
መበል 25 ፔፕሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማራቶን ውድድር ተኻይዱ ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዕዎም ‘ዩ፤ በቢ ዓመቱ ኣብ ሆላንድ ዝካየድን ኣብ ዓለም ትኹረት ካብ ዝባሃቦም 10 ውድድራት ማራቶን ሓደ ዝኾነ ናይ ሮተርዳም ማራቶን ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ፌቨን ሃይሉ ተዓዋቲት ኾይና ‘ያ፤ ፌቨን እቲ 2ሰዓት 22ደቒቓ 01ማይክሮ ሰከንድ ብዝኾነ ‘ያ ዛዚማቶ።
ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ትውልደ ኢትዮጵያ ንሆላንድ ዝጎይይ ኣብዲ ነገያ ተዓዊቱ ‘ዩ። ልኡል ገብረስላሴ ካብ ኢትዮጵያ ካልኣይ ኪፕየጎ ካብ ኬንያ ሳልሳይ ብርኪ ብምሓዝ ዝዛዘሙ ኣትሌታት ‘ዮም ።
ብተመሳሳሊ ዜና መልዓሊኡ መስቀል ኣደባባይ ዝገበረ መበል 25 ፔፕሲ ኣዲስ ኣበባ ማራቶን ተኻይዱ ‘ዩ። ኣብቲ ማራቶን ጉያ ሰብዓን ሽድሽተን ኣትሌታት ተሳቲፎም ‘ዮም። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ካብ ፌደራል ማረምያ ኣትሌት ሃብታሙ ኣሰፋ 42 ኪሎ ሜትሮ ቐዳማይ ኾይኑ እንትዛዝም ደረጀ መርሻን ስንትየሁ ለገሰን ካብ ፌደራል ፖሊስ ካልኣይን ሳልሳይን ብርኪ ብምሓዝ ዛዚሞም ‘ዮም።ነቶም ሰዓርቲ ኣብቲ ዕለት ኽቡራት ኣጋይሽ ኾይነን ዝተረኸባ ኮማንደር ደራርቱ ቱሉን ጌጤ ዋሜ ሽልማት ኣበርኪተን ‘የን። ብሓፈሻ ኣብቲ ውድድር 160 ኣትሌታት ብዝተፈላለየ ውድድራት ዝተሳተፉ እንትኾን ብድምሩ ውፅኢት ብደቂ ተባዕትዮ ፌደራል ማረምያ ብ14 ነጥቢ ብደቂ ኣንስትዮ ፌደራል ፖሊስ ብ17 ነጥቢ ዝሳኣሩ ጉጅለታት ‘ዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 6 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም