መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2013 ዓ.ም ‹‹ንኢትዮጵያ ንኽደና›› ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ)፡-መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2013 ዓ.ም ‹‹ንኢትዮጵያ ንኽደና›› ዕላዊ ኮይኑ። ኣብዚ ዓመት ብብርኪ ሃገር 6 ቢሊየን ፈልሲ ክትከል ኢዩ ተባሂሉ። ናብ ጎረባብቲ ሃገራት 1 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተዳለዉ እውን ተገሊፁ፡፡ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ‹‹ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተደሚርና ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከምዘዐወትናዮ፤ ኣብዚ ዓመት’ውን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክነዕውቶ ኢና” ኢሎም። ሓምለዋይ ኣሰር ሃገር ብምሕሳብ’ምበረ መረፃ ማእኸል ዝገበረ ስለዘይኮነ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ መናእሰይ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ተምሃሮን ፈተውቲ ሃገሮምን ዜጋታት ኩሎም ኣብቲ ወፍሪ ብንቕሓት ንኽሳትፉ ፀዊዖም።

 ኢትዮጵያ ካብ እዋን ናብ እናተጋደደ ዝመፅአ ምጉሕጓ መሬት ጥራሕ ክሳብ 40 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ከምትስእን ይግለፅ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር እቲ ዘሎ ፀገም ካብ ሱሩ ዝፈትሕ ከምዝኾነ’ውን ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ፡፡

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You