«ህወሓት ንህዝቢ ኢትዮጵያ እንድሕር ኣየድልን ተባሂሉ ንህዝቢ ትግራይ ‘ውን ኣየድልን»

 – ኣይተ ብርሃነ ተስፋይ

 ብርሃነ ተስፋይ ይባሃሉ። ዝተወለዱ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከባቢ ኢሮብ ’ዩ፣ ብምኽንያት ስርዓት ህወሓት ብ1996 ዓ.ም ትምህርቶም ገዲፎም ንዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) ኣትዮም። ኣብ ዴምህት ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን ኣብ 2000 ዓ.ም ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ብምውዓል ንዓሰርተ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ቤት ህንፀት ኣሕሊፎም። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ መቐለ እንትኣቱ ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም። ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ እንትመፅእ ኩሎም ኣባላት ዴምህት ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ዲሞክራያዊ ለውጢ ብዝብል ናብ ዓዶም ከምዝኣተው ይገልፁ። ኮይኑ ግና ኣብ ትግራይ እቲ ኩነታት ፅቡቕ ኣይነበረን። መራሕቲ ህወሓት እቲ ለውጢ ብዘይምቕባሎም ምስ ፌደራል መንግስቲ ርክቦም እናሓርፈፈ ምስ ከደ ሰራዊት ዴምህት እናበተንዎ ከይዶም፣ ዝእሰር እናኣሰሩ ብገንዘብ ብምትላል ድማ ናብ ባዕሎም እናወሰዱ ሓይሊ ዴምህት ዳርጋ ምሉእ ብሙሉእ በታቲኖምዎ። ኣብ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ምስ በፅሐ ሰራዊት ምክልኻል ምኽባር ሕጊ ምስ ጀመረ ኣብ ቤት ህንፀት ዝነበርና ’ውን ሓራ ወፂእና ሰራዊት ዴምህት ድማ ካብ ዘለዎ ተፀዊዖም ፀጥታ ምኽባር ትግራይ ሓገዝ ክህቡ ኣለዎም ተባሂሉ ሓፂር ስልጠና ተዋሂብና፤ ግና ናብ ተግባር ክንኣቱ ኣይካኣልናን። ነቲ ስልጠና ብልዕልነት ዝመርሑዎ ዝነበሩ ብቀጥታ ምስ ህወሓት ርክብ ስለዝነበሮም እቲ ሓይሊ ዴምህት ናብ ስራሕ ንከይኣቱ ገይሮም ኮፍ ኣቢሎምዎ። ኣብ መወዳእታ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ለቒቑ ምስወፅአ ኣባላት ዴምህት ድማ ንኣደዳ ቕትለትን ማእሰርትን ኮይኖም ይብሉ። ምስ ኣይተ ብርሃነ ዝገበርናዮ ቃለ መሕተት ድማ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፤ ሰናይ ንባብ!

 ወጋሕታ፡- ዕላማ ዴምህት እንታይ ’ዩ ነይሩ? ዝነበሮ ምንቅስቓስ እንታይ ይመስል ነይሩ?

ኣይተ ብርሃነ፡- ዕላማ ዴምህት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ደርጊ ንምጥፋእ ዝኸፈሎ መስዋእትን ብምኽንት ወያነ ተጠሊሙ ‘ዩ፤ ዝኣተውዎ መፅብዓ ኣያኽበሩን ። ህዝቢ ትግራይ ደርጊ ኣብ ምውዳቕ ዓብይ መስዋትነት ኸፊሉ ‘ዩ። ብዙሕ ደቁ ገቢሩ ‘ዩ፣ ንብረቱ ኣዕንዩ ‘ዩ ፣ወያነ ንህዝቢ ትግራይ ብዙሕ መፅባዓታት ‘ዮም ዝኣትይሉ ነይሮም፤ ግና ደርጊ ምስ ወደቐ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተዉ ኣሽንኳይዶ ዝኣተዉዎ መፅብዓ ከተግብሩስ እቲ ህዝቢ ትግራይ ኣበይ ከምዘሎ ‘ውን ረሲዐምዎ ‘ዮም። ኣመጋግብኡ ፣ ኣከዳድንኡ ኩሉ ኣብታ ናይ ቀደም ኣብታ ችግሩን መከርኡን ‘ዩ ዘሎ።

ወያነ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ከለዉ ከመይ ነይሮም? ድሕሪ ዉሑዳት ዓመት ከመይ ‘ዮም ኾይኖም? እቲ ህዝቢ ባዕሉ ይመስክር፣ ትማሊ ህዝቢ ትግራይ ፆሙ እናሓደረ እናዋዓለ ካብ ደቁ እናቆረሰ ቆሉ ድዩ ማይ እናቐበለ ክሳብ በረኻታት ምስኣቶም እናኸደ ደቁ እናሃበ ኣዲስ ኣበባ ንክኣትዉ ምስገበሮም ጠሊሞምዎ። እቲ መስዋእትነት እናኸፈለ ዝመፀ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ‘ውን ኣብ ሰለስተ ‘ዮም መቒሎምዎ፤ እቲ ሓደ ገበነኛ ፀይርናዮ ኢና መፂና’ምበር እዚ ንቃልሲ ኣይምጥንን ኢሎም ናብ ቤት ማእሰርቲ ንክኣቱ ገይሮምዎ ‘ዮም፣ ካልኣይ ጉጅለ ድማ ኦሮማይ ክሳብ ኸዚ ተቃሊስኩም ኣብዚ ኣብፅሕኹምና ኢኹም ድሕሪ ኸዚ ግና ኣይተድልዩናን ኢሎም ጉድኣት ዝበፅሖም ናብ ቆላ ንዓሶ ከቢድ ዝኾነ ቦታ ‘ዮም ሰዲደምዎም፣ ግና ኣብ መስዋእቲ ዘይነበሩ ብድሕሪት ኾይኖም ድሕሪ እቲ ብዙሕ መስዋእቲ ዘይነበሩ ግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጣን ሒዞም ብናይ ህዝቢ ትግራይ መስዋእትነት ተጠቂሞም ኣብ ስልጣን ፀኒሖም።

ኣብ ስልጣን ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ‘ውን ቀዳማይ ብርኪ ተበዳላይ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ፤ ምክንያቱ ምእንቲ ክሓልፈለይ መብራህቲ ክኣትወለይ ኢሉ፣ ሕክምና ክንረክብ ኢና፣ ቤት ትምህርቲ ክንረክብ ኢና፣ ሰናይ

 ‘ውን ክንረክብ ኢና ኢሉ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ፤ እዚ ኹሉ ከይረኸበ ክተርፍ ከሎ ቀዳማይ ተበዳሊ ‘ዩ ዝኸውን። ካልኣይ ተበዳሊ ድማ ንሳቶም ኣብ ዝመፅሉ እዋን ንህዝቢ ኢትዮጵያ በዲሎም ‘ዮም። ብሄር ብሄረሰብ እናበሉ ብምክፍፋል ንህዝቢ ትግራይ ‘ውን ጠቀምትን ሕልፊ ተረባሕን እናምሰሉ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ኣፃሊአምዎ። ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ተበዲሉ፣ ንሕና እዚ ነገራት ምስ ረእና እዚ ትኽክል ኣይኮነን መፅባዓ ህዝቢ ትግራይ ንምንታይ ይጥለም ኢልና ንክትግበር ቀዳማይ መቃለሲና ዕላማ እዚ ‘ዩ።

ካልኣይ ዕላማና ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ስርዓት ወያነ ከምዝወድቕ ንፈልጥ ኢና፣ ኣብ ስልጣን ዝነብር መንግስቲ የለን፣ እዚ ድማ ስርዓት ወያነ ክወድቕ ከሎ ከይበልዐ በሊዑ፣ ከይተጠቀመ ተጠቂሙ ኢሎም ስለዝሸቀጥሉ ፅባሕ ንጉሆ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ፀገም ከይበፅሕ ንሕና እናተቃለስና ንፀንሕ ኢልና፣ ንሕና እንድሕር ስዒርናዮ ንወያነ ፅቡቅ፣ ንሕና እንድሕር ዘይስዒርናዮ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ምስዓሩ ስለዘይተርፍ ክሳዓር ከሎ ንሕና ንህዝቢ ትግራይ ከለላ ክንኾኖ ኢልና ኢና ፣ ህዝቢ ትግራይ ተጠቂሙ ‘ዩ ተባሂሉ ሃፍቲ ንብረቱ ከይውረስ ከለላ ክንኾነሉ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ጎንፂ ጠጠው ብምባል ረድኤት ናብ ትግራይ ምልኣኽ ከምዝጀመረ ይፍለጥ ’ዩ፤ እዚ ረድኤት ብትኽክል ናብ ህዝቢ ትግራይ ንክበፅሕ ናይ መን ሓላፍነት ’ዩ ዝኸውን ይብሉ?

ኣይተ ብርሃነ፡- እንትጅመር ህዝቢ ትግራይ መሸቀጢ’ምበር ተጠቃሚ ኾይኑ ኣይፈልጥን፣ ሓደ ዝልምን ሰብ መጀመርያ መለመኒ ኣቅሓ ሒዙ ‘ዩ ዝኸድ፣ ክረክብ ‘የ ዝብል ሓሳብ ስለዘለዎ ትርሽዋ ወይም ካልእ ኣቅሓ ሒዙ ‘ዩ ዝኸይድ፤ ስርዓት ወያነ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ከም መለመኒ ኣቕሓ ‘ዮም ዝጥቀምሉ፣ ረድኤት ንክቕበሉ ከም መድሓዚ’ምበር እዚ ረድኤት ኣይህብውዎን፣ ኣብ ሰብዓን ሸውዓተን እኮ ማንም ህዝቢ ዝፈልጦ ንህዝቢ ትግራይ ዝመፀ ረድኤት እቲ ረድኤት ሸይጦም ንረብሐኦም ‘ዮም ኣውዒሎምዎ፤ እቲ ረድኤት እናመፀ እናሃለወ ‘ዩ እቲ ረድኤት ብዘይምሃቦም ፈቀዶ ሱዳን ወለጋ ህዝብና ዝተበተነ፤ ኣብዚ ኸዚ እናተማዛበለ ዘሎ ሽዑ ዝወፀ ‘ዩ፣ ሽዑ እዋን ግና ንህዝቢ ትግራይ እኹል ዝኾነ በጀት ተመዲብሉ ነይሩ ‘ዩ።

እዚ ረድኤት ኣምፂኦም ተዝህብዎ ነይሮም ካብ መረበቱ ዘኽይድ ኣይምነበሮምን፣ እቲ ዝመፀ እኽሊ ረድኤት ተባሂሉ ምስ መፀ ንሳቶም እንታይ ‘ዮም ገይሮም ጭውይ ኣቢሎም ንባዕሎም ሸይጦም ነቲ ህዝቢ ግና ናዓ ናብ ስደት ኪድ ኢሎምዎ። ኸዚ ‘ውን ፌደራል መንግስቲ እኹል ረድኤት እንተሰደደ ‘ውን ኣብቲ ህዝቢ ኣይበፅሕን እቲ እኽሊ ዉሑዳ ተበለፅቲ ኣዚሮም ይሸጥዎ ነይሮም፣ ቅድም ከምዝበለክዎ መሸቀጢ ‘ዩ ፣ ኸዚ እኮ ዓለማት ንህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ንህብ ኣለና ይብላ ኣለዋ’የን ፣ እንድሕር ንህዝቢ ዝልእኹ ኾይኖም እቶም ዝልእኹ ብኣካል ኸይዶም አብቲ ቦታ ከከፋፍሉ ኣለዎም። ናብ ትግራይ ከባቢ ጥብቕ እናበልና ንሓትት ኢና ካብዚ ዝኸዳ መካይን ኣብ መእተዊ መቐለ ኣራጊፎም በቲ ናይ ወያነ ባኒ መመላለስቲ መኻይን ዘለዋ ናብአን እናገልበጡ ብለይቲ ብለይቲ ‘ዮም ናብ ከተማ ዘእትውዎ፣ ናብኡ ወሲዶም ድማ ብቀጥታ ናይ ባዕሎም ባኒ መምረቲ ፋብሪካ ‘ዩ ዝውዕል።

ንህዝቢ ትግራይ ግና ረድኤት እንድሕር ደሊኻ ዕጠቕ፣ እኽሊ ኣብታ መሰልጠኒ ቦታ ‘ያ ዘላ ፣ ‘ምበር ናብ ገዘኻ ኣይንህበካን ‘ዮም ዝብልዎ ዘለዉ። ህዝቢ ትግራይ ዝሰምዖ ሲኢኑ’ምበር ይቃወም ኣሎ፤ ጠሚና ይብል ኣሎ ፣ኣይንቃለስን ይብል ኣሎ ፣ደቅና ኣይንህብን ዝዋፃእ ‘ውን ኣየነዋፅእን ይብል ኣሎ፣ ኸዚ ህዝቢ ትግራይ ልርድኦ ሲኢኑ፣ ኸዚ ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ረድኤት ንሰደልካ ኣለና እናበልካ እኽሊ ምስዳድ እንተይኾነስ ካብ ወያነ ኣገዛዝኣ ምልቓቕ ‘ዩ ነይሩ ፅቡቕ። ፌደራል መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ህዝበይ ‘ዩ ዝብሎ እንድሕር ኾይኑ ካብ መጀመር ‘ውን ትግራይ ኢትዮጵያ እንድሕር ኾይና መከላከያ ሰራዊት ክወፅእ ኣይነበሮን፤ ናይ ወፃኢ ወራሪ ሓይሊ እንተኾይኑ ‘ዩ ካብቲ ዝወረሮ ከባቢ ለቒቑ ዝወፅእ ‘ምበር ሰራዊት ምክልኻል ግና ትግራይ ምስ መን ገዲፍዋ ‘ዩ ዝወፅእ፤ ካልእ ወራራ እንድሕር መፂኡ ኸ ንትግራይ መን ‘ዩ ከድሕና? ፌደራል ኸዚ ዝገብረሎ ነገር ኢትዮጵያውነቱ ንክርስዕን ኣይኢትዮጵያውንን ግዲ ኢሉ ንክሓስብ ‘ዩ እናተገበረሉ ዘሎ ። ምክንያቱ ኣብ እዋን ፀገሙ ንህዝቢ

 ትግራይ እንድሕር ዘይበፅሕሉ ከመይ ኢሉ ኢትጵያውያን ኢና ዝብል ፤ትማሊ ወያነ ንበይንና ኸቢቡ እናቀጥቐጠና ፣ ንበይንና ኸቢቡ እናጥመየና ንምታይ ዘይረዳእኽሙና ዝብል ሕቶ ምምፅኡ ኣይተርፍን፣ ወያነ እኮ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ዝንቀሳቀስ ዘሎ፣ በዚ ሒዝናዮ ዝኸድና ኣካይዳ እንድሕር ኸይድና እቲ ህዝቢ ምፅንሑ ‘ውን ኣጠራጣሪ ‘ዩ። ህወሓት ንህዝቢ ኢትዮጵያ እንድሕር ኣየድልን ተባሂሉ ንህዝቢ ትግራይ ‘ውን ኣየድልን።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ሃገራዊ መድረኽ ንምክያድ ኮምሽን ከምዘጣየሸ ዝፍለጥ ’ዩ፣ ካብዚ ኮምሽን እንታይ ትፅቢት ይግበር ? ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ኸ እንታይ ’ዩ?

ኣይተ ብርሃነ፡- እዚ ሓሳብ ትኽክል ‘ዩ፤ ግና ኹሉ ኣሳታፊ ክኾን ኣለዎ እናብሃለ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ኢሉ ‘ዩ ተሳታፊ ዝኸውን? ህዝቢ ኣብቲ ብሰንኪ ወያነ እናሃለቀ ኣብዚ እንታይ ዓይነት መድረኽ ‘ዩ ክህሉ ዝኽእል? እዚ ምኽክር መድረኽ ትኽክለኛ ሽትኡ እንድሕር ደኣ ዝወቅዕ እንተኾይኑ ብኹሉ ከባብታት ዘሎ ሁከት መጀመርታ ክስተኻኸል ኣለዎ፤ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ኸፊልካ ሰላም ክኸውን ኣለዎ፣ ኣብ ሓደ ገዛ ተዓፂኻ ምኽክር ክትገብር ኣይትኽእልን፣ ካብ ገዛ ወፃኢ ዘሎ ሰላም ዘየለ ኣብ ወንበር ከፍ ኢልካ ምኽክር ምግባር ውፅኢታዊ ክኾን ትፅቢት ኣይግበርን፣ እዚ ምስ ህወሓት ዘሎ ጉዳይ ካብ መጀመሪኡ’ውን ብኹናት ልተጀመረ ስለዝኾነ ብምኽክር ንከይፍታሕ ይኽእል’ዩ ፤ እዚ ምፍታሕ እንድሕር ክኢልና ኢና ቀፂሉ ናብቲ ምኽክር ብምእታው ክተዓረቕ ዝግበኦ፣ ዝካለል መሬት እንድሕር ሃልዩ ተካልል ፣ ሕቶታት ብሄር እንድሕር ሃልዩ ትምልስ፤ እዚ ‘ዩ በቃ ዘላቒ ዝኾነ ዕርቂ ከምፅእ ዝኽእል፤ ንዚ ግና ጠንቂ ሰላም ዝኾነ ወያነ መጀመርያ ክእለ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ እናተመዛበለ ከምዝኾነ ዝፍለጥ ’ዩ፣ እዚ ምምዝባል ናብ ዝገደደ ብርኪ ንከይኸይድ ካብ መንግስቲ ፌደራል እንታይ ትፅቢት ይግበር ?

ኣይተ ብርሃነ፡- ህዝቢ ትግራይ ናብ ኣምሓራ ተመዛቢሉ ‘ውን ዝብል ኣነ ኣይኣምነሉን፣ ተመዛቢሉ ዝብል ኣይቕበሎን፤ ኣነ ትግራዋይ እንድሕር ኾይነ ናብ

 ክልል ኣምሓራ ወይከዓ ናብ ክልል ኦሮሚያ እንድሕር ኸይደስ ከመይ ኢለ እየ ተመዛቢለ ዝብል፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኢትዮጵያ ዓዱ ‘ዩ፣ ንግዚኡ ብሰንኪ ወያነ ስለዝፀገሞ መፂኡ ኣሎ፤ ተመዛቢሉ ክብል ካብ ሃገሩ ወፃኢ እንድሕር ኸይዱ ኢና ተመዛቢሉ እንብል፣ እናተመዛበለ ዘሎ እኮ ብሰንኪ ወያነ ‘ዩ ፣ ወያነ ሓገዝ ስለዘይህቦ ዘሎ ናብ ዓዱ ‘ዩ ዝመፅእ ዘሎ፣ ካብ ሓደ ቀበሌ ናብ ሓደ ቀበሌ ስለዝኣተወ ተመዛቢሉ ኣይባሃልን፣ ግና እዚ ኹሉ ንከይመፅእ እታ ተደጋጋሚና እንዛረብ ዘለና ስርዓት ወያነ ኣሊኻ ፤ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ፅባሕ ‘ውን ንኢትዮጵያ ሸኽሚ ስለዝኾነ ገና እናሃለወ ፌደራል ብምእታው ንወያነ ካብ እንግድዓ ህዝቢ ትግራይ ተዘውርዶ ‘ዩ እቲ ዝሓሸ ፤ እቶም ዝመፁ ድማ ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ንክባኣስ ወያነ ጠምዮም ኣይኮነን ረብሻ ክፈጥሩ ‘ዮም እናበለ ፕሮፖጋንዳ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ፣ ምግቢ ደልዮም ንዝመፁ ንክጥርጠሩ እናገበሮም ‘ዩ፣ እዚ ድማ ዝገብር ዘሎ ወያነ ባዕሉ ‘ዩ ፣ እቲ ህዝቢ ብሰላም ንከይቕበሎም፣ ግና ኣይኮነን ንሕና ‘ውን ብዙሓት እንፈልጦም ስለዘለዉ ምስ ወያነ ምንም ርክብ ዘይብሎም ፣ብወያነ ኣገዛዝኣ ዘንፀርፀሩ ‘ዮም እዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል ክርደኦ ኣለዎ፣ ናብኡ ዝመፅእ ዘሎ ጠምዩ ፀሚኡ’ምበር ንካልእ ዕላማ ከምዘይመፁ እዚ ድማ ኾነ ኢሉ ወያነ ዝነዝሖ ዘሎ ፕሮፖጋንዳ ‘ዩ ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተጋሩ ዘካየድዎ ዘለዉ ጎስጓስ ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ፀገም እንታይ ’ዩ ?

ኣይተ ብርሃነ፡- ኣብዝሓ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ዳያስፖራ ተጋሩ ብፕሮፖጋንዳ ቅርሽን ወያነ ዝሰኸሩ ብናይ ወያነ ብዙሕ ዓመት ዝረኽብዎ ዝነበሩ ጥቕማ ጥቕሚ ‘ዩ። ብትኽክል ትግራዋይ ዝኾነ ኣብ ጥቃ ህዝቢ ትግራይ ብምዃን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝካፈል ‘ዩ። ኣንሕና ንባዕልና ኣሕዋትና እናጠመዩ እናተፀገሙ እታ ፀገም ፀሊእና ኢና መፂና ዘለና፣ ኣብዚ ኾይና ተጋሩ ኢና ምባል ንባዕሉ ጌጋ ‘ዩ ዝመስለኒ፤ ትኽክለኛ ትግራዋይ ኣብ ትግራይ ኾይኑ ብወያነ ምኽንያት ዕፅዋ ተፃዊሩ ዝነብር ማለት ‘ዩ። እዚኣቶም ግና ትግራይ ምንባር ዘፅለኦም ትማሊ ጠንቲነምዋ ዝኸዱ ብናይ ወፃኢ ዝፀገቡ፣ ንዑ ጨፍሩና ተባሂሎም ስለዝወፁ እዚኦም ብስሩ ንህዝቢ ትግራይ ይውክሉ ‘ዮም ኢለ ኣይሓስብን፤ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ስራሕ ‘ውን ባዕሉ ንተጋሩ ኣይገልፅን።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጥምየት እናሃለወ ንሳቶም ብባንዲ እናጨፈሩ ‘ዮም ዝሓድሩ፣ ኣብ ትግራይ ግና ኣብዚ ኣብ ሕድሕድ ገዛ ሓዘን ኣትዩ ‘ዩ ፣ ኣብ ሕድሕድ ገዛ ሓደ ወይ ክልተ ዘይሞተሉ ገዛ የለን፣ እዚኦም ግና ምንም ዘመድ ‘ውን ኣብ ትግራይ ዘይብሎምን ኩሉ ዓሌቶምን ጠቕሊሎም ዝኸዱ ስለዝኾኑ ንሳቶም ከም ተመልከቲ ኾይኖም ‘ዮም እናረእዩ ዘለው፣ እዚኦም እንትጅመር እንታይ ዓይነት ሰባት ‘ዮም ኢልና እንድሕር ርኢና ወያነ ንብዙሕ ዓመታት ናይ ባዕሉ ሰባት ናብ ወፃኢ ይሰድድ ነይሩ ‘ዩ፡ ብኽልተ መገዲ ‘ዩ ዝሰዶም ነይሩ፣ እቲ ሓደ ብትምህርቲ ዕድል እናበለ ይሰዶም ነይሩ፣ እቶም ካልኦት ድማ ብንግዲ እናበለ ይሰዶም። እቶም ብንግዲ ኢሉ ዝለኣኾም ኣብ ዓለምና ዓበይቲ ዝባሃሉ ኩባንያ ክሳብ ሼር ኣለዎም ‘ዩ፣ እቶም ብትምህርቲ ዝኸዱ ድማ ኣብኡ ፅቡቕ ስራሕ ዝሰርሑ ‘ዮም፣ እዚ ኹሉ ዘመን እንትነብሩ ኢትዮጵያ እናበሉ ኣይኮነን ዘፋለጡ ነይሮም ትግራይ እናበሉ ‘ዮም ዘፋልጡ ነይሮም፣ ተልእኮ ሒዞም ስለዝኸዱ ወያነ ከምዚ ዓይነት ፀገም ከጋጥሞ ከሎ እቶም ነጋዶ ኢኮኖሚ እዛ ዓዲ ንምጥምዛዝ ስራሕ ይሰርሑ እቶም ምሁራን ድማ ኣብ ዘተፈላለዩ መድረኻት እናቐረቡ ፕሮፖጋንዳ ወያነ እናንፀባረቁ እቲ ኻልእ ስርዓት ግና እናፀለሙ ይሰርሑ፤ በቃ እዚ ‘ዩ ተልእኾኦም። እቲ ካልእ ህዝቢ ትግራይ ኣይንታዮምን፣ እቲ ዝተልኣኸሉ ተልእኾ ሰዓታ ስለዝበፅሐት ኸዚ ተፀሚዶም ኣለዉ፤ እቲ ዝነበረ ገንዘብ ኩሉ ዘሪፎም ‘ዮም፣ ትማሊ ዝመፀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥርሓ ዝኾነት ሃገር ‘ዩ ተረኪቡ፣ ኸዚ ንብዙሕ ነገር ክድጉም ዓቕሚ ናይ ምንኣስ ዝተፈጠረ ዘሎ ብኣታቶም ምኽንያት ‘ዩ፤ እቲ ሓደ ወያነ ናብ ትግራይ እንትኸይድ እቲ ሓደ ወያነ ድማ ናብ ወፃኢ ‘ዩ ኸይዱ።

ወጋሕታ፡- ንብዙሕ ዓመታ ህወሓት እናተቃወምካ ብምፅናሕኻ ባህሪ ህወሓት ትፈልጥ ኢኻ ኢለ ይሓስብ ፣ ዕላማ ህወሓት እንታይ ’ዩ ትብል?

ኣይተ ብርሃነ፡- ህወሓት ካብ መጀመሪኡ ንህዝቢ ኢሎም ንበረኻ ዝወፁ ኣይኮኑን፤ እቶም መጀመርያ መሰረታዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ኣብ ትግራይ ኣለዉ ዝተብሃለ ሃፋትም ደቂ መሳፍንት ‘ዮም፣ ኣብቲ ሰዓት ህዝቢ ትግራይ መሬት ኣይነበሮምን ብመሳፍንቲ ስለዝመሓደር ዝነበረት። ደርጊ ምስ መፀ መሬት ንሓራሲ ዝብል ሕጊ እንትመፅእ እቶም መሳፍንት ኣሽንኳይዶ ናይ ሰብ ክወስዱ ከም ሃገሮም ተዓቂና ንክትዋሃቦም ግድን ኾይኑ፣ በዚ ምኽንያት መሳፍንት ትግራይ ዝነበሩ ኾርዮም። ምኽንያቱ እቲ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ጥቕሚ ስለዝሳኣኑ፤ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደቂ መሳፍንት ተባሂሎም ብነፃ ዝመሃሩ ዝነበሩ ደርጊ ከምዚ ዝባሃል የለን ከም ሃገሮም ‘ዮም ማዕረ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ምስ በለ ትምህርቶም እናቋረፁ ናብ ዓዶም ትግራይ ምምላስ ጀሚሮም። ኣብ ትግራይ ምስ ተመለሱ ድማ ናይ ወለዶም መሬት እናተወሰደ ምስ ራኣዩ ስርዓት ደርጊ ኣይንቕበልን ኢሎም ማለት ‘ዩ፤ ደርጊ ናብ ስልጣን መስከረም መፂኡ ንሳቶም ሕዳር ‘ዮም ምቅዋም ዝጀመሩ፣ ማሕበር ገስገስቲ ብሄር ትግራይ ዝብል ማህበር መስሪቶም ነይሮም። እቶም መሳፍንቲ እቶም ናብ ቃልሲ ዝውፁ ድማ ካብዚ ማሕበር ‘ዮም ኹሎም። እታ ማሕበር ኣብቲ እዋን ብሃይለስላሴ ‘ውን ኣፍልጦ ዝተውሃባ ማሕበር ‘ያ ነይራ፣ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ‘ዮም ንደርጊ ዝተቃዎምዎ።

ንህዝቢ ትግራይ ስርዓት ደርጊ ዓፋኒ ‘ዩ፣ ቀታሊ ‘ዩ እናበሉ ‘ዮም ኣታሊሎምዎ። ሓደ ስርዓት ኣብ ሰለስተ ወርሑ ጨቋኒ ድዩ፣ ቀታሊ ድዩ፣ ዓፋኒ ድዩ ከመይ ገይርካ ክትፈልጦ ትኽእል፤ እዚ ንምምላስ ግዜ ይወስድ ‘ዩ ፤ እዚኦም ግና ናይ ባዕሎም ረብሓ ስለዝተንኽኦም ቀጥታ ናብ ምቅዋም ‘ዮም ኣትዮም። ንበረኻ ዝወፁ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ እማ ብመሳፍንቲ እናተወሰደ ዝነበረ መሬት ብስርዓት ደርጊ እናተመቐለ ዝተውሃበሉ ‘ዋን ‘ዩ ነይሩ። ንህዝቢ ትግራይ ኣታሊሎምዎ።

ንደርጊ ምስ ሰዓሩ ድማ ንህዝቢ ረሲዖም። ኸዚ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጉዶም ፈሊጥዎም ምስ ኣባረሮም ንመቐለ ኸይዶም። ኣብ መቐለ ኮፍ ኢሎም እንታይ ‘ዩ ዓላማኡ እንተይልና ድማ ኣሽንኳይዶ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ‘ውን ኣየማሓድርዎን፣ ኸዚ በቃ ገበነኛታት ‘ዮም፣ እንድሕር ኦሮማይ ወዲእና ኣለና ኢሎም ኮፍ እንድሕር ኢሎም ተሓተቲ ‘ዮም ዝኾኑ።

እዞም ሰባት ድማ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ክእሰሩ ኣይደልዩን፣ ምኽንያቱ ቅድሚ ኸዚ ኣብ ቤት ህንፀት ዝሰርሕዎ ግፍዒ ስለዝፈልጥዎ ፈፂሞም ብሕጊ ክሕተቱ ኣይደልዩን፤ ስለዚ ዕላምኦም ክሳብ መጨረሻ ክሳብ ዝሞቱ ንህዝቢ ሒዞም ንምጥፋእ ‘ዩ ፣ኣብ መጨረሻ ድማ ሕድ ሕድ ገዛ ሓዘን ብምእታው ምስ ዝተረፈ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣቀያይሞም ናብ ፀልማት ‘ዮም ዝመርሕዎ፤ ኣብዚ ዘለዉ ጉጅለ ህወሓት ድሕሪ ኸዚ ኣብቂዕሎም ‘ዩ፣ ንሳቶም ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዉ ደቆም ስልጣን ንምድሓዝ ፣ሕነ ወያነ ንምፍዳይ ‘ዩ ዕላመኦም፣ ሐዚ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ስራሕ ግና ናይ ሒዝካ ምጥፋእ ስራሕ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።

ወጋሕታ፡- ትግራይ ካብ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው ንክትወፅ ከም ፍታሕ ክኸውን ዝግበኦ እንታይ ’ዩ?

ኣይተ ብርሃነ፡- ትግራይ ካብ ዝኣተወቶ ቅልውላው ንምውፃእ መፍቲሕኡ ኣብ ኢድ ፌደራል ‘ዩ ዘሎ። ፌደራል መንግስቲ ትግራይ ሰላም ኣብ ምግባር ዝለዓለ ብፅሒት ኣለዎ፣ ትግራይ ሓራ ምውፃእ ማለት ድማ ወያነ ምስዓር ምጥፋእ ማለት ‘ዩ፤ ምስ ወያነ ምድርዳር ምዕራቕ ዋላ ሓንቲ ትርጉም የብሉን። ወያነ ምስ ጠፍአ ድማ ንትግራይ ዋሕስ ዝኾነ ፀጥታ ክፍጠር ኣለዎ። ካብ መን ካብ ባዕሉ ካብ ትግራይ፣ ካልእ ሓይሊ ንህዝቢ ትግራይ ክመርሖ ይኸብድ ‘ዩ። ቀፂሉ እቲ ህዝቢ ካብ ናይ ወያነ ስርዓት ምልቓቕ፣ ኣብ ትግራይ ዝወደሙ መሰረት ልምዓት ድማ ብሓገዝ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፌደራልን ናብ ንቡር ምምላስ ፣ ቀፂሉ ዕርቂ ምኽክር ዝበልናዮ ኣብዚ ሰዓት ‘ዩ ክኾን ዘለዎ፤ ኣብዚ ዘለና ተጋሩ ድማ እንድሕር ትኽክል ንህዝብና እንሕግዝ እንተኾይና ወያነ ዝበሃል ኣጥፊእና ሓድሽ ስርዓት ኣብ ትግራይ እንተፈጢርና ምስ ካልኦት ብሄራት ብምትሕብባር ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኢና ክንፈጥር ዘለና።

ኩልግዜ ግዙኣት ወያነ ኾይና ክንነብር የብልናን፣ ወያነ እኮ ትማል ‘ዩ መፂኡ ትግራይ ግና ንዘመናት ናይ ባዕላ ስርዓትን ምሕደራን ዝነበራ ዓዲ ‘ያ። ሓደ ሓደ ተጋሩ ኣለዉ እኮ ካብ ወያነ ወፃኢ ከመሓድር ዘይኽል ገይሮም ዝሓስቡ ኣለዉ። እዚ ኣተሓሳስባ ድኹማት ‘ዩ ፤ ኣነ ካብ ወያነ ክሕሽ ‘ዩ ዝግበአኒ፤ ዝሐሸ ምሕደራን ስርዓትን ንህዝቢ ትግራይ ከምፅአሉ ኣለኒ’ምበር ኩልጊዜ ንወያነ ግዙእ እናኾንኩ ፣ ንወያነ እናንጨብጨብኩ ካብ ኣተሓሳስባ ወያነ እንድሕር ዘይወፅእ እንድሕር ኾይና ምቅላስ ኣየድልየንን፤ ኣነ ንባዕለይ ድኹም’የ ማለት ‘ዩ። ካብ ወያነ ዝበለፀ ምምሕዳር ዝኽእሉ ተጋሩ ኣለዉ፤ ወያነ ኣብ ቤተ ክርስትያናት ‘ውን ብምእታው ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ርክብ ‘ውን ጠጠው ኣቢለ ‘የ ኢሉ ‘ዩ፤ ኣብ ትሕቲ ወያነ ዘይኾነ ነገር የለን። ስለዚ እዚ ንምቕያርን ትግራይ ካብ ዝኣተወቶ ቅልውላው ንምውፃእን ብፍላይ ድማ ተጋሩ ከም ተጋሩ ድሑር ዝኾነ ኣተሓሳስባ ብምግዳፍ ካብዚ ዘለናዮ ፀገም ብምንታይ መገዲ ኢና ክንወፅእ ዘለና ኢልና እንተንሓስብ ፤ እዚ ሓሲብና እንደገና ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ፀገምን መከራን ‘ውን ተቃሊስና መፍትሒ ተነምፅእ ኣብዚ ኮፍ ኢልና ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ስለዝተኻራኸርካ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ኣይንኽእልን፤ ፌደራል መንግስቲ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈጠረ ፀገም ፀገሙ ‘ዩ እሞ ንምፍታሕ ቅልጡፍ ስጉምቲ ተዝወስድ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ብርሃነ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

Recommended For You