ጋንታ ፋሲል ከነማ ናይዚ ዓመት ሻምፒዮን

እግሪ ኩዕሶ ጉጅለ ፋሲል ከነማ 2013 ዓ.ም ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሻምፕዮን ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።ኢትዮጵያ ቡና ምስ ወላይታ ኣብ ዝገበሮ ንሕንሕ ብማዓረ ውፅኢት ምዝዛሙ ስዒቡ ጋንታ ፋሲል ዝተረፉ ኣርባዕተ ፀወታት እናሃለውዎ ናይዚ ሊግ ሻምፒዮን ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ እዩ።ብኣሰልጣኒ ስዩም ከበደ ዝስልጥን ፋሲል ከነማ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ንሕንሕ ሓደ ግዘ ጥራሕ እዩ ክስዓር ዝኻኣለ ።ፋሲል ከነማ ሻምፒዮን ምዃኑ ስዒቡ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ኣክስዮን ማሕበር ብር ሓደ ሚልየን ሽልማት’ውን ክረክብ እዩ።

ፋሲል ከነማ ኣርባዕተ መርሃ ግብሪ እናቐረዮ 49 ነጥቢ ክስብስብ ኽኢሉ እዩ።ጉጅለ እግሪ ኩዕሶ ፋሲል ቅድሚ ኸዚ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፕዮን ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።ኣሰልጣኒኦምን ተፃወቶምን ሓጎሰሞ ገሊፆም እዮም።ኣሰልጣኒ ስዩም ከበደ ንነዊሕ እዋን እዚ ፅዋዕ ዝፅበ ዝነበረ ደጋፊ ፋሲል ከነማ በዚ ኣጋጣሚ እንኳዕ ደስ በለኩም ኹላትና ደስ ኢልና እዩ ክብሉ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ገሊፆም እዮም።ተፃዋታይን ኣነን ናይዚ ዓወት ታሪኻዊ ምዃና ብጣዕሚ ሕጉስ እየ ኢሎም።

ሎሚ ዓመት ፍሉይ ዝገብሮ ገና ፀወታታት እናቐረዩና ሻምፕዮን ምዃና ብጣዕሚ ሑጉሳት ኢና ዝበሉ ተፃወቲ ጋንታ ፋሲል ከነማ ኣብ ዝሓላፉ ሰለስተ ዓመታት ተፎካከርቲ ኾይና ግና ንፅዋዕ ኣይበፃሕናን ነይርና ኣብዚ ኸዚ እዋን ዓወት ብምግባርና ንደገፍትና እንኳዕ ደስ በለኩም ክንብል ንፈቱ ክብሉ ሓጎሶም ገሊፆም እዮም። ብ 1960 ዓ.ም ኣብ ጎንደር ከተማ ዝተመስረተ ጋንታ ፋሲል ከነማ ዳግማይ ናብ ኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ ካብ ዝዓበየሉ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ተናሓናሕነቱ ከርኢ ክኢሉ እዩ።ብፍላይ ድማ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ናይ ሊግ ክብሪ ንምርካብ እናቐረበ ኾይኑ ግና ፅዋዕ ንምጭባጥ ከምዘይኻኣለ ናይቲ ጋንታ ኣባላት ሕራነ እዩ።

ናይቲ ጋንታ ተፃዋታይ ሙጅብ ቃሲም ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ፋሲል ከነማ ፅዋዕ ክወስድ ዝነበሮ ኸዚ ኣይኮነን ዝሓለፉ ዓመታት ንፅዋዕ እናተፎካከርና ኢና ነይርና ፣ሎሚ ዘመን ድማ ፍሉይ ዝኾነ ምድላው ሒዝና መፂና ተዓወቲ ክንኾን ክኢልና ኢና ክብል ንኢቲቪ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ገሊፁ እዩ።ኣሰልጣኒ ስዩም ከበደ ፋሲል ከነማ ክብሩን ተፈላጥነቱን እናዓበየ ንክኸይድ እቲ ዓብይ ነገር ፕርሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምርካብ እዩ ፣ኣብ 2013 ዓ.ም ካብ ምድላው ጀሚሩ ፅቡቕ ስራሕ ክንሰርሕ ክኢልና ኢና ኢሎም፣

ፋሲል ከነማ ጉዕዞ ሻምፕዮን ኣርባዕተ ፀወታ እናቐረይዎ ዝተፈለጠ እንተኾነ’ውን እቲ መገዲ ግና ቅኑዕ ኣይነበረን ።ኮቪድ 19 ኣብ ጋንታ ኣባላት ዝፈጠሮ ምድንጋፅ ንፋሲል ከነማ ፈተና ኾይኑ እዩ፣ኾይኑ ግና እዚ ኹሉ ብዓወት ሓሊፍናዮ ኢና ኢሎም እዮም። ኣብዚ ኣብ ሓፂር እዋን ሻምፒዮን ዝኾነ ፋሲል ከነማ ነዚ ዓወት ምኽንያት ዝኾኑ ናይቲ ጉጅለን ኣመራርሓን ኣሰልጠንቲ ምንባብን ደገፍቲ ከምኡ’ውን ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ድልየትን ምልዕዓልን ተጠቀስቲ እዮም፣ ድሕሪ ኸዚ እውን ዝጀመሮ ሰዓርነት ጉዕዞ ከምዝቕፅል’ውን ናይቲ ጋንታ ተስፋ እዩ።

ናይቲ ጋንታ ውሽጣዊ ጥናካረ ናይ ስራሕ ውፅኢት እዩ ዝበሉ ኣሰልጣኒ ስዩም ከበደ፣ ፋሲል ከነማ ጥንካረ ኣብ ሜድኡ ውሽጢ እዩ ካብ ሜድኡ ወፃኢ ካልእ እዩ እናተብሃለ ወቐሳ እንተነበረና እውን ኣብዚ ኸዚ ዝተፃወትና ግና ካብ ሜዳና ወፃእን ኣብ ዝተፈላላየ ሜዳ እዩ፣ደጋፊ ‘ውን ብዘይብሉ ኣጋጣሚ እዩ ፣እዚ ድማ ናይቲ ጋንታ ብቅዓት እዩ ዘሪአና ክብሉ ን ኢቲቪ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ገሊፆም እዮም ። ፋሲል ከነማ ኣርባዕተ ፀወታ እናቐረዮ 2013 ዓ.ም ናይቲ ሊግ ሻምፒዮን እንትኸውን ኢትዮጵያ ቡና ብ 35 ነጥቢ ካልኣይ ብርኪ ሒዙ እናተኸተለ ይርከብ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You