
ኣዲስ ኣበባ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ጉንበትን ሰነን 2017 ዓ.ም ቁልፊ ዝኾኑ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት፣ ምዕባለ ዓውዲ ቴክኖሎጂ፣ ስትራቴጂካዊ ዲፕሎማሲን መንግስቶም ንዘላቒ ሃገራዊ ልምዓት ዝገብሮ ዘሎ ኹለመዳያዊ ምንቅስቓስን ብዘርእይ መልክዑ ተኸታተልቲ ንጥፈታት ፈፂሞም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ ወርሒ ከም ሃገር ናይ ዘተን ዝሰልጠነ ባህሊ ፖለቲካን እናጎልበተ ንክመፅእ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።
ብተወሳኺ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምክትል ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ናይ ሎሚዓመት መርሃግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ኣጀሚሮም።
ናይዚ ወርሒ ተግባር ዝተጀመረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ንቢል ጌትስ ላዕለዋይ ክብሪ ኒሻን ኢትዮጵያ ብምሽላም ‘ዩ። እዚ ዝኸበረ ሽልማት ጌትስ ፋውንዴሽን ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበርከቶም ኣሳገርቲ ስራሕትን ዓበይቲ ዘመን ተሳገርቲ ሰናይ ፅዕንቶታትን ዘኽበረ ‘ዩ።
እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ጥዕና፣ ግብርና ፣ ዲጂታል መለለዪ መንነት ንዝገብሮ ፃዕሪ ኢሉ ‘ውን ጥንኩር ኣብ ምክብባር ንዝተመስረተ ምትሕብባር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣልዒሎም።
ምንቅስቓስ ልምዓት ብዝምልከት ኣነባብራ ማሕበረሰብ ገጠር ንምምሕያሽ ዝተጀመረ ኮሪደር ገጠር ኣብ ኩሎም ከባቢታት እናሰፍሐ መፂኡ ‘ዩ። በዚ ‘ውን ኣብ ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ኣካል ኮሪደር ልምዓት ገጠር ናይ ዝኾኑ ህንፀት ሞዴል መንደራት ገጠር ኣጀሚሮም።
ሞዴል መንደራት ገጠር ቐሊል ወፃኢ ዝሓቱን ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ እታዎታት ዝህነፁን እንትኾኑ፣ሓረስቶት ‘ውን ጥዑይን ክብሪ ዘለዎን ህይወት ንክነብሩ ዘኽአሉ ‘ዮም። ኣብቶም ከባቢታት ዝካየድ ኣብ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ግብርና ‘ውን ዑደት ገይሮም።
ኣብቲ ዑደት ቕድሚ ሕዚ ብሓደጋ ውሕጅን ድርቅን ዝፍለጡ ዝነበሩ ከባቢታት ናብ መርኣያነት ልምዓት ዝገበርዎ ሽግግር ተመልኪቶም። ኣብቶም ከባቢታት ብፍላይ ብዕፉን ከምኡ ‘ውን ብልምዓት ኣሕምልትን ፍራምረን እናተኻየደ ዝርከብ ስራሕቲ ኣዝዮም ዘተባብዑ ‘ዮም።
ኣብ ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ መንጎ ዘካየድዎም ዓበይቲ ተግባራት እቲ ሓደ ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ፍሉይ ኣርባዕተ ክፍሊታት ዘለዎ ሰፊሕ ቓለ መሕትት እንትኸውን፤ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ከም ሃገር ዝተመዝገበቡ ዓወታትን ዘጋጠሙ ብድሆታትን ከምኡ ‘ውን ፀገማት ንምስጋር ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ብዝምልከት ኣብሪሆም። ኣብቲ ቃለ መሕትት እቶም ቀዳማይ ሚኒሰትር መባፅሒ ጉዕዞ ዕብየትን ምዕባለን ቐፃሊ ኣመላኺቶም።
እቲ ኻልእ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ወሳኒ ናይ ወርሒ ሰነ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ‘ዩ። ኣብዚ ዲፕሎማሲያዊ ፍፃመ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ናይጄሪያዊ በዓል ሃፍቲ ዝነበሮም ፃንሒት ንኢትዮጵያ ወሰንቲ ዝኾኑ ድልየታት ንምምላእ ኣብ ዘኽእሉ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ምይይጥ ኣካይዶም።
ከምኡ ‘ውን ጀነራል ማሬይን ኮርፕስ ኣሜሪካን ኣዛዚ ኣፍሪኮምን ምስ ዝኾኑ ጄነራል ማይክል ላንግሌይ ሓባራዊ ድልየት ኣብ ዝኾኑ ኽልቲኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘትዮም። ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ እንትቕፅል፤ ኣብዚ ወርሒ ሰነ ውሽጢ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጄንሲ ኣቶሚክ ሓይሊ(IAEA) ማሪያኖ ግሮሲ ተራኺቦም።
ብኻልእ ወገን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ወርሒ ሰነ ከም ሃገር ባህሊ ምይይጥን ስልጡን ፖለቲካን እናጎልበተ ንኽመፅእ ምስ ዝተፈላለዩ ቑልፊ መዳርግቲ ኣካላት ሰፋሕቲ ምይይጣት ኣካይዶም። ዓለም ለኸ ኣቶሚክ ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ድጋፍ ኣብ ክንክን ሕክምና ካንሰር፣ ጥዕና እንሰሳት፣ መጥፍኢ ዝንቢ ፀፀ፣ ኒውክለር ፣ኢንጅነሪንግን ማዕቀፋት ቑፅፅር ዘድሃበ ‘ዩ። በዚ ‘ውን ምይይጥ ኽልቲኦም እናተኻየዱ ኣብ ዝርከቡ ድጋፋትን ናይ ቐፃሊ ዕድላት ምትሕብባርን ትኹረት ዝገበረ ‘ዩ።
ብመሰረት እዚ ምስ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት፣ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥበብ፣ ተወከልቲ መምህራን፣ ሰብሞያ ሚድያ፣ ተወከልቲ ዘፈር ጥዕናን ኻልኦት ኣካላት ማሕበረሰብን መኺሮም። ኻልእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ሰነ ፍሉይ ትኹረት ሂቦም ዝተንቀሳቐሱሉን ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዘቐመጥሉን ዓውዲ ዕብየት ዘፈር ቴክኖሎጂ ‘ዩ። በዚ ‘ውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝተረኸብሉ ሳይንስ ሙዝየም ቐዋሚ ኤግዚቢሽን ብዕሊ ኸፊቶም።
እዚ ዘደንቕ ፍፃመ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ለውጢ ነባሪ ኣየርን መልሲ ኢትዮጵያን፣ ግብርና፣ ሓይሊ ሰብን ኢነርጅን፣ ኤሮኖቲክስን ኣቪዬሽንን ዘድሃቡ ሓሙሽተ መደባት ዓውደ ርእይ ዝሓዘ ‘ዩ።
እዚ ‘ውን ሃገርና ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምጥቃም ዘለዋ ፅኑዕ ድልየት ዘርእይ ‘ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ሃገርና ፈላማይ ዝኾነ ቕርፂ ህዋ ሉላቂ ኣዳራሽ ምርኢት ‘ውን ዕላዊ ኾይኑ። ኣብ 1000 ሜትር ስኩየር ሜትርን 36 ሜትር ዲያሜትርን ሒዙ ዝዓረፈ እቲ ኣዳራሽ ነዚ ዘመን ብዝብጀው 4K ዲጂታል ምስሊ መርአዪ ቴክኖሎጂ ዝተገጠመሉ ‘ዩ። እቲ ምስለ ህዋ ልዑል ፅርየት ዘለዎ ኣዝዮም ዘደምሙ ምስልታት ብምቕራብ ናይ ህዋ ዓለም ኣቕሪቡ የርእይ።
ብኻልእ ወገን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሃገርና ልምዓት ዘፈር ሓለዋ ከባቢ ቁልፊ ብሄራዊ ፕሮጀክትታት ንዝኾነ፤ ናይ ሎሚዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ “ብምትካል ምብራኽ” ብዝብል ቴማ ብዕሊ ኣጀሚሮም።
ሓምለዋይ ዓሻራ ኣዝዮም ዘፈር ብዙሕ ትሩፋታት ክርከቡ ዝገበረ ስራሕ እንትኸውን፤ ኣብዚ ዓመት ምስ ዝትከል ፈልሲ ከባቢ 47 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ክበፅሕ ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። እዚ ‘ውን ኣብ ዝቕፅል ዓመት ምስ ንተኽሎ እንትድመር 54 ቢሊዮን ንኽበፅሕ የኽእሎ።
ብሓፈሻ ኣብዚ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቐንዲ ቐንዲ ዘፈራት ስፍሕ ዝበሉ ፍፃመታት ዘካየድሉ፤ ብብርኪ ሃገር ለኸ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ሓለዋ ከባቢ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዲጂታልን ምህዞን ዓውድታት ተግባራዊ ስጉምቲ ንኽህልው ውሳነ ዘሕለፉሉ ወርሒ ‘ዩ ነይሩ። ኹሎም ተግባራት ዕብየት ኢትዮጵያ ንምግሃድን ብብርኪ ዓለም ለኸ ዘለዋ ተደላይነት ንምጉላህን ዝዓለሙ ውፅኢታዊ ፍፃመታት ‘ዮም ነይሮም።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም