”ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ህዝቢታት ’ዩ ክነብር ዝኽእል ’ምበር ምስ ህወሓት ኣይኮነን’’

 ኣይተ ጎይተኦም በርሀ ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዶም፤ ሐዚ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ፖለቲካዊ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ‘ዮም፤ መጀመርታ ኣብ 1999 ዓ.ም ፓርቲ ዓረና ካብ ዝመስረቱ ሰባት ሓደ እንትኾኑ ኣብቲ እዋን ብሰንኪ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ስኢኑ ስለ ዝነበረ ምስ መሓዙቶም ኮይኖም ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እናተንቀሳቐስኩ ንምስራሕ ፈቲዮም’ዮም። ኮይኑ ግና ካድረታት ህወሓት ከስርሕዎም ኣይከኣሉን። ኣባላቶም ይንገላትዑን ካብ ስራሕ መንግስቲ ይባረሩን ከምዝነበሩ ይዝክሩ። ምስ ህዝቢ ማሕበራዊ ርክብ ከይህልዎም’ውን ይገበር ይገልፁ።ብፍላይ ህዝባዊ ጎስጓሳት ኣብ ዝገብረሉ እዋናት ዕንቕፋታት ይበፅሕዎም ስለ ዝነበሩ እዚ ስርዓት እዚ ብዝመፆ ቋንቋ ‘ዩ ዝርደኦ ብምባል፤ ማለት ብዕጥቓዊ ቃልሲ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ብምእማን ደምህት ተመስሪቱ ስለ ዝነበረ ካብ ዓረና ወፂኦም ናብ ደምህት ተፀምቢሮም። ደምህት ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዕጥቓዊ ቓልሲ ዘካይድ ዝነበረ ሓይሊ እንትኾን ኣብ ደምህት ካብ ተራ ተጋዳላይ ክሳብ ማእኻላይ ተጋዳላይ ኮይኖም ይነጥፉ ከምዝበረ ይሕብሩ። ዓረና ብሰላማዊ መገዲ ዝቓለስ ዝነበረ ፓርቲ እንትኾን ንሶም ግና ህወሓት ክውገድ ዝኽእል ብዕጥቓዊ ቓልሲ ‘ዩ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ ናብ በረኻ ከይዶም። ምስ ኣይተ ጎይተኦም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ዓረና ብሓሳብ ዝቓለስ ዝነበረ ፓርቲ ’ዩ፤ ደምህሕት ግና ኣብ በረኻ ኮይኑ ብረት ኣልዒሉ ዝዋጋእ ዝነበረ ሓይሊ ምዃኑ ዝፍለጥ ’ዩ፤ ንሶም ካብ ዓረና ወፂኦም ናብ ደምህት ክኣትዉ ዝደፋፈኦም ቐንዲ ምኽንያታት እንታይ ’ዮም?

ኣይተ ጎይተኦም፡- መጀመርታ ናብ ፖለቲካ ዝኣተኹሉ ብምኽንያት ናይ 17 ዓመት ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ ህወሓት ንናይ ባዕሉ ረብሓ ብምውዓሉ ‘የ፤ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ክምልስ ኣይከኣለን ነይሩ። ኣነ ህዝቢ ትግራይ 17 ዓመታት ዘካየዶ ቓልሲ ወርቓውን ታሪኻውን ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን፤ የኽብሮ ‘ውን ‘። ህወሓት ድሕሪ ዓወት 1983 ዓ.ም ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክንዲ ምምላስ ናይ ህዝቢ ጠለባት ወይ ጥቕሚ ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ተፀሚዱ ዝነበረ ውድብ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ብሰፊሑ ጎሊሁ ይረአ ነይሩ ‘ዩ። ብዙሕ ህዝቢ ዘንፀርፅረሎም ሕቶ ዲሞክራሲ ነይሮም ‘ዮም። ነቲ ዲሞክራስያዊ ሕቶ ህዝቢ ድማ፣ ህወሓት ብኣፈሙዝን ብማእሰርትን ‘ዩ ዝምልሶ ነይሩ። ካብ ቑልዕነተይ ጀሚረ ከምዚኦም ዝበሉ ግፍዕታት እናረኣኹ ስለ ዝዓበኹ ገና ብጓሓቱ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ እናተማሃርኩ እናሃለኹ ‘የ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጀሚረ። ብዓብይኡ ቓልሲ ዝጀመርኩሉ ግና ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ተምሃራይ እናሃለኹ ‘የ።

ኣብ ኤርትራ ኮይና እናተቓለስና እናሃለና ሞላ ኣስገዶም ናብ ከባቢ 570 ሰራዊት ምስ ሙሉእ ዕጥቒ ‘ዩ ሒዙልና ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ኣብዚ ብዙሓት ሕቶታት ይለዓሉ ነይሮም ‘ዮም። ደምህት ካብ 1993 ጀሚሩ ክሳብ 2010 ዓ.ም ኣብ በረኻ ፀኒሑ ‘ዩ፤ ዳርጋ 17 ዓመት ‘ዩ። ኩናት ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ የካይድ ነይሩ ‘ዩ፤ ድሓረ 2004 ዓ.ም ኩናት ጠጠው ይበል ተባሂሉ ነይሩ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ውን ግብረ መልሲ ክህብ ‘የ ይብል ስለ ዝነበረ ብኸምዚ እቲ ሰራዊት እናተሳላቸወ መፂኡ። ነቲ ምስልቻው ድማ እቲ ፀላኢ ምስቶም ናትና መራሕቲ ውሽጣዊ ርክብ ብምፍጣር ናብ ረብሕኡ ቐይርዎ ‘ዩ። ብስውር ምስ መራሕትና ብምርኻብ ሰራዊትና ክፈራኻኸስ ገይርዎ ‘ዩ። እቲ ዝነበረ ስርዓት ንሓደ ሓደ ሰባት ብጥቕሚ እናደለለ ናይ ምብታን ባህሪ ነይርዎ ‘ዩ። ንሕና ከም ተቓለስቲ፣ ሞላ ኣስገዶም ዝገበሮ ስራሕ ጥልመት ‘ዩ ኢና ንብሎ። ነቲ ዝነበረ ክፍተት ንምምላእ ኢልና ህፁፅ ጉባኤ ኣካይድና መሪሕነትና መሊእና ክሳብ 2010 ዓ.ም ቐፂልና ኢና፤ ለውጢ ምስመፀ ድማ ናብ ብልፅግና ኣትየ ሐዚ ‘ውን ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ስለ ዘይተመለሰ ኣንፃር ስርዓት ህወሓት እናተቓለስኩ ‘የ ዝርከብ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ዕንቕፋት እናኾነ ፀኒሑ ’ዩ፤ ከምኡ ’ውን እቲ ብፃዕሪ መንግስቲ ፌዴራልን ለገስቲ ትካላት ዓለምን ዝኣተወ ብትኽክል ናብቲ ዝተፀገመ ህዝቢ ከየከፋፍሎ ይኽእል ’ዩ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ፤ እዚ ከመይ ይሪእዎ?

ኣይተ ጎይተኦም፡- ብርግፅ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣቋሪፁ ምስ ፀንሐ ኣብ ቐረባ እዋን ሓገዝ እኽሊ ፅዒነን ዝኣተዋ መኻይን ምስቲ ተፀባዪ ሓገዝ ክነፃፀር እንተሎ ብጣዕሚ ውሑድ ‘ዩ፤ ንሓደ ጣብያ ህዝቢ ‘ውን ዝኣክል ኣይኮነን። ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ መዓልቲ ሚኢቲ መኻይን ከኣትዋ ኣለዎን ‘ዩ ዝብል፤ ኮይኑ ግና እዚ ብሰንኪ ህወሓት ዕንቕፋት እናጋጠመ ብምዃኑ ክኸውን ኣይከኣለን። ኮይኑ ግና መንግስቲ ፌዴራል፣ ህወሓት ዕንቕፋት ስለ ዝፈጠረ ኢሉ ሸለል ክብሎ የብሉን፤ ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኮይኑ እኹል እኽሊ ንኽኣቱ በርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። እዚ ታሪኻዊ ስሕተት ከይኸውን ቖላሕታ የድልዮ እዩ።

ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ዕንቕፋት ብምፍጣር ንፖለቲካዊ ከስቢ እናውዐሎ መፂኡ’ ዩ፤ እዚ ውድብ እዚ ሕዚ እንተይኮነስ ካብ ኣመፃፅኡ ጀሚሩ ንህዝቢ ከምዘይሓስብ ይፍለጥ ‘ዩ፤ ነዚ ‘ውን ኢና በረኻ ከይድና ንቃለስ ነይርና። ህወሓት ንህዝቢ ብምጥማይ ንፖለቲካዊ ሃልክታት ‘ዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ዘጭንቖ ኣይኮነን።

መንገዲ ተተዓፅዩ ህዝቢ ይጠሚ ኣሎ ‘ዩ፤ በዚ ምኽንያት ናይ ደገ ሓይሊ መፂኡ ክሪኦ እሞ ንፖለቲካ ክጥቀመሉ ‘ዩ ዘደልዮ። በዓሉ ንህዝቢ እናጥመየ ህዝቢ ይጠሚ ኣሎ ምባል ዲፕሎማስያዊ ከስቢ ንምርካብ ‘ዩ። መንግስቲ ፌዴራል ከምዝዓፀወ ገይሩ ‘ዩ ዘጋውሕ። ኮይኑ ግና እዚ ህዝቢ ይፈልጥ ‘ዩ፤ መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምጥማይ ድሌት የብሉን። ዓለም ኣብ መንግስቲ ፌዴራል ፀቕጢ ከትግብር ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። እዚ ድማ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ሒዝዎ ዝመፀ ባህሪኡ ‘ዩ። ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ተቖርቚሩ ኣይፈልጥን፤ ባህሪኡ ‘ውን ኣይፈቕደሉን።

በዚ መሰረት እቲ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ‘ውን ብትኽክል ናብ ህዝቢ የካፍሎ ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ባህሪ ህወሓት እንተሪእና ትኽክል ይሰርሕ ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን፤ ንቐለብ ወታደር ካብ ምውዓል ሓሊፉ ንህዝቢ ብስነ ስርዓት የካፍል ‘ዩ ዝብል ግምት የብለይን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩ ዳያስፖራ እናካየድዎ ዘለዉ ጎስጓስ ኩናት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ጉድኣት ከመይ ይሪእዎ? እዞም ዳያስፖራ ንጉጅለ ህወሓት ምድጋፎምከ ግቡእ ድዩ? ወይስ ኣይኮነን? ንምንታይ?

ኣይተ ጎይተኦም፡- ከም ዝፍለጥ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ጎኒ ጉጅለ ህወሓት ኮይኑ ጎስጓስ ኩናት ‘ዩ እናለዓዓለ ዝርከብ። እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቅም ኣይኮነን። ብስሩ ‘ውን ዲያስፖራ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ኣይኮነን። ንናይ ባዕሉን እቲ ጉጅለን ጥቕሚ ደው ዝበለ ‘ዩ። ዲያስፖራ ትግራይ ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ብጣዕሚ ጌጋ ‘ዩ። ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ኣካይዳ ኣይኮነን ዝኸድ ዘሎ።

 ዝተወሰኑ ዳያስፖራ ተጋሩ ንቤተሰቦም ገንዘብ ክልእኹ ይኽእሉ ‘ዮም፤ ብሓፈሻ ነቲ ድኻ ህዝቢ ግና ኣይጠቀምዎን። እቶም ጎስጓስ ኩናት ዘካይዱ ዲያስፖራ ትግራይ ካብ ህወሓት ዝጥቀምዎ ነገር ስለ ዘሎ ‘ዩ ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ሓልዮም ኣይኮኑን። ምስ ህወሓት ብጥቕሚ ዝተኣሳሰሩ ዝለ ዝኾኑ ‘ዮም። ህወሓትን ዳያስፖራ ተጋሩን ብጥቕሚ ዝተኣሳሰሩ ‘ዮም። ህወሓት ናብ ስልጣን ክመፅእ ብምግባር ብፍላይ ቅድሚ ሐዚ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ረብሓ ንምቕፃል ‘ዩ። ስለዚ እዞም ዳያስፖራ ተጋሩ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕሙ ኣይኮኑን። ምንቅስቓስ ዳያስፖራ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ‘ምበር ዝጠቕም ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ዝሓስቡ ተዝኾኑ ነይሮም ብሕፅረት መድሓኒት ዝሳቐን ዝመውትን ዘሎ ህዝቢ ክሕግዙ ነይርዎም። ነቲ ህዝቢ ካብ ዘይጠቕም ምንቕስቓስ ወፂኦም ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ብምዃን ህዝቢ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ፀገም ንኽወፅእ ክሰርሑ ‘ዩ ዝግበኦም ነይሩ።

ንህዝቢ ትግራይ ዝሓልዩ እንተኾይኖም ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምዝርራብ ንህዝቢ ክሕግዙ ‘ዩ ዝግበኦም። ከም መድሓኒት ዝበሉ ነገራት ብምልኣኽ ህዝቢ ካብ ሞት ከድሕኑ ‘ዩ ዝግበኦም። ሰላማዊ ሰልፊ ምውፃእ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ኣይኮነን። ብተደጋጋሚ ዋላ ሰላማዊ ሰልፊ ይውፅኡ ‘ምበር ንናይ ባዕሎም ጥቕሚ ካብ ምቕላስ ሓሊፎም ንህዝቢ ትግራይ ሓልዮም ኣይኮኑን። ትማሊ ኣይጠቐምዎ ሎሚ ኣይጠቐምዎ። ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ‘ዮም ዘእትውዎ ዘለዉ። ዳያስፖራ ትግራይ ፀጊቡ ኣሎ ማለት ህዝቢ ትግራይ ፀጊቡ ማለት ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ዝሓልዩ ተዝኾኑ ነይሮም ምስ ለገስቲ ትካላት ዓላም ለኸ ብምትሕብባር ንህዝቢ ትግራይ ከም መድሓኒትን ካልኦትን ዝበሉ ሓገዛት ክልእኹሉ

 ነይርዎም።

ህወሓት ይኹን ዳያስፖራ ትግራይ፣ ንህዝቢ ትግራይ ዝውክሉ ኣይኮኑን። ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 30 ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ካብ ጉጅለ ህወሓት ዝረኸቦ ጥቕሚ የለን። ኣብዚ ዝሓለፉ ዓመታት ካድረታት ህወሓት ‘ምበር ህዝቢ ትግራይ ፈፂሙ ኣይተጠቐመን፤ እኳዳኣስ ካብ ካልኦት ክልላት ብዝብእስ ‘ዩ ተጎዲኡ። ህወሓት 27 ዓመት ነዛ ሃገር እዚኣ ከመሓድራ እንተሎ ንህዝቢ ትግራይ ዋላ ሓንቲ ኣይጠቐሞን። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ተንጠልጢሉ ክነብር የብሉን። ዲያስፖራ ተጋሩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህወሓት ተንጠልጢሉ ክነብር ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። እዚ ኣካይዳ እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቐሞን። ስለዚ ዲያስፖራ ትግራይ ንባዕሉ ረብሓ ጠጠው ዝበለ ‘ዩ ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ዝውክልን ዝጠቕምን ኣይኮነን ምባል ይከኣል። ህዝቢ ትግራይ ምስ ኣሓቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓደ ተሳንዩ ከይነብር ‘ዮም ዝገብሩ ዘለዉ። ንህዝቢ ትግራይ ዝውክሉ ኣይኮኑን።

ዳያስፖራ ተጋሩ ጎስጓስ ኩናት ገዲፎም ክገብርዎ ዘለዎም ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ከመይ ይወፅእ ኢሎም ‘ዮም ክሰርሑ ዘለዎም። እዚ ክገብሩ እንተኾኖም ምስ መንግስቲ ፌዴራል ምትሕብባር የድልዮም ‘ዩ። መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ እናሐገዘ መፂኡ ‘ዩ፤ ሐዚ ‘ውን ነዚ ኣጣናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ ‘ዩ። ዲያስፖራ ተጋሩ ግና ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝጎድእ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ‘ዮም ተፀሚዶም ዘለዉ። ብፍላይ ሕዚ ንህዝቢ ትግራይ ምሕጋዝ ‘ዩ ዝሕሽ። ብሓሳብ ይኹን ብገንዘብ ክድግፉ ይግባእ። ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ንህዝቢ ትግራይ ንምድጋፍ ምስ ብልፅግና ርክብ ክገብሩ ኣለዎም። ንህወሓት ካብ ምሕጋዝ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኖም ንህዝቢ ‘ዮም ክሕግዙ ዘለዎም።

ወጋሕታ፡- ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ምንቕስቓስ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ጎይተኦም፡- ፓርቲ ብልፅግና ውሁድ ፓርቲ ‘ዩ፤ ግና ዋላ ውሁድ ይኹን ካብ እዋን ኢህኣዴግ ጀሚርና ለሚድናዮ ዝመፃና ንኽልልካ ወጊንካ ምስራሕ ‘ዩ፤ በዚ መሰረት ንሕና ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ውክልናና ካብ ትግራይ ስለ ዝኾነ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከንሰርሕ ናይ ግድን ‘ዩ። ፓርቲ ብልፅግና ሃገራዊ ‘ዩ። ንኹሉ ዝውክል ‘ዩ፤ ብልፅግና ትግራይ ከንብል እንተላና ጨንፈር ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ብሄራት ብማዕረ የተኣናግድ ማለት ‘ዩ ‘ምበር ንሕና ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮናን ንውክል፤ ንኹሉ ኣብ ትግራይ ዘሎ ብሄር ኢና ንውክል፤ ኣብ ካሊእ ክልል ዘሎ ‘ውን ብተመሳሳሊ። ብልፅግና ውክልንኡ ኣብ ዝኾነ ክልል ዝነብሩ ብሄር ብሄረሰባት ምሕቋፍ ‘ዩ። ኣብ ተግባር እንተሪእና ግና ጎደለታት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም።

ኣብ ካልኦት ክልላት ዝርከቡ ተጋሩ ፀገም ከይበፅሖም ንሕለቐሎም ኢና። ኮይኑ ግና ኣብ ተፈፃምነቱ ፀገም የለን ማለት ኣይኮነን። ምስቲ ዝነበረ ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ተተሓሒዙ ብዙሕ ትግራዋይ ብጥርጣረ ተኣሲሩ ነይሩ ‘ዩ፤ ትካላት ንግዱ ‘ውን ተኣሺጎሞ ነይሮም ‘ዮም። እዚ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ዝተኣሰሩ ክፍትሑ፣ ዝተዓፀዎም ‘ውን ክኽፈተሎም ገይርና ኢና። ኣነ ቕድሚ ሕዚ ኣብ በረኻ ኮይነ ክቓለስ እንተለኹ ንህዝቢ ትግራይ ኢለ ‘የ ዝቓለስ ነይረ፤ ንውልቐ ጥቕመይ ኣይኮንኩን። ንህዝቡ ኢሉ ዘይቓለስ እንተኾይኑ ካብ ሓላፍነቱ ክለዓል ከምዘለዎ ‘የ ዝኣምን። ኣነ ካብ መጀመርታ ኣትሒዘ ናብ ፖለቲካ ክኣቱ እንተለኹ ህዝቢ ትግራይ ይብደል ኣሎ ብዝብል ‘የ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ካብ ደደቢት ማይክሮ ፋይናነስ ዝተለቓሕኹም ኣካላት ከትምልሱ ኣለኩም ምባሉ ከመይ ይሪእዎ? እዚ ንህዝቢ ትግራይ ምስቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ተተሓሒዙ ንምምላስ ኣይፅገምን ዶ? እስቲ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ይግለፁልና።

ኣይተ ጎይተኦም፡- ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ህዝቢ ትግራይ ካብ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝተለቐሖ ልቓሕ ምለስ ምባል ትኽክል ኣይኮነን፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ሓገዝ ‘ዩ ዘድልዮ። በቲ በለ በቲ ግና ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዘይሓሊ ውድብ ምዃኑ ‘ዩ ዘሪኣካ። ኣብዚ፣ ሓደ ሓደ ሰባት ግና ዘጭበርብሩ የለዉን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም እናሃለወ፣ ገንዘብ ኣብ ገዝኦም ዘቐመጡ ሓደ ሓደ ኣካላት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም። ነዚኦም ትኽክል ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ብሓፈሻ እንተኾይኑ ግና ጌጋ ‘ዩ፤ ገንዘብ ኣብ ባንኪ ብዘይ ምህላዉ ሓደ ሓደ ሰባት ንብረቶም ብሕሳር ይሸጡ ኣለዉ ‘ዮም። መኪነኦም ወይ ገዝኦም ብሕሳር ዝሸጡ ኣለዉ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ውሱናት ሰባት ጥረ ገንዘብ ኣብ ገዝኦም ሓቢኦም ስለ ዘቐመጡ ‘ዩ። ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ ኣካላት ድማ ምስ ውድብ ህወሓት ምትእስሳር ዘለዎም ‘ዮም። ህወሓት ነዞም ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ ኣካላት ፈልዩ ክቖፃፀሮም ምኸኣለ ነይሩ። ኮይኑ ግና ምትእስሳር ስለ ዘለዎ እዩ።

ወጋሕታ፡- ናብ ትግራይ እናኣተወ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ህወሓት ናብ ህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ከከፋፍሎ ይኽእል ዩ ዶ ኢሎም ይሓስቡ?

ኣይተ ጎይተኦም፡- ካብ ባህሪ ውድብ ህወሓት ብምብጋስ ከንዛረብ ንኽእል ኢና። ፈለማ ባህሪ ህወሓት እንታይ ይመስል ምርኣይ የድሊ ‘ዩ። ህወሓት ቕንዕና ዘለዎ ውድብ ኣይኮነን። ንህዝቢ ዝሓስብ ስለ ዘይኮነ ብትኽክል ዘይከካፋፍል ይኽእል ‘ዩ፤ ብዛዕባ እዙይ ሙሉእ ኢንፎርሜሽን ዋላ ኣይሃልወኒ ባህሪ ህወሓት ከምዝፍለጥ ንህዝቢ ዝሓሊ ስለ ዘይኮነ ንቐለብ ወታደር ከምዘውዕሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ እናሃለወ፣ ህዝቢ ትግራይ ፅቡቕ ይከፋፈል ነይሩ ‘ዩ። ሕዚ ግና ከምዚ የለን። ሐዚ ዝኣቱ ዘሎ ሓገዝ እኽሊ ንሰራዊት ምውዓሉ ዘይተርፍ ኮይኑ እቲ ዝተረፈ ብትኽክል እንተካፋፊልዎ ‘ውን ፅቡቕ እዩ። እቲ ሰራዊት ካብ ህዝቢ ‘ዩ እናተዋፀአ ይቕለብ ነይሩ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብታ ዘይብሉ ንቐለብ ሰራዊት ኣዋፅእ እናተባህለ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ‘ዩ፤ ገሊኡ በዚ ምኽንያት እዚ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ‘ውን ይስደድ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ህዝቢ እዚ ኣይሽንኳዶ ረዳእታ ክረክብ ናይ ባዕሉ ‘ውን ንቀለብ ሰራዊት ኣምፅእ እናተባህለ ‘ዩ ዝግደድ ዘሎ። ዝኣቱ ዘሎ ረዳእታ መጀመርያ ዕድመ ንዝደፍኡን ህፃውንትን ከከፋፍሎ ኣለዎ። ንሰራዊት ካብ ምቕላብ ዓቕሞም ደኺሙ ብሕማም ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናት ቀዳምነት ክረኽቡ ተዝግበር ንሓሸ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ህወሓት ከምዚ ይገብር ዶ ኣይገብርን ባህሪኡ ስለ ዘይፈቕደሉ ትፅቢት ዝግበር ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡- ከም ፖለቲከኛ ብሓፈሻ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንኽፍታሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ጎይተኦም፡- ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንኽፍታሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዘሎ ፀገም መዕለቢ ክረክብ ኣለዎ። መንግስቲ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ዝወስዶም ዘለዉ ስጉምቲታት ክቕፅለሉ ኣለዎ። መንግስቲ ተኹሲ ጠጠው ብምባል ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽኣቱ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ፤ እዚ ክምስገንን ክበረታታዕን ዝግበኦ ጉዳይ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብወገን መንግስቲ ጥራሕ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፈትሑ ኣይኽእሉን። ህወሓት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክዋስድ ኣለዎ። ክልቲኦም ኣካላት ካብ ሽርሒ ናፃ ኮይኖም ንሰላም ቑርባት ክኾኑ ኣለዎም። ካብ ዝኾነ ዓይነት ደጋዊ ፅዕንቶን ተፃብኦን ናፃ ኮይኖም ንህዝቢ ክሓስቡ ኣለዎም።

ናይ ደገ ሓይሊ ክህሉ የብሉን፤ ምኽንያቱ ናይ ደገ ሓይሊ ኩሉ ግዘ ናይ ባዕሉ ድሌት ሒዙ ‘ዩ ዝመፅእ። ንህዝቢ ትግራይ ዝሓልየሉ ህዝቢ ዓፋር ወይ ኣምሓራ ‘ምበር ናይ ደገ ሓይሊ ኣይኮነን። ህዝቢ ከም ህዝቢ ፀገም የለን። እቲ ፀገም በቢ ክልሉ ዝርከቡ ናይ ባዕልቶም ድሌት ንምስኻዕ ዝንቐሳቐሱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ‘ዮም። ዝኾነ ፖለቲካዊ ፀገም ኣብ ጠረጴዛ ‘ዩ ክፍታሕ ዝኽእል። ኩናት ነዛ ሃገር እዚኣ ኣኽሲርዋ ‘ዩ። ብሓፈሻ መጀመርያ ናይ ደገ ሓይሊ ክውገድ ኣለዎ። ፈላጣትን ዓበይቲ ዓድን ኣለዉ ‘ዮም፤ ምስ እዚኦም እናተማኸርካ እቲ ፀገም ዘይፍተሐሉ ኩነታት ኣይህሉን።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንኻሊእ ዘህልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልይዎም ዕድል ክህቦም?

ኣይተ ጎይተኦም፡- ህዝቢ ትግራይ ደቑ ብተደጋጋሚ ክግብር የብሉን፤ ህወሓት ናብ ሰላም ንኽመፅእ ፅዕንቶ ክፈጥር ኣለዎ። ኩናት ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቐሞን። ደቑን ሃፍቱን ክውዳእ ‘ዩ ገይርዎ። ህዝቢ ንናይ ባዕሉ ህልውና ‘ምበር ንህልውና ህወሓት ክቓለስ የብሉን። ህወሓት ካብ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ‘ዩ ዝፈልዮ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ህዝቢታት ‘ዩ ክነብር ዝኽእል ‘ምበር ምስ ህወሓት ኣይኮነን። ፓርቲ ሓላፊ ‘ዩ።

ህወሓት ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ ክሓስብ ኣለዎ፤ ህዝቢ ዝውክል እንተኾይኑ ጥቕሚ ናይ ባዕሉ ካብ ምቕዳም ገዲፉ ጥቕሚ ህዝቢ ‘ዩ ከቕድም ዘለዎ። ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ካብ ዘአቱ ዓርሱ ብምፍታሽ ንሰለም ቕሩብ ክኸውን ኣለዎ፤ ንሰላም ዘቓርብ ሓሳብ ክኽተል ኣለዎ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ብዙሕ ህዝቢ ይነቕፎ ስለ ዘሎ ዓርሱ ፈቲሹ ናብ ልቡ ክምለስ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ‘የ ከመሓላልፍ ዝደሊ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት ኣመስግን።

ኣይተ ጎይተኦም፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንምግላፅ ስለ ዝዓደምኩምኒ ካብ ልቢ ከመስግን እፈቱ።

 መኣርግ ገ/ሄር ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ  ሚያዝያ 2014 ዓ.ም

Recommended For You