ረብሓን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ፖለቲካዊ ውሳነን ኣሰራርሓን ምኽታል የድሊ

ኣዲስ ኣበባ፡– ፀገም ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ክፍታሕ ረብሓን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ፖለቲካዊ ውሳነን ኣሰራርሓን ምኽታል የድሊ ክብል ፖለቲከኛ ኣይተ ስዩም ዮሃንስ ገሊፁ።

ፖለቲከኛ ኣይተ ስዩም ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮ ፃኒሕት ከምዝገለፆ፤ ፀገም ፖለቲካ ትግራይ ዝፍታሕ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ኢሊት ትግራዋይ ረብሓን ድሕንነትን ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ስትራተጂ እንተተኸቲሉ ጥራሕ ‘ዩ።

ብኸምዚ ዓይነት መንገዲ እንተኸይዱ ‘ዩ እቲ መሪሕነት ይኹን ትግራዋይ ናብ ሓደ መፂኡ ፀገም ፖለቲካ ትግራይ ክፍታሕ ዝኽእል ዝበለ ኣይተ ስዩም፤ እንተዘይኮይኑ እቲ መሪሕነት ኣብ ናይ እንካን ሃባን ውልቐ ረብሓን ስልጣን እንተድሂቡ እቲ ፀገም ክፍታሕ ኣይኽእልን ክብል ኣብሪሁ።

ጠንካራን ንህዝቢ ዝሓስብን መሪሕነት ክህሉ እንተዘይክኢሉ ፖለቲካዊ ፀገም ትግራይ ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። መሪሕነት ክመዓራረ ክኽእል ኣለዎ፤ መሪሕነት ክመዓራረ ዝኽእል ድማ ሓንቲ ነገር እንተገይሩ ‘ዩ፤ ንሳ ድማ ካብ ናይ ውልቐን ጉጅለን ረብሓን ስልጣንን ኣተሓሳስባ ወፂኡ ንህዝቢ ክሓስብ እንተኽኢሉ ‘ዩ ኢሉ።

ብኸምዚ ናብ ሓደ ክመፅእ እንተዘይክኢሉ ህዝቢ ይከፋፈል፤ እቲ ኩነታት ‘ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓመቐ ይኸይድ። ስለዚ ልዕሊ ውልቐ ወይ ጉጅለ ረብሓ ናይ ህዝቢ ረብሓን ድሕንነትን ምቕዳም የድሊ፤ ወይ ንህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ፖለቲካዊ ውሳነን ኣሳራርሓን ምኽታል የድሊ ክብል ገሊፁ።

እዚ እንተዘይኮይኑ ፖለቲካዊ መሪሕነት ክዕሪ ኣይኽእልን፤ ወይ ናብ ሓደ ምምፃእ ኣይከኣልን ዝበለ ፖለቲከኛ ኣይተ ስዩም፤ እቲ መሪሕነት ካብ ሕሉፍ ኩነታት ብምምሃርን ንህዝቢ ኣብ ዝጠቕም ጥራሕ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ይግባእ ኢሉ።

ውድቐት መሪሕነት ንኹሉ ነገር ‘ዩ ዘባላሽዎ፤ መሪሕነት እንተወዲቑ ህዝቢ ክሳብ ምብታን ‘ዩ ዝበፅሕ፤ ከምኡ ‘ውን ንህዝቢ ሒዙ ‘ዩ ዝጠፍእ ዝበለ ፖለቲከኛ ኣይተ ስዩም፤ ኣብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ዝኽሰቱ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሕመቓት መብዛሕትኡ ድሕሪ ሞት ነበር ቐዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ‘ዩ፤ ምኽንያቱ ነበር መሪሕነት ህወሓት እናተዳኸመ ስለዝኸደ ‘ዩ። ምድኻም ነበር መሪሕነት ህወሓት ህዝቢ ናብ ከቢድ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ክወድቕ ገይርዎ ‘ዩ ክብል ኣብሪሁ።

ውድቐት መሪሕነት ብዙሕ ፀገማት ዘስዐበ ምዃኑ ግልፂ ‘ዩ። ካብዚ ፀገም እዚ ንምውፃእ መሪሕነት እንታይ ክገብር ኣለዎ? ወይ ከመይ ክኸውን ኣለዎ? ዝብል ሓሳብ ምልዓል ኣድላይ ‘ዩ ዝበለ ፖለቲከኛ ኣይተ ስዩም፤ እቲ ሊሂቅ ናይ ህዝቢ ጉዳይ የእትወኒ ‘ዩ፤ ህልውናን መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይን የእትወኒ ‘ዩ ኢሉ ብቕንዕና ዝቑርቖርን ዝሰርሕን ክኸውን ኣለዎ ክብል ምዒዱ።

ብተወሳኺ ትግራይ ብሰንኪ ውድቀት ፖለቲካ መሪሕነት ሐዚ ካብ ዘላቶ ዕንኪልል ከትወፅእ ረብሓ ህዝቢ ማእኸል ገይሩ ዝተወደበን ዝነቕሐን ምንቕስቓስ መንእሰይ ‘ውን ኣድላይ ‘ዩ ክብል ገሊፁ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You