ኮትዲቫር ብታሪኽ ንካልኣይ እዋን ኣዳላዊት ዝኾነትሉ ፅዋዕ ኣፍሪካ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ክካየድ ‘ዩ ። እዚ ስዒቡ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ነዚ መበል 34 ፅዋዕ ኣፍሪካ መፃረይ ምድብ ድልድል ኣብ ቀረባ ዕላዊ ገይሩ ‘ዩ። ካብ ቀፃሊ ወርሒ ጉንበት መወዳእታ ጀሚሩ ሃገራት መፃረይ ፀወታታት ምግባር ክጅምሩ ‘ዮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ምስ ግብፂ፣ ማላዊን ጊኒን ከምዝተደላደለት፣ ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ዋና ኣስልጣኒ ውበቱ ኣባተ በዚ ዙርያ ምስ ድረ ገፅ ፌደሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ብቐዳምነት እቲ ድልድል ከመይ ረኺቦምዎ ዝብል ሕቶ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኢትዮጵያ ዝተኻተትሉ ምድብ ጠንካራ ጋንታ ዘለዎ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም ‘ዮም።
ግብፂ ኣብ ካሜሮን ዝነበረ ፅዋዕ ኣፍሪካ ተነሓናሒት ዝነበረት ከምኡ ‘ውን ኣብቲ ውድድር ዓብይ ታሪኽ ከምዘለዋ ጠቒሶም ጊኒ ድማ ዝቐደመ ታሪኽ እንተነበረና ‘ውን ኣብዚ ዘላቶ ቅዋም ፅዋዕ ኣፍሪካ ኣብ 16 ምእታው ክኢላ ‘ያ። ማላዊ ‘ውን ብተመሳሳሊ ። ስለዚ እዚ ጋንታ ጠንካራ ዝባሃል ‘ዩ ክብሉ ኣብሪሆም። እቲ ብሄራዊ ጋንታ እናመርሑ ምስ ማላዊ ቅድሚ ኸዚ ብሕውነት ፀወታ ዝተራኸቡ እንትኾን ፣ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝነበሮም ቅዋም ‘ውን ንምምልካት ክኢሎም ‘ዮም። ምስ ግብፅን ጊኒን ቅድሚ ኸዚ ኣይተራኸቡን። ብምዃኑ ካብ ፀወታታት ብምልዓል ዘለዎም ምልከታ ፣ ጊኒ ብጋምብያ ተሳዒራ ካብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ወፃኢ ክሳብ ትኾን ፅቡቕ ጉጅለ ከምዝነበራ ተዓዚቦም ‘ዮም።
ብሄራዊ ጉጅለ ኢትዮጵያ ምስ ግብፂ ንቡዝሕ እዋን ዝተራኸቡ ‘ዮም ዝበሉ እቶም ኣስልጣኒ፤ ድሕሪ ሳልሳይ ፅዋዕ ኣፍሪካ ፅቡቕ ታሪኽ ከምዘየለ ተዛሪቦም ‘ዮም። ኸዚ ዘለዎ ብርኪ ብሄራዊ ጋንታ ምስ ግብፂ ዓብይ ፈተና ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም። ምስ ግብፂ ዝተተሓሓዙ ብዙሓት ነገራት እንተሃለዉ ‘ውን ንሱ ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብቲ ኩዕሶ ትኹረት ክንገብር ኢና›› ኢሎም። ኣብ መልሲ ፀወታ ሜዳ ተዝፍቀድ ተመልካቲ ኣብ ስታድየም ንክኣቱ ተዝግበር ዝሓሸ ውፅኢታዊ ምዃን ከምዝካኣል ኣመልኪቶም።
እቶም ተጋጠምትና ጋንታታት እዚ ይምሰሉ ‘ምበር ንሕና ዋና ትኹረትና ኣብ ናይ ባዕልና ጉጅለ ህንፀት ከምዝኾነ ተዛሪቦም ‘ዮም። እቶም ኣሰልጣኒ እዚ ጉጅለ ካብ ዝሓዙ ጀሚሮም ዝገጠሞም ሓደ ፀገም እቶም ተፃወቲ ንሰፊሕ እዋን ዘይምርካቦም ከምዝኾነ ጠቒሶም።
ቤትኪንግ ፕሪምየር ሊግ እናተኻየደ ከምዝኾነ ስዒቡ ውድድር ኣቋሪፅካ ልምምድ ምክያድ ዘይምኻል ካልእ ፈተና ከምዝኾነ ኣፍሊጦም ‘ዮም። በዚ ምኽንያት ምሉእ ብምሉእ ካብ ልምምድ ወፃኢ ምዃን ስለዘይከኣል ሕድሕድ ተፃዋታይ እናረኸቡ ከምዝኾኑ እቶም ኣሰልጣኒ ገሊፆም።
ኣብ ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ተፃወቲ ብምእታው ፅቡቕ ምቅስቃስ ተራእዩ ‘ዩ። ኣብ ቀፃሊ ፅዋዕ ኣፍሪካ ተኻፋሊ ንምዃን ዝሓሸ ፃዕሪ ከምዝገብሩን እቶም ኣሰልጣኒ ገሊፆም ‘ዮም። ዝበፅሖም ምድብ ጠንካራ እንተኾነ ‘ውን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ሕፅረት ሜዳን ዝተተሓሓዘ ኽልከላ ከምዝተኾየዶም ገሊፆም ‘ዮም።
ብሄራዊ ጉጅለ እንትባሃል ቅድሚት ዘሎ ኣካል ‘ዩ ዝበሉ እቶም ኣሰልጣኒ ዝውክልዎ ውሑዳት ብባዓል ሞያታት እንተኾነ ‘ውን ናይ መላእ ኢትጵያውያን ‘ዩ ኢሎም። እቲ ብሄራዊ ጉጅለ ካብ መንግስቲ ካብ ባዓል ሙያታት ከምኡ ‘ውን ካብ ቤተሰብ ስፖርት ሰፊሕ ሓገዝ ከምዝደሊ ኣፍሊጦም። ብወገን እቲ ጉጅለ ካብ ማንም ኣካል ዝመፅእ ኣስተያየት ድልው ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም ‘ዮም። እዚኦም ኣካል ብምትሕብባር ንፅዋዕ ኣፍሪካ ተሳትፎ ‘ውን ንምዃን ንክሰርሑ ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 20 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም