ዋልያታት መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2023 25 ግንቦት ክጅምሩ ‘ዮም

 ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ፡-)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ዋልያታት) መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2023 ትገብረሎም መልቲታት ዕላዊ ኮይኖም።

መፃረዪ ፀወታታት ምድብ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2023 ኣብዚ ወርሒ ምክያድ ዝጅምሩ እንትኾኑ፥ ኢትዮጵያ 2 ፀወታታት ተካይደሎም መዓልቲታት ተፈሊጦም።

 ኣብ ምድብ መ ምስ ግብፂ፣ ጊኒን ማላዊን ዝተደልደለት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፥ ፈላማይ ናይ ምድብ ፀወታኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ማላዊ 25 ጉንበት 2014 ዓ.ም ክተካይድ ‘ያ።

ካልኣይ ፀወታኣ ድማ 29 ጉንበት ምስ ግብፂ ከምተካይድ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 4 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You