‘ጥፍኣት የብቅዕ፣ ድሕሪ ኸዚ ፀገምና ብምኽክር ንፍታሕ’’ -ተቐዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ

 ኣዲስ ኣበባ፡- ክሳብ ኸዚ ዝጠፍአ ጥፍኣት ይኣክል ድሕሪ ኸዚ ፀገማትና ብምምኽካርን ብዘተን ንፍታሕ ክብሉ ጠቕላይ ፕሬዝዳንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ገሊፆም። ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃገር ንክትቕፅል ሃገራዊ ምኽክር ጥቕሚ ዓብይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ተቐዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ ፣ ክሳብ ኸዚ ዝጠፍአ ጥፍኣት ይኣክል ብምባል ገፅና ናብ ሰላም ክነዙር ይግባእ ኢሎም።

ሃገር ንክትቕፅል ሃገራዊ ምኽክር ጥቕሙ ዓብይ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ፕሬዝዳንት እቲ ምኽክር ማዕርነት ዝሰፈኖ፣ ብሓቅን ብሓድነትን መገዲ ዝስራሕ እንድሕር ኾይኑ ንሃገርና ኣወንታዊ ግደ ከምዝህልዎ ዘለዎም እምነት ገሊፆም ‘ዮም።

ምምኽኻርን ምዝታይን ዝፀንሐ ባህሊ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነ ዘዘኻኸሩ ሓጂ ዑመር፣ ብምምኽኻርን ብዘተን ፀገምና ክንፈትሕ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም። ሃገራዊ ምኽክሩ ናብ ታሕቲ ወሪዱ ተፈፃሚ ንክኾን ከምኡ ‘ውን ሃገር ናብ ሰላማዊ ኩነታት ንክትምለስ ካብ መንግስትን ሕብረተሰብን ብዙሕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ህዝቢ ጥፍኣተኛ ፈሊዩ ብምውፃእ መገዲ ጥፍኣት ብምዕፃው ሰላም ሃገር ምርግጋፅ ትፅቢት ይግበር። እቲ ኮምሽን ምስ ኢትጵያውያን ብምምኽካር ብሓባር ፀገማት ዝስተኻኸልሉ ናብ ሰላም ዝኣትውሉ ዕድል ምፍጣር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ሃገራዊ ምኽክር ተግባራዊ ንምግባር ጥብቕ ዝበለ መምርሒ ሕጊ ክህሉ ይግባእ ዝበሉ ሓጂ ዑመር፣ ኣብ ሃገር ዝጠፍአ ሰላም ንምምላስን ብዘላቕነት ሓቢርካ ንምንባር ዓብይ ጥቕሚ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም። ቅድሚ ኸዚ ብኹናትን ብካልኦት ምኽንያት ዝጠፍአ ጥፍኣት ጠፊኡ ‘ዩ፣ ብዝበፅሐ ዕንወት ዝዓነወ ዓንዩ ‘ዩ፣ ዝተመዛበለ ተመዛቢሉ ‘ዩ፣ ኸዚ ግና ዝጠፍአ ጥፍኣት ይኣክል ሕድ ሕድና ምቁሳል ተሪፉ ገፅና ናብ ሰላም ምዟር ይግባእ ኢሎም።

ኣቦ ሃይማኖት ብምዃነይ ሰላም ንክሰፍን ከምኡ ‘ውን ፅልእን ምቅታልን የብቅዕ ክብል ይሓትት ዝበሉ ተቀዳሚ ሙፍቲ፣ ሃገራዊ ፀገማት ብምዝርራብ ብዘተ ምፍታሕ ከምዘድሊ ገሊፆም ‘ዮም። ናይ ወዲ ሰብ ድልየት ሰላም ፈጣሪ ምፍራሕ ምኽኣሉ ‘ዩ፣ ፈጣሪ ምፍራሕ ዝኻኣለ ሰብ ድማ ናይ ባዕሉ ሰላምን መሰልን ኣኽቢሩ ናይ ካልኦት ሰባት ‘ውን መሰልን ሰላምን ዘኽብር ‘ዩ ኢሎም።

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 6 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም

Recommended For You