ጅማሮ ማእኸል ቱሪዝም ስፖርት ኢትዮጵያ ኣብ መበቆል ጎየይቲ ከተማ በቆጂ

 ኣብ መላእ ዓለም ብቕልጡፍ ካብ መንጎ እናዓበየ ዝርከብ ዘፈር፤ ቱሪዝም ስፖርት ሓደ ‘ዩ። እዚ ኢንዱስትሪ በቢዓመቱ ካብ 7 ነጥቢ 68 ቢሊየን ዶላር ንላዕሊ ከም ዝርከቦ መረዳእታታት ይሕብሩ። ውድድራት ብምድላው፤ ስቴዲየማትን መዘውተሪ ስፖርታትን ብምህናፅ ከምኡ ‘ውን ሰሓባይን መዘናግዕን ስፖርት ብምድላው ብርክት ዝበላ ሃገራትን ከተማታትን ተጠቀምቲ ኾይነን ‘የን። ኣብ ኣፍሪካ ቑፅሪ ሓደ ዝኾነ ውድድር ጎደና ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ካብ መንጎ ዝህቦ ጥቕሚ ሓደ እንትኸውን፤ ብርክት ዝበሉ ጎየይትን ጎብነይትን ብውድድር ጉያ ስፖርት መፀውዒት ፍሉጣት ኣትሌታት ናብ ዝኾነት ኢትዮጵያ ክመፁ ‘ዮም። ሐዚ ድማ ስፖርት ማእኸል ዝገበረ ቱሪዝም ገፁ ፍልፍል ኣትሌታት ናብ ዝኾነት በቆጂ ዝመለሰሉን ዘበረታትዐሉን ጅማሮ ኾይኑ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ብፅቡቕ ንኽትልዓል ካብ መንጎ ዝገበርዋ ነገራት ፈላማይ ዝኾነ ስፖርት ኣትሌቲክስ እንትልዓል በቆጂ ዘይትርሳዕ ስፍራ ‘ያ። ምኽንያቱ ድማ ኢትዮጵያ ብኦሎምፒክ ካብ መንጎ ዝኣከበቶም 58 ሜዳልያታት እቶም 18 (10 ወርቂ፣ 3 ብሩር፣ 5ነሃስ) በቆጂ ካብ ዘፍረየቶም ኣትሌታት ዝተመዝገቡ ብምዃኖም ‘ዩ። ደራርቱ ቱሉ፣ጥሩነሽ ዲባባ፣ፋጡማ ሮባ፣ እጅጋየሁ ዲባባ፣ ቀነኒሳ በቀለ፣ ታሪኩ በቀለ፣ ቲኪ ገላና፣ መስታወት ቱፋ፣ዝኣመሰላ ሻምፒዮናት ዓለም ከምኡ ‘ውን ኻልኦት ዓበይቲ መድረኻት ኣትሌቲክስ ዓለም ዝርከቡላ ‘ያ።

ሻምቲዮና ኦሎምፒክ ዓለምን ኻልኦት ዓበይቲ መድረኻት ኣትሌቲክስን ካብዛ ስፍራ ‘ዮም ተረኺቦም። ብርክት ዝበሉ ምሩፃትን ዝድነቑን ኣትሌታት ዘፍረየት ሐዚ ‘ውን ዓበይትን ተተካእትን ኣትሌታት እናፍረየት እትርከብ እዛ ናይ ፍልፍል ጎየይቲ ኣቀማምጥኣን ከምኡ ‘ውን ኹነታት መነባብሩኣን ንስፖርት ምቹውቲ ይገብራ። ‹‹ምድሪ ጎየይቲ›› እናተብሃለት እትፍለጥ በቆጂ ኣብ ሕልና ብርክት ዝበሉ ስድራ ስፖርት ብምቕራፅ ታሪኻዊ ፊልም ካብ ምስንዳእ ሓሊፋ ዑደት ይገብሩላ ‘ዮም። ይኹን’ምበር እቲ ስፍራ ክረኽቦ ዝግባእ ሓገዝ ዘይረኸበ፤ ኣትሌታትን ነበርትን ዝግበኦም ረብሓ ዘይረኸቡሉ ቦታ ብምዃኑ ዘጣዕስ ‘ዩ።

እዚ ስፍራ ብመግነዪ ፍሉጣት ኣትሌታት ብፍሉይ ዘካተቶ ዓብዪ ጉያ በቆጂ 7 ኪሎ ሜትር ተገይሩ ‘ዩ። ጎና ጎኒ ኣትሌቲክስ መድያብ ጎቦን ውድድራት ሳይክልን ተኻይዱ ‘ዩ።

ኣትሌታት፣ ዕዱማት ኣጋይሽ፣ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተገበረ ውድድር ቑፅሩ ልዑል ዝኾነ ነባራይ እቲ ከባቢ ተረኺቡ ድጋፍ ሂቡ ‘ዩ። ብደቂ ኣንስትዮ መሰረት ሄርጳ፣ ቀነኒሳ ዲቻ ፣ሃዊ ጉደታ ተዓወቲ ኾይኖም ‘ዮም። ብደቂ ተባዕትዮ ድማ ደጀኔ ሃይሉ፣ ቱሉ ኣበበ፣ ብርሃ ቱሉ ተኸታቲሎም ብምእታው ካብ ቐዳማይ እስካዕ ሳልሳይ ዘሎ ክዛዝሙ ኽኢሎም ‘ዮም። ሰዓርቲ እቲ ውድድር ዝኾኑ ኣትሌታት ድማ ናይ 5 ሽሕ ብር ሽልማት እንትረኽቡ፣ ኻልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ውድድሮም ዝዛዘሙ ድማ 4 ሽሕ ብር ተበርኪትሎም ‘ዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ቐፃሊ ወርሒ ከም በቆጂ ኹሎም ተወዳደርቲ ኣብ ኬንያ መበቆል ኣትሌታት ዝኾነት ከተማ ኤልዶሬት ውድድር ኣትሌቲክስ ንኽሳተፉ ዕድል ረኺቦም ‘ዮም።

 ሚኒስቴር ዲኤታ ቱሪዝም ፌዴሪኢ ሰላማዊት ዳዊት፤ ብርክት ዝበሉ ኣትሌታት ካብዚ ምውፅኦም ሽም ሃገሮም ከፀውዑ ዓቕሚ ዘለዎም ኣትሌታት ዝዓበዩሉን ዝተለማመዱሉን ከባቢ ብምጉብናይ፤ እቲ ሰፍራ ጎቦ ንምድያብን ንብሽክለታን ምቹው ብምዃኑ ጎብነይቲ ብምስሓብ ክስርሐሉ ከምዝግባእ ጠቍመን። ብምዃኑ ድማ በብዓመቱ ኣብ በቆጂ ውድድር ጉያ ብምግባርን ስፖርት ብምንቕቓሕን ከምኡ ድማ ሰገናት ናብ ስፖርት ንኽኣትዉ ከም ዝስራሕ ኣብሪሀን።

 ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 11 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You