ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሞም ኣብ ዝነበሩ ጎንፅታት ኢድ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዘሎ ብምርመራ ከምተረጋገፀ ሚኒስቴር ፍትሒ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣጋጢሞም ኣብ ዝነበሩ ጎንፅታት ኢድ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዘሎ ብምርመራ ተረጋጊፁ ክብል ሚኒስቴር ፍትሒ ገሊፁ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፅአ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ጎንፅን ዘይምርግጋዕን ኣጋጢሙ ነይሩ። እቶም ጎንፅታት በዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዘጋጠሙ እነትኾኑ፣ ህይወት ብዙሓት ወገናት እንትሓልፍ፣ ጉድኣት ኣካል፣ ዕንወት ንብረትን ምምዝባል ዜጋታትን ኣስዒቡ ‘ዩ።

ኣብቶም ገበናት ተሳተፍቲ ዝነበሩ ኣካላት ብሕጊ ተሓተትቲ ንክኾኑን ጉድኣት ዘጋጠሞም ዜጋታት ፍትሒ ንክረኽቡን ከምዝተሰርሐ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ። ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ፍቃዱ ፀጋ፣ መበገሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝነበሩ ጎንፅታት ንምፅራይን ገበነኛታት ተሓተትቲ ንምግባርን ኣብ ዝተገበረ ምርመራ ኢድ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዝነበረ ተረጋጊፁ ኢሎም። ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጎንፅታት ብኣፅዋራት ኲናትን ባጀትን ብምድጋፍ፣ ወፍሪ ብምሃብ ብዛዕባ ምስታፉ ብመረዳእታ ከምዝተረጋገፀ ‘ውን ሓቢሮም። “ኣነ ዘይመራሕኹዋ ሃገር ክትቅፅል ኣይብላን” ኢሉ ዝተልዓለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሃገር ንምፍራስ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ጥፍኣት ከምዝተጠቐመ ‘ውን ሓቢሮም። እቲ ሚኒስቴር ካብ ፅባሕ ለውጢ ጀሚሩ ኣብ ቴፒ፣ ቡራዩን ኣዲስ ኣበባ፣ ኣሶሳን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈፀሙ ገበናት ተፃርዮም ውሳነ ንክረኽቡ ከምዝገበረ ኣብሪሆም። ኣብ ጌዲኦንን ጉጂን፣ ሃዋሳ ኣብ ዝተፈጠሩ ጎንፅታት ተሳተፍቲ ገበን ዝነበሩ ኣካላት ውሳነ ንክረኽቡ ከምዝተገበረ ‘ውን ተዛሪቦም።

መበገሲኦም ሃይማኖትን ጉዳይ ወሰንን መሰረት ገይሮም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠሙ ገበናት ዝምርምር ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ከምዝኸደ ሓቢሮም። ኣብ ጎንደር፣ ደባርቕን ወራቤን ሃይማኖት ጉልባብ ዝገበሩ ከምኡ’ውን ኣብ ጂንካን ደራሼን ወሰን መበገሲ ብምግባር ዘጋጠሙ ጎንፅታት ብምፅራይ ገበነኛታት ተሓተትቲ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም። እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃይማኖትን ብሄርን መሰረት ብምግባር ዘጋጠሙ ጎንፅታት ብመንግስቲ ፌዴራል ጥራሕ ንክረኣዩ ከምዝተወሰነ ተዛሪቦም። ቀፃሊ ‘ውን ጉዳያት ዶብን ወሰንን ብሕጋዊ መገዲ ንምፍታሕ ክስራሕ ‘ዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You