‹‹መራሕቲ ህወሓት ሕዚ ከም ብሓዱሽ ኩናት ዝጅምሩ እንተኾይኖም ናይ መወዳእታ መጥፊኢኦም ’ዩ›› ኣይተ ብርሃነ ተስፋይ

 

 ኣይተ ብርሃነ ተስፋይ ይባሃሉ። ዝተወለዱ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከባቢ ኢሮብ ’ዩ፣ ብምኽንያት ስርዓት ህወሓት ብ1996 ዓ.ም ትምህርቶም ገዲፎም ንዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) ኣትዮም። ኣብ ዴምህት ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን ኣብ 2000 ዓ.ም ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ብምውዓል ንዓሰርተ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ቤት ህንፀት ኣሕሊፎሞ ’ዮም። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ መቐለ እንትኣቱ ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም። ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ እንትመፅእ ኩሎም ኣባላት ዴምህት ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ዲሞክራያዊ ለውጢ ብዝብል ናብ ዓዶም ከምዝኣተው ይገልፁ። ኮይኑ ግና ኣብ ትግራይ እቲ ኩነታት ፅቡቕ ከምዘይነበረ ’ዮም ዝገልፁ። መራሕቲ ህወሓት እቲ ለውጢ ብዘይምቕባሎም ምስ ፌደራል መንግስቲ ርክቦም እናሓርፈፈ ምስ ከደ ንሰራዊት ዴምህት ናይ ምብታን፣ ምእሳር፣ ብገንዘብ ምትላል ከምኡ ‘ውን ናብ በዓሎም ዝኣቱ ክኣቱ ብምግባር ሓይሊ ዴምህት ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ክበታትንዎ ክኢሎም ’ዮም። ኣብ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ምስ በፅሐ ሰራዊት ምክልኻል ምኽባር ሕጊ ምስ ጀመረ ኣብ ቤት ህንፀት ዝነበበሩ ’ውን ሓራ ወፂኦም ሰራዊት ዴምህት ድማ ካብ ዘለዎ ተፀዊዑ ፀጥታ ምኽባር ትግራይ ሓገዝ ክህቡ ኣለዎም ተባሂሉ ሓፂር ስልጠና ተዋሂብዎም ፤ ግና ናብ ተግባር ክኣትዉ ከምዘይከኣሉ ‘ዮም ዝገልፁ። ነቲ ስልጠና ብልዕልነት ዝመርሑዎ ዝነበሩ ብቀጥታ ምስ ህወሓት ርክብ ስለዝነበሮም እቲ ሓይሊ ዴምህት ናብ ስራሕ ንከይኣቱ ገይሮም ኮፍ ኣቢሎምዎ ’ዮም። ኣብ መወዳእታ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ለቒቑ ምስወፅአ ኣባላት ዴምህት ድማ ንኣደዳ ቕትለትን ማእሰርትን ኮይኖም ይብሉ። ምስ ኣይተ ብርሃነ ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂብና ዝገበርናዮ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፤ ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ህወሓት ካብ ድሌት መንግስትን ህዝቢ ትግራይን ወፃኢ ኩናት ንምጅማር ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ጉድኣት ከየስዕብ ህዝቢ ትግራይ ፅዕንቶ ከሕድረሉ ይግባእ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ። ንሶም ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ እዩ?

ኣይተ ብርሃነ፡- መጀመርታ ህወሓት ኩናት ዝመርፀሉ ዘሎ ምኽንያት ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ንዘይ ምምላስ ’ዩ። ቕድሚ ሕዚ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ገበን ንኸይሕተት ’ዩ። ዝፈፀሞ ገበን ብዝግባእ ስለ ዝፈልጥ ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ’ዩ። ህወሓት ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ኣለዎ። ነዚ ፈሊጡ ’ዩ ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ጎንፂ ዝፈጥር ዘሎ። ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ብምትላል ናብ ሓዊ ‘ዩ ዝዳጉኖ ዘሎ። ዝተፈላለየ ሕቶ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ካብ ህዝቢ ትግራይ ንዘይምምላስ ክብል ንህዝቢ ትግራይ ምስ ኩሉ ገረባብቲ ክልላት ክበኣስ ገይርዎ ’ዩ።

ብሓፈሻ ከንሪኦ እንተለና ግና ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ እንተዘይ ሓጊዝዎ ንኽቓወም ይኸብድ ’ዩ። ምኽንያቱ ኣይሽንኳይዶ ተቓዊሙን ሓቲቱን ግዝያዊ ምምሕዳር ነይርኩም ኢኹም ብምባል ይቕተሉን ይእሰሩን ኣለዉ ‘ዮም። ከይስደድ ‘ውን ይኽልክሎ ኣሎ ’ዩ። ስለዚ ግበር ዝተባህሎ ’ዩ ዝገብር ዘሎ። ማሕበረሰብ ዓለም ግና ድሌት እንተሃልዎ ፅልወ ከሕድረሉ ይኽእል ’ዩ። ኮይኑ ግና ብፍላይ ምዕራባውያን ካብ ምሕጋዝ ሓሊፎም ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕሊኡ ፅዕንቶ ከሕድሩ ኣይረአዩን ዘለዉ። እኳደኣስ ንመንግስቲ ክወቕሱን ክኸሱን ’ዮም ዝረአዩ ዘለዉ። ኣብዚ መንግስቲ ቐልጢፉ ክበፅሐሉ ኣለዎ። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ተጨቚኑ ’ዩ ዘሎ። ንኽቓወም ወይ ፅዕንቶ ከሕድር ዓቕሚ የብሉን። ብኹሉ ነገር ቖሪኑ ሒዝዎ ’ዩ።

 ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ህወሓት ክቓወምን ክቓለስን ድሌት ኣለዎ ’ዩ። ኮይኑ ግና ኩነታት ኣይተመቻቸወሉን። ይጭቖን፣ ይእሰር፣ ይቕተል ’ዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ጉጅለ ህወሓት ኮይንካ ምቕዋም ከቢድ ’ዩ። እንድሕር ተቓዊሙ ዝፅበዮ ነገር ይፈልጥ ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኮይንካ ምቕዋም ማለት ንሞት ተቓሊዕኻ ኣለኻ ማለት ’ዩ። ህወሓት ዝምሕር ኣይኮነን።

ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኣፀጋሚ ኩነታት እዚ ሓራ ክወፅእ እንተኾይኑ ሓጋዚ የድልዮ ’ዩ። ሓጋዚ እንተረኺቡ ስዒሩ ክወፅእ ይኽእል ’ዩ። ብኸምዚ እንተዘይኮይኑ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኮይኑ ሰላም፣ ልምዓትን ለውጥን ዝበሃል ነገር ክረክብ ኣይኽእልን። ህዝቢ ትግራይ ተዓጊቱ ’ዩ ዝኒሀ ’ምበር ይመሓደር ኣይኮነን ዘሎ። ዝተዓገተ ህዝቢ ድማ ምዕማፅ ይቕረ ብሰላማዊ መገዲ ‘ውን ሓሳቡ ክገልፅ ኣይኽእልን ’ዩ። ስለዚ መንግስቲ በዓሉ ሓራ ከውፀኦ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡-ጉጅለ ህወሓት መንገዲ ሰላም ብምዕፃው ንዳግም ወረራ እናተዳለወ ’ዩ ዘሎ። ይኹን ’ምበር እዚ ከምዚ እንተኾይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ከምዝወስድ ገሊፁ ’ዩ። ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ተዝገልፁልና፤

ኣይተ ብርሃነ፡- እዚ ጉጅለ እዚ ሰላም ዝደሊ ሓይሊ ኣይኮነን። ቕድሚ ሕዚ እቲ ፀገም ብሰላም ክፍታሕ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ዝደኸመሉ ’ዩ። እዚ ጉጅለ እዚ መገዲ ሰላም ብምዕፃው ንህዝቢ ትግራይ ናብ ኩናት እናእተወ ዘውድእ ዘሎ። ሰላም ንዘይደሊ ሓይሊ ድማ ትዕግስቲ ዘይኮነ ዘድሊ ክሳብ መወዳእታ ተቓሊስካ ምጥፋእ ’ዩ ዘድሊ። ስለዚ መንግስቲ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ክወስድ ’የ ምባሉ ዝድገፍ ሓሳብ ’ዩ። ክኸውን ዘለዎ ‘ውን ከምዚ ’ዩ። መንግስቲ ብኸምዚ ንህዝቢ ትግራይ ናፃ እንተዘይኣውፂእዎ ንሃገር ይኹን ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ከቢድ ’ዩ። ሰላምን ልምዓትን ይቕረ ደቑ ’ዩ ብተደጋጋሚ ዝግብር ዘሎ፤ ስለዚ ናይ መንግስቲ ቕዋም ዝድገፍ ሓሳብ ’ዩ ዝብል እምነት ’ዩ ዘለኒ።

ብሓፂሩ ግና መራሕቲ ህወሓት ሕዚ ከም ብሓዱሽ ኩናት ዝጅምሩ እንተኾይኖም ናይ መወዳእታ መጥፊኢኦም ’ዩ። መንእሰይ ትግራይ ‘ውን ሕዚ ንኹናት እሺ ኢሉ ዝዋገአሎም ኣይመስለንን። ውፅኢት ዘይብሉ ምዃኑ ይሪኦ ኣሎ ’ዩ። ህወሓት ንናይ በዓሉ ስልጣን

 ክብል የታልሎ ምህላዉ ይርደኦ ኣሎ ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኩናት እዚ ዝረኽቦ ነገር ከምዘይብሉ እናተረደኦ ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ክጠፍአሉ ’ዩ ዝደሊ። መዓዘ ኢና ካብ ህወሓት ንወፅእ ብምባል ብተስፋ ’ዩ ዝፅበ ዘሎ፤ ንሕና ብቕርበት ንፈልጦ ኢና ህዝቢ ትግራይ እንታይ ከምዝደሊ።

ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ሓይሊ ኣይኮነን፤ ካሊእ ይቕረ ካብ ደገ ዝኣተወ ረድኤት እኽሊ ንበዓሉ ’ዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ። ዝተወሰነ ንህዝቢ እንተከፋፊሉ ‘ውን መሊሱ ’ዩ ንቐለብ ወታደር እናበለ ዝወስዶ። ረድኤት ምልኣኽ ትርጉም የብሉን፤ ህወሓት ’ዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ፤ ናብ ሕብረተሰብ ኣይበፅሕን ዘሎ። ዘማሕድር ዘይብሉ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ምልኣኽ ማለት ንጁንታ ምልኣኽ ማለት ’ዩ። ምኽንያቱ ዝጥቐመሉ ዘሎ በዓሉ እቲ ጁንታ ’ዩ። ከምዚ ምዃኑ ተፋናቒሎም ዝመፁ ተጋሩ ይዛረቡ ኣለዉ ’ዮም። ሕዚ መንግስቲ ክገብሮ ዘለዎ ንህወሓት ብምጥፋእ ህዝቢ ትግራይ ናፃ ምውፃእ ’ዩ።

ወጋሕታ፡- መራሕቲ ህወሓት ንህዝቢ ኣኪቦም ንናይ መወዳእታ ምዕራፍ ተዳሊና ኣለና እናበሉ ነይሮም ’ዮም። እዚ ከመይ ይሪኢዎ?

ኣይተ ብርሃነ፡- እወ ንሰምዕ ኣለና ኢና፤ ተዘጋጂና ኢና፤ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ በፂሕና ኢና፤ ስጉምቲ ከንወስድ ኢና ይብሉ ኣለዉ። ቕድሚ ሕዚ ኩናት ገጢሞም መዓዘ ተዓዊቶም። ሕዚ ዝተፈለየ ምድላው ክህልዎም ኣይኽእልን ’ዩ። ሕዚ ካብ ናይ ቕድሚ ሕዚ ዝተፈለየ ኩናት ክጅምሩ ኣይኽእሉን ’ዮም። ኩናት ስለ ዘይተወደአ ’ዩ ’ምበር ካብ ዝጅምር እኮ ፀኒሑ ኣሎ። ሕዚ ዝተፈለየ ተኣምር ክፍጠር ኣይኽእልን እኳደኣስ ሕዚ ከም በሓዱሽ እንተጀሚሮም ናይ መወዳእታ መጥፍኢኦም ‘ዩ ዝኸውን።

ኮይኑ ግና ሃገር ትጉዳእ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ክፀንት ይኽእል ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብኩናት ጥራሕ ኣይኮነን ዝመውት ዘሎ፤ ብሕማምን ጥሜትን ‘ውን በቢመዓልቱ ይመውት ኣሎ ’ዩ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ብዘይ ኩናት ክነብር ኣይኽእል ዝብሉ ሓደ ሓደ ኣካላት ኣለዉ፤ እስቲ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ይግለፁልና።

ኣይተ ብርሃነ፡- እዚ ግልፂ ’ዩ፤ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ህወሓት ካብ ህዝቢ ሕቶ ከይለዓሎ ሕመቑ ብኹናት ሸፊኑ ክነብር ’ዩ ዝደሊ። ክነብር ዝኽእል ኩናት እንተሃልዩ ’ዩ ’ምበር ሰላም እንተኾይኑ ካብ ህዝቢ ዝመፆ ሕቶ ብዙሕ ’ዩ፤ ክምልሶ ኣይኽእልን፤ ምኽንያቱ ብዙሕ ገበናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀመ ውድብ ’ዩ። ነዚ ‘ዩ ደጋጊሙ ኩናት ዝሰብኽ ዘሎ። ህወሓት ንህዝቢ ዝጠቕም ተዝኸውን ነይሩ ቕድሚ ሕዚ ምጠቐሞ ነይሩ። ሕዚ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ቑልውላው ’ዩ ዘእትዎ ዘሎ ’ምበር ትርጉም የብሉን። ስለዚ መራሕቲ ህወሓት ንበዓሎምን ቤተሰቦምን ኣብ ውሑስ ቦታ ኮይኖም ‘ዮም ህዝቢ ዘወድኡ ዘለዉ።

ህወሓት ምስ ኩሉ ብምንኻእ ኩናት ምፅሕታር ’ዩ ስርሑ። ብሃይማኖት፣ ብብሄር ወዘተ እናበለ ’ዩ ሃገር ዝሕምስ ዘሎ። ምኽንያቱ ሰላም ዝደሊ ሓይሊ ኣይኮነን። ሰላም ዘይደልየሉ ምኽንያት ድማ ከምቲ ቕድም ኢለ ዝገለፅክዎ ገበኑ ንምሽፋን ’ዩ።

ወጋሕታ፡- እዚ ጎስጓስ ኩናት እዚ ዳግማይ ናብ ኩናት እንተምሪሑ ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ፅልዋ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ብርሃነ፡- ሳዕቤን ኩናት ኩሉ ይፈልጦ ’ዩ። ሞት፣ ስደትን ምፍንቓልን ዝመሳሰሉ ፀገማት ዝስዕብ ’ዩ። ጎስጓስ ኩናት ህወሓት ዳግማይ ከም በሓዱሽ ናብ ኩናት እንተምሪሑ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ጉድኣት ፍሉጥ ’ዩ። ብኢኮኖሚ፤ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማያዊን ማሕበራዊን ዝተሓሰየት ’ያ ትኸውን። ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ዝኸበደ ’ዩ ዝኸውን። በርግፅ ሕዚ ‘ውን ኣብ ከቢድ ኩነታት ’ዩ ዘሎ። ከም እንደጋና ሓዱሽ ኩናት እንተተወሲኽዎ ድማ ብቐሊሉ ክወፆ ናብ ዘይኽእል ከቢድ ዓዘቕቲ ’ዩ ዝኣቱ። ህወሓት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምግጫው ዝነብር ሓይሊ ምስ ምዃኑ ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኣፃሊእዎ ’ዩ። ከምኡ ‘ውን ምስ ህዝቢታት ኢትዮጵያ። ካብዚ ሓሊፉ ዋላ ኣብ ትግራይ ውሽጢ ብኸባቢ እናፈላለየ ነንርእሱ ክፃላእ ገይርዎ ’ዩ። ብሃይማኖት እንተይቀረየ ‘ውን ’ዩ ህዝቢ ንህዝቢ ዘጋጭው።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ናይ በዓሉ ፅቡቕ ስነ ምግባርን ክቡር ዝኾነ ባህልን ዘለዎ ምዃኑ ይፍለጥ ’ዩ። ህወሓት ግና ካብ ስነ ምግባር ህዝቢ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈለየ ባህሪ ‘ዩ ዘለዎ። እዚ ካብ ምንታይ ዝመፀ ባህሪ ‘ዩ ይብሉ?

ኣይተ ብርሃነ፡- እወ ዝፍለጥ ’ዩ፤ህዝቢ ትግራይ ንዝኾነ ህዝቢ ዘኽብርን ፅቡቕ ስነ ምግባርን ዘለዎ ’ዩ።ኮይኑ ግና ህወሓት ካብዚ ዝተፈለየ ባህሪ ’ዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ እቲ ዕላምኡ ’ዩ። ሕማቕ ዕላማ ስለ ዘለዎ ’ዩ። ዕላምኡ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ስልጣኑን ጥቕሙን ምሕላው ’ዩ። ካብዚ ህዝቢ እዚ ዝወፀ ኣይመስልን። ብተንኮል ተፈጢሩ ብተንኮል ዓብዩ ብተንኮል ዝመውት ዘሎ ሓይሊ ’ዩ። ህወሓት ተንኮለኛ ስለ ዝኾነ ንህዝቢ ትግራይ ብምትላል ይኹን ብሓይሊ ’ዩ ዝመርሖ ዘሎ። ብዙሕ መንእሰይ እናተታለለ ’ዩ ዘሎ። ህዝቢ ዋላ ጨዋ ህዝቢ ይኹን ጥዑይ መራሒ የብሉን። መራሒ ዘይብሉ ህዝቢ ድማ ኣብ ሕማቕ ሓደጋ ከምዝወድቕ ፍሉጥ ’ዩ። ህወሓት ብምኽርን ብሕግን ዝምለስ ኣይኮነን፤ምኽንያቱ ገበነኛ ’ዩ። ገበኑ ንምሸፋን ’ዩ መንገዲ ሰላም ዘይመርፅ ዘሎ። ገበናኛ ሰላም እንተይኮነ ዝደሊ ኩናት እዩ ዝደሊ።

ይኹን ’ምበር መንእሰይ ትግራይ ሕዚ ክልሉ ገዲፉ ናብ ዘዋፀዖ ክልላት እናሃደመ ’ዩ ዘሎ። ኣብ ትግራይ ሕዚ ንመንእሰይ ዝጠቕም ነገር የለን። ስራሕ ዝበሃል ፈፂሙ የለን። ኩለን ትካላት ካብ ስራሕ ወፃኢ ’የን ዘለዋ። እዚ ወለዶ ዘይ ምዑሩይ ኣሰራርሓ ህወሓት እናተረደኦ ’ዩ። ውፅኢት እቲ ኩናት ርኢዎ ’ዩ። ዘዋፀኦ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ገዲፍዎም ይሃድም ’ዩ ዘሎ። ስለዚ ብሓፂሩ ህወሓት ባህሪኡ ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝወፀ ዘይመስል ምኽንያት ዕላምኡ ዝተፈለየ ስለ ዝኾነ ‘ዩ። ካብ ኣበጋገስኡ ጀሚሩ ጌጋ ስለ ዘለዎ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡-ጉጅለ ህወሓት ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዘስዐቦ ጉድኣት ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ብርሃነ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገምን መከራን ብጣዕሚ ከቢድ ’ዩ፤ ዝብላዕ ነገር የለን። መብራህቲ፣ ማይ፣ ሕክምና ብሓፂሩ ኩሎም መንግስታዊ ግልጋሎታት የለዉን። ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ ዘሎ ፀገም ብቓላት ንምግላፁ ብጣዕሚ ከቢድ’ዩ። እቲ ብኩናት ዝመውት ዘሎ ከምዘለዎ ኮይኑ ብዙሕ ሰብ ብሕማምን ጥሜትን ይመውት ኣሎ ’ዩ። ስራሕ ዝበሃል ነገር የለን፤ ብፍላይ መድሓኒት ብዘይ ምህላዉ ብዙሕ ሰብ ብሕማም እናሞተ ’ዩ ዘሎ።

ቤተሰብ ምስ ቤተ ሰብ ክራኸብ ኣይከኣለን። መንግስቲ ካብ ስዑድ ዓረብ ዘምፀኦም ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ’ዮም ዝኒሀቡ፤ ምስ ቤተሰቦም ክራኸቡ ኣይከኣሉን፤ ብዘይ ስራሕ ኣብዚ ኮፍ ኢሎም ’ዮም ዝኒሀቡ። ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ዝነበሩ ‘ውን ቤተሰብ ክሪኡ ምስከዱ ክምለሱ ኣይከኣሉን። ውሉድ ምስ ወላዲ ተፋላልዩ ’ዩ ዘሎ። እዚ ’ዩ ኢልካ ንምግላፁ ዘፀገም መከራን ስቓይን ’ዩ ዝበፅሖ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፤ ብጣዕሚ ተፀጊሙ ’ዩ ዘሎ። ብሓፈሻ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ጉድኣት እዚ ’ዩ ኢልካ ንምግላፁ ብጣዕሚ ዝኸብድ ’ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጉድኣት ምብፅሑ እንታይ ’ዩ ዝርባሕ?

ኣይተ ብርሃነ፡- መጀመርታ ህወሓት፣ ህዝቢ ትግራይ ደቑ ክሞትዎ ’ዩ ዝደሊ፤ ሕድሕድ ስድራ መስዋእቲ ክኸፍል ይደሊ ’ዩ። ንምንታይ እንተይልና ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ወይ ኤርትራ ደቕና ሞይቶም ብምባል ኣብ ጎኒ ህወሓት ክስለፍ ’ዩ። በዚ ኣቢሉ ህወሓት ኩሉ ግዘ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኣፃሊኡ ምእንቲ ስልጣኑ ከናውሕ ’ዩ። ከምኡ ‘ውን ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለፅክዎ ዘይመለሶ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ስለ ዘለዎን ገበነኛ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥን ’ዩ።

መራሕቲ ህወሓት ደቖም ኣብ ወፃኢ ኣቐሚጦም ብህዝቢ ትግራይ ’ዮም ዝፃወቱ ዘለዉ። ኣብ ደገ ዘለዉ ደገፍቲ ህወሓት ‘ውን ዕላማ ህወሓት ’ዮም ዘራምዱ ዘለዉ። ንምንታይ እንተይልና ብጥቕሚ ዝተኣሳሰሩ ስለ ዝኾኑ ‘ዮም። ህዝቢ ትግራይ ምስተሰወአ ንበዓሎምን ደቖምን ኣብ ስልጣን ክነብሩ ’ዮም ዘደልዩ። ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝኾነ ህዝቢ ሰላምን ፍቕርን ’ዩ ዝደሊ። ኮይኑ ግና ህወሓት ነዚ ዝደሊ ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ ክቐሪ የብሉን ዝብልዎ ሓሳብን ንህዝቢ ትግራይ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም።

ኣይተ ብርሃነ፡- ንህዝቢ ትግራይ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ክረክብ እንተኾይኑ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ብምሕታት ክቓለስ አላዎ። በርግፅ ከምቲ ቕድም ኢለ ዝገለፅክዎ ብሓይሊ ’ዩ ተታሒዙ ዘሎ። ዴምህት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ጭቖና ንምውፃእ ኣብ ቃልሲ ’ዩ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ኣብ ጎኒና ክስለፍ ኣለዎ። ምስ ዝጠቕሞ ሓይሊ ክስለፍ ኣለዎ። ህወሓት ዝጠቕሞ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህወሓት ንበዓሉ ረብሓ ዝነበር ’ምበር ንህዝቢ ዝሓስብ ውድብ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ናብ ሰላምን ልምዓትን ክምለስ እንተኾይኑ ህወሓት ክጠፍእ ኣለዎ። መንግስቲ ‘ውን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ተረዲኡ መፍትሒ ከቕምጠሉ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ ጎኒ ኣንፃር ህወሓት ምስ ዝቓለሱ ሓይልታት ብምስላፍ ኣንፃር ጉጅለ ህወሓት ክስለፍ መልእኽተይ ከመሓላልፉ እደሊ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የቕንየልና።

ኣይተ ብርሃነ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ  25 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You