«ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሐዚ ናብ ኩናት ኣይንኣቱን ይኣኽለና ክብል ኣለዎ»

 – ኣይተ መኮነን ዘለለው

 ኣይተ መኮነን ዘለለው ነባር ተጋዳላይ ህወሓትን መስራቲ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን (ትዴፓ) ’ዮም። ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ወልቃይት ዝተወለዱ እንትኾኑ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ’ዮም ተማሂሮም። ካልኣይ ብርኪ ምስ ወድኡ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ መሰልጠኒ መምህራን ኮተቤ ተመሪቖም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብሞያ መምህርነት እናምሀሩ እናሃለዉ ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ዓፋኒ ስርዓት ንምቅላስ ናብ ገድሊ ህወሓት ብምፅምባር ዝተወሰነ ዕድመኦም ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ’ዮም ኣሕሊፎሞ። ኣብ ከይዲ ምስ ህወሓት ናይ ዕላማ ፍልልይ ስለዘጋጠሞም ካብቲ ውድብ ብምውፃእ ኣብ ኣሜሪካ ከይዶም ምስ ከምኦም ዝበሉ ብፆቶም ኮይኖም «ትግራይ ዲሞክራስያዊ ምትሕብባር» ዝብል ውድብ ብምምስራት ሰላማዊ ቓልሲ ከካይዱ ብምፅናሕ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ምስመፀ ናብ ሃገሮም ብምምላስ ምስ ከምኦም ዝበሉ መቓልስቶም ብሓባር ኣብ ዝመስረትዎ «ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ» ኮይኖም ምእንተ ፍትሒ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ህወሓት ኣብ ሰላማዊ ቓልሲ እናነጠፉ ይርከቡ። እምባኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ፣ ኣይተ መኮነን ዘለዎም ናይ ነዊሕ ዕድመ ፖለቲካዊ ተሞክሮን ልምድን ከካፍሉና ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂብና ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓፈሻዊ ነባራዊ ኩነታት ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ መኮነን፡- ኩሉ ከምዝፈልጦ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቚልውላው ‘ዩ ዘሎ። ካብ መፈለምትኡ ጀሚሩ ናብ ኩናት ክኣቱ ኣይነበሮን። ኩናት መዕነዊ ‘ዩ፤ ብሓፈሻ ምዕባለ ህዝቢ ንድሕሪት ዝጎትት ‘ዩ። ሂወት ሰብ ‘ውን ዝበልዕ ‘ዩ። ንሕና ከም ትዴፓ እቲ ኩናት ከይጅመር ህወሓት ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተረዳዲኡ ክኸይድ ኢና ንፅበ ነይርና። ግና እቲ ኩናት ክተርፍ ኣይከኣለን፤ ብሰንኪ መራሕቲ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ናብ ዘየድሊ ኩናት ኣትዩ ‘ዩ።

ህወሓት ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ፀገማት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ብልዝብ ምፍታሕ ኣይፈልጥን። ባህሪኡ ዕንቕፅና ዝተመልኦ ‘ዩ። ኩሉ ነገር ብቕልፅም ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ‘ዩ ዝኣምን። ክሳብ ሕዚ በዚ ‘ዩ ዝቕፅል ዘሎ። 17 ዓመት ምስ ደርጊ ኩናት ኣካይዱ ‘ዩ፤ ካብዚ ህዝቢ ትግራይ ተጎዲኡ እምበር ኣይተጠቐመን። ብተመሳሳሊ ምስ ኤርትራ ‘ውን ኩናት ኣካይዱ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ካብ ሕሉፍ ኩናት ኣብ ክንዲ ምምሃር መሊሱ ‘ዩ ናብዚ ኩናት እዚ ኣትዩ። በዚ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ኩነታት ክወድቕ ገይርዎ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ንብረቱ ስኢኑ፤ ደቑ ገቢሩ፤ ደቒ ኣንስትዮ ተደፊረን፤ ኣዴታት ሰኣን ሕክምና ኣብ ወሊድ ይሞታ ኣለዋ፤ ህፃውንቲ ብሰንኪ ጉድለት ምግቢ ከምኡ ‘ውን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ብምኽንያት ሕፅረት መድሓኒት ይሞቱ ኣለዉ።

ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ህወሓት ምግብን መድሓኒትን ስኢኑ ኣደዳ ሕማምን ሞትን ይኸውን ኣሎ ‘ዩ። ናብ ጎረባብቲ ክልላት ‘ውን ይስደድ ኣሎ። ምስ እዚ ኩናት እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘይበፅሐ ግፍዒ የለን። ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ፀገም ‘ዩ በፂሕዎ። ስኣን ሕክምና ሕሙማት ተሓኪሞም ክድሕኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ይሞቱ ኣለዉ ‘ዮም።

ጎረቤት ክልላት ከይረድእዎ ‘ውን ኮነ ኢሉ ኣባኢስዎ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ህዝቢ ኣምሓራ ተማዛቢሎም ዝመፁ ተጋሩ ተቐቢሉ የተኣናግዶም ኣሎ ‘ዩ። እዚ ክነኣድ ዝግበኦ ተግባር ‘ዩ። ህዝቢ ሓቢሩ ምንባሩ ስለ ዘይቐርዮ ክተሓጋገዝ ‘ዩ ዘለዎ። ካልኦት ለገስቲ ትካላት ‘ውን ዝህብኦ ዘለዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጣናኺረን ክቕፅላሉ ኣለወን። ምኽንያቱ ሕዚ ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብጣዕሚ ውሑድ ‘ዩ፤ ንኹሉ ህዝቢ ክበፅሖ ዝኽእል ኣይኮነን።

ኣብቲ ምዕዳል ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ እቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ ኣካላት በዓሎም ኣትዮም ናብ ህዝቢ ዝበፅሕ ምህላዉ ክከታተሉ ኣለዎም። ምኽንያቱ ህወሓት በዓሉ ፀገም እናፈጠረ ካብቲ ፀገም ክርባሕ እዩ ዝደሊ። ክብል ዝደለኹ ህዝቢ ጠምዩ ተባሂሉ ንህዝቢ ዝኣቱ ዘሎ ሓገዝ እኽሊ ይኹን መድሓኒት ብቐዳምነት ንበዓሉን ደገፍቱን እዩ ዘውዕሎ ዘሎ። ህወሓት በዓሉ ካብ ዝፈጥሮ ፀገም ምጥቓም ሕዚ እንተይኮነ ጀሚርዎ ምስ ደርጊ ብረታዊ ቓልሲ የካይደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ጀሚሩ እዩ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዝኒሀ ፀገም ንኽወፅእ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ መኮነን፡- ህወሓት ሃገር እናመርሐ ኣብዝነበረሉ እዋን ጀሚሩ ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሴፍቲኔት ‘ዩ ተሓቚፉ ይነብር ነይሩ። እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም፣ ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሕዚ ኣብ ድኽነት ስለ ዝፀንሐ ‘ዩ ክፃወሮ ዘይከኣለ። ናይዚ ፀገም እዚ መበገሲ ህወሓት ‘ዩ። ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ውድብ ኣይኮነን። ካሊእ ሙሁር ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ናብ ስልጣን ክመፅእ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብደገ ዘሎ ሙሁር ትግራዋይ ህዝቢ ትግራይ ዝቖፃፀሮ ኣመራርሓ ክህሉ ክቓለስ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ናፃነቱ ዝረክብ ብምምራፅ ኣቢሉ ‘ዩ። መራሕቱ በዓሉ ናፃ ኮይኑ ክመርፅ እንተዘይ ክኢሉ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ከግልግሎ ዝኽእል መሪፁ ክመሓደር ኣለዎ። ህወሓት ህዝቢ ትግራይ መሪፁኒ ‘ዩ ዋላ ይበል ከምቲ ኣብ ፌዴራል ኮይኑ ዝገብሮ ዝነበረ ዓይነት ምጭብርባር መረፃ ‘ዩ ተጠቒሙ ተመሪፀ ዝብል ዘሎ። ቕድሚኡ ካብ ዝገብሮም ዝነበሩ መረፃታት ምንም ዝፋላለ ኣይነበረን። ህዝቢ ትግራይ ናፃነት ክሳብ ዝረክብ ክቓለስ ኣለዎ። ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ‘ውን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ኮይኖም ፀገሙ ክርድኡሉ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- ኣመራርሓ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ምሁራት ዝገበርዎ ምይይጥ ተባሂሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ድምፂ፣ ኣብ እዋን ኹናት እኹል ስልጠና ዘይነበሮ መንእሰይ ይጥቀሙ ከምዝነበሩን፣ ሐዚ’ውን ንኹናት ይዳለዉ ከምዘለዉን ’ዩ ዘመልክት። ከምኡ ’ውን ነቲ ፀገም ብውግእ ከንፈትሖ ኢና ’ዮም ዝብሉ። እስቲ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ይግለፁልና?

ኣይተ መኮነን፡- ህወሓት ካብ ሓደ ወርሒ ዘይበልፅ መናእሰይ ኣሰልጢኑ ናብ ኩናት ክኣትዉ ምግባር ማለት ንህዝቢ ትግራይ ዘይሓስብ ውድብ ምዃኑ ‘ዩ ዘሪአካ። እንደጋና ነቲ ዘሎ ፀገም ብሓይሊ ክፈትሖ ‘የ ማለቱ ካብ ኣመፃፅእኡ ጀሚሩ ብሓይሊ ስለ ዝኣምን ‘ዩ። ቕድሚ ሕዚ ከም ኣጋጣም ኮይኑ ብዙሓት ውድባት ብሓይሊ እናጨፍለቐ ‘ዩ መፂኡ። ሕዚ ‘ውን ከምዚ ‘ዩ ዝኣምን። ፀገም ብሰላም ዝፍታሕ ኣይመስሎን።

ንስልጣኑ ክብል መዓት መናእሰይ ‘ዩ ዘውድእ ዘሎ፤ ብዙሕ ሰራዊት ፀላኢ ደምሲስና እናበሉ ንሕና ግና ኣይሞተናን ‘ዮም ዝብሉ፤ መስዋእቲ እንተይኸፈልካ ከመይ ገይርካ ፀላኢ ከትድምስስ ትኽእል? ህወሓት መናእሰይ እኹል ስልጠና ከይወሰዱ ናብ ኩናት ዝዳጉኖም ዘሎ ምኽንያት ድማ ንስልጣኑ ጥራሕ ‘ምበር መንእሰይ ትግራይ ይወዳእ ኣይወዳእ ዘጨንቖ ኣይኮነን። መንእሰይ ትግራይ የሀልቕ ‘ዩ ዘሎ። ድሌት ህወሓት ስልጣን ‘ምበር ብዛዕባ መንእሰይ ትግራይ ብኹናት ምፅናት ዘጭንቖ ኣይኮነን።

ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ህወሓት ካብ ኣዲስ ኣበባ ብህዝቢ ተተፊኡ ምስከደ መኸተ እናበለ ንባዕሉ ክብል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኩናት ክኣቱ ‘ዩ ገይርዎ። ህወሓት ኩሉ ግዘ ንህዝቢ ትግራይ ንኹናት ‘ዩ ዝጥቐመሉ። ዘይሰልጠነ

 መንእሰይ ገፊጥካ ናብ ኩናት እናኣተኻ ክውዳእ ምግባር እዚ ዕብዳን ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፀገሙ እናገፈፈ ‘ዩ ንኹናት ዘዳልዎ ዘሎ።

እዚ ውድብ ፀገም ብሰላም ዝፍታሕ ምዃኑ ኣይፈልጦን፤ እቲ ፀገም ብሰላም ክፍታሕ ክገብር ነይርዎ፤ ግና ኣይገበሮም። መራሕቲ ህወሓት ምይይጥ ዝባሃል ኣይኣምንሉን። ህወሓት ኣብ ክንዲ ሓድነት ኢትዮጵያውያን ክጥንክር ምግባር ክልሕልሕ እናገበረ ‘ዩ መፂኡ። ሓቢርካ ምንባር ኣይፈልጥን። ሰላም ክመፅእ ዝኽእል ብምይይጥ ‘ዩ ‘ምበር ብኹናት ኣይኮነን። ህወሓት ግና ሰላም ክመፅእ ዝኽእል ብኹናት ‘ዩ ዝመስሎ። ህዝቢ ትግራይ 17 ዓመት ተቓሊሱ ፍትሒ ይኹን ሰላም ዝበሃል ኣይረኸበን። ምዕባለ ኣይረኸበን። ሕዚ ‘ውን ነዚ ፀገም እዚ መፍትሒኡ ምዝርራብ ‘ምበር ኩናት ኣይኮነን።

ንህወሓት ንምድሓን ተባሂሉ ‘ዩ ናብዚ ኩሉ ፀገም ተኣትዩ። ኮይኑ ግና ህወሓት ፀገም ህዝቢ ትግራይ ሓንቲ መዓልቲ ናብ ሕሊንኡ ኣእትይዎ ኣይፈልጠን። ህወሓት ንምድሓን ህዝቢ ትግራይ ተዝኾን ነይሩ ናብ ኩናት ኣይምኣተወን ነይሩ። ንህዝቢ ዝሓስብ ተዝኸውን ነይሩ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ስዕረቱ ክቕበል ነይሩ ‘ዩ። ስለዚ ህወሓት ነቲ ፀገም ብኩናት ክፈትሖ ‘የ ምባሉ ከም እንደጋና ንህዝቢ ናብ ዝበኣሰ ፀገም ከእትዎ ‘ምበር ነቲ ፀገም ክፈትሖ ኣይኽእልን ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ጉድኣት ዘምፅእ ‘ምበር ካሊእ ትርጉም ኣይህልዎን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ሆስፒታላት ትግራይ ብሰንኪ ሕፅረት ኣፋውስ ብዙሕ ህዝቢ እናሞተ እናሃለወ ኣብ ኣብያተ ኣፋውስ ግና እኹል ኣፋውስ ከምዘሎን ’ዩ ዝሕበር፤ እቲ ምኽንያት ድማ ብለገስቲ ኣካላት ዝኣትው ኣፋውስ ህወሓት እናተቐበለ እናሸጦ ከምዝኾነ ’ዩ ዝሕበር። ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?

ኣይተ መኮነን፡- እዚ ሓቒ እዩ፤ ዶክተር ኣረጋዊ ሓጎስ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝሰርሕ ዝነበረ ሙሁር ትግራዋይ ኣብ ቐረባ እዋን ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂኡ ነዚ ኣረጋጊፁ ‘ዩ። ኣብ ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕፅረት ኣፋውስ ብዙሕ ሰብ ከምዝመውት ‘ዩ ዝዛረብ። ኮይኑ ግና ኣብ ፋርማሲታት ኣለዉ ‘ዮም ኢሉ ‘ዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ከምዝፍለጥ ህወሓት ናይ በዓሉ ጥቕሚ ንምሕላው ክብል እቲ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ንውልቐ ትካላት ኣብያተ ኣፋውስ ስለ ዝሸጦም ‘ዩ። ምስ እዞም ኣካላት እዚኦም ብጥቕሚ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ ‘ዩ። ህወሓት ብዛዕባ ፀገም ህዝቢ ዝግድሾ ኣይኮነን። እዚ ንህወሓት ሓዱሽ ኣይኮነን ቕድሚ ሕዚ ‘ውን ከምዚ ይገብር ነይሩ ‘ዩ።

ህወሓት ምሻጥ ጥራሕ ኣይኮነን ምዝራፍ ‘ውን ስርሑ ‘ዩ። ኣብ ዝኣተዎም ቦታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብዙሕ ዘሪፉ ‘ዩ፤ ዓመፅ ደቂ ኣነስትዮ የካይድ ከምዝነበረ ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ። እዚ ምስ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ኮነ ኢሉ ንምፅላእ ‘ዩ። ሕዚ ድማ ዝኣቱ ዘሎ ኣፋውስ ንካድረታት ህወሓት ብምሻጥ፣ ንህዝቢ ግና መድሓኒት የለን እናተባህለ ኣብ ከቢድ ፀገም ክወድቕ ‘ዩ ዝገብር ዘሎ። ስለዚ መድሓኒት ተሳኢኑ አንተይኮነስ ንውልቀ ካድረታት ህወሓት እናሸጦ ስለ ዝኾነ ‘ዩ። ስለዚ ህወሓት ብሰንኪ ሕፅረት ኣፋውስ ህዝቢ ትግራይ እናተሞተ ንውልቐ ካድረ ነጋዶ ምሻጥ ማለት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሎዎ ጭኻነት ‘ዩ ዘሪአካ። ህዝቢ ትግራይ ግና ብኹሉ ‘ዩ ዝጉዳእ ዘሎ። ህወሓት ብሽም ህዝቢ ትግራይ እናሸቐጠ ዝነብርን ንህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝቓለስ ዘሎ ውድብ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ደጊሙ ኩናት ብምውላዕ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝበኣሰ ፀገም ከየአትዎ ካብ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ መኮነን፡- ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕዚ ናብ ኩናት ኣይንኣቱን ይኣኽለና ክብል ኣለዎ። ህዝቢ ዘዋፀኦ ክማኸር ኣለዎ።ዝጠቕሞን ዘይጠቕሞን በዓሉ ፈልዩ ይፈልጥ ‘ዩ። ህወሓት ኣይኮነን ዝውስነሉ። በዓሉ መራሕቱ ዝመርፀሉ መንገዲ ከመዓራሪ ኣለዎ። ብፍላይ ሙሁር ትግራዋይ ክሓስብ ኣለዎ። ሰላም ከመይ ገይርና ኢና ክነምፅእ ንኽእል ብምባል ክመክርን ክሓስብን ኣለዎ። ህዝቢ ዝጠቕሞን ዝእዝዞን መራሒኡ ከቕምጥ ይግባእ። ድሕሪ ሕዚ ህወሓት ከማሓይሽ ኣይኽእልን።ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ብህወሓት ዝተገዝኦ ይኣኽሎ ‘ዩ። እዚ ውድብ እዚ ብዙሕ ገበን ፈፂሙ ስለ ዝኾነ ተሓታቲ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ብሓፈሻ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ወይ ሰላም ክረክብ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ኣይተ መኮነን፡- ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንኽፍታሕ እንተኾይኑ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ፀገም ክርደአሉ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያዊ ‘ዩ፤ ንኢትዮጵያ ብዙሕ ዋጋ ከፊሉ ‘ዩ። ንናፅናት ኢትዮጵያ ክብል ዓፅሙን ደሙን ዝኸስከሰ ህዝቢ ‘ዩ። ስለዚ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ኣብዛ ፀባብ እዋን እዚኣ ክሕግዞ ኣለዎ።ተመዛቢሉ እንተመፂእዎ ‘ውን ክቕበሎ ኣለዎ። ወገኑ ስለ ዝኾነ ክሕብሕቦ ‘ዩ ዝግባእ። ኢትዮጵያ ከትህነፅ እትኽእል ብኸምዚ ‘ዩ። ንዘመናት ብሓደ ዝነበረ ህዝቢ ብዘይረብሕ ፖለቲካ ክፃላእ የብሉን። ህዝቢ ትግራይ መን ‘ዩ ፀላኢየይ ኢሉ ክፈልጥ ኣለዎ። ፀላኢኡ ብምፍላጥ ንሰላም፣ ናፅናትን ፍትሕን ተወዲቡ ክቓለስ ኣለዎ።

ሰላም ክፍጠር እንተኾይኑ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት እቲ ቐንዲ በዓል ጉዳይ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ክሳተፍ ኣለዎ። በዓል ጉዳይ ድማ ህወሓት ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ሕዚ ኣብ ትግራይ መንግስቲ ዝበሃል የለን። ህወሓት እንተይልና ናይ መንግስቲ ቕርፂ የብሉን። ህዝቢ በዓሉ ‘ዩ ዝመሓደር ዘሎ። ንህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ካድረ ‘ዩ ዝእዝዞ ዘሎ። ፍትሒ፣ ዳኝነት፣ ሕክምና፣ እኹል ምግቢ፣ ትምህርትን ካልኦት መንግስታዊ ግልገሎታትን ኣይረክብን ዘሎ። ህዝቢ ነዚኦም ዘይረክብ እንተኾይኑ መንግስቲ ኣሎ ከትብል ኣይትኽእልን። ምይይጥ ምስ ህዝቢ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ። ህዝቢ ንኽመያየጥ ድማ ዕድል ክረክብ ኣለዎ። እቲ ምይይጥ ህወሓት ብዝጥቐመሉ እንተኾይኑ ሰላም ክመፅእ ኣይኽእልን። ስለዚ በዓል ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ስለ ዝኾነ ክመያየጥ ዘሎዎ ህዝቢ ትግራይ ‘ምበር ህወሓት ኣይኮነን። ነዚ ድማ መንግስቲ ፌዴራል ከመቻችው ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ክቐሪ የብሉን ዝብልዎ መልእኽቲ እንተሃልይዎም ዕድል ክህቦም፤

ኣይተ መኮነን፡- ህወሓት ኣብ ነንርእስና ቒም እናፈጠረ መፂኡ ‘ዩ፤ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሕማቕ ኣራኣእያ ክፍጠር ገይሩ ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ቕርሕንቲ እዚ ህወሓት ዝፈጠሮ ምዃኑ ተረዲኡ ህዝቢ ትግራይ ሓዉ ምዃኑ ፈሊጡ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ሓራ ዝወፀሉ ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ። ክሕግዞ ኣለዎ። ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፍትሕን መዓርነትን ዘለዎ ስርዓት ብምፍጣር ንቕድሚት ክቕፅል ኣለዎ። ሓደ ሓደ ኣኽረርቲ ብዝዛረብዎ ዘረባታት ሰሚዑ ህዝቢ ክደናገርን ክህወኽን የብሉን። ህወሓት ዝፈጥሮ ዘሎ ፀገም ከምዘለዎ ኮይኑ ሓደ ሓደ ኣኽረርቲ ኣካላት ‘ውን ኣለዉ ‘ዮም። እዞም ኣኽረርቲ ኣካላት ከም ህወሓት ኣብ መንጎ ህዝቢታት ፀገም ዝፈጥሩ ‘ዮም። መንግስቲ ድማ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘቐያይም ዘረባታት ዝዛረቡ ኣካላት ክቖፃፀሮም ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ፀገም እዚ ዝወፀሉ መገዲ ‘ዩ ክተሓባበር ዘለዎ። መንግስቲ ‘ውን ዓብዪ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ዝድሕነሉ መገዲ ክፈጥር ኣለዎ። ኣብዚ እዋን እዚ ግና ትግራዋይ ኣብ ክንዲ ምሕጋዝ ብጌጋ ጥርጡር ዝኾነሉ ኩነታት ኢና ንርኢ ዘለና። እዚ ክስተኻኸል ‘ዩ ዝግበኦ። ብዙሕ ንፁህ ትግራዋይ ኣብ ስቃይ ይኣቱ ኣሎ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ምንቕላስ መንግስቲ መንገዲ ክኸፍተሉ ኣለዎ። ክሕግዝ ‘ውን ኣለዎ። መንግስቲ ብፍላይ ምስ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋ ክመክር ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ህወሓት ስለ ዘሎ እቲ ዕድል ዝፀበበ ‘ዩ። በዚ ኣብ ትግራዋይ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ ፍታሕ ክረክብ ይኽእል ‘ዩ። ትግራዋይ ካብ ኩናት ዝመፅእ ጥቕሚ ስለ ዘየለ ንሰላምን ፍትሕን በርቲዑ ክቓለስ ኣለዎ።

ከምኡ ‘ውን ህዝቢ ካብ ቕርሕንቲ ናፃ ምእንቲ ክኸውን፣ ብህወሓት ይኹን ብኻልኦት ኣካላት ዝተወረሩ ንብረት ናብ ዋነኦም ክምለሱ ‘ዩ ዘለዎም። ካብ ትግራይ ዝተወረረ ናብ ትግራይ ክምለስ ኣለዎ፤ ካብ ክልል ኣምሓራ ወይ ዓፋር ዝተወረረ ንብረት ‘ውን ናብ ዋንኡ ክምለስ ‘ዩ ዘለዎ። እዚ ድማ ናይ ህዝብን መንግስቲ ፌዴራልን ሓላፍነት ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ህወሓት ከም ወራሪ ክሕሰብ የብሉን።

እቶም ሊሂቃን ኣምሓሩን ተጋሩን ድማ ህዝቢ ዘቓራርብ ስራሕ ክሰርሑ ‘ዩ ዝግበኦም። ዝተወሰኑ ኣካላት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘፃልእ ስራሕ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። እዚ ንህዝቢ ይኹን ንሃገር ጎዳኢ ‘ዩ። ብፍላይ ሕዚ ዝመፅእ ዘሎ ወለዶ ፅልኢ ሒዙ ክዓቢ ‘ዩ ዝግበር ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ፍቕርን ሰላምን ‘ዩ ዝደሊ፤ ኮይኑ ግና ህወሓት ካብዚ ወፃኢ ክኸውን ‘ዩ ዝገብር ዘሎ።

ህወሓት ቐንዲ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ህወሓት ካብ መሪሕነቱ ተተኣልዩ ህዝቢ ትግራይ ናፃ ክወፅእ ‘ዩ። እንተዘይኮኑ እዚ ውድብ እዚ እናሃለወ እቲ ህዝቢ ኣብ ፀገም ክነብር እንተዘይኮኑ ኣይሓልፈሉን።

ደገፍቲ ህወሓት ከስተውዕሉ ኣለዎም፤ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ገደል ‘ዩ ዘእትዎ ዘሎ ‘ምበር ኣይጠቐሞን። ማንም ትግራዋይ ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ክቓወም ኣለዎ፤ ኣይፋልካን ክብሎ ‘ዩ ዝግባእ። ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሰላም ዝመፀሉ ኩነታት ‘ዩ ክሰርሕ ዘለዎ ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቐንየልና።

ኣይተ መኮነን፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

 መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም

Recommended For You