መንግስቲ ሕቶ ህዝቢ ምላሽ ንኸረክብ ሎሚ ‘ዉን ከም ትማሊ ብፅንዓት ከምዝሰርሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፦ መንግስቲ ሕቶ ህዝቢ ምላሽን ኸረክብ ሎሚ እዉን ከም ትማሊ ብፅንዓት ክሰርሕ ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ክኸፈል ዘይግብኦ ክባር ዋጋ ብሰንኪ ውሑዳት ሱሱዓት ይኸፍል ከምዘሎ ገሊፁ። ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ መንግስቲ ሎሚ እውን በሪታት ሰላም ከፊቱ ይፅበ ኣሎ ኢሉ።

ሕቶ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ንምምላስ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዝለዓለ ኩነታት ድሉው ‘ዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣመልኪቱ። ታሪኻዊ ኣመፃፅኣን ዕላማን ፋኖ መሰረት ብዘይብሉ ኣገባብ ፅንፈኛ ሓይልታት ብዝወልዕዎ ጎነፅ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ኣምሓራ ኣዝዩ ተሃስዩ ‘ዩ ኢሉ።

ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ሰገናት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ምፍላዪ’ውን ሓቢሩ።ንህዝቢ ካብ ምንቅስቓስ ልምዓት ከምዘተኣጓጎለ ‘ውን ኣረዲኡ። ህዝቢ ኣምሓራ ነቲ ክልል ካብ ጎነፅን ስርዓት ኣልቦነትን ንምውፃእ በቢከባቢኡ ተኣኪቡ ዘተን ልዝብን ምክያዱ ኣዘኻኺሩ።

ሕቶ ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ መድረኸ ዘተ ብሄራዊ ኮሚሽን ብኣጀንዳነት ንክተሓዙ ከምዝገበረ ኣብሪሁ። ናይ መንግስቲ ፌደራል ትካላት ፀጥታን መሓውራት ፀጥታ እቲ ክልልን ሰላም እቲ ክልል ንምርግጋፅ ልዑል ፃዕሪ ከምዝገበሩ ገሊፁ።ይኹን ‘ምበር ህዝቢ ብዝደሊዮ ልክዕ ሙሉእ ንሙሉእ ሰላም ኣይተረጋገፀን ኢሉ።

ስለ ዝኾነ እቲ ህዝቢ ፀገሙ ንመንግስቲ ንምግላፅ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዱ ገሊፁ። መንግስቲ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ሎሚ ‘ዉን ከም ትማሊ ብንቕሓት ክሰርሕ ‘ዩ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ።

መንግስቲ ሰላም ህዝቢ፣ ሕቶ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ምላሽ ንምሃብ ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ድልዊ ‘ዩ:: መንግስታዊ ግቡኡ ‘ውን ‘ዩ :: ሕቶ ክልል ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ንምምላስ ምስ ህዝቢ እቲ ክልል ምምሓዳር ን ኣካላት ፀጥታን ብምውዳድ መንግስቲ ልዑል ፃዕሪ ክገብር ‘ዩ ::ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ብምባል ሰላሙ ክሕሉ ዘርኣዮ ቖራፅነት ብምንኣድ ::

ኣፋፈት ሰላም ሎሚ ‘ውን ክፉት ገይሩ እናሓለወ ንሕቶ ሰላምን ልምዓትን ምላሽ ንምሃብ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ድልዊ ምኸኑ መንግስቲ የረጋግፅ ኢሉ:: ንኣማራፅታት ሰላም ዘይቐበሉ ኣካላት ምስ ሓይልታት ፀጥታ እቲ ክልልን ፌደሬኢን ብምዃን ስርዓት ንክሕዙ ሰላም ህዝቢ ንኸረጋገፅ ክሰርሕ ‘ዩ::

ህዝቢ ብቐልዑ ዘቐረቦም ሕቶታት ምስ ህዝቢ ብምዃን ምላሽ ንምሃብ ዘይተቖጠበ ፃዕሪ ክገብር ‘ዩ::ህዝቢ ብዝሰልጠነ ኣገባብ ሓሳቡ ብምግላፁ መንግስቲ ምስጋና ከምዘቅረበ ፀብፃብ ኢፍ ኤም ሲ የመልክት።

ወጋሕታ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You