እስልምናን ጥበብን

ንሰዓብቲ እምነት እስልምና ‹‹ዒድ ሙባረክ›› እናበልና ፤ዝተፈላለዩ ድርሳናት ታሪኽ፣ጥንታዊ ፅሑፋት ከምኡ’ውን ዝተፈላለየ መርበብ ሓበሬታታት ምርኣይ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ኪነ ህንፃን ዜማን ዘበርከተቶ ስራሕቲ ጥበብ ክንድህስስ ኢና። መብዛሕትኦም ስራሕቲ ጥበብ መሰረቶም ሃይማኖት እዩ።ኪነ ህንፃ፣ኣቆፃፅራ ዘበን፣ዝተፈላለየዩ ዜማታት ወዘተ፤ ብፍላይ ብብርኪ ዓለምለኸ ብቕርስነት ዝተመዝገቡ ኪነ-ህንፃታት መሰረቶም ሃይማኖት እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ታሪኻዊ ቕርስታት እንተርኢና’ውን ብሃይማኖታዊ ጥበብ ዝተሰርሑ እዮም።ቕርስታት ማእኸላይ ምብራቕ ናይዚ ሓቂ መሰኻኽር እዮም።

ዶክተር ሐሰን ስዒድ ዝተብሃሉ መካየዲ ፅንዓት ኣብ ዘቕረብዎ ሓደ መፅናዕቲ፤ነብዩ መሓመድ ንነገስታት ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ህያባት ልኢኾም እዮም። ካፍቶም ህያባት ድማ ሙሉእ ፀሊም ኽዳን፣ናይ ወርቂ ቐለበት፣ናይ ሓበሻ መጋየፂ (ፈርጥ) ዘለዎ ሰለስተ ‹‹ኣንካሴ›› ፣ጨና፣ምሸላ ሓበሻን ኻልኦትን ይርከብዎም።ሃይማኖት እስልምና ንኢትዮጵያ ዘበርከተቶ መንፈሳዊ ይኹን ንዋታዊ ቕርስታ ብዙሓት እዮም። ኣብ ሱማሌ፣ ዓፋር፣

 ሃረሪ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ፣ኣብ ኣርጎባን ኻልኦት ከባብታትን ታሪኻዊ ቕርስታት እስልምና ንረክብ።ናብ ከባቢ ሃረር እንትንኸይድ እስላማዊ ቕርስታት ማሕበረሰብ ሃረር ንረክብ።መደብር ሓያለ መስጊዳት ዝኾነት ሃረር እስልምና ካብ እትቕበል ልዕሊ 1000 ዓመት ኣቑፂራ እያ። ተመራማሪ ጉዳያት እስልምናን መፅንዒ ታሪኽን ዝኾኑ ተሾመ ብርሃኑ ከማል፤ኣብ ዝተፈላለዩ ፅሑፎምን ጋዜጣን (ሪፖርተር ጋዜጣ) ብዛዕባ መንዙማ ሰፊሕ መብራህርሂ ሂቦም እዮም።

‹‹መንዙማ›› ናይ ዓረብኛ ቃል እንትኸውን ነዞመ ቃብ ዝብል ስርወ ቃል ዝተረኸበ እንትኸውን፤ትርጉሙ ድማ ኣሰናድአ፣ኣዳለወ፣ኣብ ምዕሩይ ኹነታት ኣቐመጠ፣ኣስተኻኸለ ማለት እዩ።‹‹ኣልሽዒር››ዝብል ቃል እንትውሰኽ ድማ ምግጣም፣ግጥሚ ምድርዳር፣ቃላታትን ሓረጋት ኣብ ትኽክለኛ ቦቶኦም ምቕማጥ ዝብል ትርጓመ ይፈጥር።መንዙማ ካብ ኻልኦት ግጥምታት ዝፈልዮ ምስ እምነት እስልምና ዝተተሓሓዘ መንፈሳዊ ግጥሚ ብምዃኑ እዩ።

መንዙማ ጥንታዊ ፈጣሪ መመስገኒ ፣ነብዩ መሓመድ (ሱዓወ) መወደሲ፣መምሃሪ ሓድነት ፈጣሪ፣እንትኸውን፤በዚ መዳይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ማእኸላይ ኢትዮጵያን ናይ ንጉስ (ወሎ) ሙጅሂድ ብቐዳምነት ከምዝጥቀሱ፣ብምቕፃል ናይ ዳና ሸኻት፣ካብ ኣና ናብ ዳና፣ካብ ዳና ናብ ጫሌና እናበለ ናብ ኻልኦት ከምዝተዛመተ የረድኡ።ኣብ ራያ በዓል ጀማሎዲን ኣንይ፣ሼኽ ኢብራሂም ሪሓና፣ሼኽ ኣዋልዎ፣ሼኽ ኣብዱሰመድ፣ሼኽ ኣብዱርሕማን፣ሼኽ መሓመድ ዓረቡ ሲራጅ ዝጥቀሱ እዮም። ‹‹ኣብዚ ሐዚ እዋን ብመናእሰይ ዝቐርብ መንዙማ ካብ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝቐርብ ነሺዳ ዝተቐድሐ ወይ ድማ ዝተዳቐለ፣ሓደሓዲኡ ድማ ካብ ዓለማዊ ደርፊ ዝተወሰደ ከምዝኾነ ኣድላይነት መንዙማን ዘበንን ብሓባር ብምርኣይ ንግንዘብ›› ይብሉ እቶም ተመራማሪ።

ስነ ፅሑፍ ዓረብኛ ብፍላይ ኣብ ሃይማኖትን ፍልስፍናን ከምኡ’ውን ምስ ሳይንስ ዘለዎ ምትእስሳር በዚ ኣጋጣሚ ንምስፍሕፋሕ ዕድል ረኺቡ እዩ።ዝተፈላለዩ ዓይነታት ግጥሚ ብበዝሒ ተገጢሞም እዮም።ታሪኻት፣ሓተታታትን ኣፈ ታሪኻትን ተፃሒፎም እዮም። መንዙማ ዓረብኛ መዲህ ነባዊ(ነብዩ መሓመድን ቤተሰቦምን ዝንእዱ)፣መቃም(ሰባት ብሓንሳብ ኾይኖም ዘቕርብዎ)፣ማዕሉፍ((ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ)፣ድር፣(ኣብ ግብፂ)፣መወሸሽ ኣብ ሶሪያን ኢራቅን)፣ከምኡ’ውን መቃም ኣል ኢራቂ ተባሂሎም ዝፍለጡ መንዙማታት ኣለዉ። ኣብ ቱርኪ ‹‹ነዓት›› ብሕብረት ዝቐርብ ናይ መውላዊ ዚክር፣ ዓረባት ናይ መንዙማ ወይ ድማ ናይ ዜማ መፅሓፍ (ኪታቡ ኣቃኒም) ኣለዎም።

ቕርፅታት ግጥሚ ዓረብ ብርክት ዝበሉ እንትኾኑ እቶም ቐንድታት መዲህ (መመጎሲ፣ መወደሲ፣ መጋነኒ)፣ ሒጃ (መፅላልኢ፣ ተፃራፊ፣ መሽሞሪ)፣ ቐዛል(ንፈጣሪ፣ ንነብይ፣ ፍቕሪ ሰብ ዝግለፀሉ)፣ ቂጣህ፣ (ብኣጋጣሚ ዝግጠም)፣ ማስናዊ (ድርብ ትርጉም ዘለዎ)፣ ወስፍ(ገላፂ)፣ ሪጣ(መስቆንቆኒ)፣ ኺምሪያ (ወይኒ ወይ ድማ ብወይኒ ዝምሰል፣ መስከሪ መንፈስ ዘልው ኣብነት ዘስክር ፍቕሪ)፣ ተርድያህ (ናይ ሃደን ግጥሚ)፣ ፈኸር((ናይ ፈኸራ ግጥሚ)፣ መወሸሻ (ብዛዕባ ፍቕሪ ሃገር)፣ ሓመስ (ናይ ኲናት ግጥሚ) እዮም።

ኣብ ስነ ፅሑፍ ዓረብ ኣዝዩ ማዕቢሉ ዝበሃል ስልቲ መቀማህ ዝበሃል ኣሽሙር ተንከፍ ዝርው ፅሑፍ እንትኸውን፤ናይዚ ስነፅሑፍ በዓል ሞያ ካብ 1969 እስካብ 1008 ዝነበረ ኣል ሐመድሓኒ ዝተብሃለ ደራሲ እዩ።ዋላኳ ሜላ ኣፀሓሕፋ ብዓል ሐማድሐኒ ይፈጠር እምበር እቲ ሜላ ንቕድሚት ንኽስጉም ገይርዎ እዩ ዝበሃል ካብ 1054 እስካብ 1122 ዝነበረ ዒራቓዊ መሐመድ ኣልቃሲም ኢብ ዓሊ ኣል ሐሪሪ እዩ።

ትርሃስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You