
ፈለምቲ ፀወታታት መፃረዪ ፀወታ 2023 ካብ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይበልፅ እዋን ክዛዘም ‘ዩ። ኣብዚ እዋን እዚ መዳለዊት ፅዋዕ ኣፍሪካ ኮትዲቫር ሓዊሱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሃገራት ናይ መፈለምታ ፀወተአን ኣብ ዘይሻራ ወይ ድማ ፍሉይ ሜዳ ክገብራ ከም ዝኽእላ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝወፀ መረዳእታ ኣመላኺቱ።
ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ፀወትኣ ኣብ ሜድኣ ከይትገብር ካብ እትኽልከል ልዕሊ ሓደ ዓመት ገይራ ‘ያ። ኣብ ቐፀልቲ መፃረዪ ፀወታታት ፅዋዕ ኣፍሪካ እቲ ኽልከላ ንኽልዓል መዳለዊ ኮንፌደሬሽን ክዑሶ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) እቶም ስቴዲየማት ኣብ ኽልተ ዝተፈላለዩ እዋናት ድሕሪ ምግምጋም ኣብ ውሳነ ከምዝበፅሕ ዝፍለጥ ‘ዩ። ካፍ ብመዐቀኒኡ፤ እተን ስቴዲየማት ብቑዓት ኾይነን ተዘይረኺቡወን ኢትዮጵያ ፀወታታት እትገብረሉ ኻሊእ ሜዳ ንኽተዳልው ክገብር ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
ኣብ ምድብ ኣባዕተ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስ ግብፂ ፣ ማላውን ጊኒን ዝተደልደለት ኢትዮጵያ ፤ድሕሪ ወርሒ እቲ ፈላማይ መፃረዪ ፀወታ ካብ ሜድኣ ወፃኢ ክትገብር ‘ያ። ኣብ ዝመፅእ ሰነ ድማ ምስ ግብፂ ኣብ ሜድኣ ክትፃወት ‘ያ። መዳለዊ ፀወታ ክዑሶ ኣፍሪካ ድማ ኢትዮጵያ ፈላማይ ፀወተኣ ካብ ሜድኣ ወፃኢ ብምግባራ ንግዚኡ እንተኾነ ‘ወን ዝተፈለየ ሜዳ ብህፁፅ ንምእላሽ ንኸይትግደድ ምግባሩ ዝእመን ዩ።ኾይኑ ግና ኢትዮጵያ እቲ ኻልኣይ ፀወታ ኣብ ሜድኣ ስለትገብር እንተንኣሰ ካብ ወርሒ ኣብ ዘይበልፅ እዋን መስፈርቲ ዘማልእ ስቴዲየም ክተዳልው ግድን ‘ዩ።
ነዚ ድማ ቐፃሊ ፕሪመሪሊግ ኢትዮጵያ ዘተኣናግድ ስቲዲየም ባህርዳር ንዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ዝገበሮ ሕድሳት ተዛዚሙ ብቑዕ ክኸውን ከምዝኽእል ተስፋ ይግበር። ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ፀወታታት ከይትእንግድ ቕድሚ ምእጋዳ ማለት’ውን ቕድሚ ሓደ ዓመት ስቴዲየም ባርህዳር ብቐዋምነት ዓለምለኸ ፀወታታት እናካየደ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ‘ዩ።እቲ ስቴድየም ፀወታታት እንተካይድ ብካፍ መጠንቐቕታ እናተውሃቦ ዘዝቐደመ ዝተመሓየሸ ስራሕቲ ንኽሰርሕ ተገይሩ ‘ዩ። ስራሕቲ ምምሕያሽ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ድማ እኹል ምምሕያሽ ኣይተገበረን ኢሉ ስለዝኣመነ ንኽልከላ ዳሪግዎ ‘ዩ። በዚ ድማ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኸ መፃረዪ ፀወታ ኳታር፤ ኣብ መወዳእታ ፀወታ ጋናን ዚምባዌን ካብ ሜዳ ወፃኢ ንምግጣም ተገዲዱ ከምዝነበረ ይዝከር።
ኬንያ፣ ዩጋንዳን ርዋንዳን ስቴዲየመን ድሕሪ ምግምጋሙ ኻሊእ ፍሉይ ሜዳ መሪፀን ኣዳልየን ንኸፍልጣ መዳለዊ ፀወታ ክዑሶ ኣፍሪካ ዕድል ከም ዝህበን ተፈሊጡ ‘ዩ። ቡርኪናፋሶ ፣ሌሴቶ ፣ናሚቢያ ፣ደቡብ ሱዳንን ቡሩንዲን ዝኣመሰላ ሃገራት ናይ መፃረዪ ፀወትአን ኣብ ቡርኪናፋሶ፣ ሴሌቶ ፣ናሚቢያ ፣ደቡብ ሱዳንን ብሩንዲን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ሜድአን ፀወታታት ክገብራ ተዘይክኢለን ኣብ ዘይሻራዊ ሜዳ መሪፀን ንመዳለዊ ፀወታ ክዑሶ ኣፍሪካ ከፍልጣ እየን ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
ጋምቢያ ፣ላይበሪያ ፣ዚምባዌ መፃረዪ ፀወትአን ኣብ ሴኔጋል ንምግባር ድሌተን ዘርአያ እንትኾና ፤ጊኒን ዛምብያን ኣብ ሴኔጋል ፀወታ ንምግባር ድሌት ከምዘለወንን ኣብ ውሳነ ግና ከምዘይበፅሓ ተፈሊጡ።
ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምስንዳእ ኣብ ምድላው እትርከብ ኮትዲቫር ናይ መፃረዪ ፀወትኣ እትገብረሉ ስቴዲየም ንካፍ ከም ዘየመዝገበት ዘዘራርብ ‘ዩ።ኮትዲቫር መመዘንታት ካፍ ዘማልእ ስቴድየም ምስ ዘይብለን ሃገራት ተሰሪዓ ናይ መወዳእታ ዓለምለኸ ፀወትኣ ኣብ ቤኒን ምግባራ ዝፍለጥ ‘ዩ።ይኹን ‘ምበር ፌዴሪሽን ኩዕሶ እግሪ ናይታ ሃገር ሓዱሽ እናተሃነፀ ዝርከብን ዒስራ ሽሕ ተመልካቲ ዝሕዝ ስቴድየም ሙስኩሮ ንቐፃሊ ናይ መፃረዪ ፀወታታት ንኸካይድ ንካፍ ፍቓዱ ሓቲቱ ‘ዩ።
መዳለዊት ፅዋዕ ኣፍሪካ ኮትዲቫር ሓዊሱ ናይ መፃረዪ ፀወትአን ዘካይዳሉ ዘይሻራዊ ሜዳ ንኸፍልጣ ካብ መንጎ ዝተሓተታ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሃገራት ማላዊ፣ ጊኒ ቢሳው ፣ ሪፐብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካን ሩዋንዳን ይርከባ።
ደቡብ ኣፍሪካ ፣ግብፂ ፣ ሞሮኮ ፣ ናይጀሪያን ካሜሮንን ካብ ሓሙሽተ ዘይበልፃ ሃገራት መዐቀኒ ካፍ ዘማልአ ስቴዲየም ከምዘለወን መረዳእታታት ይሕብሩ።
ሄርሞን ፍቃዱ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም