ዓወት ኢትዮጵያውያን ኣብ ከተማታት ኣውሮፓ

 ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጎደና ከተማታት ኣውሮፓ ጉያ ተኻይዱ። ኣብዞም ውድድራት ድማ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት እቲ ዝተለመደ ዝድነቕ ቕዋም ብምርኣይ ዓወቶም ኣስተማቒሮም።

ኣብ ፖርቹጋል ዝተኻየደ ፍርቂ ማራቶን ስፖርት ሊዝበን ኣዝዩ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ውድድር እንትኸውን ፤ኣዝዩ ፈታንን ህልኽ ዘወድእን ዝነበረ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ሰዓሪት ኾይና ‘ያ።

ብፈተውቲ ስፖርት ተመራፂ ዝኾነ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ካብ መላእ ዓለም ዝተወፃፅኡ 35 ሽሕ ዝኾኑ ጎየይቲ ዝተሳተፉሉ ‘ዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ፍሉጣት ኣትሌታት ዝነበረ ንሕንሕ ብፍላይ ምድብ ደቂ ኣንስትዮ ብርቱዓት ኣትሌታት ዘካተተ ብምዃኑ መን ክስዕር ‘ዩ ዝብል ዓብዪ ትፅቢት ተገይሩ ‘ዩ።

እስካዕ መወዳታ እቲ ውድድር መን ሰዓራይ ዝብል ምፍላይ ተዘይተኽኣለ ‘ውን ኣብ መወዳእታ እቲ ውድድር ፤ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ፀሃይ ገመቹ ብዘደንቕ ኣወዳድኣ ነታ ኬንያዊት ኣትሌት ወናኒት ክብረ ወሰን ስዒራታ’ያ። ኣፍቲ ኸቢድ ንሕንሕ ኬንያዊት ብሪጌድ ኮስገይ (ቕድሚ ኽልተ ወርሒ ማራቶን ቶክዮ ዝሰዓረት) በቲ ዝለመደቶ ሰዓራይነት ነቲ ውድድር ንምስዓር ኸቢድ ንሕንሕ እንተገበረት ‘ውን ፀሃይ ግና ብቐሊሉ እትስዓር ኣትሌት ብዘይምዃና ብኽልተ ሰከንድ ቐዲማታ ክትኣትው ኽኢላ ‘ያ።

ብ5 ሽሕ ምርፅቲ ኣትሌት ዓለም ዝኾነት ፀሃይ ተዓዋቲት ብምዃን ኣብ 1 ሰዓትን 06 ደቓይቕን 44 ሰከንድታትን ኣፍቲ ውድድር ሰዓሪት ኾይና ‘ያ። እዛ ኣትሌት ድሕሪ ጉያ ኣብ ዝሃበቶ ሪኢቶ ‹‹ሰዓሪት ብምዃነይ ኣዝየ ሕጉስቲ ‘የ››ኢላ። ጎተይቶም ገብረስላሴ ‘ውን ሳልሰይቲ ብምዃን ፈፂማ ‘ያ ።

ኣብ ስፔይን ባርሴሎና ኣብ ዝተገበረ ማራቶን ብኽልቲኡ ፆታ ኢትዮጵያውያን ልዕልተቶም ተቖፃፂሮም ‘ዮም፤ እቲ ዝኣተዉሉ ሰዓት ድማ ቕልጡፍ ዝበሃል’ዩ። ካብ 1978 ኣ.ፈ እናተኻየደ ዝፀንሐ እዚ ውድድር ሎምዘበን ንመበል 44 ግዘ ተኻይዱ።

ኣብዚ ውድድር ብወገን ኣወዳት ይሁንልኝ ኣዳነ ተዓዋታይ እንትኸውን ፤ኣብ 2 ሰዓትን 53 ደቓይቕን ጉይኡ ዛዚሙ።እዚ ኣትሌት ንውድድር ማራቶን ሓዱሽ ኣይኮነን።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ‘ውን ውድድር ሊዝበን ብምስታፍ መበል ሳልሳይ ኾይኑ ዝዛዘመ ንፉዕ ኣትሌት ‘ዩ።

ኣብዚ ውድድር ውሑዳት ሰከንድታት ጥራሕ ብምዱንጓይ ብተኸታታሊ ዝኣተወ ኻሊእ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ገብሩ ረዳኸኝ ኣብ 2 ሰዓትን 5 ደቓይቕን 58 ሰከንድታትን ኣትዩ። ኣትሌት ከበደ ዋሚ ሓደ ደቒቓ ደንጉዩ ብምእታው ሳልሳይ ኣትሌት ክኸውን ኽኢሉ ‘ዩ።

ኣብዚ ጉያ ብወገን ደቂ ኣንስትዮ ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ ሓደ እስካዕ ሓሙሽተ ተኸታቲለን ብምእታው ስዒረን ‘የን።ኣብ ዋና ከተማ ቼክ ሪፐብሊክ ከተማ ፕራጉ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሽም ሃገሮም ከፀውዑ ኽኢሎም ‘ዮም። ብደቂ ኣንስትዮ በቀለች ቡሬሳ ተዓዋቲት እንትትኸውን፤ ስንታየሁ ሃይለሚካኤል ሳልሳይ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ ‘ያ። ብደቂ ተባዕትዮ ድማ ከልክሌ ወልደኣረጋይ ንኬንያዊ ኣትሌት ስዒቡ ብምእታው መበል ኻልኣይ እንትኾን፤ ኣትሌት ይታያል ዘሪሁን ድማ መበል ሳልሳይ ብምዃን ዛዚሞም ‘ዮም።

 ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 4 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You