ኣዲስ ኣበባ፡- ጉጅለ ህወሓት ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ በብእዋኑ ዝፈጥሮ መስካሕክሒ ግፍዒ ማእለያ ዘይብሉን ዘየቋርፅን ‘ዩ። እቲ ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ማሕበራዊ ቕልውላው ግና ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣዝዩ ኸቢድን ሕልኽላኻት ዝበዝሖን ንክኸውን ለይትን ቐትርን ጌጋ ኣብ ልዕሊ ጌጋ ብምፍፃም ህዝቢ ትግራይ ከም ዘይልዓል ገይሩ ንኽድቆስን ንኽጠፍእን እናገበሮ ዘሎ ጉጅለ ህወሓት ‘ዩ። ነዚ ድማ ተሓታታይ ባዕሉ ‘ዩ።
ጉጅለ ህወሓት ንውልቀ ስልጣኑ ክብል ካብ መንጎ ዝፈፀሞም ተደጋጋሚ ጌጋታት ኣብ ቐረባ ብሓዱሽ ወለዶ ዝዝከሩ ምስ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዝገበሮ ዘየድልን ዓብዪ ክሳራ ዘስዐበ ኲናት፤ ብፍላይ ድማ ብዙሓት መናእሰይ ትግራይ ብዘይ ሓንቲ ረብሓ ህይወቶምን ኣካሎም ስኢኖም ‘ዮም። እዚ ዘይጠቅምን ብዙሕ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ክሳራ ዘስዐበ ኲናት ዝጠንሰስዎን እስካዕ መወዳእታ ዝመርሕዎን ድማ እስካዕ ሐዚ ብህይወት ኣለዉን ሐዚ ‘ውን የዋግኡ ኣለዉ።
እዞም ውልቀ መለኽቲ ኣፍቲ ሽዑ እዋን ኲናት ዝመረፁሉ ምኽንያት ንሃገርን ንህዝብን ዝጠቅም ጉዳይ ነይርዎም ዘይኮነስ ንውልቀ ስልጣኖምን ንምቾቶምን ክብሉ ብህይወት መናእሰይ እናተጣልዑን እናዓንደሩን ፀኒሖም ‘ዮም። እዚ ብዕሊ ዝፍለጥ ኲናት ‘ዩ፤ ምስዚ ጎናጎኒ ግና ብዙሓት ዘይተፀብፀቡን ዘይፍለጡን ማሕበራዊ ፀገማት ኣብ ልዕሊ ህዝብና በፂሖም ‘ዮም። ወለዲ ብዘይ ጠዋሪ ተሪፎም፣ ብሰንኪ ዝተኻየደ ኲናት ቑጠባ ክልል ትግራይ ኣሽቆልቍሉን ንድሕሪት ካብ ምምላሱ ዝተልዓለ ብሚሊዮን ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ተፀባዪ ሴፍቲኔት (ረድኤት) ንክኸውን ዳሪጎሞ፣ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ማሕበራዊ ቕልውላው መንእሰይ ንመስተን ዝተፈላለዩ ወልፍታን ኽቃላዕ ከምኡ ‘ውን ንታሪኹን ንባህሉን ዝነበሮ ትኹረትን ፍልጠትን ክርስዕ ተገይሩ ‘ዩ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ስልጣን እናሃለዉ ብዝሰርሕዎ ኣድልዎን ዘይሚዛናዊ ምሕደራን ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝነበሮ ምሕዝነት ሰላም ክሕርፍፍ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ለይትን ቐትርን ሰሪሖም ‘ዮም። ነዚ ስዒቡ ድማ ገለገለ ሰባት ትግራዋይ ከም ፍሉይ ተጠቃሚ ስርዓት ብምርኣይ ንኽስከፍን ንኽግለልን እናገበርዎ ከምዝነበሩ ዝዝከር ‘ዩ። ውልቀ መለኽቲ ግና ብዓይኒ ዕሙተይ እናመሓደሩ፣ እናዘረጉ፣ እናመቓቐሉ ፣ ህዝቢ ትግራይ ክፅላእ ገይሮሞ ‘ዮም።
መዓዝ እዚ ጥራሕ ብዙሕ ግዕዝይና ንኽጋፋሕን ጥሕሰት ሕጊ ንኽበራኸትን ሓላፍነት ዝጎደሎ ስራሕቲ እናሰርሑ ፀኒሖምን ሐዚ ‘ውን እናቐፀሉሉ ይርከቡ። እዞም ንምግላፅ ዝኸብድ ባህረት ዘለዎም መራሕቲ እቲ ዘገርም ተግባሮምን መግለፂኦምን፤ ‹‹ንሕና ዝበልናዮ ተዘይኮይኑ ኹሉ ነገር ይጥፋእ›› ዝብል ቕዋም ሒዞም እስካዕ ሐዚ ነገራት እናሓንኮሩን እናበላሸዉን ይርከቡ። እቲ ናይ ሐዚ ግና ግድድ ዝበለ ዕንደራን ንዕቐትን ዝተመልኦ ከም ዝኾነ እናተርኣየ ‘ዩ።
ጉጅለ ህወሓት ድሕሪ ካብ ስልጣን ምውጋዶም ድማ ኣብ ክንዲ ካብ ጌግኦም ዝመሃሩ ንዝነበሩ ሓጓፋት ዘጋድዱ ዓበይቲ ጌጋታት ብምፍፃም ህዝቢ ትግራይ ናብዚ ሐዚ ኣትይዎ ዘሎ ኣዝዩ ኸቢድ ፀገም ንኽኣትው ገይሮሞ ‘ዮም። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ስዒቡ እስካዕ ሐዚ ዝጉሁር ዘሎ ሓዊ ንኸይጠፍእ ቐትርን ለይትን መናእሰይ ትግራይ ናፍቲ ዝጉሃረ ሓዊ እናዳጎኑ ወለዲ ንኽሓዝኑን ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ማሕበራዊ ቕልውላው ንጥምየትን ሞራላዊ ክሳራ ክዳረጉ ገይሮሞ ‘ዮም።
እዞም ጉጅለ ጥፍኣት ብዘይውዳእ ህልኽን ብዘይጠቅም ጉራን ፈኸራን እናተዓጀቡ መንእሰይ ትግራይ ግና ሙዉትን ቑሱልን ገይሮሞ ‘ዮም።እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዝገርምን ግና እስካዕ ሐዚ ዝጠፍአ ህይወት መናእሰያት ትግራይ ድምብርፅ ከየበሎም፤ሐዚ ‘ውን ኣብ ጎስጓስን ግፋን ከም ዝተዋፈሩ ድማ ብኣንደበት ዘይሓፍሩን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝዕንድሩ በዓል ጌታቸው ረዳን ፃድቃን ገብረተንሳይን ሐዚ ‘ውን ብዘይ ሓንቲ ሰኸፈት ኣብ ልዕሊ ህይወት መንእሰይ ትግራይ እናዓንደሩ ይርከቡ። እስካዕ መዓዝ ‘ዮም ግና ዝዕንድሩ?
ነገር ውልቀ መለኽቲ ህወሓት ኹሉ ግዘ መገረምን መሕዘንን እንተኾነኳ እቲ ናይ ሐዚ ኣካይድኦም ግና እስካዕ መወዳእታ ንባዕሎም ዘጥፍኦም ይመስለኒ፤ ምኽንያቱ ኹሉ ግዘ ብመገዲ ጥፍኣት ዝጉዓዝ ኣካል ምጥፍኡ ስለዘይተርፍ።
ኹሉ ነገር ዓቐን ኣለዎ ብስጭት፣ ህልኽ ፣ ባእሲ፣ ኲናትን ኻሊእ ተመሳሳሊ ድርጊታት እሞ ድማ ብውልቅኻ ዘይኮነስ ህዝቢ ወኪልኻ እትገብሮ ነገር ኹሉ ልዕሊ ዓቐን እንትኸውን ውፅኢቱ ባዶ ወይ ድማ ጥራሕኻ ምትራፍ ‘ዩ፤ መዓር እንትበዝሕ ይመርር ከምዝብሉ ወለድና ኣሽንኳይዶ ኽፍኣትን ጥፍኣትን ፅቡቕ ነገር ከይተረፈ ዓቐን የድልዮ ዩ፤ ምኽንያቱ ስለዝስልችውን መወዳእቱ ስለዘፅልእን ‘ዩ።
ዝኾነ ኾይኑ እቲ ሐዚ ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስ ብፍላይ ንመናእሰይ ትግራይ ናይ መወዳእታ ጥፍኣት ከይኸውን መንእሰይ ባዕሉ ኣብ ህይወቱ ክውስን ይግበኦ። ተዘይኮይኑ እዞም ውልቀ መራሕቲ ከምቲ ቕድሚ ሐዚ እናገበርዎ ዝመፁ ክሳራ ኣብ ልዕሊ ክሳራ ብምድዕናን ህልውና ትግራዋይ ኣብ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ብርኪ ክበፅሕ ከም ዝገብርዎ ካብ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ምርኣይ ይከኣል።
መንእሰይን ህዝቢ ትግራይን ዋላኳ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ ፀገም ይግጠሞም ‘ምበር መሰሎም ኣብ ኢዶም ከምዝኾነ ይርደኦም ‘ዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ኣፍቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ጥፍኣት ኸይሳተፉን ንምንታይ ዝብል ሕቶ ከልዕሉን ይግበኦም።
ህዝቢ ትግራይ እስካዕ ሐዚ ብሰንኪ ጉጅለ ህወሓት መስዋእትን መቑሰልትን እናኸፈለ ፀኒሑ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዝገደደ መልክዑ ኣብ ስቓይ ይርከብ ስለዝኾነ ድማ ይኣክል ክብል ይግባእ ምኽንያቱ ረብሓ ስለዘይርከቦን መገዲ ጥፍኣት ስለ ዝኾነን ‘ዩ።
ሄርሞን ፍቃድ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም