ታሪኽ እንሰርሕ ሓርበኛታት ንኹን

ኢትዮጵያን ጅግንነትን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገፅ እዮም። ልክዕ ከም ኢድን ጓንትን እዮም ምባል ይካኣል። ካብ ዘመን ናብ ዘመን፣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ሽምና ብኹርዓት እናተፀወዐ ፀኒሑ እዩ። ነዚ ድማ ኣብተፈላለየ እዋን ኣብ ርእሲ ፀላኢ ዝተመዝገበ ዓወት ዘኹርዕ ምስክር እዩ። ካብቶም እሙናት ናይ ታሪኽ ድርሳናትና ውሽጢ ታሪኽ ሓርበኛታት ዝላዕለ ቦታ ይሕዝ። ሓርበኛታት ኢትዮጵያውያን እንትንክኡ ዝናደዱ፣ እንትድፈሩ ብሕብረት ዝላዓሉሉ ኩሩዓት ፀለምቲ ህዝቢታት እዮም። ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ብወርቒ ቐለም ዝተፃሕፉ ሽማት ሽም ሓርበኛታት ብቐዳምነት ተቐሚጡ እዩ። ኣብ ታሪኽ ፀለምቲ ህዝቢታት እዚ ሽም እዚ ኣሎ።

ካብ ኣፍሪካ ሓሊፉ ኣብ ናይ ኣውሮፓ ስልጣነ ውሽጢ ‘ውን ተጠቓሲ እዩ። ጠጠው ዝበልናዮ ምኽንያት በዚ ናይ ሓርበኛታት ዓብዪ ሓቒ እዩ። ኢትዮጵያ ጠጠው ዘበላ እዚ ሽም እዚ እዩ። ብኣፍሪካ ኮነ ብዓለም ናይ መጀመርያ ስልጡናት ህዝቢታት ብምባል ንፅዋዕ ብሃገርናን ብርስትናን ቐልዲ ብዘይፈልጡ ብናይ ኣቦታትና ደምን ዓዕፅምትን እዩ። ካብ ትማሊ ክሳብ ሕዚ ንሃገርን ህዝብን ክብሪ ክብሉ ንባዕርሶም ከም ሽምዓ ዘመኸኹ ብርክት ዝበሉ ጀጋኑ ኣቦታት ኣለዉ እዮም። ርስተይ ኣይህብን፣ ዶብ ሃገረይ ኣየንክእን ክብሉ ዝሞቱ፣ ብዙሓት ሰብ ውዕለት ሃገር ሓርበኛታት ትማልን ለሙዓንትን ኣለዉ እዮም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልክዕ ብብርኪ ዓለም ለኸ ደሚቓን ተሓፊራን ክትረአ ዝገበሩ ኣቦታትና እዮም። ኣብ ዓድዋ፣ ካራማራ፣ ኡጋዴንን ኣምባኣላጀን ዓብዪ ገድሊ ብምፍፃም ዘይሞትን ዘይኣርግን ዘላኣለማዊ ክብሪ ዝሃቡና ሰብ ሓደራ ትውልዲ እዮም ነይሮም። ካብ ባርነት ኣውፂኦምና እዮም። ዘመን ብዘይስዕሮ ተጋድሎ ሓርበኝነት ብዙሕ ፀላኢ ብዓወት ሓሊፍና ኢና። ብደምን ዓዕፅምትን ሓርበኛታት ኣቦታትና ኣብ ዓለም ዓባይ ናይ ናፅነት ሃገር ሃኒፅና ኢና።

ኣነን ንስኻትኹምን ፍረ ዓወት ኣቦታትና ኢና። ክብርና እንተይጎደለ፣ ናፅነትና እንተይተነኽአ፣ ዶብና ከይተደፈረ ካብ ትማሊ ክሳብ ሕዚ ብኽብሪ ንፅውዓ ነፍሶም ንሃገር ብዝሃቡ ናይ ኣቦታትና ሞት እዩ እየ ዝብል ዘለኹ። ኩልና ፍረ መስዋእቲ ኣቦታትና ኢና። ንሕና በዚ ሞት ልክዕ ዝተኸፍሎ ኣብቲ እዋን ብዝነበሩ ጅግንነት ዘተመልኦ ወለዶ እዩ። ብደም ኣቦታትና ዝቦቖልና ብኣዕፅምቶም ዝተሓፈርና ናይ ብዙሕ ተጋድሎ ውፅኢት ኢና።

ብዙሓት ዝናፍቕዎ ኣብ ታሪካዊ ሃገር እንነብር ህዝቢታት ኢና። ብዓብዪ ክብሪን ሞገስን ካብ ትማሊ ክሳብ ሕዚ ሰጒምና ኢና። ንኽብሪ ኢትዮጵያ ብዝኸፈልዎ መስዋእቲ ካብ ጭቆና ወፂእና ርእስና ኣቕኒዕና ኢና። ኢትዮጵያውያን ብዝሃነፅዋ ሃገር ናብ ድሙቕ ብርሃን ተሳጋጊርና ኢና። ብብዙሕ ሞትን መከራን ኣቦታትና ሓራ ወፂእና ሽምና ኣብ ታሪኽ ድርሳናት ፅሒፍና ኢና። ክብሪ ንዝሓለፉ ጀጋኑ ወለዲ ይኹን። ሃገር ናይ ኩልና ክብሪ እያ፤ ስለ ሃገር ዘምሀሩና ወለድና እዚ ክብሪ እዩ። ካብ ዓበይቲ ዓዲ ዝሰማዕናዮን ዝፈለጥናዮን ጥበብ እዚ እዩ። ናይ ኣቦታትና ሓደራ ኣለና እዩ። ከምዚ ዝበለ ሓደራ ኢና ተሸኪምና ንነብር ዘለና። ሓርበኝነት ኣብ ልቢ ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ኣሎ እዩ። ካብ ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ዝቕዳሕ ደም ዶብ ሉኣላዊነት እዩ። ብኸምዚ ምንባር ንሃገርን ህዝብን ዝኽፈል ናይ ዜግነት ግቡእ ይመስለኒ።

ብኸምዚ ኩነታት ምንባር ዓርስኻ ንኻልኦት ህልውና መቒልካ ከም ምሃብ እየ ዝቖፅሮ። ብደም ኣቦታትና ንሕና ሕዚ ወሊድና ከቢድና ንነብር ኣለና። ብርቱዕ ህዝቢ፣ ስልጡን ሃገር ተባሂልና ኣብ ዓለም ኣዳባባይ ተመስኪሩልና ኢዩ። ፅባሕ ዝመፅእ ወለዶ ድማ ኣነን ንስኹምን ነድልዮ ኢና። ብናይ ወለድና ሓቂን ጅግንነትን ከንነብር ዝኸኣልና ምዃና ተረዲእና ካሊእ ካባና ቐፂሉ ንዝመፅእ ትውልዲ ዓርስና ንሓላፍነት ክንዳሎ ኣለና። ኣቦታትና በዚ ልክዕ እንተዘይነብሩ ነይሮም ኣብ ዝሕዚ ግዘ ንሕና በዚ ልክዕ ኣይንርከብን ነይርና። ኣቦታና ንዓና ከምዘድለዩና ንሕና ‘ውን ዝድለ ትውልዲ ስለ ዝመፅእ ግቡእ ዜግነትና ክንዋፃእ ይግባእ። ብኣቦታትና ምንባር ኢና ንነብር ዘለና። ብተስፈኦም ለምሊምና ኢና። ሕዚ ካልኦት ወለዶ ንኽነብሩ ናይና ተራ እዩ። ንኻልኦት እነድልየሉ ንኻልኦት እትኸውን ምችውቲ ሃገር ንምፍጣር ናይ ሓርበኛነት ስራሕ ንሰርሐሉ ግዜ ኢና ንርከብ።

ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ፅቡቕ ነገር ንምስራሕ ኣብ ዘድልየሉ ሰዓት ኢና ንርከብ። ፅቡቕ ነገር ብምስራሕ ካባና ቐፂሉ ዝመፅእ ትውልዲ ስንቒ ንምዃን ክንለዓል ኣለና። ናይና ህልውና ብናይ ኣቦታትና ጅግንነት ዝተፈጠረ እዩ። ህልውና መፃኢ ትውልዲ ብናይና ጥንካረን ታሪኽን ዝፍጠር እዩ ዝኸውን። ፅቡቕ ሓሳብ ንባዕልትና ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ዙርያና ዝርከቡ በረከትን ፅቡቕ ነገር ስለዝኾነን ኩሉ ነገር ካብ ሓሳብ ንጀምር። ሕልምን ራእይን ንኻልኦት ክጠቕም ከምዘለዎ ሓሲብና ንላዓል።

ኣቦታትና ናይ ትማሊ ኢትዮጵያ ብሩህ መልክዕ እዮም ነይሮም። ሓርበኛታትና ነንሕድሕዴና ናይ ሞት ዋጋ ዝኸፈሉ ፅቡቕ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ወለዲ እዮም። ኩልና ንኹልና ነድሊ ኢና። እናፈለጥናን እናተሳሓሓትናን ኣድላይ ስለ ዝኾና ኢና ናብዚ ምድሪ መፂእና። ብናይ ኣቦታትና ሓርበኝነት ተጋድሎ ሕዚ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ክነብር እዩ። ድሕሪ ንሕና ዘሎ ወለዶ ነንባዕሉ ዝደጋገፍ እዩ። ትማሊ ዝተፃሕፉ ደመቕቲ ነገራት ኣብ ኩልና ኣለዉ እዮም። ንሂወትና ብጣዕሚ ኣድላይ ዝኾኑ ኣብ ጥቓና ነይሮም እዮም። እዚ ሓቂ እዚ ናብ ሃገርናን ህዝብናን ክነምፀኦ እንተለና ሓርበኛታትና ንረክብ።

ኣብዚ ሕዚ ዘመን ሓርበኛታትና ናተይን ናይኩሙን ናይ ሓባር ሓቒ እዮም። ኣብ ኣዳባባይ ዓለም ብዙሓት ክሳዶም ምቕናዕ ኣብዝኣበዮም ተቐርቒሮም ኣብዝነበርሉ እዋን ቕንዕ ኢልና ክንከይድ ዝገበሩና ኣቦታትና እዮም። ዘላእለማዊ ክብርን ናፅነትን ዘጓናፀፉና ኣብቲ ዘመን ንሱ ዝበቖሉ ሓርበኛታት እዮም። ሕዚ ኣብ ሃገርና ታሪኽ ንምስራሕ ናተይን ናትኹም ተራ እዩ። ታሪኽ ካብ ምውራይ ወፂእና ታሪኽ እንሰርሐሉ ዘመን ኢና ንርከብ። ከምዝፍለጥ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብ ልዑል ፀገምን መከራን ውሽጢ እያ እትርከብ። ካብ ናይ ትማሊ ንላዕሊ ሕብረትና እትደልየሉ እዋን እያ እትርከብ። ካብ ደገን ውሽጥን ፀላእቲ ተላዒሎማ ኣለዉ። ሓድነትናን ሕብረትናን ንምሽርሻር ተንኮል ዝሰርሑ ውልቐሰባትን ጉጅለታትን ከምኡ ‘ውን ጎረባብቲ ሃገራት እንተይቐረዩ ዝተስኡላ ግዜ ኢና ንርከብ።

ከም ኣቦታትና ትውልዲ ዘይርስዖ ናይ ጅግንንት ተግባር ሰሪሕና ንምሕላፍ ኣብ ትኽክለኛ ግዜ ኢና ንርከብ። ናተይ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ወፂእና ንሃገርና ፅቡቕ ነገር ንገብረሉ ብሕብረት ንቖመሉ ኣብ ናይ ተጋድሎ ግዜ ኢና ንርከብ። ኣቦታትና ኣብ ዓድዋ ፋሺስት ጣልያን፣ ኣብ ካራማራ ተስፋሕፊሑ ሱማልያ ከምኡ ‘ውን ኣብ ካልኦት ግንባር ኩናት ወፊሮም ብሓርበኝነት ብርክት ዝበሉ ዓወታት ብምምዝጋብ ሕዚ ዘለቶ ኢትዮጵያ ኣብነት ኮይኖም እዮም። ንሕና’ውን ፅባሕ እትፍጠር ሓዳሽ ሃገር ንሓዱሽ ወለዶ ዝኸውን ዘኹርዕ ስራሕ እንሰርሐሉ ግዜ ኢና ንርከብ። ከም ኣቦታትና ናይ ኢትዮጵያውያን ደማቕ ቐለም ደጊምና ከንፅሕፍ ሕዚ ናይና ግዜ እዩ። ሃገርና ኣብዚ ሕዚ እዋን ብደገን ብውሽጥን ፀላእቲ ከቢቦማ ኣለዉ። ብሓድነትን ሓቦን ጠጠው እንብለሉ ግዜ ኢና ንርከብ።

ብኣባይ ጉዳይ ናይ ግብፅን ሱዳንን ምፍርራሕ መዕለቢ ዘይረኸበ ኣብ ናይና ዘመን ዝኒሀ ፀገም እዩ። ኣብ ሃገርና ኣብ ተፈላላዩ ቦታታት ዝላዕሉ ፀገማት’ውን ተወሳኺ ፀገም እዩ። ብፖለቲካ፣ ብኢኮኖሚ፣ ብማሕበራዊ ህይወትና ውሽጢ ሃገርና ናይና ሓርበኝነት እትደልየሉ ግዜ ኢና ንርከብ። ሕዚ ንሃገርና ይኹን ንህዝብና ፅቡቕ ተግባር እንሰርሐሉ ካብ ኩሉ እዋን እተፈለየ መገዲ ኢና ንርከብ። ኢትዮጵያ እፈትዋ እየ ዝብል ኩሉ ካብ ወረ ሓሊፉ ብተግባር ዝፍተነሉ ግዜ እዩ።

ብሓቂ ኢትዮጵያ ካብዚ ንላዕሊ ፀገም ገጢምዋ ኣይፈልጥን። ኣነ ናይ ሃገረይ ፀገም ይስመዐኒ እዩ። ሃገረይ ክረድኣ እትደሊ እያ። ክረድኣ ድማ ኣለኒ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓድነት ክለዓል ከምዘለዎ ይስመዓኒ። ሕማም ኢትዮጵያ ናይ ኩሉና ሕማም እዩ። ኣብ ውሽጢ መከራኣ መከራና ኣሎ እዩ። ሕዚ ከም ኣቦታትና ብሕብረት ደው ብምባል ፀገም ሃገርና መዕለቢ ክረክብ ክንገብር ኣለና። መብዛሕትኦም ፀገማትና ሓድነትን ህዝባዊነትን የድልዮም እዩ። መብዛሕትኦም ፀገማት ድማ ኣብ ውሽጢ ኣባይን ኣባኹምን ኢድ እዩ ዘሎ። ኩልና ብሓድነት ጠጠው እንተይልና ኩሉ ፀገም ከም ጠስሚ መኺኹ ክተርፍ እዩ።

ክሳብ ሕዚ ዘለዉ ፀገማትና ሕብረት ብምስኣን ዝመፁ እዮም። ምፍልላይና ዝፈጠሮ ፀገም እዩ ኣብ ዝሕዚ ሰዓት በቢኸባቢኡ መከራታት እናተፈጠሩ ንሽገር ዘለና። ሓርበኛ ንኸንባሃል ግዴታ ኣብ ናይ ኵናት ሜዳ ኬድና ከንዋጋእ ትፅቢት ኣይግበረልናን። ሓርበኛ ክንባሃል ግዴታ ጉራደ ወይ ናይ ውግእ መሳርሒ ከንዕጠቕ ትፅቢት ኣይግበረልናን። ፅቡቕ ነገር ብምፅሓፍ ሓርበኛ ምዃን ንኽእል ኢና። ብናይ ሕድሕድ ሃገራዊ ፀገም ነቒሕና ብምስታፍ መፍትሒ ብምምፃእ ናይዚ ትውልዲ እዚ ሓርበኛታት ክንኸውን ንኽእል ኢና።

ብህዳሴ ግድብ ዝላዓሉ ኣፍሪካዊ ኮነ ዓለም ለኻዊ ተቓውሞታት ብሓድነት ጠጠው ብምባል ታሪኽ ምስራሕ ንኽእል ኢና። ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውደ ስራሕቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝጠቕም ፅቡቕ ውፅኢት ብምምፃእ ሓርበኛ ክንኸውን ንኽእል ኢና። ፅቡቕ ነገር ብምስራሕ፣ ፅቡቕ ነገር ብምሕሳብ፣ ኣብ ዙርያና ንዘለዉ ኣድለይቲ ነገራት ጠጠው ብምባል በዚ ሓርበኛ ክንኸውን ንኽእል ኢና። ፅቡቕ ነገር ንምስራሕ እንተተዳሊና ታሪኽ ክንሰርሐሉ ንኽእል ብዙሓት ሃገራዊ ጉዳያት ኣለዉ እዮም።

እቲ ፀገም ኮይኑ ዘሎ ምስ ዕቡድ ምዕባድ፣ እምኒ ምስዘልዐሊ እምኒ ምልዓል እዩ። ሃገርና ኣብ ኣተሓሳስባና ውሽጢ እያ ዘላ። ካብ ረሳሕ ኣተሓሳስባ ወፂእና ድሙቕን ብርሃናዊን ሓቒ ክነምፅእ ኣለና። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክንዲ ታሪኽ ምስራሕ ታሪኽ ብምውራይ እነሕልፎ ግዜ ይበዝሕ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክንዲ ታሪኽ ንምስራሕ ምሙካር ብኣክሱምን ላሊበላን እናተደነቕና ስራሕ ፈቲሕና ንውዕል ብዙሓት ኢና። ልዑላት ነይርና እናበልና ብወረ ግዜና ካብ ነሐልፍ ልዑላት ክንኸውን ምስራሕ የድሊ።

ቑም ነገር ንምስራሕ እንተተዳሊና ክንሰርሕ ንኽእል ኢና። ኣቦታትና ስልጡን ኣብ ዘይነበረ ዘመን እዮም ንዓለም ዘድንቕ ታሪኽ ዝሰርሑ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሕና ብብዙሕ ነገር ምችውን ስልጡንን ኣብ ዝኾነ ዘመን ኢና ዘለና። ንህዝብና ይኹን ንሃገርና ታሪኽ ንምስራሕ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣብ ትኽክለኛ ግዜ ኢና ንርከብ። ወነ ኣቦታትና ተዓጢቕና ንዘለዉ ሃገራዊ ፀገማት መፍትሒ ብምምፃእ ዜግነታዊ ሓላፍነትና ከንዋፃእ ሐደራ እናበልኩ ኣብዚ ከብቕዕ። ሰላም ቕነ።

(ካብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዝተወስደ)

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You