ዓበይቲ ክለባት ኣውሮፓ ዝሳተፍሉ ክለብ እግሪ ኩዕሶ ፅዋዕ ቻምፒዮን ሊግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ፃንሒት ብምዝዛም ናብ ካልእ ባዓል ተራ ኣምሪሑ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰላሳን ሓደ ሃገራት እናተዘዋወረ ብደገፍቱ እናተጎብነየ ፀኒሑ ‘ዩ። እዚ ፅዋዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ውን ናይ ሓደ መዓልቲ ፃንሒት ገይሩ ‘ዩ።
ተፃወትን ፅዋዕ ሻምፒዮን ሊግ ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኡ ስዒቡ ፕሬዝዳንት ፌደሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ‘ዮም። ኣብ ዝመሓላልፍዎ መልእኽቲ ሃይንከን ናይቲ ሻምፒዮና ሊግ ስፖንሰር ከምዝኾነ ምስ ገለፁ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣትሌቲክስ እግሪ ኩዕሶ ፌዴሬሽን ጠንካራ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ገሊፆም ‘ዮም። ሐዚ ‘ውን ናብ ታሕቲ ብምውራድ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰገናት ዝስረሐሉ ኩነታት ዘተ እናተገበረ ‘ዩ ኢሎም።
ኣይተ ኢሳያስ ፅዋዕ ኣፍሪካ ከም ሻምፒዮን ሊግ ፅዋዕ ኣብ መላእ ዓለም ዝራኣየሉ ጊዜ ከምዝምህሉ ገሊፆም። እዚ ንክኾን ኣፍሪካውያን ጠንኪርና ምስራሕ ከምዘለና ከምኡ ‘ውን ናይ እግሪ ኩዕሶ ኮኸብ ተፃወቲ ኢትዮጵያ ንምርኣይ ትኹረት ምሃብ ኣድላይ ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 6 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም