂ ህዝቢ እናረበሹ ይሓድሩ ምስ ወግሐ ባዕሎም ብዝፈጥርዎ ድርሰት ብካድረታቶም ገይሮም ኤርትራውያን ራዕዳውያን ሰላምና ክዘርጉ እናሓዝናዮም ሓዲርና ፤ብተመሳሳሊ ብብልፅግና ዝተልኣኹ ሒዝና እናበሉ ፤ቕድሚ ሰለስተ ዓመት ድማ ግንቦት ሸውዓተ ደምህት ገለመለ እናበሉ ነፍሒ ብምንዛሕ ንፈልጦም ኢና። ከምቲ ንህዝብና ብዝተፈላለየ ርእሲ ዝገልፅ ዓይነታት ፕሮፖጋንዳ ‹‹ዕፅዋን ክባን እናበሉ›› ኹሉ ከጥፍአኩም ከምዝተዳለወ የርዕድዎ።ስለዝኾነ እቲ ህዝቢ ኣይፍረዶን መንግስቲ ፌደራል ‘ውን ብዝተፈላለየ መገዲ ገይሩ ህዝበይ ኢኻ ኢሉ ክቐርቦ ኣይከኣለን፤ንኣብነት ትግራይ ብልፅግና ህዝቢ ንምድሓን ዋላ ሓንቲ ኣይሰርሐን ፤ስለዝኾነ መንግስቲ ኣካል መሓዉሩ ዝኾኑ ህዝቢ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይን ከንቅሕ ዝኽእል ሓይሊ የለን፤ኣብ ትግራይ ብህወሓት ይብተን ኣብዚ ድማ ምስ ትግራይ ብልፅግና ሽፋን ምስ ዘይብሎም ኣካላት እናተበተነ ‘ዩ ዘሎ፤ ስለዚ ህዝቢ ክድሕን እንተኾይኑ ክውደብን ክሓብርን ግድን ‘የ፤ዝእክቦ ሓይሊ፣ብኢኮኖሚ፣ብፋይናስን ብፖለቲካን ዝጠንከረ ሓይሊ፣ የድልዮ ‘ዩ፤ ህወሓት ድማ ብዘይ ኲናት ክነብር ኣይኽእልን ስለዝኾነ መንግስቲ ፌደራል ብፖለቲካ ምስኡ ዝሰርሕ መሓዉር ከምዘሎ ከርእዮ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ፈቒዱ እናእተወ ‘ዩ፤ ናብ ህዝቢ ግና እናበፅሐ ኣይኮነን ዝብል ይልዓል ‘ዩ፤ ርኢቶኻ እንታይ ‘ዩ?

መንእሰይ ቴድሮስ፡- ኣነ ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ይሰረሕ ስለዝነበርኩ ብዝተወሰነ መልክዑ ይፈልጦ ‘የ፤ጊዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ እናሃለወ ንሸሞንተ ወርሒ ዝኸውን ሓገዝ ኽልተ ሰለስተ ሻዕ ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ገይሩ ‘ዩ፤ኣፍቲ ሽዑ እዋን ብናይ ደገ ሚዲያታትን ብውሽጣዊ ፕሮፖጋንዳን ህዝቢ ትግራይ እናጠመየን ዝበልዖ ከም ዝስኣነን ረድኤት ከምዘይበፅሖን ይዝረብ፤ናታቶም ሚዲያታት ህዝቢ እንትርዳእ ኣይቐርፁን እኳድኣስ ብተፃራሪ ‘ዮም ዝፅብፅቡ ነይሮም። ሰራዊት መከላኸሊ ድሕሪ ምውፅኡ መንግስቲ ፌደራል ዝልእኾ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነስ ንዕጡቓት ህወሓት ‘ዩ ዝውዕልን። ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ክቐርይ የብሉን እትብሎ ወይ ድማ እተመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩካ? መንእሰይ ቴድሮስ፡- ህዝቢ ትግራይ ብዝምልከት ሓደ ወፍሪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ተጀሚሩ ‘ዩ፤‹‹ህወሓት ብምጥፋእ ህዝቢ ትግራይ ምድሓን ወይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ጠፊኡ ህወሓት ምድሓን›› ብዝብል ኣይዶሎጂ ኣሎ፤ብዙሓት ካድረታት ህወሓት ክጠፍእ የብሉን ዝብል ሓሳብ ኣለዎም፤እቲ ኻሊእ ሓሳብ ድማ ህወሓት ውዳበ ‘ዩ ከም ውዳበ ክጠፍእ ኣለዎ፤ህዝቢ ትግራይ ግና ክነብር ኣለዎ፤ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንኽነብር ኹሉ ትግራዋይ ክነብር ‘ዩ ዘለዎ፤እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ብዋናነት ካብ ትግራይ ወፃኢ ንዘሎ ትግራዋይ መንግስቲ ክውድቦ ይግባእ፤ተዘይተወዲቡ ሎሚ ይኹን ፅባሕ እቲ ፀገም ክቕፅል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት የቐንየለይ።

መንእሰይ ቴድሮስ፡-ኣነ’ውን ።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 2 ሰነ 2014 ዓ.ም

Recommended For You