ብስፖርት ውፅኢታዊ ንምዃን ኣብ ሰገናት ምስራሕ ኣድላይ ከምዝኾነ ዝእመን ‘ዩ ፤ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዕድመኦም ትሕቲ 15 ዓመት ዝኾኑ ሰገናት ኣብ ፓይለት ፕሮጀክት ብምጥርናፍ ሃገር ዝውክሉ ብቅዓት ዘለዎም ተፃወቲ ንምፍራይ ኣብ ምስራሕ ይርከብ። እዚ ፕሮጀክት ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ 27 ከባቢታት ብኽልቲኡ ፆታ 810 ዝኾኑ ዕሸላት ኣብ ምስልጣን ይርከቡ።
እዚ ስዒቡ ፕሬዝዳንት ፌደሬሽን ኢሳያስ ጅራ ስልጠና ኣብ ዝካየደሎም ቦታታት ብምርካብ መፃውቲ ናውቲ ኣበርኪቶም ‘ዮም። እቲ ስልጠና ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቓስ እንታይ ይመስል ዝብል ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ኣብ ፌደሬሽን ድሕረ ገፅ ኣስፊሩ ‘ዩ።
ካብ ኸዚ ጀሚሩ ተስፋ ዝተገበሮሎም ድማ ትሕቲ 17 ዓመት ኣባል ብሄራዊ ጉጅለ ምዃን ክኢሎም ‘ዮም፤ ካልኦት ድማ ብብርኪ ከተማ ተሳተፍቲ እናኾኑ ይርከቡ። ብሓፈሻ ግና እቲ ፕሮጀክት ዘለዎ ኩነታት ንምምዛን ዘኽእል ውድድር ቴክኒክ ኮሚቴ ዘውፅኦ መርሃ ግብሪ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝግበር ‘ዩ ዝኸውን፤ ካብ መፃወቲ ኩዕሶ ናውትን ብዝዘለለ እቲ ፌደሬሽን ‹‹ሓደ ኳስ ንሓደ ኣሰልጣኒ›› ብዝብል መርሕ ብኣግባብ ዝተማለአ ስልጠና ንክረኽቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ‘ዩ ፤ ብምዃኑ ድማ ሓደ ሽሕ ፅሬቶም ዝሓለወ ኩዕሶ ካብ ሞዛምቢክ ንክገዝኡ ብምግባር ብጭቡጥ ሕድ ሕድ ኣሰልጣኒ ሓደ ኩዕሶ ንክረክብ ንምግባር እናተሰርሐ ‘ዩ።
ካልኦት ናውቲ ስልጠና ብዝተኽኣለ መጠን ተበፃሒ ንምግባር እናተሰርሐ ‘ዩ ፤ እዚ ኣመልኪቶም እቶም ፕሬዝዳንት ከምዝበልዎ ‹‹እቶም ሰልጠንቲ ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ብዝተማለአ ኩነታት ኣይኮነን፣ ንሕና ድማ ኣድላይ ነገር ንምምላእ ፃዕሪ ክንገብር ኢና፤ በዚ መሰረት ቅድሚ ኸዚ ናውቲ ዕጥቂ ኸዚ ድማ ኩዕሶ ኣማሊእና ኢና›› ከምዝበሉ እቲ ድህረ ገፅ ገሊፁ ‘ዩ።
ኣብዝሓ ከባቢታት እኹል ሜዳ ኣለዉ ፤ ኾይኑ ግና ዝተሓዙ ብኻልኣት ኣካላት ስለዝኾነ ነቶም ዕሸላት ንስልጠና ንምምዕርራይ ኣፀጋሚ ኾይኑ ‘ዩ ፤ እቲ ፌዴሬሽን ካብ ዘጠየሾ ፕሮጀክት ብዝዘለለ ኣብቲ ከባቢ ባዕሎም ብምልዕዓል ብትኽክለኛ ዕድመ ብርኪ ስልጠና እናሃቡ ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ‘ውን ከምዝተመልከቱ እቶም ፕሬዝዳንት ገሊፆም ‘ዮም። እዚ ሓገዝ ኣድላይ ብምዃኑ ናይ ስልጠና ናውቲ ሓገዝ ብምግባር ጎኒ ንጎኒ ኣካል ፕሮጀክት ንክኾኑ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም።
እዚ ፕሮጀክት ብጊዝያዊ ዝተሓዝ ከምዘይኾነን ብዘላቅነት ዝስራሕ ከምዝኾነ እቶም ፕሬዝዳንት ኣፍሊጦም ‘ዮም። ኣብ ሰገናት ምስራሕ ስራሕ ፌደሬሽን ከምዘይኾነ ገሊፆም ፤ ካልኣት ዝምልከቶም ኣካላት ብሓበር ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ ኢሎም። ንሰገናት ልምዓት ኩዕሶ እግሪ ዝተወደበ ስራሕ ከምዘድሊ ብሓባር ጠጠው ምባል ኣድላይ ‘ዩ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ‘ዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ ሚያዝያ 2014 ዓ.ም