‹‹ህወሓት ቐደሙ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ግፍዒ ዝፍፅም ዝነበረ ውድብ ‘ዩ››

-ኮሎኔል ፍስሃ ገብረመድህን

 ኮሎኔል ፍስሃ ገብረመድህን ብሳጓ ሽሞም (ወዲ- ጣውላ) እናተባህሉ ይፍለጡ። ኮሎኔል ፍስሃ ኣብ ክልል ትግራይ ማእኸላይ ዞባ ወረዳ ዓዲ ኣሕፈሮም ዝተወለዱ እንትኾኑ ዕድሜኦም ንውትድርና ምስ በፅሐ ካብ ገድሊ ህወሓት ጀሚሮም ክሳብ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምዃን ካብ ተራ ወታደር ጀሚሮም ክሳብ ዝላዕለ ወታደራዊ ሓላፍነት ሃገሮም ኣገልጊሎም ‘ዮም። ኮሎኔል ፍስሃ ተራ ተጋዳላይ ኣብ ዝነበርሉ ሞርታር 82 ተኳሲን ናይታ ሞርታር ኣዛዚ ብምዃን ሰሪሖም ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ከም ስንቕን ንብረትን፣ ኣብ ሎጂስቲክስ፣ ምምሕዳር ፋይናንስን፣ ሓላፊ ኢንዶክትሪኔሽን ኮሙኒኬሽን፣ ኣመራርሓ ሬጅመንት ኮይኖም ሰሪሖም ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ኣብ ከይዲ ብኻልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣካላት ግዕዝይና ይፍፀሙ ስለ ዝነበሩን ንምንታይ ብዝብል ይከራኸሩ ስለ ዝነበሩ ብፍላይ ኣብ 2007 ዓ.ም ንህወሓት ምቅዋም ጀሚሮም ‘ዮም። በዚ ምኽንያት ሽም ትካል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣጥፊኡ ብዝብል ምኽንያት ንኽእሰሩ ተገይሩ ‘ዩ። እንበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኣድሂብና ምስ ነበር ተጋዳላይን ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ከምኡ ‘ውን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ትዴፓን ኮሎኔል ፍስሃ ገብረመድህን (ወዲ- ጣውላ) ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዘስዕብ ኣዳሊውናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብሓፂሩ ከመይ ይገልፅዎ?

ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብሚድያ ንከታተሎ ኣለና ኢና። ኣብ ቐረባ እዋን ዶክተር ደብረፂዮን ዝተዛረቦ ሰሚዐ ነይረ፤ ንሱ ከም ዝበሎ ብዙሓት ፀገማት ከምዘለዉ ገሊፁ ‘ዩ። እቲ ሓደ ናይ ፀጥታ ፀገም ከምዘሎ ‘ዩ ኣብሪሁ። እዚ ድማ ናይ ውሽጦም ፀገም ከምዝኾነ ‘ዩ ገሊፅዎ። ዘይምርግጋዕ ከምዘሎ ‘ውን ገሊፅዎ ‘ዩ። ኣብ ህወሓት ሓደ ዓይነት እምነትን ኣተሓሳስባን ከምዘይብሎም ገሊፅዎ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኣባላት ህወሓት ዘይምጥዕዓም ከምዘሎ ‘ዩ ዘሪአካ።

ህወሓት ጠፍጢፉ ዝሰርሖም ከም እኒ ዉድብ ናፃነት ትግራይን ባይቶናን ዝመሳሰሉ ፓርቲታት ፀገም ህወሓት ምቕላዕ ጀሚሮም ኣለዉ ‘ዮም። እዚኦም መሳርሒ ናይቲ ገዛኢ ፓርቲ ‘ዮም ነይሮም። ሕዚ ግና ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፀቕጢ እናፈጠሩ ‘ዮም ዝርከቡ። ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞም ዘለዉ ፀገማት ሕዚ የቓልዑ ኣለዉ ግና እኹል ኣይኮነን። ናይ ህወሓት ተንኮልን ሽርሕን ሕዚ እናተረደኦም ዝኸይድ ዘሎ ይመስሉ። ንሕና ህወሓት ብዝፈጠሮ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ፀገም እዚ ክወድቕ ምኽኣሉ ንገልፆ ነይርና ኢና። እቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ውድባት ‘ውን ነዚ ሓሳብ እዚ ‘ዮም እናገለፅዎ ዘለዉ። እዚ ድማ ሓቒ ‘ዩ።

ህወሓት ከም ህወሓት ካብ መጀመርታ ጀሚርና ከንሪኦ እንተለና ናይ ባዕሉ ሕመቕ ነይርዎ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስኣተዉ ብጣዕሚ ‘ዮም ተባላሽዮም ነይሮም። ንህዝቢ ትግራይ ክሒዶሞ ‘ዮም። ብፍላይ ድማ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ እናተቓለሰ ዝመፀ ተጋዳላይ ብዘይ ምንም መተሓሓዚ ደርብዮሞ ‘ዮም። ከባቢ ኣርባዓ ሺሕ ተጋድልቲ ብዘይ መትከሊ እግሪ ተባሪሮም ‘ዮም።

እዚ ህወሓት ‘ውን ዝኽሕዶ ኣይኮነን፤ ዶክተር ደብረፅዮን ቕድሚ ሕዚ ኣብ ናይ ደርግን ሻዕብያን ዝተቓለሱ ተጋድልቲ ተድርብዮም ‘ዮም፤ እዚ ሕዚ ኣይንደግሞን ኢና ኢሉ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር እዚ ኮነ ኢሎም ንህዝቢ ትግራይ ንምድንጋር ‘ዩ። ፕሮፖጋንዳ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ ከዳናግሩ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ ‘ዮም። ህወሓት ሕዚ ብዙሕ ህዝቢ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናኣሰረ ‘ዩ ዘሎ። ንገሊኡ ባንዳ ብምባል፣ ንገሊኡ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቕም ሓሳብ ኣልዒልካ እናተባህለ ብዙሕ ስቓያት የብፅህሉ ኣለዉ ‘ዮም።ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ቤት ትምህርትታት እናተኣሰረ ‘ዩ ዘሎ።

ስለዚ ልዕል ኢለ ከምዝገለፅክዎ፣ኣብ መኸተ ዘየተሳተፈ ዝኾነ ዓይነት ጥቕሚ ክረክብ የብሉን ብዝብል ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ፀገማት እናፈጠረ ‘ዩ ዝርከብ። ብዙሕ ሰብ ይእሰር ኣሎ። ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ረዳእታ እኹል ድዩ ወይ ኣይእኹልን ካሊእ ጉዳይ ኮይኑ፣ ዋላ እቲ ዝኣተወ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ኣይጥቐመሉን ዘሎ። ህወሓት በዓሉ ‘ዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ። ንሰራዊቶም ‘ዮም ዘውዕልዎ ዘለዉ።

ብኣኣቶም ባንዳ ኢሎም ዝፅውዕዎ፣ ቤተሰብ ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ‘ውን ‘ዩ። በዚ ምኽንያት እናኣሰሩዎን እናንገላትዑዎን ‘ዮም ዝረከቡ። ኣብ ገጠር ዝነበሮ መሬት ‘ውን እናሕደጉዎ ‘ዮም ዘለዉ። ካሊእ ህዝቢ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከቢድ ፀገም እናሃለወ ካብ ማይክሮ ፋይናነስ ዝተለቐሓኹም መልሱ እናተባህለ ገንዘቡ ይሕርጁዎ ኣለዉ ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር እዚ ኣሪምናዮ ኣለና ኢና ‘ዮም ዝብሉ ዘለዉ። ግና ሓቒ ኣይኮነን፤ ምትላል ‘ዩ።

ብግልፂ መናእሰይ ክዓጥቑ የግድድዎም ኣለዉ ‘ዮም። ብፍላይ ኣብ መኸተ ዘይተሳተፈ ሰብ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ጥቕሚ ኣይንአትዎን ‘ዮም ዝብሉ ዘለዉ። በዚ ዝተላዕለ ህዝቢ ትግራይ ፀጊምዎ ናብ ጎረቤት ክልላት ክወፅእ እንተበለ ‘ውን ናይ ባንዳታት ተልእኾ ዕላማ ትፍፅሙ ኣለኹም እናተባህለ ግዳያት ዝተፈላላየ ግፍዕታት እናኾነ እዩ ዝርከብ።

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞም ዝነበሩ ግፍዕታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ‘ውን ኣጣናኺሩ ይቕፅለሉ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ውድባት ትግራይ እናገለፁ ‘ዮም ዝርከቡ። ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ተዝገልፁልና?

ኮሎኔል ፍስሃ፡- ህወሓት ካብ ቐደም ጀሚሩ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት እናገለፅናዮ መፂእና ኢና። ህዝቢ ትግራይ ካብ ደርጊ ጀሚሩ ዝገበሮ ቓልሲ እንተሪእና ብርቱዕ ቓልሲ ኣካይዱ ተዓዊቱ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ብህወሓት ተኻሒዱ ‘ዩ። መራሕቲ ህወሓት መጀመርያ ሕድሪ ሰማእታት፣ ኣካል ጉድኣትን ኣዴታት ትግራይን ‘ዮም ክሒዶም። ካብኡ ቐፂሉ ‘ውን ንብምልኡ ህዝቢ ትግራይ ‘ዮም ኪሕደሞ። ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ትእምት ናብ ናይ ባዕሎም ጥቕሚ ‘ዮም ኣውዒሎሞ። ፍትሒ ኣይነበረን፣ መሰረተ ልምዓት ዝመሳሰሉ ‘ውን ኣይነበሩን። ሕዚ ድማ ብሰንኪ እዚ ኩናት ዝነበራ ውስናት ‘ውን መሊአን ጠፊአን ‘የን። በዚ ምኽንት ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ኣብዝላዕለ ፀገም ‘ዩ ዝርከብ።

እዚ ካብ በልኩ ህወሓት ቐደሙ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ግፍዒ ዝፍፅም ዝነበረ ውድብ ‘ዩ። ሕዚ ድማ ኩሉኻ መንእሰይ ክተት እናበለ ናብ ሓዊ ‘ዩ ዝጥጥቖ ዘሎ።ኩሉ ነገር ናብ በዓሉ እናጠቕለለ ሕዚ ‘ውን ናይ ቐደም ባህሪኡ ብዝሓየለ ደረጃ እናቐፀለሉ ‘ዩ ዝርከብ። እዚ እቶም ውድባት ፖለቲካዊ ትግራይ’ውን ዝገልፅዎ ዘለዉ ሓቒ ‘ዩ። ነቶም ደገፍቶም ውድባት ‘ውን ከየሳተፉ ድላዮም ይገብሩ ከምዘለዉ ‘ዮም እቶም ፖለቲካዊ ውድባት ዝገልፁ ዘለዉ። ‹‹ህወሓት ኣብቲ መረፃ ዘሳተፈትና ከትጥቐመልና ስለ ዝደለየት ‘ያ ‘ምበር ሕዚ እናኣሰርትናን እናንገላተዐትናን ‘ያ›› ኢሎም ‘ዮም።

ህወሓት ሕዚ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ኣብ ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ኣሐይሉ ‘ዩ ዝቕፅለሉ ዘሎ። እቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ድማ ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ግፍዕታት የቓልዕዎ ኣለዉ ‘ዮም። እዚ ኣጣናኺሮም ክቕፅልሉ ኣለዎም። ሕዚ ዝኸድዎ ዘለዉ ክያዶ ዝናኣድ ‘ዩ። ህወሓት ባህሪኡ ስለ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይኹን ፓርቲ ግፍዒ ምፍፃም ጠጠው ዘብል ኣይኮነን። እዞም ፖለቲካዊ ፓርቲታት እቲ ስሕተቶም ካብ መጀመርያ ጀሚሮም ናብቲ መረፃ ክኣትዉ ኣይነበሮምን። ሕዚ ግና ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ከይተዓሸዉ ህወሓት ዝገብሮም ዘለዉ ግፍዕታት ክቓለሱን ከቃልዑን ‘ዩ ዘለዎም። ጀሚሮሞ ‘ውን ኣለዉ ‘ዮም። ሕዚ ከም ናይ መጀመርታ ክዳናገሩ የብሎምን። ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ንኸይብደል ብዙሕ ይፅዕሩ ኣለዉ ‘ዮም። ህወሓት ግና ነዚኦም ዕላማ ፀላቲ ንምስኻዕ ይሰርሑ ስለ ዘለዉ ስጉምቲ ከንወስደሎም ኢና እናበሉ ‘ዮም ዘፈራርሕዎም ዘለዉ። በርግፅ ንኣባላት እቶም ፖለቲካዊ ፓርቲታት ይኣስሩ ከምዘለዉ ሓበሬታት ኣለዉ ‘ዮም።

ህወሓት መገዛ በዓሉ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ግፍዒ ልኡኻት ባንዳታትን ፀላእትን ኣብ ውሽጥና ብምእታው ፀገም ይፈጥሩልና ኣለዉ ‘ዮም እናበለ ህዝቢ የዳናግር ኣሎ ‘ዩ። ህወሓት በዓሉ ኮነ ኢሉ ንረብሕኡ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጥሮ ዘሎ ፀገም ‘ዩ። ከምዚ ብምባል ነቶም ውድባት ‘ዩ ዝውንጅሎም ዘሎ።

ስለዚ ህወሓት ኣብ ርእሲ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞም ዘለዉ ግፍዒታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣጣናኺሩ ይቕፅለሉ ከምዘሎ እናተገለፀ ‘ዩ። እዚ ሓቒ ‘ዩ፤ ንሕና ‘ውን ንከታተሎ ኣለና ኢና። ንቓለስ ‘ውን ኣለና ኢና። እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ‘ውን ቓልሶም ኣጣናኺሮም ክቕፅልሉ ይግባእ። ስለዚ ዋላ ካብ ትግራይ ወፃኢ ንርከብ ፖለተካዊ ፓርቲታት ነዚ ፀረ ሰላምን ሓድነትን ከምኡ ‘ውን ሃገር ንምፍራስ ዝሙኩር ዘሎ ሓይሊ ተሓባቢርና ክነጥፍኦ ኣለና ዝብል ሐሳብ ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዕጡቓት ‘ዩ ዝውዕል ዘሎ፤ ከምኡ ‘ውን ንህዝቢ ዝበፅሐ ውስን ሓገዝ እኽሊ መሊስካ ኣዋፅእ እናተባህለ ይምንጠል ኣሎ ዝብሉ ሓበሬታታት ኣለዉ ‘ዮም። ኣብዚ ‘ውን ርኢቶኦም ተዝገልፁልና።

ኮሎኔል ፍስሃ፡- ህወሓት ከምዚ ዓይነት ተግባር ሕዚ ኣይኮነን ጀሚርዎ፤ ቕድሚ ሕዚ ዝገብሮ ዝነበረ ተግባር ‘ዩ። ሕዚ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ዝተፀገመ ህዝቢ እንተይኮነስ ንዕጡቓት ይውዕል ምህላዉ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብፌዴራል ዝለኣኽ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ዋላ እኹል ኣይኹን እተን ዝኣተዋ ‘ውን ንዕጡቓት ‘የን ዝውዕላ ዘለዋ። ንህዝቢ ዝበፅሐ ውስን ሓገዝ እኽሊ መሊስካ ንሰራዊት ኣዋፅእ እናተባህለ ይሕደግ ከምዘሎ ሓበሬታታት ይበፅሐና ኣሎ ‘ዩ። እዚ ሓቒ ‘ዩ። እምቢ ዝበለ ድማ ይእሰርን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላዊ ማሕሰይቲ እናበፅሖ ምዃኑ ‘ዩ ዝሕበር። ዝተባህሎ ንዘይፍፅም ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ‘ዮም ኣብ ርእሲኡ ዝፍፅሙ። ብፍላይ ኣብ መኸተ ዘይተሳተፈ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ጥቕሚ ኣይሳተፍን ‘ዮም ዝብሉ፤ ይገብርዎ ‘ውን ኣለዉ ‘ዮም።

ወጋሕታ፡-ኣብ ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ‘ውን ግፋ ተጣናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ሓበሬታታት ኣለዉ ‘ዮም። ዘየጋደለ ‘ውን ይእሰር ከምዘሎ ‘ዩ ዝሕበር። እዚ ከመይ ይርኢዎ?

ኮሎኔል ፍስሃ፡- መራሕቲ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መኸተ ዘይተሳተፈ ኣካል ኣብ ትግራይ ክነብር የብሉን እናበሉ ብሓይሊ መናእሰይ ክዓጥቑ ይገብሩ ኣለዉ ‘ዮም። ዝረኸብዎ መንእሰይ እናገፈፉ ‘ዮም ዘዕጥቕዎ ዘለዉ። ከምዚ ምዃኑ እኹል ሓበሬታ ኣለና ‘ዩ። እምቢ ዝበለ ድማ ይእሰር ‘ዩ ዘሎ። ካልኦት በደላት’ውን ይፍፀሙ

 ኣለዉ’ዮም። ኣይጋደልን ዝበለ ምእሳር ጥራሕ እንተይኮነስ በቲ ሕብረተሰብ ክፅላእ ‘ዮም ዝገብርዎ ዘለዉ። ምስ ስድርኡ እንተይቐረየ ክፃላእ’ዮም ዝገብሩ። ስለዚ ኮፍ ዝብል መንእሰይ ከይህሉ እናበሉ ብዘይ ድሌቱ ‘ዮም ንባዕርሶም ረብሓ ክብሉ ናብ ሓዊ ዘእትውዎ ዘለዉ።

መንእሰይ ኣብዚ ብምግዳሉ ዝጥቐመሉ ነገር የለን። ቕድሚ ሕዚ ዝነበሩ ተጋድልቲ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ። ብዘይ ምንም መትከሊ እግሪ ‘ዮም ናብ ገዝኡ ሰንዮሞ። መንእሰይ ቕድሚ ሕዚ ዝተጋደሉ እንታይ ገይርኩምሎም ከይብሎም ድማ ካብ ሕዚ ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ስኽ ኢልካ ብዘይ ጥቕሚ ምብታን ዝበሃል ነገር የለን እናበሉ ‘ዮም ንገሊኡ ዘታልልዎ ዘለዉ። እንቢ ዝበለ ድማ ባንዳ ‘ዮም ዝብልዎ። ወይ ተለኣኣኺ ናይ ፀላኢ ‘ዮም ዝብልዎ። እንተዘይ ተጋዲልኩም ዓንቐፍቲ ቓልሲ ስለ ዝኾንኩም ክንኣስረኩም ኢና እናበሉ ‘ዮም ዘፈራርሕዎ።

ወጋሕታ፡- ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ዘለዉ ሰብኣዊ ሓገዛት ብትኽክል ናብቲ ዝተፀገመ ህዝቢ ናይ ምብፃሕ ፀገም ከምዘሎ ‘ውን ይሕበር ‘ዩ። ንኣብነት ቐረባት ሕክምና ኣብ ውልቐ ፋርማሲታት እናሃለዉ ኣብ ሆስፒታላት ወይ ጥዕና ጣብያታት ግና ሕፅረት ኣሎ። ኣብዚ ዘሎዎም ርኢቶ።

ኮሎኔል ፍስሃ፡- መጀመርያ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ እኹል ኣይኮነን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ህወሓት እተን ውሱናት ዝኣተዋ ሰብኣዊ ሓገዛት ብትኽክል ናብቲ ዝተፀገመ ህዝቢ የባፀሐን ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ኣብዚ ፀገም ከምዘሎ ‘ውን ይሕበር ‘ዩ። ንኣብነት ቐረባት ሕክምና ኣብ ውልቐ ፋርማሲታት እናሃለዉ ኣብ ሆስፒታላት ይኹን ካልኦት ጥዕና ጣብያታት ሕፅረት ከምዘሎ ኣብ መቐለ ሓኪም ዝነበረ ዶክተር ኣረጋዊ ‘ውን ኣረጋጊፅዎ ‘ዩ።

ህወሓት ንቐደም ንባዕሎ ዝኣኽሎ ከይሓዘ ናብቲ ህዝቢ ከካፋፍል ኣይኽእልን ‘ዩ። እዚ ባህሪኡ ‘ዩ። ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ መብዛሕትኡ ንባዕሉ ‘ዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ። ኣብዚ ገለልተኛ ኣካል ኣትዩ በዓሉ እንተዘይኣከፋፊሉ ዓብዪ ፀገም ‘ዩ። ንህዝቢ ተባሂሉ ዝመፀ ንዕጡቓት ህወሓት ‘ዩ ዝውዕል ዘሎ። ህወሓት ንይምሰል ዝተወሰነ ይዕድል ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ተመሊሱ ንሰራዊት ቐለብ ኣዋፅኡ እናተባህለ ‘ዩ ዘሕደግ ዘሎ።

ብዛዕባ ሕፅረት መድሓኒት ኣብ መንግስታዊ ትካላት ከንርኢ እንተለና ዶክተር ኣረጋዊ ከምዝገለፆ፣ ኣብ መንግስታዊ ሕክምና ህዝቢ መድሓኒት ኣይረክብን። ምኽንያቱ ንውልቐ ሰባት ብምሻጥ ንናይ ባዕሎም ጥቕሚ ‘ዮም ዘውዕልዎ። እዚ ኣብ ክልተ መቒልካ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ። ሓደ ሕፅረት መድሓኒት ኣሎ እናበለ ንውልቐ ሰባት ብምሻጥ ገንዘብ ንምእካብ ‘ዩ እቲ ዕላማ። ካሊእ ድማ መንግስቲ ፌዴራል መድሓኒት ከይኣቱ ከልኪሉ እናበለ ንህዝቢ ዘይኮነ ሓበሬታ ብምሃብ ንምድንጋር’ዩ። በዚ ኣቢሉ ፖለቲካዊ ዕላምኡ ንምዕዋት ‘ዩ።

ኣብ እዋን ደርጊ ጀሚሩ ዝኣቱ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ህወሓት ንናይ ባዕሉ ረብሓ ‘ዩ የውዕሎ ነይሩ። እዚ ሓዱሽ ኣይኮነን። ምስ ናይ ቕድሚ ሕዚ ተመሳሳሊ ‘ዩ። ዝተፈለየ ኣይኮነን። ስለዚ ኣመራርሓ ህወሓት ቕድሚ ሕዚ እኳ ህዝባዊ ኢና ኣብ ዝብልሉ ዝነበሩ እዋን ከምዚ ዝገብሩ ዝነበረ፣ ሕዚ ድማ ሰብኣዊ ባህሪ ‘ውን ዘይብሎም ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ። ብጋሕዲ ‘ዮም ዝሰርሕሉ ዘለዉ። ስለዚ ብሓፂሩ እቲ ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ዋላ እኹል ኣይኹን ናብ ውልቐ ጥቕሞም ‘ዮም ዘውዕልዎ ዘለዉ።

ወጋሕታ፡-ነዚ ኩሉ መፍትሒኡ እንታይ ‘ዩ ይብሉ? ብፍላይ ካብ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኮሎኔል ፍስሃ፡- መጀመርታ ትግራዋይ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን ዘሎ። ካብ ትግራይ ወፃኢ ብዙሕ ትግራዋይ ኣሎ ‘ዩ። ፖለቲካዊ ፓርቲታት ‘ውን ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣለና ኢና። ባዕሉ ብልፅግና ‘ውን ኣሎ ‘ዩ። ኣብዚ ዘሎ ትግራዋይ ብዙሕ በደላት ዝበፅሖ ዋላ እኳ እንተኾነ ንህዝቢ ወዲብናን ኣእሚናን ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝጠቕም ብሰፊሑ ከንሰርሕ ኣለና። ኣብ ጎኒ ህወሓት ዝስለፉ ኣካላት ‘ውን እንተልዮም ስርዓት ክሕዙ ከንገብር ኣለና። ከምዚ እንተገይርና ህወሓት ሓገዝ ዝበሃል ኣይረክብን። ክዳኸም ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። በዚ ኣቢሉ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት ናፃ ክወፅእ ይኽእል ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕዚ ብህወሓት ክጥቐም ስለ ዘይኽእል ኣብ ጎኒ ህወሓት ክስለፍ የብሉን። ምኽንያቱ ህወሓት ናይ ቕድሚ ሕዚ ዓወት ዘይዓቐበ ሕዚ ተኣምር ፈጢሩ ንህዝቢ ዝጠቕም ኣይኮነን። ህዝቢ ነዚ ተረዲኡ ኣብ ርእሲ ህወሓት ፅዕንቶ ከህሕድር ‘ዩ ዘለዎ። ወይ ኣገዲዱ ናብ ሰላም ከምፀኦ ኣለዎ፤ እንተዘይኮይኑ ድማ ምስ መንግስትን ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባትን ብምትሕብባር ከውግዶ ኣለዎ። ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይጠቕም ክፍለጥ ኣለዎ። ብፍላይ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣብዚ ንህዝቢ ክነረድኦ ኣለና።

ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ኣብ ዝሓለፉ ብረታዊ ቃልሲ ቐያሕትን ፀለምትን ደቑ ገቢሩ ‘ዩ። ዓወት ‘ውን ሓፊሱ ነይሩ ‘ዩ፤ ታሪኽ ሰሪሑ ‘ዩ፤ ይኹን ‘ምበር ካብዚ ዓወት እዚ ህዝቢ ትግራይ እንተይኮነ ውሕዳት

 ኣመራርሓ ህወሓት ጥራሕ ‘ዮም ተጠቒሞም፤ ፈንጂ እናረገፁ ሂወቶም ዘሰውኡ፣ ኣካላቶም ዘጉደሉ ተረሲዖም ተሪፎም ‘ዮም። ኣይተጠቐሙን። ዝዝክሮም ኣካል ‘ውን ኣይረኸቡን። ስልጣን ምስ ሓዙ ካብ ሕዚ ኣይንደልየኩምን ‘ዮም ተባሂሎም። ካብ ገንዘብ ትእምት ‘ውን ክጥቐሙ ኣይተገብረን።

ስለዚ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ክጥቐመሉ ‘ምበር ከርበሖ ኣይኽእልን ‘ዩ። ናይ ቕድሚ ሕዚ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ። ናይ ዝሓለፈ በደል ይኣኽለና ክብል ኣለዎ። ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይትፍለዩና ክብሎም ኣለዎ።ቕድሚ ሕዚ ኣይጠቐምኩምናን ሕዚ ‘ውን ኣይትጠቕሙናን ክብል ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ምስ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ። ሕዚ ብሰንኪ ህወሓት ምስ ኣሓቱ ክዋጋእ የብሉን። ኣይተፃልኡና ሓቢርና ተሳኒና ኢና ከንነብር ንደሊ ክብሎም ኣለዎ። ንሕና ሰላም፣ ፍትሒ፣ መዓርነት ኢና ንደሊ ክብል ኣለዎ። ኩሉኹም ፓርቲታት ትግራይ ብመዓርነት ቕረቡና ካብኡ ንደልዩ በዓልና ከንመረርፅ ክብሎም ኣለዎ። ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም ፍጠሩ ክብሎም ኣለዎ። ክሰምዑ እንተዘይክኢሎም ድማ ብሓይሊ ከውግዶም ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ናብ ትግራይ ከይንኣቱ ተኸልኪልና ዝነበርና ትዴፓን ዓረናን ኢና። ብልፅግና ገዛኢ ፓርቲ ከም ምዃኑ መጠን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ትግራይ ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ከንመያጥ መድረኸ ክኸፍተልናን ከመቻችወልናን ኣለዎ። ግና ንሕና ‘ውን መንግስቲ ኩሉ ነገር ከመቻችወልና ከንፅበ የብልናን። በዓልና ከንፅዕርን ከንዘራረብን ‘ዩ ዝግበአና። ሓቢርና ከንሰርሕ ኣለና። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብቐዳምነት ክፍታሕ ዝኽእል ብትግራዋይ ‘ዩ። ኣብዚ በርቲዕና ከንሰርሕ ‘ዩ ዝግበአና። ናይ ፖለቲካ ፍልልይ ከምዘለዎ ኮይኑ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምጥቓም ግና ሓደ ዓይነት እምነትን ሓሳብን ሒዝና ንህዝቢ ትግራይ ከድሕኑ ዝኽሉ ሓሳባት እናሓንፀፅና ከንውደብ ኣለና። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምድሓን ፍልልይ ክህልወና ኣይግባእን፤ ዝብል ሓሳብን እምነትን ‘ዩ ዘለኒ። በዚ ናብ ተግባር ክንኣቱ ይግባእ። ካሊእ መማረፂ ተልዩ ‘ውን ከንፍትሽ ‘ዩ ዘለና። ህወሓት ናይ ሰላም መገዱ ዕፁው ስለ ዝኾነ ብዙሕ ኣማራፂ ከንጥቐም ኣለና። እንተዘይ ተወዲብና ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኣርዑት ህወሓት ክነላቕቖ ኣይንኽእልን።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ንህዝቢ ትግራይ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዎም?

ኮሎኔል ፍስሃ፡- ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሕዚ ክቓለስ እንተሎ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉ ዓወት ረኺቡ ነይሩ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብሰንኪ ውሕዳት መራሕቲ ህወሓት ተጎዲኡ ፀኒሑ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ከም ናይ ትማሊ ናዓ ዕጠቕ እናተባህለ ይግደድ ኣሎ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ናይ ቕድሚ ሕዚ ይኣኽለና ‘ዩ። እንታይ ገይርኩምልና? ክብሎም ኣለዎ። ድሕሪ ሕዚ ኣይንዓጥቕን ክብሎም ‘ዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ ህወሓት ዘካይዶ ዘሎ ጎስጓስ ኩናት ንናይ ባዕሉ ረብሓ ‘ምበር ንህዝቢ ዝጠቕም ኣይኮነን። ደቕና ኣይነውድእን፤ ኣይንቕበለኩምን ክብሎም ኣለዎ።

ዝኣቱ ዘሎ ረድኤት ድማ ህዝቢ ትግራይ ንባዕሉ ዝመፀ ምዃኑ ተረዲኡ ክምንጠል የብሉን። ንዓና ‘ዩ መፂኡ ብምባል መሰል ረብሕኡ ከረጋግፅ ኣለዎ። ዝመፀ ረድኤት ንህዝቢ ትግራይ ‘ምበር ንህወሓት ኣይኮነን ክብሎም ኣለዎ። መድሓኒት ‘ውን ንህዝቢ ‘ዩ መፂኡ ኮይኑ ግና ህወሓት ‘ዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ። ኣብዚ ‘ውን ረብሕኡ ንምኽባር ክቓለስ ‘ዩ ዘለዎ። እንተዘይኮይኑ ጥቕምና ኣይተኽብሩልናን ዘለኹም ኣይንደልየክሙን ክብሎም ‘ዩ ዝግባእ ዝብል መልእኽቲ ‘የ ከመሓላልፍ ዝደሊ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና።

ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

 መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 4 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You