
ኣዲስ ኣበባ፡- መንእሰያት ካብ ምሃብ ኣጀንዳ ሓሊፎም ኣብ ሃገራዊ መስርሕ ምኽክር ብንጥፈት ይሳተፉ ከምዘለዉ ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ገሊፆም። ብቕድሚ ትማሊ “ተራ መናእሰይ ንውፅኢታዊ ሃገራዊ ምኽክር” ብዝብል መሪሕ ቴማ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዘተ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን፤ ኣብ ምርግጋፅ ሰላም መናእሰይ ልዑል ግደ ኣለዎም።
ንሃገራዊ ምኽክር ኣጀንዳ ካብ ምቕማጥ ብተወሳኺ ዕላማታት እቲ ኮሚሽን ተበፃሒ ንምግባር፣ ንተሳተፍቲ ንምሕጋዝን ንምውህሃድን፣ ምትእስሳር ኮሚሽንን መናእሰይን ንምጥንኻር እውን ብወለንታዊነት ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣመላኺቶም።
መናእሰይ መዳርግቲ ኣካል ከም ምዃኖም መጠን፤ ኣብከይዲ መድረኽ ሃገራዊ ምኽክር ዘይነዓቕ ተስትፎ እናገበሩ ከምዝኾኑ፤ ጎንፂ እንትኽሰት ግዳያት ናይቲ ጎንፂ ካብ ዝኾኑ ሓደ መናእሰይ እዮም ዝበሉ እቶም ዋና ኮሚሽነር፤ እቲ ኮሚሽን ዝተጣየሸ ነዚ ንዘመናት ዝፀንሐ ፀገም ንምፍታሕ ‘ዩ።
ምስ እዚ ተኣሳሲሩ መናእሰይ ንጎንፂ ተቓላዕቲ ዝገብሩ ጉዳያት ናብ ምኽክር ከቕርቡ ትፅቢት ይግበር። ፀገማቶም ብምኽክር ክፈትሑ እንትኽእሉ ሃገርን ወለዶን ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም። መናእሰይ ንዝገብርዎ ዘለዉ ተሳትፎ ምስጋና ዘቕረቡ እንትኾኑ፤ እቲ ኮሚሽን ኣብ ከይዲ ተሳትፎ መናእሰይ ንምዕባይን ምትእስሳር ንምጥንኻርን እናሰርሐ ‘ዩ፡፡ ብተወሳኺ መናእሰይ ተሳትፎኦም ክቕፅሉን ገና ኣብቲ መስርሕ ዘይተፀንበሩን ናብ መስርሕ ንምብፃሕ እጃሞም ከበርክቱ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ መናእሰይ ብዛዕባ ተሳትፎ መናእሰይ ንምዕባይ ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ብዝምልከት፤ ብዛዕባ ዘይሻራዊነት እቲ ኮሚሽን ዝለዓሉ ዘለዉ ሕቶታት፣ መናእሰይ ኣብቲ መስርሕ ካብ ምስታፍ ሓሊፎም ናይ ውሳነ ተራ ክህልዎም እንታይ ይግበር ከምዘሎን ካልኦት ሕቶታትን ኣልዒሎም።
ናይቲ ኮሙሽን ኮሚሽነራት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፤ መናእሰይ ብውልቂ ይኹን ብማሕበራት ኣብ መስርሕ ምኽክር ብሰፊሑ ይሳተፉ ከምዘለዉ። ኣብ መስርሕ ምኽክር ኣብ ማሕበረሰባዊ ተሳትፎ መናእሰይ ብውሑዱ 20 ሚኢታዊ ክኸውን ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ኣብ ልዕሊ እቲ ኮሚሽን ዝለዓል ሕቶ ተኣማንነት፣ ንሰናይ ተግባር ብምንእኣስ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኦም ንምዕዋት ብዝደልዩ ኣካላት ዝለዓል ምዃኑ ብምጥቓስ፤ ንፅቡቕ ነገራት ምንእኣስን ምድኻምን ሓደ ካብቲ ከም ሃገር ክሕከም ዘለዎ ሕማማትና ‘ዩ ኢሎም።
መናእሰይ ካብ ቀጥታዊ ውክልና ወፃኢ ብወለንታዊነት ስራሕን ዝተፈላለዩ ኣገባባትን ነቲ መስርሕ ምኽክር ይድግፍዎ ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ብተወሳኺ መናእሰይ ብስሩዕ ምስ እቲ ኮምሽን ክሰርሑን ቀፃሊ ተሳትፎኦም ዘረጋግፁሉን ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ርክብ ማዕቀፍ ኣብ ምምዕባል ከምዝርከብ ገሊፆም።
መናእሰይ ኣብ ሰላምን ዘተን ዘለዎም ኣረኣእያ ንኸማዕብሉ ዝሕግዙ ንጥፈታት ይካየዱ ከምዘለዉ ዝተመላኸተ እንትኸውን፤ ኣብቲ ናይ ዘተ መድረኽ ካብ እታ መዲና ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 100 መናእሰይ ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም